Haddas Eritrea - June 23, 2009

  • May 2020
  • PDF

This document was uploaded by user and they confirmed that they have the permission to share it. If you are author or own the copyright of this book, please report to us by using this DMCA report form. Report DMCA


Overview

Download & View Haddas Eritrea - June 23, 2009 as PDF for free.

More details

  • Words: 13,331
  • Pages: 12
2 0 0 9 ²Ãö-4 ስድራ ምልእቲ ብሓንቲ ለይቲ

²Ãö-3 ንስኺዶ ትጽብቒ ኣነ?

²Ãö-5 ቅርበት ናይ’ተን ተማላላእቲ ዕለታት

KkF 18 –Kq cÿ.254

ሰሉስ 23 ሰነ 2009

ዞባ ደቡብ። 1,888 ኣስከሬን ሰማእታት ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ዓሪፉ

ብ20 ሰነ ካብ መካነ መቓብር ሰውኣት ዓረዛ ዓሪፉ፣ እቲ ብወተሃደራዊ ምረሻን መዛሙር ተመሃሮን ዝተሰነየ ኣስከሬን ኣብ መቓብር ሰማእታት ምስ በጽሐ። ብጸሎተ ፍትሓትን ዱዓ መሻይኽን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ድቡብ ኣቶ ሙስጣፋ ኑርሕሴን ኣብ ዘስመዖ መደረ። “ጀጋኑ ሰማእታትና። ሓወልቶም ኣብ ልብና መቓብሮም ድማ ኣብ ውሽጥና ስለዝኾነ። ኩሉ ዕላማታትናን ተበግሶታትናን ብእኦም ክቃነ ይግባእ” ክብል።

ንስኺዶ ትጽብቒ ኣነ?

ኣብ ዞባ ደቡብ። 20 ሰነ - መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ። “ዝኽርና ሓበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ። ኣብ መላእ’ቲ ዞባ ብሓፈሻ። ኣብ ጸሮና። ሰንዓፈ። ዓዲ-ዃላ። ማይምነን ዓረዛን ከኣ ብፍላይ ብኽብ ዝበለ ርዝነት ተዘኪሩ፣ ብምኽንያት’ቲ ክቡር ዕለት ድማ። ኣብ ሓውሲ ከተማ ዓረዛ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲን ኣብ ምኽባር ልኡላውነት ሃገርን ናይ ዝተሰውኡ 702 ሰማእታት ኣስከሬን። ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ። ሓይልታት ምክልኻልን ምምሕዳርን ከካብ ዝወደቐሉ ክእከብ ድሕሪ ምቕናይ።

ሕድሮም ንምትግባር ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ሓድነቱ ኣትሪሩ ብተወፋይነት ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ፣ “ፍትሒ ምንጋስን ምዕሩይ ምዕባለ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገር ምርግጋጽን። ካብ ሕድሪ ሰማእታትና’ዩ” ዝበለ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ኣቶ ብርሃነ መንገሻ ድማ። ህዝቢ ኣብ ትግባረ ሕድሪ ሰማእታት ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ጸዊዑ፣ ብተመሳሳሊ። ኣብ ማይምነ ናይ 37 ሰማእታት። ኣብ ዓዲ-ዃላ ናይ 660 ሰማእታት። ኣብ ሰንዓፈ ናይ 277 ሰማእታት። ኣብ ጾሮና ድማ ናይ 212 ሰማእታት ኣስከሬን ተኣኪቡ። ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ዓሪፉ’ሎ፣

²Ãö-8 ርክብ ሰማእታትን ናይ ክብሪ ቦታኦምን

²Ãö-10 ቅድመ ታሪኽ ኣህዛብ

²Äq 12 g³ 1.00 |iÍ

ማእከላይ ባይቶ ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ ማእከላይ ባይቶ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ። ብ15ን 16ን ሰነ 7ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ኣስመራ ኣቃኒዑ።። ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ሓላፊ ዉድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር ኣብ ዘስመዖ ቃል። ሓይልን ዓቕምን ናይቲ ኣብ ህንጸትን ምክልኻልን ሃገር ተጸሚዱ ዘሎ መንእሰይ ንምብራኽ። ዉህደት ኣካላት መንግስቲ። ግንባርን ማሕበራትን ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሩ።። ብኹልንትንኡ ብቑዕ መንእሰይ ንምህናጽ ክትግበሩ ብዛዕባ ዘለዎም መደባት ድሕሪ ዝተገብረ ክትዓት ድማ። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ። እቲ ማሕበር ዉሁድ ኣበርክቶ መሻርኽቱ ተሓዊስዎ ናብ ሓድሽ መድረኽ ዘሰጋግር ለዉጥታት

ድሮ ዉሁድ ንጥፈታት ክንጸባረቕ ከምዝጀመረ። ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምትሕብባር ዝተኻየዱ ፈስቲቫላት ተመሃሮ ድማ ኣብ ምብርባር መሃዝነታዊ ዓቕሚን ምድልዳል ሓድሕዳዊ ፍቕሪን ዝነኣድ ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ገሊጹ።። ኣቶ ሱልጣን ኣስዒቡ። ሞያዊ ዓቕሚ መንእሰይ ንምሕያል ዝግበር ሞያዊ ስልጠናታት። ጸቢብ ዉዳበ ማሕበር። ዉዳበ ደቀንስትዮን መንእሰያት ሰራሕተኛታትን። ከምኡ’ዉን ዉዳበ ጨናፍር ምምሕዳራትን ካልእን ኣመልኪቱ። ዝርዝራዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።። ኣብ መዛዘሚ’ቲ ኣኼባ። ማእከላይ ባይቶ ሃማመተኤ መደባት ማሕበር ንህሉዉ ብድሆታት መንእሰያት ብዝምልሽ መልክዑ ዝሕግዝ ዋዕላ መንእሰያት ክካየድ። ዓቕሚ ካድራት

ኣብ ምምጻእ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ተላብዩ።። ኣቦ-መንበር ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ.ኣቶ ሱልጣን ስዒድ ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ስራሕ ጸብጸብ። ዋዕላ ምዉህሃድ ኣካላት መንግስትን ግንባርን ኣብ ሕቶ መንእሰይ ኣብ ሽድሽቲአን ዞባታት ሃገርና ምስ ተኻየደ።

ንምሕያል ናይ ስልጠናን ትምህርትን ዕድላት ክናደን ክድንፍዕን። ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ መንእሰያት ናብ ሃገሮም እናመጹ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ባይቶ ክጣጣሕ ዝብሉን ካልኦት ዉሳኔታትን ለበዋታትን ኣቕሪቡ።።

ሓዳስ

2

ኤርትራ 23 ሰነ 2009

20 ሰነ መዓልቲ-ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ኣየርላንድ። ለንደንን ሊብያን ተዘኪራ

ኢራን። ንቕሓት ዘበርኽ ትዕዝብቲ ኩሉ ህዝቢ ነናቱ ታሪኽ። ነናቱ ስልጣነን ባህልን ኣለዎ፣ ከመይ ጌሩ ይመሓደር? ብኸመይ ጸገማቱ ይፈትሕ? ኣብ ነዊሕ ተሞኩሮ ዘማዕበሎ ነናቱ መገዲታት ስለዘለዎ ድማ። መምህር ዘድልዮ ኣይኮነን፣ ክንዲ ዝኾነ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ህዝቢ ወይ ሃገር ጸገማት ምስዝኽሰት። እቲ ቅኑዕን ሓቀኛ ፍታሕ ዘረጋግጽን መገዲ። ካብ ኩሉ ዓይነት ግዳማዊ ምትእትታዋት ተሓዪብካ። ውሽጣዊ ጉዳይ ንዋናታቱ ምግዳፍ እዩ፣ ብመንጽር እዚ ሓቂ’ዚ። ኣብዚ ቅንያት’ዚ። ኣብ ኢራን ምስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተኣሳሲሩ ዝተኸስተ ሽግር። ብቐንዱ ንኢራናውያን ጥራይ ዝምልከት ውሽጣዊ ጉዳይ ብምዃኑ። ካብ ምትእትታውን ምርስሳንን ተቘጢብካ። እቲ ጉዳይ: ንሰብ ጉዳይ ክግደፍ ምተገብአ፣ የግዳስ። ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታትን መጋበርያነት ማዕከናት ዜናኦምን እምብዛ ጉሉሕ ኮይኑ። ንቕሓት ህዝብታት ዓለም ዘበርኽ ተወሳኺ ትዕዝብቲ ምግዳፉ ኣይተረፈን፣ ዝኾነ ህዝቢ። ሰላም። ቅሳነትን ርግኣትን ከምዝብህግ ዘካትዕ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ። መሰረት ኩሉ መዳያዊ ምዕባለ። ሰላምን ቅሳነትን እዩ፣ እቲ ባህጊ ሓደ ይኹን እምበር። ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሓንቲ ስድራ እውን እንተኾነ ንኣሽቱ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ክህልው ባህርያዊ እዩ፣ ጥዕና ዘለዎ ፖለቲካዊን ፕሮፖጋንዳዊን ንጥፈት እምበኣር። ነዚ ባህርያዊ ፍልልያት ብምጽባብ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ስኒት ንምፍጣር። ብሓላፍነታዊ መገዲ ጸገማት ንምፍታሕ ክሕልን እዩ ዝግባእ፣ ባህሊ ዕብለላን ግብትናን ንምውሓስ ዘገልግል ስነሓሳብ ምዕራባዊ ዓለም ግን። ክወቕዖ ዝደሊ ዕላማ ከምኡ ኣይኮነን፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣህዛብ ዓለምና ዕብለላን ቁጽጽርን ንምርግጋጽ። ንሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ መልክዕ ምክፍፋል ንቑልቁል ብምትፍናን። ግጭትን ህውከትን ምስዋር ሓደ ካብ ቀንዲ ስልትታቱ እዩ፣ መርትዖታት የረጋግጽዎ ከምዘለው። ትካላት ስለያ ብሪጣንያን ኣመሪካን። ነዚ ዕግርግር’ዚ ንምስዋር ካብ ቅድሚ ዓመት ጀሚሮም ክሰርሕሉ ጸኒሖም እዮም፣ ብኣመለኻኽታ ምዕራባዊ ስነሓሳብ። ህዝቢ ብዝተፈላለየ ደቀቕቲ ፍልልያት መቓቒልካ ቅልውላው ምጽሕታር። ንነብሰ ቅትለታዊ ስጉምቲታት “ደሞክራሲያዊ መስዋእቲ”። ንናዕቢን ዕግርግርን - “ሰውራ መሰል”። ንስለያዊ ሓበሬታታት - “ማሕበራዊ ሜድያ” እናበልካ። ዘገርም ኣስማት ምጥማቑ። ድሕሪኡ ነቲ ቅልውላው ምምሕዳር ደሞክራሲ እዩ፣ ነቲ ንሳቶም ደሞክራሲ ዝብልዎ ሓድሕዳዊ ንቊት ኣብ ምፍጣር ከም ቀንዲ መሳርሒ ኮይኑ ዘገልግል ድማ። እቲ መርዝታት ጽልኢን ቅርሕንቲን ብምንዛሕ። ጸገማት ኣብ ዝኽሰተሉ። ከበሮ ሓምሓም እናሃረመ ዘጉህር። ናጻ ፕረስ ዝብልዎ እዩ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ። መርበባት ሓበሬታ። መቐጸልታኡ ኮይኑ። ንስለያዊ ስርሓት ከምዘገልግል ይግበር ኣሎ፣ ህዝብታት ዓለምና እምበኣር። ብድሕሪ’ዚ ሽርሒታት’ዚ ንዘሎ ሕቡእ ዕላማታት ክነቕሕሉ ዝግባእ እዩ፣ ስኒትን ውህደትን ድኣ እምበር። ነውጺን ምትፍናንን መግለጺ ሓቀኛ ደሞክራሲን ጥዑይ ፖለቲካን ኣይኮነን፣ ከፋፋሊ ፖለቲካ ኣብ ትሕቲ ዕብለላን ምዝመዛን ዘስግድ መግለጺ ድኻም ድኣ’ምበር መግለጺ ብርትዐን ስልጣነን ኣይኮነን’፣ ሳዕቤናቱ ድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብግብሪ ዝተመስከረ እዩ፣

\\\\\\\\\\\\\

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢ

ዮናስ መሓሪ ቍ.ስ 201820(2212) ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394 ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ለይ-ኣውት ኣማኑኤል ተኽለ ኤደን ገብረመድህን ሰላማዊት ክብረኣብ

ሳምራዊት መለስ ዘቢብ ተወልደ ራሄል ግርማይ ሓበን ስብሃቱ

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ኣየርላንድ። ለንደንን ሊብያን ብረዚን ዝኽሪ ተኸቢራ ከምዝወዓለት ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ። ኣብተን ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ሕድሪ ሰማእታቶም ንምትግባር ስድራ ስውኣት ክጥውሩን ካልእ ሃገር ካብኦም እትጠልቦ ኩሉ ከማልኡን ዝኣተውዎ መብጽዓ ዝያዳ ከምዘጽንዕዎ ኣረጋጊጾም፣ ኣብ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣቶ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ኣብ ዘስመዖ ቃል። መዓልቲ ሰማእታትና ከነኽብራ ከሎና ነቶም ኩሎም ምእንቲ ሓርነትን ምዕቃብ ናጽነትን ኤርትራ ዝተበጀዉ ጀጋኑና ኣብ ሓደ ህሞት ብሓባር ንዝክረላ ዕለት ምዃና ብምሕባር። ሰማእታትና ወትሩ

ኣብ ልብናን ቀልብናን ከምዘለዉ ኣብሪሁ፣ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ሊብያ ኣቶ ዓብደላ ሙሳ ኣብቲ ኣብ ትሩፕሊ ኣብ ዝተገብረ ኣከባብራ’ታ ዕለት ኣብ ዘስምዖ

ቃል ድማ። ሰማእታትና ንዝገደፉልና ሓድግታቶም ክንኣልን ክንሕብሕብን። በጃ ሓሊፎም ዘረከቡና ሃገር ክንሃንጽን ከነልምዓን ዘይሕለል ጻዕርና ከነዛይድ ከምዝግባእ ሓቢሩ፣

ዞባ ዓንሰባ። ዓመታዊ ልዕሊ 43 ሚልዮን ናቕፋ ንስድራ ስውኣት ደበስ ይኽፈል ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ። ብመሰረት’ቲ መንግስቲ ስድራ ስውኣት ንምሕብሓብን ምእላይን ዘውጽኦ መደብ። ዓመታዊ ልዕሊ 43 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ይኸፍል ምህላዉ። ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ግርማይ በዅረጽየን ገሊጹ፣ ኣቶ ግርማይ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። እቲ ንስድራ ስውኣት ብውዱብን ስሩዕን ኣገባብ ዝወሃብ ደበስ። ካብ ካዝና መንግስትን ኣብ ወጻኢ ካብ ዝቕመጡ ግዱሳት ዜጋታት ዝልኣኽን

ምዃኑ ብምምልካት። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ኣስታት 198 ሚልዮን ናቕፋ ብመንግስቲ። ልዕሊ 13 ሚልዮን ናቕፋ ከኣ ብግዱሳት ዜጋታት ዝተበርከተ ከምእተኸፍለ ኣረዲኡ፣ እቲ ሚኒስትሪ። ስድራ ስውኣት ከይተጸገሙ ኣብ እዋኑ ብጽሒቶም ከም ዝረኽቡ ንምግባር ይጽዕር ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ግርማይ። ኣባላት’ቲ ጨንፈር ነቲ መስርሕ ክፍሊት እናተንቀሳቐሱ ይፍጽምዎ ከምዘለዉ ኣብሪሁ፣ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን

ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ ብዘይካ’ዚ። ኣለይቲ ዘይብሎም ዘኽታማት ንምእላይን ንምሕብሓብን። ኣብ ከተማታት ከረን። ሓጋዝን ዒላበርዕድን ሰለስተ ዘቤታዊ ጉጅለታት ብምቛም። ን30 ዘኽታማት ግቡእ ክንክንን ምእላይን ይገብረሎም ከምዘሎ። እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር፣ ኣደ ኣርባዕተ ስውኣት ወ/ሮ ለተሃንስ ዓሸራ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ። በቲ መንግስትን ህዝብን ዝገብረሎም ምሕብሓብን ኣተኣላልያን ኣዝያ ሕጉስትን ዕግብትን ምዃና ገሊጻ፣

ኤርትራውያን ተቐማጦ ሱዳን። ሰሜን ኢማራትን ምስሪን 20 ሰነ ብርዝነት ዘኪሮማ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሱዳን። ሰሜን ኢማራትን ምስሪን 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ሽምዓ ብምብራህን ካልእ ንጥፈታት ብምክያድን ዝኣተውዎ መብጽዓ ንምትግባር ዳግማይ ቃሎም ብምሕዳስ ብርዝነት ዘኪሮማ ውዒሎም፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ሰነ-ስርዓት ዝኽሪ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ኣብ ዘስምዖ መደረ። “20 ሰነ መላእ ህዝቢ ኤርትራ

ንስለ ህላወ ህዝብን ዋሕስ ሃገርን ክቡር ሂወቶም ወፍዮም ህዝቦም ጎይታ ብሩህ መጻኢ ክኸውን ዘብቀዕዎ ብሉጻት ዜጋታት ፍቕሩን ልዑል ኣኽብሮቱን ዝገልጸላ ረዚን ሃገራዊ ዝኽሪ’ዩ” ድሕሪ ምባል ሓበንናን ኩርዓትናን ካብ መስተንክራዊ ቅያኦምን ጅግንነቶምን ከምዝነቅል ኣረዲኡ፣ ቀጻልነት እታ ዘረከቡና ናጻ ሃገር ዳግማይ ብደምና ኣውሒስና ዝበለ ኣምባሳደር ዒሳ። ብወፍሪ ቁጠባዊ

ምእላይን ምድጋፍን ስድራ ስውኣት። መርኣያ ስልጡን ባህሊ ምዃኑ ተገሊጹ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ካብ መንግስቲ ዝረኽብዎ ናብዮትን ምሕብሓብን። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራዊያን ንስድራቤት ስውኣት ዝገብርዎ ዘለዉ ሓገን ደገፍን። መርኣያ ስልጡን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ርእሶም ሕዝባይ ገሊጹ፣ ኣቶ ርእሶም ኣብ ሓበሬታኡ። ካብ ምድጋፍ ያታን ኣኽብሮቱ ንሰማእታቱ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፣ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ብዝኣተውዎ መብጽዓ መሰረት። ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከቡ ስድራ ስውኣት ዝለኣኽዎ ኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ናቕፋ። ንዝምልከቶም ስድራ ቤታት ከምእተዋህበ ዝሓበረ ኣቶ

ርእሶም። ኣብ ማሕብረ-ቁጠባዊ ሂወት ናይቶም ስድራቤታት ዘምጽኦ ለውጢ ቀሊል ከምዘይኮነ ኣስሚሩሉ፣ ኣደ ክልተ ስውኣት ወይዘሮ ዓሻ ዖዳራ ዒላማ። ብህዝብን መንግስትን ንዝግበረሎም ዘሎ ሓልዮትን ምድግጋፍን ድሕሪ ምምስጋን። ብመስዋእቲ ደቀን ሓበንን ኩርዓትን ከም ዝስመዐን ብምሕባር። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ንዝገብርዎ ኣበርክቶ መጒሰን፣ ብወለንታኡ ንክልተ ስድራቤታት ስውኣት ናይ ምእላይ ሓላፍነት ዝወሰደ ተቐማጣይ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ዘርኣይ ሃይለ። ንምሕጋዝን ምንባይን ስድራ ስውኣት ካብ ሕድሪ ሰማእታትና’ዩ ክብል ድሕሪ ምሕባር፣ ወሲድዎ ዘሎ ቅዱስ ተበግሶ ናይ ሕልና ዕግበት ከምዝፈጠረሉ ገሊጹ፣

ሓርነት ዓበይቲ ልምዓት እናኣሰላሰልና ሕድሮም ንምፍጻም ኣብ ሓያል ጻዕሪ ተጸሚድና። እሙናት ፈጸምቲ ሕድሪ ምዃና ብግብሪ ነመስክር ከምዘለና ኣረጋጊጹ፣ ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ኤርትራዊያን ነበርቲ ሱዳን ንስድራ-ቤት ስውኣት ዝውዕል 8 ሽሕ ዶላር ውፍዮም፣ ኣብ ሰሜን ኢማራት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ድማ። ጠቅላሊ ቆንስል ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል። 20 ሰነ መብጽዓናን ዝኽርናን እነሐድሰላ ናይ ዝኽሪን ጽንዓትን መዓልቲ’ምበር ናይ ሓዘን ዕለት ከምዘይኮነት ብምዝኽኻር። ሕድሮም ምትግባር ጾር ኩሉ ኤርትራዊ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ፣ ኤርትራዊያን ተቐማጦ ሰሜን ኢማራት 120 ስድራ ሰማእታት ኣብ ምጥዋር ከምዝርከቡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ፣ ኣብ ከተማ ካይሮ-ምስሪ ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት’ውን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘተኣማምን ሰላምን ራህዋን ክነብር ዝበቕዐ ረዚን ዋጋ ኸፊሉ ናጽነቱ ስለዝጨበጠ ምዃኑ ተገሊጹ፣ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራዊያን ዓመት ዓመት መብጽዖኦም እናሓደሱ ንስድራ-ቤት ቅያን መስተንክርን ፈጺሞም ሽግ ሓርነትን ልዑላውነትን ወሊዖም ዝሓለፉ ጀጋኑ ዝገብርዎ ምድግጋፋትን ንኸጥውርዎም ዝወሰድዎ ሓላፍነትን ከሐይልዎ ምዃኖም ኣብቲ ኣጋጣሚታት ተሓቢሩ፣

ኣገደስቲ ቴለፎናት

መጥፋእቲ ሓዊ 202099 202260

ፖሊስ ዞ/ማእከል (ፖ/ትራፊክ ዞ/ ማእከል) 120555

ማ.ቤ.ጽ. ፖሊስ ኤርትራ 127799

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ 152817

ሓዳስ

3

ኤርትራ 23 ሰነ 2009 ኣማኑኤል በርሀ



ብ ቕ ተ ይ ! ዋ ሕ ለ ለ ት ከተብሊ። ጸብለለት ክትበሃሊ። ጽባቐኺ ኣብ ሜዳ ክወርድ። ክምስከረሉ ክፍረድ። እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ፣ ድራር ዓይኒ! ስሩዕ ቁመናኺ ኣዒንቲ ሰባት ከድርር። ኤርትራዊ ጽባቐኺ ዶብ ሰጊሩ ከመስክር። ሽሻይ ዞባኺ። ጸጋታት ዓድኺ ኣብዛ ዓለም ክንጸባረቕ። ወይዘሪት ናይ ወይዘራዝር ክትበሃሊ። እንሆ ባይታ’ሞ ንዒ ሰለል በሊ፣ ውጅህተይ! ጽባቐኺ። ንቕሓትኪ። ሽሻይኪ እተንጸባርቕሉ ባይታ ተኸፊቱ እንሆ’ሞ። ንዒ ሜዳ ውረዲ። ሰቐጥቀጥ በሊ ኣኹድዲ፣ እቲ ሰለለል ዝብል ኣካይዳኺ። ስሩዕ ቁመናኺ። ልቢ ዝመልሕ ፍሽኽታኺ። ለይለይ ቁመናኺ። ኤርትራዊ ሕብርኺ። ርእሰ ተኣማምነትኪ…ወጅህኺ። መልክዕኪ። ጽባቐኺ ክርእዩ ዝበሃጉ ይጽበዩኺ ኣለዉ’ሞ ንዒ ኣብዚ ሜዳ ተራኣዪ - እንሆ ‘ወይዘሪት ናይ ወይዘራዝር’ እትስመይሉ ውድድር ስነጽባቐ ክካየድ’ዩ፣ ንዒ ኣብዚ ሜዳ። ንስኺዶ ትጽብቒ ኣነ ይብላኺ ኣለዋ’ሞ። ንዒ ኣርእዪና ግርማኺ፣ ንፈለማ ግዜ’የ ዝብለኪ። ቅድሚ ሕጂ ዘይተኸፍተ ዕድል። ሽሻይክን ጽባቐኽን እተንጸባርቕሉ። ብሃገር ደረጃ ውድድር ስነጽባቐ ሜዳኡ ኣዳልዩ ‘ጆባእ’ ይብለኪ ኣሎ’ሞ ሜዳ ውረዲ ጽብቕትና፣ ዓካት ዝተሓንገጠት ጓል ጋሽ ድያ ክትዕወት። ዓሳ ዘንጠልጠለት ጓል ባሕሪ፤ ሞኾምብያ ኣብ ርእሳ ዝሰቐለት ጓል ማእከል ድያ

ንስኺዶ ትጽብቒ ኣነ? ዋሕለለት ከተብል። ቈጽሊ ዳዕሮን ሳግላን እተሰለመት ጓል ደቡብ፤ ፍሩታ ዘንጠልጠለት ጓል ዓንሰባ ድያ ወይዘሪት ናይ ወይዘራዝር ክትበሃል ዕንቊ ባሕሪ ዝሓዘት ጓል ደንከል። እንሆ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ሰለስተ ወይዘራዝር ዝሳተፋሉ ውድድር ስነጽባቐ ንዕለት 25 ሓምለ ተሰሪዑ ኣሎ’ሞ። ንዕነ ሜዳ ውረዳ፣ ኣኣብ ዞባኡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃማመተአ ካብ 16-25 ዓመት ዝዕድሜኽን ወይዘራዝር ጽባቐኽን ከተጉልሓ። ‘ጸብለለት’ ክትስመያ። ቅድሚ 30 ሰነ ተመዝገባ፣ ስየታት ለይለይ ቁመት። ልዕሊ 170ሜ. ልዕሊ ሰለስተ እመት። ሓለንጋይ ጽብቕቲ ሕብሪ። ንዒ ሜዳ ውረዲ ሰለል በሊ። ወይዘሪት ኤርትራ ተበሂልክስ ወይዘሪት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትበሃሊ። ንዒ ኣብዚ ሜዳ። ንስኺዶ ትጽብቒ ኣነ? በቲ ጽባቐኺ ጽባቐና ንካልኦት ክትነግሪ። በቲ ወጅህኺ ወጅሂ ዓድና ከተበስሪ። በቲ ቈመናኺ ምስልና ክትሕብሪ። በቲ ሕብርኺ ኤርትራዊ ሕብሪ ከተገርሚ። በቲ ቋንቋኺ ባህልናን ወግዕናን ክትጸውዪ። ንዕናይ ንኺድ ንብሩንዲ፣ ውጽኢ’ሞ ካብቲ ገዛኺ። እንኪ መቃልዒ ኣርእዪና’ሞ ግርማኺ። ካብ ዞባኺ ንሃገር። ካብ ሃገርኪ ንኣህጉር ክትውክሊ። ወይዘሪት ምብራቕ ኣፍሪቃ እትስመይሉ። እንሆ ሜዳ ተዳልዩ፣ ንስኺ። ንስኺ። ዋላ’ውን ንስኺ… ንስኺ ኣንቲ

ከደረይቲ። ንስኺ ኣንቲ ፍርይቲ ዓይኒ። ንስኺ ኣንቲ ቀጣን መዓንጣ። ንስኺ ኣንቲ ጽብቕቲ ኣከዳድና። ንስኺ ኣንቲ ልዕሊ 1.70ሜትሮ ቁመታ። ይጽበየኪ’ሎ ተዳልዩ ባይታ፣ ክትዕወቲ ኢኺ። ብርግጽ ክትዕወቲ። ውጺ ጥራይ ንዒ ተጋለጺ፣ ንዒ ኣብዚ ሜዳ። ንስኺዶ ትጽብቒ ኣነ? ኣብ ቡርንዲ ኣብ ዝካየድ ውድድር ወይዘሪት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓልፋ ክልተ ደቀንስትዮ ንምምራጽ። ብደረጃ ሃገር ውድድር ስነጽባቐ(ፋሽን ሸው) ተሰሪዑ ድሮ ምዝገባ ተጀሚሩ’ሎ፣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ሰለስተ ደቀንስትዮ ዝሓልፋ ኮይነን ኣብ ዞባታት እቲ ውድድር ቅጥዒ(ፎርም) ብምምላእ ጥራይ’ዩ ክካየድ፣ እቲ ፎርም ንቁመት። ደረጃ ትምህርቲ። ነብሰ ምትእምማን። ሕብሪ ቈርበት። ናይ ምግላጽ ክእለትን ካልእን ዝፍትሽ ሕቶታት ዘጠቓለለ’ዩ፣ በዚ ቅጥዒ ተመሪጸን ከካብ ዞባኡ ዝመጽኣ ሰሰለስተ ደቀንስትዮ። ኣብ ኣስመራ ተጠርኒፈን ስልጠና ክወሃበን’ዩ፣ ዕለት 25 ብዝግበር ውድድር ከኣ ክልተ ዕዉታት ኣብ ውድድር ወይዘሪት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ንብሩንዲ ክጓዓዛ’የን፣ ምስአን ክትከዲ። ንዒ ኣብዚ ሜዳ። ንስኺዶ ትጽብቒ ኣነ? ውድድር ስነጽባቐ ኣብ ሃገርና ኣህጉራዊ ብዘይኮነ መዐቀኒታት ካብ ቀደም’ኳ ይካየድ እንተነበረ። ብስሩዕ መገዲ ግን ካብ 2001 ኢዩ ክበራበር ጀሚሩ፣ ኤርትራዊ

ሕብሪ ቈርበት ብዓለም ደረጃ ዝእመነሉ’ዩ፣ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ቡሩንዲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ወይዘሪት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ውን እቲ መዋዕውዒ ብኤርትራዊ ሕብሪ ቈርበት’ዩ ዝዝርጋሕ ኔሩ - ናይተን ክልተ ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ስእሊ’ዩ ኣብቲ መላለዪ ወረቐት ዝወጽእ ኔሩ፣ ሎሚ’ውን እንሆ ዕድል ተፈጢሩ’ሞ ኣይትጠራጠሪ ንዒ ኣብዚ ሜዳ። ንስኺዶ ትጽብቒ ኣነ? ውድድር ስነጽባቐ ምልክዕቲ ጓል ንምምረጽ ኣይኮነን ዕላምኡ፣ ኣብቲ ውድድር’ውን ጽባቐ ጥራይ ኣይኮነን እቲ መዐቀኒ፣ እታ እትወዳደር ጓለንስተይቲ ንቕሓት። ርእሰ ምትእምማንን ጽቡቕ ናይ ምብህሃል ክእለትን’ውን ክህልዋ’ለዎ፣ ምኽንያቱ እቲ ውድድር ምስ ሃገርካን ባህልኻን ጸጋታትካን እተላልየሉ መድረኽ’ዩ፣ እተን ዕዉታት ኣብ ቅድሚ’ቶ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጽኡ ዕዱማት ንሃገረን ከላልያ ዕድል ይኽፈተለን’ዩ፣ ኣብዚ ኣጋጣሚ። ነቶም ጌጋ ስእሊ ዝጸንሖም ምስሊ ዓድኻ ከምዝስተኻከል ትገብር። ነቶም እንዶ ዘይነበሮም’ውን። ቱሪዝማዊ ጸጋታትካ ብምልላይ። ሃገርካ ንክርእዩዋ ሃርፎት ከምዝሓድሮም ትገብር፣በዚ ውድድር ጌርካ ኩነታት ርግኣትን ሰላምን ዓድኻ ትገልጽ። ታሪኽካን ባህልኻን ተላሊ። ቱሪዝማዊ ጽላኻ ተማዕብል።፣ እዚ ውድድር ቱሪዝም’ዩ። ቁጠባ’ዩ። ፖለቲካ’ዩ። ባህሊ’ዩ…ንብዙሓት ጨናፍር ዝጸሉ መገዲ’ዩ፣ እዚ ስለዝፈለጠት’ያ ከኣ ሃገረ ቡርንዲ ዘውጸአት ኣውጺኣ ሎሚ ዘመን’ውን ኣብ ሃገራ ንክካየድ ጠሊባን ኣእሚናን፣ ኤርትራ’ውን ሓደ መዓልቲ እዚ ዕድል ክኽፈተላ ይኽእል’ዩ እንተጽዒርናሉ፣ እሞ ጽባቐና ብጽባቐኺ ከነመስክሮስ ንዒ ኣብዚ ሜዳ። ንስኺዶ ትጽብቒ ኣነ? ኣብዚ ኣብ ቡርንዲ ዝካየድ ውድድር ካብ 14 ሃገራት ዝመጽኣ 28 ደቀንስትዮ’የን ክሳተፋ፣ በዚ መገዲ ቀጻሊ ተሳትፎ ጌርካ ዓወታት’ውን እንተረኺብካ ኣብ ሃገርካ ንክካየድ’ውን ፍቓድ ክትረክብ ትክእል ኢኻ፣ ሃገርና።

ምስ ኩነታት ጸጥታና። ሰላምና። ጽርየት ከተማታትና። ባህልናን

ባሕርናን ከምዚ ውድድር ኣብ ምእንጋድ ኣዝያ ምችእቲ’ያ፣ በዚ ዕድል’ዚ ተጠቒምካ እትረኽቦ ቱሪዝማዊ ረብሓ’ውን ኣዝዩ ዓቢ’ዩ፣ ንዘለና ቱሪዝማዊ ጸጋታት ከነላሊ ባይታ እንረኽበሉ ሓደ መገዲ ድማ እዚ ውድድር እዚ’ዩ፣ ኣብ ቡዝሓት ሃገራት’ውን ብሚኒስትሪ ቱሪዝም’ዩ ዝካየድ፣ ኣብ ሃገርና ግን እቲ ዝገርም ብውልቀ ሰባት’ዩ ዝካየድ ዘሎ፣ እቲ ናይ ተሳታፍነት ዕድመ’ውን ናብ ውልቀ ሰባት’ዩ ዝመጽእ፣ ሎሚ ዓመት’ውን እዚ ብደረጃ ሃገር ተወዲቡ ዘሎ ውድድር ኢራብ (ERAB) ብዝብል ስም ዝፍለጡ ሰለስተ ውልቀሰባት’ዮም ወዲቦሞ ዘለዉ፣ ዋላ’ኳ ብዙሓት ሚኒስትሪታት። ትካላትን ውልቀሰባትን ይተሓጋገዝዎም እንተለዉ። ሚኒስትሪ ቱሪዝም ግን ብዓቢኡ እዚ ጉዳይ ናቱ ምዃኑን ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ዕዙዝ ከምዝኾነን ፈሊጡ ኣተኩሮ እንተዝገብረሉ ኣዝዩ ኣርባሒ ምኾነ፣ ዋላ’ኳ ናይዚ ውድድር ኣገዳስነት ንብዙሓት ዓውድታት ዝጸሉ እንተኾነ። ቀዳማይ ኣገዳስነቱ ግን ምስ ቱሪዝም ዝተኣሳሰር’ዩ - አረ ኣካል ቱሪዝም’ውን ስለዝኾነ - ሚኒስትሪ ቱሪዝም ከም ዓቢ ዕማሙ ኣብ መደባቱ ክሰርዖ ይግባእ፣ ብመገዲ ክልተ ወይዘራዝር ጌርና ሰላምና። ጸጋና። መስመርናን ባህልናን ከነላሊ ስለእንኽእል። እዚ ውድድር ብፍሉጥ ምወላ ዘይኮነስ እቶም ውልቀሰባት ‘ሓግዙና’ እናበሉ ብዘጠራቕምዎ ምወላ’ዩ ዝካየድ ዘሎ’ሞ። ኣገዳስነቱ ርኢና ኩሉ ዜጋ ዓቕሙ እንተዘበርክት። ኣዝዩ ብሩህ ተስፋ’ዩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ፣ ብዙሃት ሃገራት ነዚ ውድድርዚ ማኦረ ወይ ልዕሊ ስፖርት’የን ኣቓልቦ ዝገብራሉ፣ ብተፈጥርኡ ሰሃቢ ስለዝኾነ። ዘይከም ጎስጓሳዊ መልክዕ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እትገብሮ ናይ ሃገርካ ሌላ ብቀሊል ጸላዊ ክኸውን ይኽእል፣ ስለዚ። ብመገዲ ሃንቲ ወይዘሪት ኣቢልካ ምስ ሃገርካ ዘላሊ ፓምፍሌት ትዝርግሕ ኣለኻ ማለት’ዩ፣ ይቕጽል

ሓዳስ

4

ኤርትራ 23 ሰነ 2009

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

ኣቶ ክፍሉ ፍረዝጊ ነቲ ፍጻሜ ክገልጹ ከለዉ። “መንግስታኣብ ምስ ረሸንዎ ብቀጥታ ኣይሞተን ነይሩ፣ ብኸብዱ ዝኣተወት ጥይት ብዝባኑ ወጺኣ - ብብዝሒ ደም ይፈሶ ኔሩ።። ሽዑ ቀስ ኢሉ እናተፋሓዀ ናብ ዉሽጢ ገዛ ተመሊሱ፣ ካብ’ቶም ኣብ ሽቃቕ ዝሓብኦም ደቁ ሓደ ሳሚኤል’ዩ።። ንዕኡ “ናዓስከ ቴለፎን ኣቐብለኒ’’ ኢሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ደቀምሓረ ናብ ዝነበረ ሞታለቃ ኣፈወርቂ ደዊሉ። “ንዓ ርድኣኒ ስድራይ ኩሎም ብጦርሰራዊት ተረሺኖም’ዮም፣ ኣነ ካኣ ተወጊኣ ደመይ ይዉድእ ኣለኹ” ኢሉ ሓበሮ።። እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ናብ’ቶም ሓለዋ ባንኪ ዝነበሩ ጦርሰራዊት ማለት ቀተልቲ እቶም ሰድራ ምዃኖም’ዮም ናብ ሞታለቃ

ስድራ ምልእቲ ብሓንቲ ለይቲ ኣይተኸፍተን። እስከ እቲ ኩነታት ከመይ ነይሩ” ዝብል ሕቶ ንደበሳይ ኣስዓብኩሉ፣ “መሬት ምስ ነግሀ ብዙሓት ጦርሰራዊትን ፖሊስን ነቲ ዓቢ ካንሸሎ መሊኦም። ገለ ካብኣቶም’ውን ኳሕኲሖምና፣ ሽዑ’ውን ኣጽቂጥና፣ ደሓር ግን ገለ ገለ ንፈልጦም ኮማንድስ ክዛረቡ ምስ ሰማዕና። ተኽለ ንገለ ካብኣቶም ብድምጾም ስለ ዘላለዮም። ነታ ከይተንከፍናያ ዝሓደርና ማዕጾ ሸጋጥ ስሒቡ ኣርሓዋ፣ ጸሓይ በሪቑ ኔሩ፣ ተመራሪሕና ቅልቅል ምስ በልናዮም ኣብቲ ኣፍደገ ጸኒሖም ቅድመይ ንዝነበረ ተኽለ ምንዕ ኣቢሎም ምስ ስሓብዎ

ስነ-ስርዓት መርዓ ኣቶ መንግስታኣብ ምስ ወ/ሮ ትዕበ ገብሩ

ኣበባ ደዊሉ፣ መንግስታኣብ ድሓን ድዩ ጸገም ኣጋጢሙኒ ይብል ኣሎ ምስ በሎ። ሞታለቃ ኣበበ። መንግስታኣብ ከምዘይሞተ ስለ ዝፈለጠ። ኣመና ሰንቢዱ። “እሺ ባዕልና ደሃዮም ክንገብር ኢና” ኢሉ መለሰሉ፣ ሽዑ ወተሃደራት ልኢኹ ንመንግስታኣብ ቀልጢፍኩም ቀቲልኩሞ ትመጹ ኢሉ ልኣኾም፣ ደሓር ስለዘይኣመነ ድማ ባዕሉ ምስ ተመልሰ መንግስታኣብ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሉ ጸኒሑዎ፣ እታ ኣብ ክሽነ ዝደቀሰት ጋሻ ሰበይቲ በዓልቲ ዓዲ ኣብዑር’ውን ንመውጋእቲ መንግስታኣብ ብጨርቂ ጌራ ክትሽፍነሉ ኢያ ጸኒሓቶም፣ ሽዑ። ሞታለቃ ኣበበ ከይደንጎየ ንኽልቲኦም ጥይት ጌሩ ረሺንዎም፣ ድሕሪኡ ንኹሎም’ቶም ዝመቱ ግዳያት’ታ ለይቲ ምስቶም ወተሃደራት ኮይኑ ሞቶምን ሕየቶምን እናረጋገጹ። ልክዕ ከም ዕንጨይቲ ንዓሰርተ ኣርባዕቲኦም ኣብ ሓደ ከሚሮሞም ተዓዝሩ፣ ካብቲ ዝገርመካ። ዓባይ ጓሉ ንመንግስታኣብ ጽገሬዳ ጸጉሪ ርእሳ ነዊሕ ስለ ዝነበረ። ብልዕሊ ኩሎም ናይታ ስድራ ስለዝነበረት ጸጉሪ ርእሳ ዳርጋ ንብምሉኦም ሸፊኑዎም ኔሩ፣ ነቶም ንጹሃት ስድራ ጨራሪሖሞም ድሕሪ ምኻዶም እቲ ቀጽሪ ክሳብ ወጋሕታ ብደም ጨቅዩ ሓዲሩ” ይብሉ፣ “ደበሳይ ክሳብ ሕጂ ንስኻን ተኽለን ዝደቀስኩምሉ ክፍሊ

ሰንቢደ ንውሽጢ ገዛ ተመሊሰ ንወያ ማዕጾ ኣግጠምኩዎ፣ ሽዑ። ኣንታ ወዲ ጥዑይ ዲኻ ክፈቶ’ንዶ እንታይ ኮይንካ ተመሊስካ። ገሊኦም ደበሳይ ኣጆኻ ሽግር የለን ኣይትፍራህ። ንሕና ኣሕዋትካ ኢና ኢሎም ዳርጋ ኩሉም ምስተዘረቡኒ። ብድምጾም’ውን ስለዝፈለጥኩዎም ነቲ ማዕጾ ከፊተ ወጺአ፣ ፖሊስ ኣይተርፍ ኮማንድስ ኣይተርፍ እቲ ካንሸሎ ብዓሳክር ጥራይ መሊኡ ኔሩ፣ ዋላ’ቶም ቀተልቲ ስድራና በዓል ሞታለቃ ኣበበ ሰብ ደሓን ክመስሉን ንኸምስሉን ኣብ ሓለዋ ተጸሚዶም ኔሮም፣ ሰብ ምቕራብ ከሊኦም። ብዙሕ ሰብ ኣብ ከባቢ’ቲ ካንሸሎ ኮይኑ የማዕዱ ኔሩ፣ ኣነ ከኣ ንደገ ገጸይ ኣምሪሐ፣ ምሳይ ዝሓደረ ተኽለን ካልኦትን ኣብቲ ሬሳታት ዝተዛሕዛሓሉ ቦታ ኔሮም፣ ኣነ’ውን ናብኣቶም ገጸይ ክብገስ ከለኹ። ገለ ካብቶም ኮማንድስ ምለስዎ እንታይ ከተርእዩና ደሊኹም ንመንግስተኣብ ወዲ ሓፍቱ እኮ ኢዩ ኢሎም መሊሶሙኒ፣ ኣነ ሽዑ ናብ ደገ ኣምራሕኩ፣ ሽዑ በዓል ጸጋይ ሓው ንመንግስተኣብ ንዓይ ካብቲ ገዛ ክወጽእ ምስ ረኣዩኒ ናባይ መጺኦም ዓሲሎሙኒ፣ መሬት ከመይ ኣሎ? ኢሎሙኒ ተጨኒቖም ሓተቱኒ፣ ዘረባ’ሞ በየን ክመጽእ ብብኽያትን ኣውያትን ዓቢደ! ቁጥዐን ጓህን ዝቐትል እንተኔሩ ኩልና ትንሳፍ ኣይምረኸብናን! በቃ ዝእበድ

የለ። ዝጸናናዕ የለ። ኩልና ዓቢድና ምስ ሓመድ ተሓዋዊስና! ክፉእ ትርኢት’ዩ እቲ ፍጻሜ፣ ተዘክሮ ዘህስስ መድሃኒት እንትዝህሉ ቀደም መህሰስናዮ ከላእ ትዘክሮ!” ብምባል ኣስካሕከሐ ደበሳይ፣ ‘እቲ ዝኸፍአ’ በለ ደበሳይ። “ብለይቲ ገንዘብን ንብረትን ኣቶ መንግስታኣብ ዝራስዩ ወንበዴታት ነቶም ስድራ ቀቲሎሞም” እናበሉ እቶም ወተሃደራት ክዝምሩ ምውዓሎም እዩ፣ ኣቦይ ክፍሉ ፍረዝጊ ነቲ ፍጻሜ ክገልጹ ከለዉ። “ገዛና ነጸላ መንደቕ ናይ እንዳ መንግስተኣብ ስለዝኾነ። ኣይታሓደር ኢና ሓዲርና፣ ምሉእ ለይቲ ሕጂዶ ደሓር ይመጹና ክንብል። ምድሪ ኣይወጋሕ ወጊሓ፣ ዝሓድጉና ኣይመሰለናን፣ እቲ ርሕቕ ዝበለ ገዛውቱ ኩሉ ክሃድም’ዩ ሓዲሩ፣ ደቀምሓረ ኩላ ብለይቲ እግራ ናብ ዝመርሓ ክትሃድም ሓዲራ፣ መሬት ቀደድ ምስ በለ ገዛና ኣርሒና፣ ሽዑ ሳሙኤል ኣብ ደጎል ተቐልቂሉ ኣእወዩ፣ ‘ኢሂ’ታ ቆልዓ!’ ኢለዮ ሰንቢደ። ስድራና ኩሎም ጦርሰራዊት ቀቲሎሞም ኢሉኒ፣ ብቕጽበት ናብኡ ከይደ፣ ”በዓል ዳኒኤል ኣብዚ ሽቓቕ ኣለዉ ኢሉኒ፣ ብቕጽበት ኬድና ከፊትናዮም፣ እቶም ቆልዑ ነቶም ብኣፍደገ ዝኣትዉ ዝነበሩ ጦር ሰራዊትን ፖሊስን ምስ ረኣዩ። ኩሎም ነፊጾም ናብ ዝኣትዉዎ ጠፊኡዎም፣ ብዝኾነ ነቶም ቆልዑ ኣኻኺበ ናብቲ ዘኽታማትን ድኻታትን ዝናበዩሉን ዝመሃርሉን ናብ እንዳሚስዮን ኣብጺሐዮም፣ በዓል መምህር ማና ከኣ ተቐቢሎምኒ፣ ድሕሪኡ ናብ ሬሳ’ቶም ግዳያት ተመሊሰ። ሓያለይ ሰብኡት ከኣ መጺኦምኒ፣ እቲ ሬሳ ተጸፋጺፉ። ናይ ኩላቶም ደም እንታይ’ሞ ክብለካ ከምዚ ውሕጅ’ዩ ዛርዩ፣ ከምዚ ዓይነት ኣሰቃቒ ቅዝፈት ኣብ መላእ ዓለም ክንገር ሰሚዕና ኣይንፈልጥን፣ 14 ትንሳፍ ኣብ ሓደ ካልኢት’ሞ ከኣ ደቂ ሓደ ሰብኣይ፣ ብዝኾነ ንኹሎም በብሓደ ገኒዝናዮም፣ ኣብቲ ፈለማ ኣበይ ከም እንቐብሮም ጸቢቡና’ዩ ኔሩ፣ ደሓር ግን በዓል መምህር በርሀ ደጎል ነዞም ስድራ ካብ’ዛ ቤቶም ኣይነርሕቖምን ኢና፣ ኣብዚኣ ኢና ንቐብሮም ስለዝበሉ። ንኹሎም ዝኣክል ጋህሲ ኩዒትና በብውልቆም ብተሪር ሓመድ እናመድመድና ሸውዓተ ርእሶም ንምብራቕ ሸውዓተ ከኣ ርእሶም ንምዕራብ ብምግባር ደቢናዮም፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢብብኽያትን ኣውያትን ተጸሊሉ’ዩ፣ ኣብቲ ቀብሪ ኣንስቲ’ኳ ብዙሕ ኣይተሳተፋን፣ ምኽንያቱስ ዝበዝሓ ደቀን ሒዘን ንዓዲ ሃዲመን’የን ኔረን፣ እቲ መቓብር ከኣ ክሳብ ግዜ ናጽነት ጸኒሑ፣ ደሓር ግን እቶም ኣብ ሽቓቕ ተሓቢኦም ዝደሓኑ ደቆም ዳርጋ ኩሎም ተጋዲሎም ዓወት ሒዞም ምስ መጹ። ድሕሪ ናጽነት ብዓቢ ክብሪ ኣብ ዝግብኦም መቓብር ተቐይሮም ሓመድ ለቢሶም” ይብሉ ኣቦይ ክፍሉ፣ ድሕሪ’ዚ ሞታለቃ ኣበበ ናበይ ኣበለ? ኣቦይ ክፍሉ። “ሞታለቃ ኣበበ ድሕሪ’ታ ፍጻመ ካብ ደቀምሓረ ናብ ሰገነይቲ ተቐይሩ፣ ኣይጸንሐን ግን ብ1977 ኩለን ከተማታት ኤርትራ ሓራ ኣብ ዝወጻሉ ኣብ ውግእ ሰገነይቲ ተቐቲሉ፣ ክሪኦ ዝደሊ ወይ ሙማቱ ከረጋግጽ ዝደሊ ሰብ ናብ ሰገነይቲ ከከይዱ ይርእዮ ኔሩ፣ ደም ኣይሰድድን’ዩ ዝወደይ! ዝገደደ ከኣ ኣብ ሰማይ’ዩ

ዝፍደዮ ኣብ ጋሃነብ’ዩ ዝነብር”! ኢሎሙኒ፣ ድሕሪ’ዚ ኩሉ። እቶም ዝተረፍኩም ኣሕዋት ከመይ ቀጺልኩም? ኣብ ግዜ ቅትለት ናይ ስድርኣ ጓል ሰለስተ ዓመት ንዝነበረት ሩታ መንግስታኣብ “ድሕሪኡ ደኣ ብዙሕ’ኳ እንተዘይጠዓመና ሰብ ግን ኣይሰኣንናን፣ ገሌና ምስ ዓባይና ናብ ዓዲ። ገሌና ምስ ሓወቦታትና ናብ ስደት። ኮታ ከም ደቂ ዛግራ ተበታቲንና፣ ብኡ ጌርና ግን ኣይጠፋእናን ሜዳ ኤርትራ ኣኻኺቡና፣ ብዘይካ’ታ ምስ ሓወቦይ ኣስገዶም ቅድም ናብ ሱዳን ዳሓር ናብ ጀርመን ዝኣተወት ኣስቴር ሓፍተይ ካልኦት ብሙሉእና ናብ ሜዳ ወሪድና፣ ኩልና ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተኣኻኺብና፣ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ታሪኽና ጽቡቕ ጌሩ ይፈልጥ ብምንባሩ ብግቡእ ኣዕቢዩና፣ ብሙሉእና ብግቡእ ተማሂርና፣ ድሕሪኡ ትምህርትና ዛዚምና ተዓሊምና ወሪድና ከም ሰብና ተወዚዕና፣ ጸላኢ ካብ ሃገርና ተጸሪጉ ክሳብ ዝወጽእ’ውን ኣብ

ዝተፈላለዩ ግንባራት ተቃሊስናን ተዋጊእናን፣ ኣብ ዝኣተናዮ ኲናት እቲ ውግእ ንዓና ደቂ መንግስታኣብ ዝያዳ ኩሉ ዝብጸሓና ኮይኑ ይስመዓና ኔሩ፣ ብኣጋጣሚ ብዝሓለፈ ይኣክል ግዲ ኢሉና ኮይኑ ኩልና ብሰላም ተመሊስና፣ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ንስድራና ኣብ መቓብሮም ሓወልቲ መዘከርታ ሃኒጽናሎም፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዳኒኤል። ዮናስ። ሳራ። ሰለስቲኦም ኣብ አመሪካ’ዮም ዘለዉ፣ ኣስቴር ከምቲ ዝበልኩኻ ኣብ ጀርመን ኣላ፣ ኣብቲ ስድራና ዝተቐዝፍሉ ገዛና ድማ ሳሚኤል ምስ ሓዳሩ ኣሎ፣ ኣነ ከምዛ እትርእየኒ ምስ ሓዳረይ ኣብዚ ከተማ መንደፈራ

ጽገረዳ መንግስታኣብ

ኣለኹ፣ ስርሐይ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ጨንፈር ዞባ ደቡብ። ማለት ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ከም ኣሶሰይት ነርስ ኮይነ እሰርሕ ኣለኹ፣” ብምባል ኣስተንፈሰት፣ “እታ ጥሑና ኸ ንምሸቱ’ባ እንታይ ኮነት?” “ዋእ! እታ ጥሑናና ደኣ። ኣብ 1977 ከተማ ደቀምሓረ ኣብ ኢድ ህዝባዊ ግንባር ምስ ኣተወት። ህዝባዊ ግንባር ንኹሉ’ቲ ኣቑሑን ማሽነርን ናይታ ጥሑና ንሜዳ ኣውሪድዎ፣ ደቂ መንግስታኣብ ምስ ጥሑናና ኢና ንሜዳ ወሪድና ተጋዲልና”! ሰሓቐት፣ ቀጺላ ሩታ። ‘ድሕሪ ናጽነት መንግስቲ ኤርትራ

ነታ ብ1977 ዝወሰዳ ጥሑናና ካብ እንዳ መንግስተኣብ ሓደ ሰብ’ሞ ወክሉ። ንሱ ተጣይሱ እታ ጥሑና ከነረክበኩም ስለዝበለና ሳሚኤል ወኪልናዮ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ እርይ ቁጽር ኣቢሉ ኣረኪቡና፣ ኩልና ጽዕነት ከም ዘራገፍና ፍኹስ በለና፣ እንቋዕ’ባ ተጋደልና! ብምባል ተሓበና። ንሕና ዘይተጸበናዮ” በለት ሩታ ብህዱእ ኣዘራርባ ፍሽኽታ ሓዊሳ፣ ደበሳይ’ውን ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ወሪዱ ተጋዲሉ ብምእታው። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ጨንፈር ዞባ ደቡብ ኣብ ማእከል ጥዕና ኩዶብዑር ዝሰርሕ ዘሎ ሓርበኛ’ዩ፣

ግርማይ ኣስፍሃ (ዓንቂ)

ዕምባባ መቓብር ዋዛ’ምበር ዘይፈልጡ ተንኮል ወትሩ ፍቱሕ ገጾም ዘይእሰር በጃ ክንዲ በጃ ክሓልፉ ዝቀዳደሙ ኣብ ሃልሃልታ ኣትዮም ዘይጠልሙ ዕድለኛ ኢኺ ዕምባባ መቓብር ኣብ ጎኖም ትሓድሪ ነቶም ሰብ ተኣምር፣ ፈቃር ልቦም ንኩሉ ኣርኣያ ኣለዉ ኣብ ትሕቴኺ ብዙሓት ሰብ ቅያ ጽወይና በሊ ካብቲ ዘዕሉሉኺ ክንዕቅቦ ማሕላ ክንሰግድ ንክብሪ፣ ንገርና ዕምባባ መቓብር ኣዕልልና ናይ ጽንዓቶም ምስጢር ኣመስግኒ ዕምባባ መቓብር ዕድለኛ’ዩ ኣብ ጎድኖም ዝነብር ኣቕኒእክኒ ዕምባባ መቓብር ከመይ’ሉ ኮይንልኪ ብሕይወትካ ምስ ሰማእቲ ምንባር፣

ፍጹም ሃብቱ (ፍሃር)

ሓዳስ

5

ኤርትራ 23 ሰነ 2009

ኣብ ውሽጥ ግብ ዝበለ ጸላም ንእሽቶ ብርሃን ክንረክብ ከለና ዝስማዓና ፍሉይ ስሚዒት ኣሎ፣ እቲ ስሚዒት’ቲ ብመስፈር ጌርካ ክትዕቅኖ ከቶ ዝከኣል ኣይኮነን፣ እቲ ምንታይሲ ኣብ ኣእምሮ ዝጕህር ስሚዒት ክትልክዖ ስለዘጸግም፣ ኣብ ሂወት ግን ጸበባን ራህዋን ኣሎ፣ ሰባት ኣብ ጸበባ ንሽገር’ሞ መሬት ከም ኣፍ ዑንቊ ትጸበና፣ ንሳቐ። ንዓርቕ። ንጸምእ። ንጠምን ንደምን፣ ስለዚ ንሕሰምና ብመግለጺ ጥራሕ ክንሽንኖ ንፍትን፣ ኣብ ግዜ ራህዋ ድማ ንሕጎስ፣ ብዝምስጥ ድሙቕ ብርሃን ዝተኸለልና ኮይኑ ኸኣ ይስማዓና፣ ስለዚ። ንረግጽን ንኽደንን ጸጊብና ኸኣ ንሓድር፣ እንተኾነ ነዚ እውን ቁጽርታት ቀሚርና ብሚእታዊት ክነቐምጦ ዝኽእለና ድምር የብሉን፣ ራህዋን ጸበባን እብረታት ከምዘለወን ጽቡቕ ጌርና ንፈልጥ ኢና፣ እታ ሓንቲ ድሕሪ’ታ ሓንቲ ከም እትመጽእ እውን ዘይንፈልጥ ኣይኮንናን፣ እንተኾነ። ራህዋ ድሕሪ ጸበባ ክትመጽእ ልሙድ ነገር’ዩ፣ ድሕሪ ራህዋ ናብ ጸበባ ምምላስ ግዳ እቲ ዝተፈልየን ዝኸፍአን ነገር ከይኮነ ኣይተርፍን፣ ስለዚ ኸኣ። ኩሉ ሳዕ ዘበነ ስቓይ ኣኽቲሙ ናብ ዘበነ ራህዋን ሰላምን ክንሰጋገር ንደሊ፣ ትምኒትና ንሱ ይኸውን፣ ግዳ ክኸውንን ዘይክኸውንንሲ ኣብቲ ነቲ ብርሃን ንምምጻእ ዝሰገርካዮ መስገደል’ዩ ዝምርኮስ፣ ብማዕሬኡ ኸኣ ህላወ ቅኑዕን ዕላማኡ ዘይስሕትን መሪሕነት ኣመና ኣገዳሲ ይኸውን፣ ብዘይ’ዚ ክልተ ዓንድታት’ዚ ክትትከል እትኽእል ኣደራሽ ምጽባይ ናይ ከንቱነት ከንቱ’ዩ ክኸውን ዝኽእል፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝተኣከበ ህዝቢ ‘’ንሕና ፍሉይ ሕላገት ዘለና ሰብ መትከል ኢና’’ ብምባል ንገዛእ ነብሱ ክገልጻ ንሰምዖ ኢና፣ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ጸቢብ ትምክሕቲ ዝመስሎም ኣይሰኣኑን ይኾኑ፣ ግዳ ግቡእ መግለጺ ድኣ’ምበር ትምክሕትስ ኣይኮነን፣ ህላወ እተን ክልተ ኣዕኑድ’ዩ ተኣማሚኑ ንኽዛረብ ዝድርኾ፣ ዝተፈልየ ዛንታ ዘለዎ ህዝቢ ንሕና ከምዚ ዝኣመሰልና ህዝቢ ኢና እንተበለ ‘ውን ነውሪ የብሉን፣ ንሱ’ዚ ህዝቢ’ዚ እኮ ኲኖ ሓሳብ ዝኸይድ ዛንታ’ዩ ዘለዎ፣ ነዚ ዛንታ’ዚ ክገልጾ ዘይምኽኣሉ፤ ጌሩ ክንሱ እዝን እዝን ጌረ ክብል ብዘይምኽኣሉ፤ ነቲ ጸበባ ኣብ ምስጋር ዘሕለፎ ፉሉይነት ብዘይምግላጹ ‘ምበር ይሕመ፣ ኣብ ጥቓ ዘይገበሩዎ ጌርና ዝብሉ ጎረቤት ኮይኑ ነቲ ዝገበሮ ክዛረብ ዘይክእል ህዝቢ ምዃኑ እውን’ኮ ሓደ ካብ ፍሉይነታቱ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ዓለም ብሓሶታት ኣእዛን ኣናኣደንቈረት ነቲ ዝገበሮ እውን ብማንካ ዘየልዓለሉ ህዝቢ እኮ’ዩ፣ እዚ ድኣ... ፍሉይ እምበር፣ ብኹለንትናኡ ፍሉይ፣ ጸበባ ከርሁ እንከሎ ፍሉይ ነይሩ፣ ሳላ ፍሉይነቱ ከኣ ነቲ ጸላም ቀንጢጡ ኣብ ጋህዲ ብርሃን ወጺኡ፣ ሳላ ፍሉይነቱ ነታ ከም ጸወታ ቈልዑ ኣብ ምዝርራይ እትኣምን ዓለም ብዘይ ዘራይ ክትዕወት ከምእትኽእል ብግብራዊ ስርሑ ሚሂሩዋ፣ ሳላ ፍሉይነቱ። ሓደ ንዓሰርተ ሓሙሽተ ብምግጣም

ቅርበት ናይ’ተን ተማላላእቲ ዕለታት ንወተሃደራዊ ሕግታት ዓለም ሃደሽደሽ ኣቢሉዎ፣ ምስ’ዚ ኹሉ ግን ብጩቕ ኣይብልን፣ ገባር ከምዚ እንድየ እናበለ ክጭድር ኣይደልን - ዓስቢ ጨደርቲ ስለዝፈልጥ፣ ምኽኒያቱ። ትማሊ እቶም ዓንደርቲ ልዕሊ ግፍሒ ኣፎም ክጭድሩ ከለዉ ብቓላት ክሻናጐጕ በዓል ድላይ ኣይነበረን፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ ሓንሳእ ጽውጽዋዮም ብምንጋር ሓንሳእ ካብ ባሕሪ ዝቕዳሕ ሓይሊ ሰብ ከምዘለዎም። ሓንሳእ ክሳብ ዓንቀሮም ከምዝዓጠቑ ክነግሩዎ ከለዉ እንተኾነ ‘ውን ክምልሰሎም ኣይመረጸን፣ ስለዚ ኸኣ ንሶም እናገዓሩ ንሱ ግን ይሰርሕ ነይሩ፣

ግን ንምስክርነት እተቕርቦ ጉዳይ ኣይኮነን፣ ህዝባ በዓላቱ ከኽብር ናዓ ውጻእ እናተባህለ ናብ ጎደናታት ዝወጽእ ህዝቢ ኣይኮነን፣ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዝንፍኽፈኽ ውሽጣዊ ስሚዒት ኣሎ፣ ናጽነት ክብል ከሎ ኣመጻጽኣኣ እዩ ዝዝክር፣ መስዋእቲ ክብል ከሎ ኸኣ ንናጽነት ይዝክር፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ እተን ክልተ በዓላት ርእሲ ኩሉ ካልእ ባዓላት የብዕለን፣ እተን ኣብ መዓልቲ ናጽነት ንሰማይ ዘወቅባኦ ሪሺታት ንባህታኡ እየን ዚገልጻሉ፣ ሻቡ። ህዝቢ ኣብ ጎደናታት እዩ ዝሓድር፣ ኣብ ኣስመራ። ቃሩራ። ዓሰብ። ተሰነይ። ጾሮና... ኮታ ኣብ ዝኾነ

ትምዩን ናጽነት ከምዘሎ ይፈልጡ እዮም፣ ስለዚ ኸኣ። ነታ ርግጽቲ ናጽነቶም እቲ ዝግባኣ ክብሪ ክህቡዋ ይቕሰቡ፣ ንመዓልቲ ሰማእታቶም እውን ካብ ናጽነቶም ዘይፍለ ክብሪ እዮም ዝህቡዋ፣ ጎደናታት ብሓይሊ’ቲ ኣብ ኢድ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ዝተሓዝ ሽምዓ ፍሉይ ግርማ ሂቦም የምስዩ፣ እቶም ናጽነት ከስተማቕሩ ዕድል ዝረኸቡን ንስለ ናጽነት ክብሉ በጃ ዝሓለፉን ዜጋታት ዝራኸቡላ ዝኸበረት ህሞት ከኣ ንሳ ትኸውን፣ ነፍሲ-ወከፍ ሽምዓ ዘብርሀ ዜጋ ናብ ውሽጢ ዕምቈት ኣመጻጽኣ ባንዴራኡ ይንቈት፣ ኣብኡ ኮይኑ ኸኣ ቃል የሐድስ፣

ግብርን ዘረባን ክልተ በበይነን ምዃነን ዝፈልጥ ህዝቢ ምዃኑ ካብ ፈለማኡ’ዩ ከርእዮም ፈቲኑ፣ ግዳ ንሳቶምሲ ዝሰምዓ ኣእዛን ኣይነበርኦምን፣ እናክዛረቡ ኣእዛኖም ስለዝዕጸዋ ነተን ውሑዳት ዘረባኡ እውን ክሰምዑወን ኣይከኣሉን፣ እቲ ምንታይሲ ብሓይሊ ሰቦምን ብዝረኽቡዎ ሓገዝን ሰኺሮም ነይሮም፣ ካብ ናይ ሰታያት ስኽራን ናይ ሓይሎም ዘስክሮም ስኽራን ይገድድ፣ መርኣያኡ ኣብ ተኽታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ተራእዩ’ዩ፣ ኣብታ ሃገር ዘዝነገሰ ጉጅለ ንዝሓበጠ ቅልጽሙ ክርኢ’ዩ ባህ ዝብሎ፣ ዝሓበጠ ቅልጽም ከኣ የጋጊ’ዩ፣ ሕበጡ ምስ ሓይሊ የደናግሮ’ሞ ንምጕሳጥ ከም ቀዳማይ ሕርያኡ ይሰርዖ፣ እቲ እንታይነቱ ዝፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ግን ሓይሉ ኣብ ሓድነቱ ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ዝፈልጥ፣ ብሳላ’ዚ ኸኣ ሓድነቱ ኣጽኒዑ ኣብ ዝብጻሕ ክበጽሕ ከምዘይእግሞ ይኣምን፣ ሓድነት። ንዕርዲ ፈኸራን ዳንኬራን ዝስዕር ፍቱን መድሃኒት ምዃኑ ብግብሪ ዝረኣዮ በትሪ’ዩ፣ በዚ በትሪ’ዚ ጌሩ ነቶም ብሓያላን ዝድገፉ ፍሩያት ንምምሳል ዝጽዕሩ ደቀቕቲ ኣዳቒቑዎምን ሲዒሩዎምን እዩ፣ ንናጽነተን ኮነ ስዉኣተን ብኸም’ዚ ናይ ኤርትራ ኣገባብ ገይረን ዘብዕላ ሃገራት እንተሃልየን’ኳ ኣመና ፍሉያት ጥራሕ እየን ኪኾና ዝኽእላ፣ ኤርትራ

ኩርናዕ’ዛ ሃገር ዘሎ ሰብ ኣብ ጎደና ወጺኡ ይለሀ፣ ሓጎሱ ኣብቲ ሕቡር ጓይላኡ ይገልጽ፣ ኣብ ናይ ዝኾነ ብሄር ጓይላ ኣባል ዝኾነት ብሄር የኹድድ፣ ነታ ብመስዋእቲ ዝተወልደት ናጽነት ሓቢሩ የስተማቕራ፣ ኣብ ሓደ ረምታ ከምዘሎ ብግብራዊ ምንቅስቓሱ የርኢ፣ ብሓደ ይዝምር ብሓደ ይለሀ፣ ሻቡ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ትልሂት ማእለያ ዘይብሉ ጽባቐ ብዙሕነት ትርኢ፣ ኣህዛብ ዝጠምሮም ፈትሊ እንተድኣ ረኺቦም ብሕቡር ምስልታቶም ዝተፈልየ ጽባቐ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ ትግንዘብ፣ ኣብቲ ዝተፈሸኸ ኣስናን ዝገሃድ ጽባቐ ንኽብሪ ናጽነት’ዩ ዘበስር፣ ናጽነት ንኤርትራዊያን ተራ ቋንቋ ኣይኮነትን፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ብዙሓት ኣህዛብ ዝፈልጡዎ ዕምቈታ ካልእ ዝዓሞቘ ዕምቈት ኣለዋ፣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዝላን ጸወታን ከኣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዕምቈት ይህልዉ፣ ኣብኡ ኮይኖም እዮም ዝለሀዩ፣ ኣብኡ ኮይኖም ይዝምሩ፣ ኣብኡ ኮይኖም የስተንትኑ፣ ኣብኡ ኮይኖም ይውጥኑ፣ ኣብኡ ኮይኖም ይትግብሩ፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ’ዮም በዓሎም እና ከብዕሉ ልዕሊ ደረት ዝወጹ ዝመስሉ፣ ንናጽነት ስለ ናጽነት ዘይኮነስ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ሓቀኛ መፈጠራ ኮይኖም ክርእዩዋ ይደልዩ፣ ኣብ ዓለም

ንሰማእቲ ዘጕሂ ንኸይገብር ምስ ውሽጡ ይመሓሓል፣ እቲ ምንታይሲ። እዛ ናጽነት ንኽትመጽእ ዝሓለፎ ዓቐበ ቑልቁል ዝርስዖ ኣይኮነን፣ ንዓኣ ንምንዳይ ዝኣተዎ መንቃዓት ካብ ኣእምሮኡ ዝስወር ኣይኮነን፣ ንዝተጻወሮ መግረፍቲ ጸሓይን ቁርን። ዕርቃን ጥሜትን ሓሳረ መከራን እውን ዝርስዖ ኣይኮነን፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ። እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ናይ ዝኽሪ መጋርያ ወርትግ ሃልሃልታኡ ኣይጠፍእን፣ ኣብ ውሽጢ ጓይላ በዓል ናጽነት ከሎ ምስ መውጋእትን መስዋእትን ይህሉ፣ ኣብ ምብዓል መዓልቲ ሰማእታት ከሎ ኸኣ ውጽኢት መስዋእቱ ብዝኾነት ናጽነት ይሕበን፣ መዓልቲ ናጽነትን መዓልቲ ሰማእታትን ዘይነጻጸላ ገጻት ሓንቲ ሳንቲም ስለዝኾና፣ ግዳ ዘይነጻጸላ ክንሰንሲ ብበበይኑ መልክዕ ይበዓላ፣ ምኽኒያቱ። 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት መስዋእቲ ጀጋኑ ብዘውረደላ ፍስሃ ንህዝባ ኣብ ውሽጢ ዲቕ ዝበለ ጓይላን ወኻዕታን ኣእትያ ሓጎሱ ምግላጽ ክሳብ ዝስእን ትገብሮ፣ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ከኣ። ናጽነት እትፈትዎም ሂብካ እምበር ብናይ ጠረጴዛ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይመጸት ተዘኻኽሮ፣ እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢና ንናጽነትና ከም ብሌን ዓይንና እንሕልዋ፣ እቲ ዝተኸፍላ ዋጋ ንብላሽ ስለዘይነበረ።

ኣዒንትና ሰም ከየበልና ዓይኒ ዓይና ንጥምታ፣ ድሙቕ ሕብራ ክድብዝዝ ኣይንደልዮን፣ ዝወጣወጥ ኣባትር ኣብ ነብሳ ንኸይዓልብ በጃ ንሓልፈላ፣ ንኣሽቱን ዓበይትን ብሓደ ንጐየላ፣ ክንደይ ከምዝኸፈልናላ ክፈልጥ ዝደሊ እንተሎ ናብ ኣባይቲ ዜጋታታ እንዶ ይእቶ፣ ኣትዩ ናብ መናድቑ ግልጽ ይበል፣ ነፍሲ-ወከፍ መንደቕ ባዕላ ሓደ ክልተ ሰለስተ እናበለት ንላዕሊ ገጹ ከምዝቘጽር ክትገብሮ እያ፣ ሻቡ ዋላ’ቲ ክስቈሮ ዘይደሊ በለጸኛ’ኳ ክስቈሮ እዩ፣ ኣብ ቤት ስድራ ስዉእ ኣቲኻ እንተወሓደ ንደቓይቕ ዝኸውን ስቕታ’ሎ፣ እቲ ስቕታ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕምቈት ኣለዎ፣ ኣብ ዕምቈቱ ኣቲኻ እትድህስሶ ዝኽሪ’ሎ፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝኽሪ ‘ውን ምድፍናቕ ኣሎ፣ ኣብቲ ምድፍናቕ ነጠብጣብ ወይ ‘ውን ዛራ ንብዓት ኣሎ፣ ኣብ መወዳእታኡ ግን ብሓበን ትጕልበብ፣ ብዝኸፈልካዮ መስዋእቲ እናነባዕካ ብኣንጻሩ ኸኣ ኣፍ-ልብኻ ዘንፍሕ ስሚዒት ይወረካ፣ ኣቦ ወይ ኣደ ጅግና ብምዃንካ ትኾርዕ፣ ሓው ወይ ሓብቲ ጅግና ብምዃንካ ‘ውን ትሕበን፣ ስለዚ ኸኣ ኲኖ ሎሚ ንኽትሓስብ ብልቢ ትነቅል፣ ብመስዋእቶም ዝመጸት ናጽነት ንዋያ ከይትኸውን ዋናኣ ንኽትከውን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ፣ እቲ ምንታይሲ። እቶም ነዛ ናጽነት ዘምጽኡ ጀጋኑ ንሎሚ ጥራሕ ዝነብሩ ሰባት ኣይነበሩን፣ ኣእምሮኦም ኣብ ሎሚ ኮይኑ ናብ ጽባሕ ከምዝሓስብ እዮም ዝገብሩዎ ነይሮም፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ ንጽባሕ ክብሉ ንሎሚ ክውድኡዋን ከይውድኡዋን ብዙሕ ግዲ ኣይነበሮምን፣ ጽባሕ ትመጽእ እንተድኣ ኮይና ኣብ ሎሚ ክሓልፉ ቅሩባት ምንባሮም ንፍሉይነቶም እዩ ዘርኢ ነይሩ፣ በዚ ኸኣ ኢና ብዙሓት ንኽርህዎም በጃ ዝሓለፉ ሰማእታት እንብሎም፣ እቶም ሰማእት ሳላ ዝሓለፉ ጸሓይና በሪቓ፣ ጉዳይና ጉዳይ ጎበጣ ካብ ምዃን ወጺኡ፣ ድምጽና ካብ ጻት ናብ ጻት ኣቃሊሑ፣ ርጉእ ንፋስ ሂወት ዘሪኡልና፣ ባሕርናን ዓሳታትናን ኣብ ኢድ ዋናታቶም ብምምላሶም ብሓጎስ ተሰራሲሮም፣ እቶም ዝቐጥቀጡናን ዝጐይሑናን ርእሶም ኣድኒኖም ካብ ቤትና ወጺኦም፣ ሻቡ ንቤትና ሰቲ ነስኒስና በዓላትና ወሲንና፣ 24 ግንቦትን 20 ሰነን ከኣ እተን ቀንዲ በዓላትና ኮይነን ልዕሊ ኹሉ ተሰሪዐን፣ ክልተ ክንሰን ናብ ሓደ ዝጥምታን ንሓድሕደን ዝተኣሳሰራን ብምዃነን ከኣ ኣብ ውሽጢ’ታ ሓንቲ እታ ሓንቲ ትህሉ፣ ኣብ ውሽጢ’ታ ሓንቲ ኸኣ እታ ሓንቲ፣ ጎድኒ-ጎድኒ ውህደተን ግን መመሊሰን ዝዓብያን ዝደምቃን ኮይነን ኣለዋ፣ ሓይሊ ሓድሕደን ንሓድሕዱ እናተመላልአ መመሊሱ ይስውድ፣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ዕቤተን ይድርምስ፣ ግርማአን ይውቅብ፣ ከምኡ እናበላ ኸኣ ኣፋትል ምትእስሳራትና እናስጠማ ንዘንተ እለት ክኸዳ እየን፣ ንኹሉ ክዓናቕፍ ዝደሊ ጐርቢ እናኣለያ ናብቲ ዝበረኸን ዝጸረየን ገጸን ክጓዓዛ እየን፣ እቲ ምንታይሲ። ኣብ ውሽጢ ነፍሲ-ወከፈን ስለ’ዛ ምድርን ህዝባን ዝሓለፉ ሰማእታት ስለዘለዉ፣

ሓዳስ

6

ኤርትራ 23 ሰነ 2009

ኣዳለውቲ ምልክታ - ሄለን ዮናስ - ልዋም ተስፋሂወት

ምልክታታት ቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ኣስመራ ዝረኣዩ ጉዳያት

1ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባእያ ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪብኩም ጉዳይኩም ቤ/ፍ ንስኹም ኣብዘየለኽምሉ ውሳኔ ክህበሉ ምዃኑ ነፍልጥ፣

ኣቶ ገዛኢ ተወልደመድህን ገዘሄይ። ወድና ዮናስ ገዛኢ ስለዝተሰውአ። ወረስቲ ኣነ ምስ ኣዲኡ ወ/ሮ ለተንስኤ ገብረእግዚኣብሄር ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ሰዓት 8።30 ቅ/ ቀትሪ ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ሞግዚት ወ/ሮ ናዝሬት ረድኢ። ስም ናይ ትሕቲ ዕድመ ጓለይ። ዳናይት ኣልኣዛር በላይ ምባል ተሪፉ። ሰገን ኣልኣዛር በላይ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባእያ ቁ.41 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ለተየሱስ ተስፋይ ተድላ። በዓል ቤተይ ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስ መንገሻ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሽዱሽተ ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 9ይ መጋባእያ ቁ/49 ይቕረብ፣

ወ/ሮ ኣኽበረት ኣልኣዛር ሃይሉ። በዓል ቤተይ ሜጀር ተስፋማርያም ሓደራ ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ኣርባዕተ ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን13/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

መምህር ኣለም ኣስገዶም ብስራት። በዓልቲ ቤተይ መምህር ተበርህ መሓሪ ተፈሪ ስለዝሞተት። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓሙሽተ ደቅና ድማ ወረስቲ ምኳኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን13/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ምንያ ሰለሙን። ኣደይ ወ/ሮ ተበርህ ተወልደመድህን ስለዝሞተት። ብሂወት ከላ ብ04/06/2001 ዝገደፈትለይ ለበዋ ይጽደቀለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን13/07/09 ኣብ 2ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ወ/ሮ ኣኽበረት ዓንደ ዑቕባዝጊ። ኣዴና ወ/ሮ ግደይ ተስፋማርያም ተላ ስለዝሞተት፤ ወረስቲ ኣነ ምስ ሓደ ሓወይ ክብሮም ሰመረ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን10/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ተጋዳላይ ብርሃነ ተስፋማርያም ወልደመንቆርዮስ። ወድና መምህር ዳኒኤል ብርሃነ ተስፋማርያም ስለዝሞተ። ወረስቲ ኣነ ምስ በዓልቲ ቤተይ ወ/ሮ ወበት ገብረልዑል ጥራይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን13/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣቶ ኢዮብ ክፍላይ ዘርኣይ። ኣደይ ወ/ሮ ሰንበቱ ተስፋይ ገብረሚካኤል ስለዝሞተት። ብዘይካይ ካልእ ወራሲ ከምዘይብላ ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን09/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ሰላማዊት ኣማረን ተከሳሲ ኣቶ ሰመረ ነጋሲን። ዘሎ ናይ ሞግዚትነት ክሲ ጉዳይ። ተኸሳሲ ን30/06/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባእያ ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪብኩም ጉዳይኩም ንስኹም ኣብዘየለኽምሉ ተራእዩ ውሳኔ ከምዝወሃብ ነፍልጥ፣

ተኸሰስቲ ወ/ሮ ለተንስኤ ገብረድንግል። ኣቶ ኣፍወርቂ ክፍሎም ብተኸሰስቲ ተኸስተ ዘወልዲ +3። ንዝቀረበሎም ናይ ምቅሊት ውርሻ ክሲ ጉዳይ። ንምምላስ ን08/07/09 ኣብ

ተጋዳላይ በርሀ መብራህቱ እዛዝ። በደ ሓወይ ዝኾነ ጁዘፐ ኮተለ ኣንተንዮ ብ03/05/1962 ካብ ኣስመራ ከባቢ ሰታንታኣቶ ስለዝጠፈአ።

ምስጋና ብሞት ኣዚና እነፍቅሮ ክቡር ኣቦና ባራ/ ክብረኣብ ሃይሉ ባይሩ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና። ኣብ ዝባን ዝግብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ዘቃበርኩምና ኣብ ገዛና ብምምልላስን ካብ ውሽጥን ወጻእን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምና ቤተ-ሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቅርብ፣

ደቆም ኣዜብ ክብረኣብን ኣልማዝ ክብረኣብን ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

}ch©M kDê ! ቋ}cü †}´Dï› ‰M K[³²U ©öF©öF `©ö`§ ‹ÏDï †p }ÊDL ´sò oKAY ‰êDê –§{q qMBXoñ ቋ}cü †}´Dï› ‹KATE ›°MT K[³²Uq ©öF©öF „ï¥; ksï M‹}¥q’¥ `©ö`§ ‹ÏDï }oKAY …›¥ Êp{ðq} …`dhDïq}; †Mk…X‰]: oKAY `©ö`§ ‹ÏDï {š K[³²Uq ©öF©öF mk– ‘q }‹[´Tg} …mk„ê }›²¹NM òLq ›Ï’]}: ÄÂ’D÷] ²ªïM kòq qMBXoñ cü}cü: K©mk qMBXoñ cü}cü †}´Dï› (Springboard English) …ªF£ …D÷; †sï K©mk mkM‰êVq KLBV}: sK|gñ KÄIÏq} M—kéF …²lmk} }oKAY †|g]„} †|s|´•} mk†}´Dï› |§ M›Vmk: M]L—: M}lmk} MÃöHÏ} –iNM ‹mk smkFDê K©mk ]D›Œ{: |§’ sï o·cMoñ }‹Œ{ê: }‰êD÷M oKAY} ‘D©ö} }ch©M }mkF; M›²l ›°MSDê —Dq:- [{ 15 2009 qMBXoñ ›°MSDê —Dq:- [{ 22 2009 …©öV`|:- μ©| |iÍ, cë.²š:- 160 cë.]F‰ï: 08206543 (¹d Ðr Dêd]/ Ìq W©ö-[ï ]ÔXq ‹Dmk)

ጥፉእ ተባሂሉ ክውሰነልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 7ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ኣዜብ መንቆርዮስ። በዓል ቤተይ ኣቶ መንግስትኣብ ገብረሚካኤል ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻመዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሸውዓተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን14/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወኪል ኣቶ ኣሕመድ ዓብዱ መሓመድ። ዑመር ሑሴን ኣልሑሴን ምባል ተሪፉ። ዑመር ሓሰን ኣልሑሰን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 7ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ሳባ ተስፋይ ኣውዓላ። በዓል ቤተይ ኣቶ ተካሊ እስቲፋኖስ ወልደማሪያም ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሰለስተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን06/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባእያ ሰዓት 8።00 ቅ/ቀትሪ ይቕረብ፣ ወ/ሮ መብራት ተኽለማርያም ሃይለ። በዓል ቤተይ ኣቶ ጸጋይ ገዝሀኝ በራኺ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሽዱሽተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን21/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ ሲቪል መጋባእያ ይቕረብ፣ ኣብ ሞንጎ ከሳሲ ኣቶ ብጹኣምላኽ ሞጎስ ነጋሲን ተኸሳሲት ወ/ሮ ኣለም ወልደየሱስ ዑቕባንድሪያስን። ዘሎ ናይ ሲቪላዊ ሓዳር ክርክር ጉዳይ። ተኸሳሲት ብኣድራሽኤን ክርከባ ስለዘይከኣላ ን23/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 7ይ መጋባእያ ይቕረባ፣ እንተዘይቀሪብክን ጉዳይክን ኣብዘየለኽናሉ ቤ/ፍ ውሳኔ ክህበሉ ምዃኑ ነፍልጥ፣

ውድድር ወይዘሪት ኤርትራ ብዓይነቱ ብሉጽ ውድድር ወይዘሪት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ካብ ነፍስወከፍ ዞባ 3 ደቀንስትዮ ክምረጻየን፣ ካብ 16 - 25 ዝዕድሜኽን ካብ 170 ሰንቲሜትር ንላዕሊ ቍመት እትውንና መንእሰያት ክልተ ስእሊ ብምሓዝ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሃማመተኤ ዞባታትክን ክትምዝገባን ዘድሊ ሓበሬታ ክትረኽባን ትኽእላ፣ ኣብ ኣስመራ እትርከባ መንእሰያት። ቦታ ምዝገባ ሲነማ ኢምፔሮ - ካልኣይ ደርቢ’ዩ፣ ምዝገባ ክሳብ 30 ሰነ’ዩ፣ 25 ሓምለ ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝካየድ ውድድር ወይዘሪት ኤርትራ ክልተ ቀዳሞት ዕዉታት ንውድድር ወይዘሪት ምብራቕ ኣፍሪቃ 2009 ክሓልፋ’የን፣ ንዝያዳ ሓበሬታ ብቝጽሪ ቴለፎን 117323 / 07142500 ተወከሳ ውድድር ወይዘሪት ኤርትራ 2009

ሓድሽ ምዝገባ ካብ ኤቨን ኮምፕዩተር ሰንተር ትካልና ብዝተወደበ ኣገባብ ዝተዳለወ ናይ ክረምታዊ ኣካዳምያዊን ኮምፕዩተርን ትምህርቲ ኣዳልዩ ምዝገባ ጀሚሩ ከምዘሎ ብሓጎስ የበስር ተወሳኪ ትምህርቲ *ምግጥጣም ሻምብቆ ማይ *ምዝርጋሕ መርበብ ኤሌትሪክ *ጽገና ሞባይል *ምንጻፍ ማቶኔላ *ምጥምጣም ሞተረታት ኣድራሻና።-ጎኒ ፎቶ ካቴድራል ጥቓ ጆቫኒ ማሶላ ቴሌፎን 07194340 ወይ07135931

ወ/ሮ ኣረጋሽ መሓመድ ኣሰናይ። ኣዴና ወ/ሮ ገርግስ ደሞዝ ውብሸት ስለዝሞተት። ወረስታ ሰለስተ ደቃ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ። ዝቃወም እንተሎ። ን06/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 8ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ መብራት ተኽለሃይማኖት ተዓደል። በዓል ቤተይ ኣቶ ብርሃነ ገብረመስቀል ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓሙሽተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 1ይ መጋባእያ ቁ.32 ሰዓት 8።30 ቅ/ቀትሪ ይቕረብ፣ ሞግዚት ሩታ ኣድሓኖም በራኺ። ትሕቲ ዕድመ ሳሮን መሓመድ ዓብደልወሊ። ወላዲተይ ኣስቴር ኣድሓኖም በራኺ ብወርሒ 01/2002 ምስ ጠፍአት ድሃይ ስለዘይብላ። ናይ ጥፉእ መረጋገጺ ይወሃበኒ ስለዝበለት። ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 7ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ምስጋና ብሞት እነፍቅሮ ሓውና መምህር ኣረፋይነ ኪዳነ ዓ/ሚካኤል ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ኣብ ገዛና ብምምልላስ ቴሌፎን ብምድዋልን ዘጸናናዕኹምና ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ሓዘንና ዓጺና ኣለና፣ ምሉኣት ስድራ-ቤት

ምልክታ ጨረታ ምም/ዞባ ደቡብ ዝተፋላለዩ ንቤት ጽሕፈት ምም/ሓ/ከ/ጾሮና ዝውዕል ናይ ስተሽነሪ። ናይ ኤሌትሪክ መሳርሒ። ናይ ጽሬት መሳርሒ። ናይ ማይ መሳርሒ። ፒሪንተር ብጨረታ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ። ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም ተወዳደርቲ ይዕደም፣

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዘለዎም።-

1. ናይ 2008 ዝተሓደሰ ናይ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎም፣ 2. መኽበሪ ጨረታ 10,000.00 ናቕፋ ብC.P.O ትሕጃ የትሕዝ፣ 3. መጫረቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት ምም/ዞባ ደቡብ መንደፈራ ጨ/ሓ/ኣገልጉሎት ኣሃዱ ዕድጊ ክትወስዱ ትኽእሉ፣ 4. ንዝያዳ ሓበሬታ ብቁ.611300 232-262-259 ተወከሱ፣ 5. ሳንዱቕ ጨረታ ዝኽፈተሉ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ካብ ዝወጸሉ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ክፉት ኮይኑ ንጽባሒቱ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰዓት 2።30 ድሕሪ ቀትሪ ተወዳደርቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት፣ 6. ቤት ጽሕፈትና ዝሓሸ ኣማራጺ እንተረኺቡ ብምሉኡ ወይ ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ኢዩ፣ ቤት ጽሕፈት ምም/ዞባ ደቡብ

ሓዳስ

7

ኤርትራ 23 ሰነ 2009

ምልክታታት ቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ መንደፈራ ዝረኣዩ ጉዳያት

ወ/ሮ ኣልጋነሽ ላቀው ተኽሉ። በዓል ቤተይ ኣቶ ኢዮብ ረዳ ከበዶም ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓሙሽተ ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን22/09/09 ኣብ 1 ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ኣቶ ገብረወልዲ ሃብተሚካኤል ንጉሰ። ወደይ ኣማኑኤል ገብረወልድ ሃብተሚካኤል ስለዝተሰውአ። ወራሲ ኣነ ጥራይ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን23/09/09 ይቕረብ፣ ወ/ሮ ማሾ በርሀ ገብረእየሱስ። በዓል ቤተይ ተጋ/ኢዮብ ሃብተ ማኤል ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ኣርባዕተ ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸልና ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን22/09/09 ኣብ 1 ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ጸጉ ገብረእግዚኣብሄር ሃይሉ። ወደይ ፍስሃየ ኣርዓዶም ሰሎሙን ስለዝተሰውአ። ወራሲት ኣነ ኣዲኡ ጥራይ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን29/09/09 ኣብ 1 ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ኣረሱ ገብረእግዚኣብሄር መድሃኔ። ደቀይ ከፈላ ካሕሳይ ተኽለን ዑቕባይ ካሕሳይ ተኽለን ስለዝተሰዉኡ። ወራሲት ኣነ ኣዲኦም ጥራይ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን29/09/09 ኣብ 1 ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ኣቶ ዮውሃንስ ወልደትንሳኤ ፍስሃዮ። ኣቦይ ወልደትሳሴ ፍስሃዮ ወልደዮውሃንስ ስለዝተሰውአ። ወረስቲ ኣነ ምስ ክልተ ኣሕዋተይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን06/10/09 ኣብ 3 ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ለተስላሴ ተኣምራት ተስፋይ። ወደይ ተስፋኣለም ነጋሲ በርሀ ስለዝተሰውአ። ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን29/09/09 ኣብ 1 ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ኣቶ ዑቕባሚካኤል ኪዳነ ካሕሳይ። ደቅና ዓንደማርያም ዑቕባሚካኤል ኪዳነን ኢያሱ ዑቕባሚካኤል ኪዳነን ስለዝተሰዉኡ። ወረስቲ ኣነ

ምስ ኣዲኦም ወ/ሮ ፋና ሓንጣል ገብረጻድቓን ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን15/07/09 ይቕረብ፣

CAUTIONARY NOTICE IN ERITREA

ORANGE

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ድባርዋ ዝረኣዩ ጉዳያት

መሓሪ ሰለሙን በርሀ ምባል ተሪፉ። መሓሪ መኮነን በጋጼን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን03/07/09 ይቕረብ፣ ሙልጌታ ሃብተጼዮን ወልደገብርኤል ምባል ተሪፉ። ሙሉጌታ ሃብተጋብር ወልደማርያም ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ዓዲ-ዃላ ዝረኣዩ ጉዳያት

ኣቶ ፍስሃጼን ገብረእግዚኣብሄር። ኣቦይ ኣቶ ገብረእግዚኣብሄር ገብረኪዳን ንጉሰ ስለዝሞተ። ወረስቲ ኣነ ምስ ሰለስተ ኣሕዋተይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን22/07/09 ኣብ 3 ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ምጽዋዕ ዝረኣዩ ጉዳያት

ምሕረትኣብ ተከስተ ገ/ሂወት ምባል ተሪፉ። ዓዘዞም ተከስተ ገ/ሂወት ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን14/07/09 ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ደቡብ ዓረዛ ዝረኣዩ ጉዳያት

ወ/ሮ ከበደሽ መስፍን መርዚ። ወደይ ሰለሙን ሃይለሚካኤል ገብረትንሳኤ ስለዝተሰውአ። ወራሲት ኣነ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን09/07/09 ኣብ 1 ይ መጋባእያ ይቕረብ፣

ኣብ ቤት ፍርዲ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ሸሪዓ ዝረኣዩ ጉዳያት

ወ/ሮ ፋጥና ሽፋ ስዓድ። በዓል ቤተይ ዝነበረ ኣቶ ኢብራሂም ዑመር ኢብራሂም ስለዝተሰውአ። ወራሲት ጓለይ ኣፍራሕ ኢብራሂም ምዃና ክረጋገጸላ። ኣነ ድማ ሞግዚት ጓለይ ኢየ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን20/07/09 ይቕረብ፣

ሓራጅ ወ/ሮ መብራት ገብረ ዘፍረድኦ ብወርሻ ዝተረኽበ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ወረ/ ነፍ ገብረሂወት ገብረ +2። ኣብ ከተማ ኣስመራ ከባቢ እምባጋልያኖ ቤተክርስትያን ኪዳነ ምህረት ጎደና ዳምት ነበር ቁ.ገዛ 23 ፊት ካዛ ኢሚኮላታ ዝርከብ መንበሪ ገዛ። ስፍሓት መሬት 312.5 ት.ሜ ኮይኑ ሽዱሸተ ቀንዲ ክፍልታት። ሰለስተ ተሓጋገዝቲ ክፍልታትን። ክልተ ዓይኒ ምድሪ ዘለዎ ገዛ ብኪኢላ ተገሚቱ ግምት ዋጉኡ 759,742.85 ናቕፋ ኮይኑ ¼ ብስም ፈጻሚ ፍርዲ ሲ.ፒ.ኦ ኣስሪሑ ወይ ተጣራቓሚ ሕሳብ (ደብተር) ሒዙ ብምቕራብ ክወዳደር ይኽእል፣ ዝቃወም እንተሎ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ መአገዲ እንተዘይኣቅሪቡ ሓራጅ ኣየቋርጽን እዩ፣ ዕለት ሓራጅ።- 15/07/09 ሰዓት ሓራጅ።- 9።30 -10።00 ቅ/ቀትሪ ቦታ ሓራጅ።- ከባቢ እምባጋልያኖ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ ምህረት ጎደና ዳምት ነበር ቁ.ገዛ 23 ፊት ካዛ ኢማኮላታ፣ ዝያዳ ሓበሬታ ዝደሊ ኣብ ላ/ቤ/ፍ/ ቤ/ጽ/ዋ/ፈ/ፍርዲ ቁ.65/1 ክውከስ ይኽእል፣ ቤ/ጽ/ዋ/ፈ/ፍርዲ

NOTICE IS HEREBY GIVEN THAT the above trade marks are the property of: Orange Personal Communications Services Limited of St. James Court, Great Park Road, Almondsbury Park, Bradley Stoke, Bristol, United Kingdom (the Owner), and are used on or in connection with:- Electrical and electronic communications and telecommunications apparatus and instruments; communications and telecommunications apparatus and instruments; electrical and electronic apparatus and instruments all for processing, logging, storing, transmission, retrieval or reception of data; apparatus and instruments for recording, transmission, amplifying or reproduction of sound, images, information or encoded data; cameras; photographic apparatus, instruments and equipment; image processing apparatus, instruments and equipment; television and radio apparatus and instruments; telecommunication, radio and television broadcasting transmitters and receivers; apparatus for access to broadcast or transmitted programmes; holograms; computers; peripheral equipment for computers; programmed-data-carrying electronic circuits; computer programs; computer software; discs, tapes and wires all being magnetic data carriers; blank and pre-recorded magnetic cards; data cards; memory cards; smart cards; cards containing microprocessors; integrated circuit cards; electronic identification cards; telephone cards; telephone credit cards; debit cards; cards for electronic games designed for use with telephones; CD ROMS; magnetic, digital and optical data carriers; magnetic, digital and optical and optical data recording and storage media (blank and prerecorded); computer software supplied from the Internet; electronic publications (downloadable) provided on-line from computer databases or the Internet; computer software and telecommunications apparatus (including modems) to enable connection to databases, local area networks and the Internet; computer software to enable teleconferencing, videoconferencing and videophone services; computer software to enable searching and retrieval of data; computer software for accessing databases, telecommunications services, computer networks and electronic bulletin boards; computer games software; digital music (downloadable) provided from a computer database or the Internet; digital music (downloadable) provided from MP3 Internet websites; devices for playing music received from the Internet; MP3 players; photographs, pictures, graphics, sound bytes, films, videos and audio-visual programmes (downloadable) provided on-line or from computer databases or the Internet or Internet websites; remote monitoring apparatus and instruments; computer software for use in remote monitoring; satellite transmitters and receivers; telecommunications and broadcasting satellites; radio telephone beacons and telephone masts; electric wires and cables; optical cables; resistance wires; electrodes; telecommunications systems and installations; terminals for telephone networks; telephone switchboards; telecommunications signal input, storage, conversion and processing apparatus; telephone equipment; equipment for fixed, transportable, mobile hands-free or voice-activated telephones; multimedia terminals; interactive terminals for displaying and ordering goods and services; paging, radio paging and radio-telephone apparatus and instruments; telephones, mobile telephones and telephone handsets; facsimile machines; accessories for telephones and telephone handsets; adapters for use with telephones; battery charges for use with telephones; desk or car mounted units incorporating a loudspeaker to allow a telephone handset to be used hands-free; in-car telephone handset cradles; bags and cases specially adapted for holding or carrying portable telephones and telephone equipment and accessories; computerised personal organisers; aerials; batteries; micro processors; key boards; modems; calculators; display screens; electronic global positioning systems; electronic navigational, tracking and positioning apparatus and instruments; monitoring (other than in-vivo monitoring) apparatus and instruments; radio apparatus and instruments; electrical control, testing (other than in-vivo testing), signalling, checking (supervision) and teaching apparatus and instruments; optical and electro-optical apparatus and instruments; video films; audio-visual apparatus and equipment; electronic games equipment and apparatus; electrical and electronic accessories and peripheral equipment designed and adapted for use with computers, audiovisual apparatus and electronic games equipment and apparatus; parts and fittings for all the aforesaid goods. Telecommunications services; communications services; telephone, mobile telephone, facsimile, telex, message collection and transmission, radio-paging, call diversion, answerphone, directory enquiries and electronic mail services; transmission, delivery and reception of sound, data, images, music and information; electronic message delivery services; on-line information services relating to telecommunications; data interchange services; transfer of data by telecommunication; satellite communication services; broadcasting or transmission of radio or television programmes and of films, teleshopping and webshopping programmes; videotext, teletext and viewdata services; broadcasting and delivery of multimedia content over electronic communications networks; video messaging services; video conferencing services; video telephone services; telecommunication of information (including web pages), computer programs and any other data; providing user access to the Internet; providing telecommunications connections or links to the Internet or databases; providing user access to the Internet (service providers); provision and operation of electronic conferencing, discussion groups and chat rooms; providing access to digital music websites on the Internet; providing access to MP3 websites on the Internet; delivery of digital music by telecommunications; providing access to telecommunications infrastructures for other operators; operating and providing search engines; telecommunication access services; computer aided transmission of messages and images; communication by computer; news agency services; transmission of news and current affairs information; hire, leasing or rental of apparatus, instruments, installations or components for use in the provision of the aforementioned services; advisory, information and consultancy services relating to all the aforementioned. NOTICE IS ALSO HEREBY GIVEN that legal proceedings will be taken against any person or company, who uses the above trade mark or any imitation thereof or who otherwise infringes the rights of the Owner, to enforce civil and criminal liabilities under the laws of the State of Eritrea. Orange Personal Communications Services Limited Contact person: Kebreab Habte Michael Warsai Street, Saba Bld. 7th Floor Tel. 181259

ሓዳስ

8

ኤርትራ 23 ሰነ 2009

ዓርቢ ዕለት 19 ሰነ እዩ ነይሩ፣ ሓውሲ ከተማ ዓረዛ ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ብዝተሰቕለ ባንዴራታት ደሚቓ ዊዒላ፣ እንተኾነስ ትዝንጋዕ ዕለት ድኣ ኣይኮነትን ’ምበር ዕለት ንዝዘንግዐስ እተን ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ዝተሰቕላ ባንዴራታት ኣፍ ኣውጺአን ክነግርኦ ይኽእላ ነበራ፣ ህዝቢ ዓረዛ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ’ዩ ተኣኪቡ፣ ሽምዓኡ ወሊዑ ኸኣ ናብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣምርሐ፣ እታ ዓባይ ጎደና ብሰብ ኣዕለቕሊቓ ምስ ረኣና ብዛዕባ ተሳትፎ ሎሚን ትማሊን ክንውከስ ነይሩና፣ እንተኾነ። ሎሚ

ናብ ውሽጥኻ ክተእትዎ’ዩ ዘገድድ፣ ኣብ ቀረባ ውሽጥኻ ዘይኮነ ኣብ ዓሚቝ ውሽጥኻ፣ ናብቲ ምስኦም ከለኻ ዝነበርካዮ፣ ሽዑ። ምስ ነፍሲ-ወከፎም ብመንፈስ ትራኸብን ትዘራረብን፣ ምስኦም ዘረዳድእ ቋንቋ ስለዘለካ ኢሂን ሚሂን ትበሃሃል፣ ውሽጢ እንተዘይ ኣቲኻ ግን ክትበሃሃለሉ እትኽእል ቋንቋ ‘ውን ኣይህልወካን፣ ብሕልና ምስኦም

መስመርናን ንመሬትና ኮሪዕና እንረግጻን ከምእንኸውን ገይሮምና፣ ስለዚ። እቶም ብኣና ዝቐንኡ ሓሳዳት ዕረ ድኣ ይጥዓሞም እምበር።- ዓወት ማለት። ጭርሖን ፈኸራን ዘይኮነ መትከል’ዩ፣ ዓወት ማለት። ብዝሕን ዋሕድን ዘይኮነ ተወፋይነት’ዩ፣ ዓወት ማለት። ዕምብረ ሓሶት ዘይኮነ ሓንቲ ሓቂ ጥራሕ እዩ፣ ግዳ ምስ’ዚ ኹሉ ክብሮምሲ

ንትማሊ ከምእትበልጻ ድኣ’ምበር። ትማሊ ንሎሚ ከምእትበልጻ ዝነግሩ መስከርቲ ክንረክብ ኣይከኣልናን፣ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣብ ኢዱ ሽምዓ ወይ ከኣ ጥዋፍ ሒዙ ነይሩ፣ ኣብ ልዕሊ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣብ ዘሎ ዓቢ ጎቦ ድማ ክልተ ዓበይቲ ሽግ ተወሊዐን ነቲ ድምቀት ዝያዳ ነዳዲ ወሲኸናሉ ነበራ፣ ቀዳሞት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክበጽሑ ከለዉ ዳሕረዎት ገና ኣብ ማእከል ከተማ እዮም ነይሮም፣ እቲ ኣብ ኢዶም ዝሓዙዎ ሽምዓ ይነድድ፣ እተን ኣብ ዝባን እቲ ዓቢ ጎቦ ዝነበራ ሽግ ድማ ይነዳ፣ ኩሉ’ቲ ዝነድድ ሽምዓ ይኹን ጥዋፍ። ንተምሳል ናይ’ቶም ምእንታና ዝተሰውኡ ጀጋኑ ዘመልክት ተኣማኒ ምልክት እዩ ነይሩ፣ ህዝቢ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ድሕሪ ምእካቡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ፣ ብድሕር’ዚ። ክልተ ግጥምን መዝሙር ቀያሕቲ ዕምባባን ድሕሪ ምቕራቡ።- ኣመሓዳሪት ሓውሲ ከተማ ዓረዛ ወ/ሮ ምልእተ ጸጋይ ‘’ጽባሕ 20 ሰነ እቶም ምእንታና ዝተሰውኡ ጀጋኑ ናብቲ ግቡእ መዕረፊኦም ዝኣትዉሉ ዕለት’ዩ፣ ዕስራ ሰነ ነቶም ስሌና ዝሓለፉ ሰማእታት እንዝክረሉን መብጽዓና እነሐድሰሉን ዕለት እምበር ንስለ በዓል እነብዕሎ በዓል ኣይኮነን፣ ስለዚ። ንስድራ ስዉኣት እንገብሮ ምትሕግጋዝ ብዝያዳ ክዓቢ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ለበዋይ የመሓላልፍ’’ ክትብል ገሊጻ፣ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዓረዛ ንኹለን ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ማሕበራትን ብግቡእ ወዲቡ ነቶም 702 ኣስከሬን ሰማእታት ናብቲ ግቡእ ቦትኦም ንምብጻሕ ከካይዶ ዝቐነየ ምሽብሻብ ወዲኡ’ዩ፣ እቲ ዝተረፈ ሰማእታት ኣብተን ንዕኦም ተባሂለን ዝመጻ በጣሓት ሰቒልካ ብሰልፊ ዓጅብካ ናብቲ ሓድሽ መቓብር ሓርበኛታት ምንቃል ጥራሕ’ዩ፣ ሎሚ 20 ሰነ’ዩ፣ ብቕድሜና ኣብ ዝባን በጣሕ ተጻዒኖም ዝንቀሳቐሱ ሰማእታት ንርኢ ኣለና፣ እቶም ትማሊ ብጉያኦምን ጉብዝናኦምን ሰብ ዘዛረቡ ሰማእታት ሎሚ ጸጥ ኢሎም ኣብ ዝባን በተን ንባንዴራና ዘቖማ ሕብርታት ዝተሸለማ ክልተ በጣሓት ልዋም ዘለዎ ድቃስ ዘልኣለም ደቂሶም ይግዕዙ ‘ለዉ፣ ነፍሲወከፍ በጣሕ ሓሙሽተ ዓበይቲ ሳናዱቕ ተጻዒና’ላ፣ ነፍሲ-ወከፍ ሳንዱቕ ከኣ በታ ብምሕላፎም ዝመጸትን ዝተኸብረትን ባንዴራ ወቂባ ትረአ፣ እቲ ትርኢት ኩሉ ነገሩ ነቲ ርዝነት

እንተድኣ ዘይጸኒሕካ እናኽትዝክሮም ነፍስኻ ትሕቀ፣ ትሓፍርን ትደንንን፣ ሕጂ ግን ኩሉ ሰብ ናብ’ቲ ዝወሸጠ ዕምቈት ግዲ ኣትዩስ ሓደ’ኳ ምዕይ ዝብል ኣይነበረን፣ እቲ ካብ ማእከል ከተማ ዝነቐለ ሰልፊ ከምዝብገስ ተገብረ፣ ፈለማ ሞተር ሳይክል እያ ተሰሪዓ፣ ቀጺሉ። ናይ ፖሊስ መኪና። ክልተ ንዝኽሪ ሰማእታት ኣብ እግሪ ጉዕዞ ዝቐነዩ ባንዴራታት ዝሓዙ ዜጋታት፣ ክልተ ሰማእታት ዝሓዛ ስሉማት በጣሓት፣ ብጎድነን ኮነ ድሕሪአን ዘሰንየን ወተሃደራዊ ሰልፊ፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መኪና ናይቶም ነቲ ክቡር ዕለት ዝምልከት ጣዕመ ዜማን ግጥምታትን ዘስምዑ መንእሰያትን ህዝቢ መላእ ንኡስ ዞባ ዓረዛን ዝሓዘ ሰልፊ’ዩ፣ እቲ ጉዕዞ ተጀመረ፣ እተን ለዋሃት ኣዴታት’ኳ ጸጥ ኢለን ነይረን፣ እቲ ርዝነት ባዕሉ ጸጥ ኣቢሉወን ነይሩ፣ ምዃንሲ እቲ ዘገምታዊ ኣካይዳ ናይተን በጣሓት እውን ረዚን እንድዩ ነይሩ፣ ካብ ውሽጥኻ ንሓንሳእ ወጺእካ ግልጽ ዝበልካያ ገጽ ብትዅረት ናብቲ ናይ ሰማእቲ ሳናዱቕ ክትጥምት ኢኻ እትርእያ፣ ኣእዛንካ እውን ነቲ ግጥሚታት ደርፍታትን መዛሙርን የስማዓኻ፣ ኮታ ኩሉ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ምንቅስቓስ ንርዝነት ናይቶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰማእታት ዘመልክት ነበረ፣ ስለዝኾነ ኸኣ። ኩሉ ሰብ ኣብ ወውሽጡ ብምእታው ንነፍሱ ይፍትሽ፣ ‘’ኣነ መን’የ? ስለምንታይ በጃይ ሓሊፎምለይ? ሕጂ’ኸ ናበይ እየ? በጃይ ብምሕላፎም ብምንታይ እየ ዝኽሕሶም?’’ እናበለ ንገዛእ ነፍሱ ብገዛእ ሕቶታቱ የዋጥራ፣ ‘’ኣነ ክብጆ ንስኻ ጽናሕ’’ ብዙሕ ግዜ ስለዝተደጋገመት ተራ መግለጺት ትመስል ትኸውን፣ ኣብ ዕምቈታ ንዝኣተወ ግዳ ተፋሒሩ ዘይውዳእ ቅርሲ ኣለዋ፣ ኣብ መወዳእታኡ ግን ሕላገት መንነትናን ኩርዓትናን’ያ፣ እቲ ምንታይሲ። ኣብቶም ንናጽነት ዝተቓለሱ ዜጋታት’ዛ ምድሪ ሰሪሓ። ኣብዞም ንምውሓስ ልኡላውነት ዝተቓለሱ ድማ ደጊማ ህላዌኣ ኣመስኪራ፣ ስለዚ። ሰማእታትና ንኹሉ ኣብ ቅድሜኦም ዝተገተረ መስገደል ሰይሮም እዛ ሃገር ሰባን መሬታን ቀሲንና ንኽንነብር ሞባእ ሓርነት ንክኾኑ መመልከቲቶ ኣጻብዖም ናብ ካልኦት ዘይኮኑ ናብ ገዛእ ነፍሶም እዮም ኣቕኒዖማ፣ ስለዚ ኸኣ በጃና ሓሊፎምልና፣ ብሳላ’ዚ ኢና ርእስና ዘይነድንን፣ ገዛእ መሬትና ባዕልና ንዳኒ፣ ወነንቲ ፖለቲካዊ

ንስዉኣትና ንነብዓሎም፣ ርእስና ደፊእና ብመሽረብ ኣዒንትና ንብዓት ፍቕሪ ንደፍኣሎም፣ ከምእነኽብሮምን ንመስመሮም ንምድልዳል ሕድሮም ከምእንስከምን ብመገዲ ጸረርታ ንብዓትና ንገልጸሎም፣ ‘’መጺኹምዶ ጀጋኑ መጺእኹምዶ? ጥዕና ይሃበለየ ጥዕና ይሃበለየ ዘየጥፍእ ጓሳ ረኺብናየ ዘየጥፍእ ጓሳ ረኺብናየ ጓሳናየ ማሓስእ ከየጥፍአ ኣምጺእልናየ ሓደ ከየጥፍአ ኩሎም ኣኻኺብልናየ ኣንታ’ዚ መንግስቲ’ዚስ መንግስቲ’ዶ ክበሃልዩ’ታ ታዓላናየ ታዓላናየ ታዓላናየ፣’’ ካብ ልሳን ሓንቲ ጓል ሱሳ ዓመት ኣቢለን ዝኾና ኣደ ስዉእ ዝወጽእ ዝነበረ ቃላትን ዜማን’ዩ፣ ኣንቱም ሰባት። ግጥሚ መሲላትኩም ተራ ናይ ደርፊ ዜማ ክተናድዩላ ግዜኹም ኣይትቕተሉ፣ ግጥሚ ኣይኮነትን፣ ግዳ እቶም ዝጾረቶም ቃላትን ውዳቤኦምንሲ ካብ ግጥሚ ደርፊ ይዓብን ይረዝንን፣ ዜማ ‘ውን ኣለዋ፣ ናይ ባዕላ ዜማ፣ ንገለ ግሩሃት መልቀስ ‘ውን ክትመስሎም ትኽእል ትኸውን፣ መልቀስ ግን ምልክት ሓዘን እንዳኣሉ፣ ግዳ ንሳስ ኩሉ’ያ፣ ኣብ

ዘይኣመለን ቀልጢፈን ንብዓት ቈጸራ፣ እቲ ዜማ። እቲ ትሕዝቶ ዘረባአን። እቲ ካብ ኣዒንተን ዝፈስስ ንብዓት፣ ኮታ ኩሉ እንትናአን ንብዓትካ ከምዘይትጸውር’ዩ ዝገብረካ፣ ሽዑ። ኣብ ጥቓይ ኮይኑ ካሜራኡ ኣዋዲዱ ይስእለን ንዝነበረ ጋዜጠኛ ኣቡበከር ዓብደል ኣወል ጠሚተዮ፣ ኣዒንቱ ብንብዓት ይዝቈቛ ነይረን፣ ብድሕርዝስ እተን ኣብ ኣዒንተይ ዝነበራ ንብዓት ‘ውን ኣብ መሽጐራጉር ኣዒንተይ ተኸዋዊለን ክጸንሓ ኣይፈቀዳን፣ ኣብ ቅድሚ እተን ኣደ ተፈርሺሐን፣ እቲ ካብ መላእ ንኡስ ዞባ ዓረዛን ካልኦት ከተማታትን ዝመጸ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ። ድሕሪ ናይ ክልተ ኪሎ ሜተር ጉዕዞ ኣብቲ ሓድሽ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ምስ በጽሐ እቶም ጀጋኑ ናይ ዘንተእለት ሰፈሮም ንምሓዝ ካብ ዝባን በጣሓት ከምዝወርዱ ተገብረ፣ ሻቡ። መራሕቲ ሃይማኖት ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባሮም። ብግቡእ ወተሃደራዊ ሰልፊ ምፍጻም ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተኻይዱ፣ ካብዚ ብምቕጻል ድማ ቃል ኣወሃሃዲት ሽማግለ ብኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ኣቶ ብርሃነ መንገሻ ቀሪቡ።ኣቶ ብርሃነ ኣብ ዘስምዖ ቃል።- ‘’20 ሰነ ዕለተ ዝኽሪ ሰማእታትና ስለዝኾነት ዝረዘነት በዓልና እያ፣ ኣብዚ ረዚን በዓል ከኣ በቲ ሓደ ሸነኽ ነቶም ክብርቲ ሂወቶም ሞባእ ዝኸፈሉ ሰማእታት። በቲ ካልእ ከኣ ሓድነት ህዝብናን ልኡላውነት መሬትናን ምዕቃብ። ፖለቲካዊ ርግኣትን ቁጠባዊ ብልጽግናን ዝሰፈና ሓያልን ስምርትን ኤርትራ ንምህናጽ ሕድሮም ንምፍጻም ማሕላና እነሐድሰሉ ኣጋጣሚ’ዩ፣ “ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ዝጸንሐ መቓብር ሓርበኛታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብምዃኑን ዘይምቹእ ብምንባሩን ኣብዚ ሓድሽ ቦታ ይግዕዝ ኣሎ፣ ሉኡላውነት ሃገር ንምኽባር ንዝተሰውኡ ሰማእታት ከካብቲ ዝነበሩዎ ቦታ ብምእካብ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ይፍጸም ኣሎ፣ ስለዚ እዚ ስራሕ’ዚ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ክበጽሕ ዝሰርሑ ኩሎም ምስጋና ይብጽሓዮም፣ ‘’ስዉኣትና ኣብ ልብና’ዩ ሰፈሮም፣ ስለዚ መብጽዓኦም ክነተግብር ክንዝምረሎምን ክንገጥመሎምን ይግባእ፣ ስለእንናፍቖምን እነፍቅሮምን ንብዓት ከነውሕዝ ኢና፣ ንብዓትና ግን ንብዓት ናፍቖት። ሓልዮትን ፍቕርን እምበር ሕልናና ዝርዅምሽ። ንያትና ዘዕርብን ኣዒንትና ዘንጡቕን ክኸውን ኣይግባእን፣ ‘’ስለዚ ኩሉ ዜጋ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ብጉልበት።

ውሽጣ ኩሉ’ዩ ዘሎ፣ እተን ኣደ። ኣብ ኣፍደገ’ቲ ሓድሽ መካነ መቓብር ሓርበኛታት እየን ጸኒሐናና፣ ነፍሲ-ወከፍ ዓይነን ማንታ ንብዓት ተውሕዝ ነይራ፣ ንብዓተንን ቃላተንን ተሓጋጊዙ ንናፍቖት ስዉኣት። ንትብዓተንን ንውሕሉልን ሓላይን መንግስተን ይዝክርን የድንቕን፣ ሻቡ። እተን ኣብ ንብዓት ዘይህወኻ ኣዒንተይ

ብገንዘብ። ብንዋትን ሞራልን ክልግስ በዚ ኣጋጣሚ አዘኻኽር፣ ኣብ መወዳእታ። ነታ ነዚ ስራሕ’ዚ ዘዳለወት ሽማግለ እናመስገንኩ። ንዓመታ እዚ ህሞት’ዚ መካነ መቓብር ሰማእታት በቲ ዝግባእ ወቂቡን ገሪቡን ክንርኢ ይትስፎ፣ ጥሉል ክራማት ክኾነልና ኸኣ ይምነ’’ ክብል መደረኡ ደምዲሙ፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጦፋ

ርክብ ሰማእታትን ናይ ክብሪ ቦታኦምን

ኑርሕሰን ብግዲኡ።- ‘’ሎሚ ንመበል 18 ግዜ እንዝክሮን እነብዕሎን ዘለና ናይ ጅግንነትን መንነትን መዓልቲ’ዩ፣ ስዉኣት ዘይብላ ሃገርን ብስዉኣቱ ዘይሕበን ህዝቢን ዝንየተላ ሃገር ኣላቶ ኢልካ ምዝራብ ኣጸጋሚ’ዩ፣ ‘“ካልእሲ ይትረፍ ንጐረባብትና ጥራሕ እንተተዓዘብና’ኳ። መዓልቲ ሰማእታት እተብዕል ሃገር ኣላ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ እቲ ምኽኒያት ድማ መብዛሕትአን ንናጽነተን ብመስዋእቲ ዘይኮናስ ብህያብ ስለዝረኸብኦ እየን፣ ስለዝኾና ኸኣ። ሂወተን ምሉእ ዘይተኸፍለ ናይ ደም ዕዳ ክኸፍላን ክሳቐያን ከለዋ፣ ንሕና ግን ሳላ ሰማእታትና ሓንሳብን ንሓዋሩን ሕፉራትን ኩሩዓትን ኮይንና ዝወጻእና ህዝቢ ኢና፣ ‘’ሎሚ መዓልቲ ንዝኽሪ ናይቶም ነዛ ሃገር ካብ ኣፍ ኣራዊት መንጢሎም ዘረከቡና ብሉጻት ናይ ብሉጻት። ምሩጻት ናይ ምሩጻት ስዉኣትና። ሳላ ዝነጠበ ደሞምን ዝተኸስከሰ ዓጽሞምን ባንዴራና ኣምበልቢልና። ህላወ ናይ ሃገርና ተረጋጊጹ። ናይ ዝኸይድ ዘሎ ዓጋቲ ዘይብሉ ዕቤትናን ልምዓትናን ተዋሒሱ ምህላዉ። ንነፍሲ-ወከፍናን ንውሉድ ወለዶና ዝኸይድ ታሪኽ ዓቲርናን ኢና ክንዝክራ ንነብር’’ ዝበለ ኣቶ ሙስጦፋ መደረኡ ብምቕጻል።“ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ዞባና ናይ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ኣስከሬን ግቡእ ቦትኡ ይሕዝ ኣሎ፣ በዚ መሰረት ከኣ። ኣብ ሰንዓፈ 212። ኣብ ጾሮና 277። ኣብ ዓዲዃላ 660። ኣብ ማይምነ 20። ኣብ ዓረዛ 702። ብድምር 1871 ኣስከሬን ጀጋኑ። ምሉእ ህዝቢ ዞባናን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትናን ኣለናልኩም ቅሰኑ ሰማእታትና እናበለ የፋንዎም ኣሎ’’ ክብል ንኣሃዝ ናይቶም ኣብቲ ዕለት’ቲ ግቡእ ቦትኦም ዝሕዙ ሰማእታትና ገሊጹ፣ ኣብ መወዳእታ ኣቶ ሙስጦፋ።‘“እዚ መዓልቲ’ዚ ደጊምና ጽንዓትና እነረጋግጸሉን ኣብ ምክልኻልን ልምዓትን ሃገርና። ኣብ ምእላይ ስድራቤት ስዉኣትን ሕድሪ ናይቶም ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ዝተሰውኡ ንምትግባር ማሕላ ንኣትወሉን መዓልቲ ድኣ’ምበር ንጠዓሰሉ መዓልቲ ኣይኮነን’’ ክብል መግለጺኡ ዛዚሙ፣ ብድሕርዝስ ምንባር ዕምባባ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት እዩ ኮይኑ፣ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተሰርዐ መደብ ከኣ ፈለማ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጦፋ ኑርሕሴን ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ዕምባባ ቀጺሎም ኣዛዚ ሰራዊት። ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ። ባይቶ። ኣማሓደርቲ ንኡስ ዞባ ዓረዛን መንደፈራን። ኣዛዚ ፖሊስ ዞባን ሓለፍቲ ማሕበራትን ዕምባባ ኣንቢሮም፣ ቀጺሎም ከኣ በዓል ቤተንን 3 ደቀንን ዝተሰውኡወን ኣደይ ርግኣት ኣርኣያን ኣቦ ሰለስተ ስዉኣት ኣቦይ ገብረስላሴ ጎጀላን ኣብ መቓብር

ሰማእታት ዕምባባ ኣንቢሮም፣ ካብዚ ቀጺሉ እምነ መሰረት መቓብር ሓርበኛታት ብኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ተነቢሩ፣ ፈልሲ ገረብ ስዉእ ከኣ ተተኺሉ፣ ኣብ መወዳእታ። ብድሕሪ ዝቐረበ መዝሙርን ግጥምን እቲ መደብ ብዝኽረ ሰማእታት ተዛዚሙ፣ ኣብርሃም ዮውሃንስ (እብር)

ሓዳስ

9

ኤርትራ 23 ሰነ 2009 ሄኖክ ፍረሚካኤል

መስዋእቲ ዝፈጠረን ስድራቤታት

ኣብ ዉሽጥን ወጻእን ዝቕመጥ ኤርትራዊ ኣብ’ዚ ቅንያት ብመንፈሰ ምሰ ሰማእታቱ’ዩ ክራኸብ ቀንዩ።። ካብ 17ሰነ ጀሚሩ መደብ ምትካል ፈልሲ ብተማሃሮ። መንእሰያት። ሰራሕተኛታትን ሰድራ ሰዉኣትን ተተግቢሩ።። ብ19 ሰነ ከኣ። 13ምምሕዳር ከባቢታት ዞባ ማእከል ዝተሳተፈኦ። ነቶም ናጽነት ከነስተማቕር ዝገበሩና ሰማእታት ንምዝካር ናይ ሽምዓ ሰልፍ

እንሃንጽን እነማዕብልን ጥራይ እዩ” ክብሉ ንስውኣትና ዘቕስን ስራሓት ክንዓምም ከምዘለና ኣዘኻኺሮም፣ ኣቦ ሓደ ስውእ ኣቶ ሰመረኣብ ኣባይ። ብወገኖም” ከም’ዚ መንግስቲ ኣነ ርእየ ኣይፈልጥን እየ፣ ናይ ጸላእትና ታሪኽ ከምእንሰምዖ ናይ ጸላእትና።’እቶም ናብ

ዕለት’ውን እያ።። ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ሰማእታት። ከምቲ ኩሉ ግዜ እትዝከረሉ ኣገባብ እኳ እንተተዘከረትገለ ፍሉይነት ግን ነይርዋ።። ኣብ ርእሲ’ቲ መንግስቲ ንስድራ ስዉኣት ዝህቦ ደበስ ኣቐዲሙ ኣብ ወጻኢ ብዝቕመጡ ኤርትራዉያን

ብምግባር ህዝቢ ቅሰኑ ሰማእታትና። ቅሰኑ ስማእታትና እናበለ። ሰማእታቱ ብሓበን ዘኪሩ፣ ቀዳም 20 ሰነ። ነበርቲ 13 ምምሕዳር ከባቢታት ዞባ ማእከል። ምስ ሰድራ ሰዉኣት ብሓባር ብምዃን ታሪኽን ጅግንነትን ሰማእታት ክዝርዝሩ። ብኡ ኣቢሎም ከኣ ነዚ መዳርግቲ ኣልቦ ዝኾነን ብዙሕ ህይወት ዝሓተተን ረዚን ሓላፍነት’ዚ ናብቶም ተረከብቲ ሕድሪ ዝኾኑ ወለዶታት ንምስግጋሩ። ነፍሲ ወከፍ ምምሕዳር ከባቢ ፍሉይ መደብ ሰሪዓ። ሰእሊ ናይ ጀጋኑ ሰማእታት። ኣብ ከብሒ ኣዳራሽ መሊአን። ብመስዋእቲ ደቅና ክንሕበን እምበር። ክንነብዕን ክነስተንትንን የብልናን ዝብል መልእኽቲ እየን ከመሓላልፋ ውዒለን።። መስዋእቲ ዋጋ ሓርነት እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ሓራ ምዃን ዘሎ ጸጋ ከኣ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን፣ ክቡርን ክቡር ዋጋ ዝሓትትን እዩ፣ ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ እትነብር ስድራ ዕጫ ናይዚ ክቡር ሞት። ሞት ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኣልዒላ እያ፣ ኣብ ሓንቲ ካብ ምምሕዳር ከባቢታት ዞባ ማእከል በጺሕና ኔርና፣ ምምሕዳር ከባቢ ኣባሻውል፣ ንኣቶ ገብረክርስቶስ ሓጎስ ብዛዕባ እዛ ረዛን ዕለት 20 ሰነ ተወኪስናዮም ኔርና። “ሰማእታትና ምእንታና እዮም ሓሊፎም እምበር ሞይቶም ኣይኮኑን፣ ተኾርሚኻ ስለ ዘይንበር ደቅና መግዛእቲ ፈንጺጎም ሃገሮም ንምድላይ ወጺኦም፣ ንዓና ከኣ እዚ ክብሪ ገዲፎምልና።። ስለዚ ስውኣትና ብሕድሮም ክድበሱ እንተድኣ ኮይኖም። ሕጂ’ውን ከም ትማሊ ተመላሊእና። ተሓቋቒፍና። ሓድነትና ኣደልዲልና። ሃገርና ምስ

ገዝኦም ዘይተመልሱ ተሰዊኦም እዮም ኢሎሞም፣’ መንግስትና ግን ብንጹር ብደብተር። ዝተወግኡሉ ይኹን ዝተሰውኡሉ ዕለትን ቦታን’ዩ ንስድራ ስውኣት ኣርዲኡ፣ መንግስተይ ኮይኑ ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ሓቂ ንምዝራብ” ብምባል እዮም ነቲ ውርጹጽ ኣተሓሕዛ ሰነድን ኣተኣላልያ ስድራ ስውኣትን ገሊጾም፣ ኣማዉታ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ። ገለ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ክቡር ሞት ይመውት።። ገለ ከኣ ክብረቱ ሽይጡ ኣብ ዘይጠቅም ዕላማ።። እቶም ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ክብርቲ ህይወቶም ዝኽፈሉ ሰማእታት ኤርትራ ከኣ። ስሞምን ቅያ ጅግንነቶምን ንዘንትእለት እናተዘከረ ይነብር።። መስዋእቲ ንዓና ንኤርትራዉያን እቲ ዝለዓለን ዝኽበረን ፍቕሪ ሃገር እንገልጸሉ ተወራራሲ መስርሕ ጅግንነት እዩ።። ህዝቢ ኤርትራ። ንዓሰርተታት ዓመታት ንመስሉ ኣብ ዘካየዶ መሪር ሃገራዊ ቃልሲ። ማእለያ ዘይብሉ ህይወት እዩ ከፊሉ።። ነፍሲወከፍ ስድሪ መሬት ኤርትራ መስተንክራዊ ታሪኽ ጅግንነት ሓቒፍ’ዩ ዝርከብ።። ኣዕጽምቲ ጀጋኑ ዘይወደቖ ቦታ የለን እንተበልና’ዉን ካብ ሓቂ ኣይራሓቕናን።። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ። ኣብ ልዕሊ’ቶም ነዚ ነስተማቕሮ ዘሎና ራህዋን ናጽነትን ዝለገሱልና ስውኣት ልዑል ኣክብሮት እዩ ዘለዎም።። እቲ ምንታይ። ኩሉ’ዚ ሕጂ ኤርትራዊ ወኒንዎ ዘሎ ክብረትን መሰልን ብጀጋኑ ሰለ ዝተረኽበ።። እዚ ቅንያት’ዚ። ንኹሎም ሰማእታት ኤርትራ እንዝክረላ ክብርቲ ዕለት 20 ሰነ እዩ።። ብሓቂ እዛ ዕለት’ዚኣ ንናጽነት ዝወለደት መዓልቲ ብምዃና ኩሉ ኤርትራዊ ሽምዓ ወሊዑ ምስ ሰማእታቱ ብመንፈስ ዝራኸበላ

ማዕከን ሕድሪ ስማእታት ንምስሳን ዝግበር ወፈያን ዝተኣትወ መብጽዓን ኣብ 2004 ዝተጀመረ ሰድራ ስውኣት ንምእላይ ብዝኣተዉዎ መብጽዓ። ንክልተ ዓመት ኢሎም ዝጀመርዎ ምእላይ። ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ደምን መንፈሰን ምትእሰሳርራ ፈጢሩ።። ካብ’ቲ

ኣታዊ ኮይኑ።። ናይ ክንድ’ዚ ስድራሰዉኣት ግራት ብወፈራ ተሓሪሱ።። መንበሪ ኣባይቲ ተሃኒጹ” ዝብል ዜና እንክትስምዕ ዝፈጥረልካ ባህታን መንፈሳዊ ዕግበትን መግለጺ የብሉን።። ኣብ ልዕሊ ሰማእታትና ዘሎና ኣኽብሮት ምስ ካልኦት ኣህዛብ ክነጻጸር ከሎ ብመሰረቱ ዝዳረግ ኣይኮነን።። ገለ ሃገራት ድሕሪ ኲናት ናብ ቤቶም ዘይተመልሱ ተሰዊኦም እዮም ዝብል ድፉን መግለጺ ይህባ።። ገለ ከኣ ብጥቕልሉ ኣብ ርእሰ ከተመአን ሓወልቲ ሰማእታት ይሃንጻን’ሞ መዝገብ ሰዉኣት ብኡ ይዕጾ።። ናብ ሃገርና ምልስ ኢልና ምስ እንሪኢ ዘተባብዕን ናብ ቀጻሊ ወለዶ ብክብሪ ክሰጋገር ዘለዎን እዩ።። ይኹን እምበር ዘዛኒ ኣይኮነን።። ስድራ ናይቶም ምእንቲ ናጽነት ዝሓለፉ ሰማእታት። ኣሰር ደቆም ይስዕቡ ኣለዉ።። ስለዚ እቲ ዝግበር ምትሕግጋዛት ትርጉሙ ክረዝንን ዝያዳ ዕግበት ክርከቦን ምእንቲ ምስ ግዜ ተቐዳዲምና ሕድሪ ሰማእታትና ብዓቕምና ኣብ እዋኑ ክንፍጽም ይግባእ ።። ከም’ቲ ዉሑድ መወዳድርቲ ጥራይ ዝርኮቦ ጅግንነት ብምፍጻም ህይወቶም ከፈሎም ዝሓለፉ። ህዝቢ’ውን ሕድሪ ሰዉኣት ኣብ ምትግባር ብዓቕሙ ይሰራሕ ኣሎ።። ሕፍርቲ። ስልጥንትን ክብርትን ኤርትራ ምህናጽ ገለ ካብቶም ዓበይቲ ሕድሪ ሰማእታትና’ዮም።። ነዚ ብኸመይ ይትግብሮ ኣለኹ? ነየናይ ዓሚመ ኣየናይከ ተሪፍኒ ኣሎ? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክገማዳሕ ግድን እዩ፣ መሰዋእቲ ጀጋኑ ዘሕዝን ኣይኮነን።። እኳ ድኣ ዝያዳ ሓበን ይግብኦ።።

ዝተመደበ ግዜ ንላዕሊ ቀጺሉ።። ዘይፋለጣ ዝነበራ ሰድራቤታት ናብ ሓንቲ ስድራ ተቐይረን።። እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ዝተመደበሎም ናይ ክልተ ዓመት ግዜ’ዃ እንተኣእከሉ። ‘ካብ ሎሚ ኣነ ከም ወድኹም ወይ ጓልኩም ንስኹም ከኣ ከም ወለደይ ኢኹም’ ብምባል ዝኣተዉዎ ቃል። ኪኖ’ቲ ዝተሓስበ ‘ብህይወት ክሳብ ዘለኩ ክኣልየኩም እየ’ ኣብ ምባል ተበጺሑ።። እዚ ብኻልኦት ህዝብታት ዓለም ብቐሊሉ ክእመን ዝኽእል ኣይኮነን።። ዓለም ብዉልቃዊ ረባሓ ዘቕቢባትሉ ኣብ ዘላ እዋን። ንሕና ኤርትራዉያን ንስድራ ስዉኣት ብዓቕምና ክንኣልዮም ምፍታንና። በዚሕዎም እኳ እንተዘይ ኮነ። ብመጠኑ ሕድሪ ስውኣትና ከይረሳዕና ንፍጽም ምህላዉና ዘሓጉስን ዘሐብንን እዩ።። “ነበርቲ ዞባ እከለ ንክንድ’ዚ ስድራ ሰዉኣት ይኣልዩ ኣለወ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብር ኣቶ እከለ ክንድዚ ስድራስውኣት ይኣሊ ኣሎ።። ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ንምስሳን ክንዲዚ ናቕፍ

ዝኸፈልዎ መስዋእቲ። ነቲ ከም ህዝብን ሃገርን ተሓሪሙና ዝነበረ ኩሉ መዳያዊ መሰላት ወሊዱ።። ብደምን ኣዕጽምትን ዝተኸበት ሃገረ ተረኪብና።። ነዝነን ክንድዝን ዝወለደ ክቡር መስዋእቲ ሓዘን ዘይኮነ ሓበን’ዩ ሞሳኡ።። እዛ ዕለት እዚኣ ንስለ ዝኽሪ ጥራይ ክትከዉን ኣይግባእን።። ብመንፈስ ምስ ሰማእታትና እንራኸበላን ሕድሮም ንምትግባር ቃልና እንሐድሰላን ክትከዉን’ዩ ዘለዋ።። ዕድመ ወድ ሰብ 70 ወይ 80 እዩ።። ሓንሳብ ምሰ ሓለፈ ከኣ ዝምለስ ኣይኮነን።። ይኹን እምበር እቶም ብህይወቶም ከለዉ ፍሉይ ታሪኽ ዝሰርሑ ብመጠን’ቲ ዘበርከትዎ እናተዘከሩ ይነብሩ።። ሰማእታትና ከኣ። ካብ ውሉድ ናብ ውሉድ እናተሰጋገሩ ንዘንትእለት እናተዘከሩ ክነብሩ እዮም።። እዛ ሃገር ብደም’ያ መጺኣ ብደም ከኣ ተዋሒሳ።። ዘዝተወልደ በጃ ሃገሩ ክሓልፍ ይቀዳደም።። ታሪኽ ቀዳሞት ብምልከት ተደጊሙ።። ቦኽርን ሕሳስ

ልደን ንክብሪ’ዛ መሬት ይሓልፉ።። እንታይ ኮን ይኸዉን ሚስጢር ናይዚ ፍሉይ ብዕትብቲ ዝሰጋገር ፍቕሪ መሬት? ከም’ቲ ሓደ ስድራ ስውኣት ንምእላይ ተበግሶ ዝወሰደ ዜጋ “ንሶም’ኳ መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ህይወቶም ብምኽፋል ነዚ ከነስተማቕር ዝገበሩስ። ንሕና ድኣ እንታይ’ዶ ንገብር ኣሎና ኢና፣ እዚ ናይ ገንዘብን ሞራልን ሓገዝ መንፈስና ክቐስን እምበር ምስቲ ዝፈጸምዎ ጅግንነት ዝዳረግ ኣይኮነን፣” ብምባል’ዩ ሰማእታትና ዝኸፈልዎ ህይወት መተካእታ ከምዘይብሉ ዘረድአ፣ ብሓቂ እቲ ተበግሶ ቅዱስ ዕላማ እዩ፣ ብዓቕምኻ ንወገንካ እሞ ከኣ ውሉዳ በጃ ሃገር ዝሓለፈ ስድራ ምሕጋዝ ዓቢ እፎይታ እዩ ዝፈጥረልካ፣ ስድራ ስውኣት በዚ መስርሕ’ዚ ገንዘብ ኣይኮኑን ዝኸስቡ፣ እቲ እሂን ምሂን ። እቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ኣርባዕተ ግዜ ዝግበር ምብጽጻሕ ዝፈጥሮ ፍቕሪ እዩ እቲ ዝበለጸን ብገንዘብን ንዋትን ዘይትመን ዓቢ ነገሩ፣ ናይ ዓዲ። ብሄርን ሃይማኖትን ምትእስሳር ዘይብሉ። ሃገራዊ ዕላማ ጥራይ ዝጠምሮ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ “ናይ ሕልና ህያብ” ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ክትርኢ የንብዕ እዩ፣ እወ ንብዓት ሓጎስ፣ ሕድሪ ሰማእታትና ብኸምዚ ክዕመም ቀሊል ኣይኮነን፣ ደቂ ስውኣትን ስድራ ስውኣትን ኤርትራ። ብኤርትራውያን ክሕገዙን ክእለዩን ካብ ምርኣይ ዝዓቢ ጸጋ የለን፣ ፈለማ ንነብሶም። ድሓር ንወለዶም ጨኪኖም ንመስዋእቲ ዝቃጸጹ ወነንቲ ልዑል ጥርዚ ተወፋይነት ዝኾኑ ፍጡራት ኣለው እንተተባህሉ ኤርትራውያን ጥራይ እዮም፣ ብሓቂ ርሕስቲ መሬት፣ ኣብቲ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ገድሊ። ሃገር ብደቃ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ጅግንነት ሰኒዳ፣ ሎሚ ከኣ ንስድራቤት ናይቶም ናጽነት ንምምጻእን ንምውሓስን ዝሓለፉ ጀጋኑ ብምሕብሓብ ካልእ ፍሉይ ታሪኽ

ትስንድ ኣላ፣ጉዳይ ምእላይ ስድራ ስውኣት። ክሳብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝባን መንግስቲ’ዩ ጸኒሑን ዘሎን፣ ሎሚ ግን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኢደይ ኢድካ ይብለሉ ኣሎ፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ሰብ ጸጋን ሕልናን እጃሞም ይገብሩ ኣለው፣ እቲ ዝገርም ከኣ። እቶም ናጽነት ኣብ ምምጻእን ምዕቃብን ኣካሎም ዝሰንከሉ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ካብተን ዝዋሃብኦም መቑነን። ንስድራ ስውኣት ክጥውሩ ምውሳኖም እዩ፣ ብሓቂ ደቂ ሓደ ልቢ፣ ንሕና ኤርትራውያን ሓደ ልቢ ሓደ ደም ምዃንናን ብሓደ ዕላማ ከም እነድምዕን ዘርኢ ብዙሕ ታሪኽ’ዩ ዘለና፣ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ናጽነት ኣምጺእና፣ ኣብ ገስጋስ ህንጸት ሃገር። ምክልኻልን ቁጠባዊ ሓርነትን ከኣ ብሓደ ሰሪሕናን መኪትናን ንሰርሕ’ውን ኣሎና፣ እዚ ናይ ሎሚ ምሕብሓብ ስድራ ስውኣት ከኣ መቐጸልትኡ እዩ፣

ሓዳስ

10

ኤርትራ 23 ሰነ 2009

ድሕሪ ኣሌክሳንደር ዓቢ ምማቱን ግዝኣቱ’ውን ድሕሪ ምብትታኑን ግብጺ ብሰንሰለታውይን ፈርዖናት ማለት ፕቶሎሚስ ክትማሓደር ጀመረት፣ ካብቶም ፕቶሎሚ ተተባራርዮም ንግብጺ ዝመርሑዋ እታ ናይ መወዳእታ ክልዮፓትራ ነበረት፣ ክለልፓትራ ትነብረሉ ዝነበረት ዘበን ካብ 69-30 ቅድሚ.ልደተ.ክርስቶስ ኮይኑ ካብ ምውዳቕ ሄለንስቲክ መዋእል ክሳብ ምምጻእ መዋእለ ሮማውያን ገዛእቲ ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ነበረ፣ ኣብ መጀመርታ ምስ ኣቦኣ ፕቶሎሚ መበል 12 መሪሕነት ተካፊሎም ክመርሑ ከለዉ ድሒራ ምስ ንኣሽቱ ኣሕዋታን ሰብኡታን ዝነበሩ ፕቶሎሚ ምበል 13ተን 14ተን ተተባራርዮም መሪሕነት ሓዙ፣ ኣብቲ ዝሰዓበ ግና ንበይና ንመሪሕነት ተረከበቶ፣ ኩሎም እቶም ዝሓለፉ ግብጻውያን ነጋውስ መበቆሎም ። ናይ ማቆዶንያ ግሪኽ ክኸውን እንከሎ። እዚ ግሪኽ ኣሪስቶክራሲ (Greek Aristocracy) ኣሌክሳንደር ዓቢ ቅድሚ ሰለስተ ሚእቲ ዓመታት ናብ ግብጺ ዘእተዎ ኢዩ፣ ክልዮፓትራ ኣብ ናይ 300 ዓመት መዋእል ናይ መጀመርታ ካብ ስድራቤታ ናይ ግብጺ ቋንቋ ዝመለኸት ነይራ፣ ክልዮፓትራ ከም ኩሎም ግብጻውያን ንኢሲስ ዝተባህለ ጣኦት ከተምልኽ እንከላ ። ኣብ ግዜ መሪሕነታ ካልኣይ ግዜ ስጋ ከምዘልበሳን ኣብነት ናይ’ቲ ጥበብ ዝመልኦ ጣኣቶም ገይሮም ይኣምንዎ ነይሮም፣ ከም ኣብ ዝበዝሑ መጻሕፍቲ ተገሊጹ ዘሎ። ክልዮፓትራ ውቅብቲ ብምንባራ ነቶም ተኸታቲሎም ዝመጽኡ ናይ ዓለምና ዝሓየሉ ሰባት ምምብርካኻ ከም መረጋገጺ ጻባቐኣ ዝወስዱ እዮም፣ ፈላስፋ ኮሌስ ፖስካል ከምዝብሎ ክልዮፓትራ ኣብቲ ብህይወት ዝጸንሐትሉ እዋን። ዋላ ሓጺር እንተነበረ ንታሪኽ ዓለምና ቀይራቶ እያ ይብል፣ ናይ ታሪክ ተመራማሪ ፑሉታሪክ ኣብ መዝገቡ ከምዘስፈሮ ኪሎዮፓትራ ትኩርቲ። ምጭውትን ክትዛረብ እንከላ። ድምጻ ብጣዕሚ ሰሓብን ምንባሩ ይዛረብ፣ ንኪልዮፓትራ እቲ ጨው ዝመልኦ መልክዓ ጥራይ ኣይኮነን ፍልጥቲ ዝገብራ። ብጣዕሚ በላሕን መስተውዓሊትን ምስ ሰባት ከመይ ጌርካ ከም ትቀራረብ’ውን ፍሉይ ዝኾነ ተውህቦ ከም ዝነበራ ተመራመርቲ ገሊጾሞ፣ ክልዮፓትራ ኣብ መበል14 ዕድሚኣ ከም ወኪል ናይ ኣቦኣ ነበረት፣ ፕቶሎሚ ኣቦኣ

ጥቕስታት ስነ-ምግባር ኢሳያስ ሃብትኣብ

ክልዮፓትራ ኣብ 51 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ምስ ሞተ ጓል 18 ዓመት ዝነበረት ኪሎዮፓትራ ነቲ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረ ሓዋ ፕቶሎሚ መበል13 ነቲ ንግስነት ሓዝዎ፣ ብሰንኪ። ቁጠባን ጥሜትን ፈለግ ኒል ምውሓዱን ብተወሳኺ’ውን ፖለቲካዊ ነውጺ ኣብቲ ዞባ ብምንባሩ። ኣብ መጀመርታ

ሰለስተ ዓመታት ናይ መሪሕነቶም ህይወት ኣመና ጸንከረቶም፣ ክልዮፓትራ ዋል’ኳ ንምናኣስ ሓዋ እንተተመርዓወቶ ብኣግኡ እንከሎ ኣትሒዛ ምስኡ ሓቢርካ ናይ ምምራሕ ድሌት ኣይነበራን፣ ካብ ነሓሰ 51 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ተበትከ’ሞ ስሙ ድማ ካብ መዝገብ ሓኸኸቶ፣ ናይ በይና ምስሊ ጥራይ ድማ ኣብ ባጤርኦም ከተውጽእ ጀመረት፣ እዚ ከኣ ኣንጻር እቲ ዝጸንሐ ናይ ባህላዊ ምሕደራ ኮነ፣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ጓል ኣንስተይቲ ተሓጋጋዚት ደኣምበር ምሉእ ስልጣን ኣይነበራን፣ በዚ

ቅድመ ታሪኽ ኣህዛብ ታሪኽ ክብሃል እንከሎ። ወዲ-ሰብ ክጽሕፍን ከንብብን ካብ ዝጀመረሉ እዋን’ዩ ዝጅምር፣ እቶም ክጽሕፉን ከንብቡን ዘይክእሉ ኣሕዛብ ወይ’ውን ቅድመ ታሪኽ ኣህዛብ (Pre historic people) ኣፈ ታሪኽ ኢልና ንጽውዖም፣ ይኹን ደኣምበር ነቲ ዝነበሮም ሰነዳት በቲ ስ እ ል ታ ት ዝገደፍዎ ጌሮም ገሊጾሞ እዮም፣ ምጽሓፍ ካብ ከባቢ 5500 ዓመታት ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ኣ ት ሒ ዙ ከም ዝጀመረ መዛግብቲ ታሪኽ የዘንትዉልና፣ ደቂ-ሰብ ካብ ከባቢ 2 ሚሊዮን ዓመታት ኣትሒዞም ክነብሩ ከም ዝጀመሩ ይፍለጥ፣ ነዚ መረጋገጺ ዝኾኑና ናይቲ ሽዑ እዋን መሳሪሒኦም ዝነበረ ዝተጸርቡ ኣእማንን ሓንጎሎም ድማ ካብዚ ናይዚ ሕጂ ወለዶ ይንእስ ከም ዝነበረ ተረጋጉጹ፣ ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ ናይ ሰብን ኣህባይን

ወለዶ ኣብቲ ናይ መጀመርታ እዋን ሓደ ከም ዝነበረን ዲሒሩ ግና ናይ ሰብ እናማዕበለ ስለ ዝመጸ’ዩ ክፈላለ ዝጀመረ ኢሎም ይኣምኑ፣ እቲ ናይ መጀመርታ ስብ ካብ ኣህባይ ክፍለ ዝጀመረ ሎፒትሀቺነስ

ዝጽዋዕ ካይኑ። እታ ናይ መጀመርታ ኣሰር ምኻና ዝዝንተወላ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተረኽበት ኮይና ሉሲ (lucy) ብዝብል ሳጓ እትጽዋዕ፣ ሉሲ 107 ሜትር ቁመትን 27 ኪሎ ግራም ክብደትን ዓቀንን ሓንጎላ ድማ ማዕረ ናይ ችንፓንዚ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጾም፣

ድማ ንክልዮፓትራ ካብ መሪሕነት ኣለይዋ፣ ዕልዋ ፈቲና’ዃ እንተነበረት ስለዘይሰለጣ ምስ’ታ ሓንቲ ሓፍታ ኣርሲኖ ሃደማ፣

ዝምድና። ኪልዮፓትራ ጁሊየስ ቄሳር

ኣብ 48 ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ክልዮፓትራ ኣብ መሓዩር እንከላ ጁሌስ ቄሳር ናብ ግብጺ መጸ፣ ፕቶሎሚ ሓዋ ዋላ’ካ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዘይፋተዉ እንተነበሩ ጽቡቕ ገይሩ ተቀቢልዎ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊቶም ድማ ውግእ ይካየድ ነበረ በዚ ከኣ ሰራዊት ቄሳር ስለ ዝሰዓሩ። ንፕቶሎሚ ምስ ሰራዊቱ ናብ ፈለግ ኒል ኣጥሃሉዎም፣ ብድሕሪ’ዚ ክ ልዮፓትራ ብሓደ ኣገልጋሊኣ ናብ ቄሳር መጸት፣ ቄሳር ድማ ብኡ ንብኡ ስለዝፈተዋ ድሕሪ ቀዳመይቲ ርክቦም ኣብ 9ይ ወርሓ ንቄሳርዮን (ንእሽቶይ ቄሳር) ኢሉ ዝሰመዮ ወዱ ወለደ፣ ክልዮፓትራ። ከም ፈርዖን ንዙፋና ኣትሪራ ክትጭብጦ ዝኸኣለት ምስ ጁሌስ ቄሳር ርክብ ምስ ጀመረት እዩ፣ ቄሳር ብኣኣ ተማሪኹ ከም ዘሎ ዘስተውዓለት ክልዮፓትራ ኩሉ ዕላምኣ ንዙፋና ዘርብሕ ጥራይ ትእዝዞ ነበረት፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ክልዮፓትራ ጓል 21 ዓመት ክትከውን እንከላ ቄሳር ድማ ወዲ 52 ዓመት ነበረ፣ ብድሕሪዚ ክሎፓትራ ምስ ወዳ ናብ ሮማ ክትበጽሕ ምስ ከደት ህዝቢ ሮማ ከም ነውራም ተቐበላ፣ ምኽንያቱ ቄሳር ተመርዕዩ ስለዝነበረ እዩ፣ ቄሳር ግን እዚ ከይዓጀቦ ብስማ ሓወልቲ ሰርሓላ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ንቄሳር ቀተልዎ’ሞ ክልዮፓትራ ናብ ዓዳ ተመልሰት፣

ዝምድና። ማርክ ኣንቶኒ ክልዮፓትራ

ኪልዮፓትራ ብዘይ ሓጋዚ ንበይና ምስ ተረፈት። ንማርክ ኣንቶኒ ብፍቕራ ከም ተምበርክኾ ትፈልጥ ብምንባራ ኣቐዲማ ክትበጽሖ ኸደት፣ ክልዮፓትራ ምስ ኣንቶኒ ኮይኖም ንግብጺ ክመርሕዋ ጀመሩ፣ ኣብ ግዜ መሪሕነቶም ድማ ሰለስተ ደቂ ወሊዶም ነበሩ፣ ይኹን ደኣ ምበር ኣብ ገማግም ኣርትዩም ምስ ሮማውያን ኩናት ስለዝከፈቱ ኣንቶኒ ብዘለዎ ብቅዓት ይምክት’ኳ እንተነበረ ክልዮፓትራ ክትሃድም ከምዝደለየት መልእኽቲ መጾ። ብፍቕሪ ክልዮፓትራ ውኖኡ ተሰሊቡ ዝነበረ ኣንቶኒ ሰራዊቱ ገዲፉ ደድሕሪኣ ብምስዓቡ ከም ዝተሳዕረ ዝግለጽ’ኳ እንተኾነ እቲ ልክዕ ግና ብኑጹር ዝፍለጥ ኣይኮነን፣ ኣብ ኩናት ዝተሳዕሩ ክልዮፓትራን ማርክ ኣንቶንዮን ኢዶም ክህቡ ስለዘይተዋሕጠሎም። ነብሰ ቅትለት ፈጸሙ፣ ኣንቶኒ ኣብ መወዳእታ ዝተዛረቦ ‘‘ሲዒምኪ ትንፋሰይ ውሰድያ’’ ክልዮፓትራ ድማ ንነብሳ ብመንደላይ ተመን ኣንኪሳ ከም ዝሞተት ይፍለጥ፣ ክሳብ’ዚ ግዚ’ዚ ግና ክልዮፓትራ ስማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ገኒኑ ነበረ፣

* ወግዓውነት ስነ- ምግባር ኣይኮነን”

ቻርሎት ብሮንት * ‘ጽቡቕ ኣብ ዝገብረሉ ግዜ ጽቡቕ ይስምዓኒ። ሕማቕ ኣብ ዝገብረሉ ድማ ሕማቕ ይስመዓኒ፣ እዚ’ዩ ሃይማኖተይ’’ ኣብራሃም ሊንከን * ስምዒት ናይ ስነ-ምግባርካ ካብ ቅኑዕ ወጻኢ ክገብሩ ኣይተፍቅደሎም ኢሳቕ ኣሲሞቭ * ክልተ ብሉጻት ሰባት ብዛዕባ መምርሒ ክዘራረቡ እንከለዉ። ክልቲኦም ቅኑዓት ኣለዉ’’ ማሪ ኢብነር * ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ግበር እዚ ድማ ንገሊኦም ከሐጉሶም እንከሎ ንገለ ድማ ከደንቖም እዩ ማርክ ትዌን * እቲ ዝበለጸ ኣእምሮ ኣብቲ እከይን ውርዙይን ይርከብ ረን ዲስካርተስ * ኩሉ ጽቡቕ ነገር ከኢድ እዩ። ኩሉ ሕማቕ ድማ ቀሊል እዩ። ስርቂ። ዝሙት። ዓመጽ ቀለልቲ እዮም፣ ስለዚ ካብ ቀሊል ነገር ረሓቕ ስኮት ኣሌክሳንደር * ስነ-ምግባር ኣንጻር ረብሓ ክቃለስ እንከሎ። ረብሓ ሳሕቲ ይኸስር’’ ሸርልይ ቺቮልም * ኣብ ዓለም ዘለና ንካልኦት ጽቡቕ ንኽንገብር እዩ። ካልኦት ንምንታይ ኣለዉ ኣይፈልጥን ኣውደን * “ኣብ ፖለቲካን ስነ-ምግባርን ሕማቕ ዝሓሰብካዮ ጽቡቕ ዝመጽእ ሰኣን ክእለት ጥራይ እዩ’’ ዊልያም ፐን

ፍትሕን መኽሰብን ፍትሕ ብዕልልታን ሽሻይን ከም ዝጽንበል እንተሰሚዕና ከይገረመና ኣይተርፍን’ዩ፣ እዚ ባህሊ’ዚ ኣብ ሞውሪታንያ ጥራይ ኢዩ ዝፍጸም፣ ምኽንያቱ። ፍትሕ ኣብ ሞውርታንያ ከምውርደት ዘይኮነስ ከም ዓቢ መኽሰብ ኢዩ ዝሕሰብ፣ ብፍላይ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ብርዲኢት ሞሪታናውያን እቲ ዝኸስር ወዲ ተባዕታ’ዩ እምበር ጓል ኣንስተይቲ ኣይኮነትን፣ ንኣብነት። እታ ዝተፈትሐት ካብ ማእከላይ መነባብሮ ዘለዎም ስድራ ቤት እንተኾይና። እቲ ውራይ ፍትሕ ብዕልልታን ሕብስትን ይካየድ፣ ካብ ርኹባት ስድራ ቤታት እንተ ኾይና ግን። እቲ ውራይ ፍትሕ ልክዕ ከም መርዓ ብሕሩድ ይፍጸም፣ ሽዑ። ኣብቲ ውራይ ፍትሕ ነታ ፍትሕቲ ዝደልዩ ንክምርዓውዋ ይቀዳደሙ፣ ንሳ ምስ ተቐበለቶ ከኣ ብመሰረት ሕጊ ምስልምና እቲ መርዓ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ይፍጸም፣ ዕድላት ፍትሕቲ ኣብ መርዓ ካብተን ዘይተመርዓዋ ይበልጽ ምኽንያቱ እቲ ደልዩ ዝምሮኣዋ ዘሎ ካብቲ ቀዳማይ ብዓል ቤታ ክበልጽ ስለ ዝደሊ፣ ግቡእ ገዝሚ ብምሃብ ከኣ ሸላሊሙ ይወስዳ፣ ድሕሪ’ዚ ካልኣይ መርዓ’ውን ሳሕቲ ፍትሕ የጋጥም እዩ፣ ሽሃብ ኣርኣያ

ስእሊ ካብዝን ካብትን

Hª]

17 11

„íXqV 23 ሰነ 2009

ኢሳያስ ፍስሃየ

ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል ናይ ቀዳማይ ዙርያ ውድድሩ ዛዚሙ ቤኒፈር ካብ ብድሆ ፈተነ ገጢምዋ

ስጳኛ። ሕ.መ.ኣ.። ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚልን ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ወሳኒ ናይ ምድብ ግጥማት ዋንጫ ኮንፈደረሽን ብቐዳምን ሰንበትን (20ን 21ን ሰነ) ኣብ ዝተኻየደሉ። ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ዝኾነ ውጽኢት’ዩ ተመዝጊቡ፣ ብፍላይ’ቲ ብሰንበት 21 ሰነ ኣብ መንጎ ብራዚልን ኢጣልያን ከምኡ’ውን ምስሪን ሕ.መ.ኣ.ን ዝተኻየዱ ግጥማት ምእማኑ ዘጸግም ነይሩ፣ ርክብ ብራዚልን ኢጣልያን። ዳርጋ ናይ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም’ዩ ክበሃል ይከኣል፣ እዚ ይኹን’ምበር። ብራዚል ንኢጣልያ 3ብ0 ክትስዕራ ብዙሕ ዘይትጽበዮ ኢዩ፣ እሞ ከኣ። ቅድሚ ዕረፍቲ ብዝተመዝገባ ሰለስተ ሸቶታት! ብርግጽ። ፈረንሳ ኣብ 1998 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ

ሃገራዊ

ውድድር ትራክን ፊልድን ጁንየር ኣትለታት ካብ ሰኑይ 22 ጀሚሩ ክሳብ ረቡዕ 24 ሰነ 2009 ኣብ ሜዳ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሓላይ ይካየድ ኣሎ፣ እዚ ውድድር’ዚ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2009 ብደረጃ ኣፍሪቃ ኣብ ሲሸልስ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ንኤርትራ ወኪሎም ዝሳተፉ ኣትለታት ንምምራጽ ይካየድ ምህላዉ ኣባላት ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ የረድኡ፣ ትማሊ ሰኑይ 22 ሰነ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 100። 400። 1500ን 10,000ን ሜትሮ ውድድራት። ብሓፈሻ ሓያል ህልኽ ኣትለታት ክንጸባረቘ’ኳ እንተተራእየ። ብደረጃ ደቀንስትዮ ግን። ብፍላይ ከኣ ናይ 10,000 ሜትሮ። ኣዝዩ ድኹምን ንምርኣዩ ዘሰልቹውን ብምንባሩ መጻኢ ኣትለቲክስ ኤርትራ ኣተሓሳሳቢ ይገብሮ፣ እዚ ስክፍታ’ዚ። ነቶም ኣብ ውድድር ኣትለቲክስ ከም ኣሰልጠንቲን ኣካየድቲን ኮይኖም ዕለተ ዕለት ካብ ኣትለታት ከይተፈልዩ ዝሰርሑ ዜጋታት ዝያዳ ብሩህ ኢዩ፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ናይ ጁንየር ውድድር ኣትለቲክስ እምበኣር። ኤርትራ። ኣብዚ ግዜ’ዚ። ርኡይ ምንቁልቋል ብቕዓትን ብዝሒን ደቀንስትዮ ኣትለታት ኣጋጢሙዋ ምህላው ብጭብጢ ኣብ ምምስካር ይርከብ፣ ሰለስተ ዓመታት ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተርኢና ግን። ደቀንስትዮ ኣትለታትና። ኣብ ዓለምለኻዊ ጉያ መሮር ሞምባሳ 2006። ብውልቀን ምስ ቀዳሞት 10 ናይ ዓለም ኣትለታት ኣብ ዝተሰርዓሉ ግዜ። ኤርትራ ብደረጃ ደቀንስትዮ ካብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ክትሕዝ ዘብቅዓ ሓያላትን ትስፉዋትን ምዃነ ኢና ንርዳእ፣ ኣብዚ ግዜ’ዚ። እቲ መመሊሱ ብብዝሒን ብዓይነትን ክስስን ዝግብኦ ቁጽረን ንድሕሪት እናተጐተ ይኸይድ ብምህላዉ እምበኣር። ማሕበረሰብ ስፖርት ኤርትራ ብሓፈሻ ክሓስበሉን በርቲዑ ክሰርሓሉን ይግብኦ፣ ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ዝተኻየደ ናይ 10,000 ሜትሮ ናይ ጁንየር ውድድር ደቀንስትዮ ኣትለታት። 3 ናይ ዞባ ማእከል። 2 ናይ ዞባ ጋሽ ባርካ። 1 ድማ ናይ ዞባ ደቡብ ኣትለታት ክሳተፍኦ እንከለዋ። ብጊሓቱ ድቃስ ዘምጽኣልካ። ንልምምድ’ውን ዘይበቅዕ ውድድር ኣካዪደን፣ ኣትለት ሰንበቱ ሰሎሞን ቀዳመይቲ ተዓዋቲት ኮይና ውድድራ ክትፍጽም እንከላ። ዘመዝገበቶ ግዜ ናይ 40 ደቒቕ። 00 ካልኢትን 37 ማይክሮ ሰከንድን ኢዩ፣ ብደረጃ ሃገር ዝተመዝገበ ዘሕፍር ግዜ!! ኤርትራ ብኣትለቲክስ ብእተመዝግቦ ዘላ ዕቤት ብደረጃ ዓለም ኣብ እትጽውዓሉ ዘላ እዋን። ነዚ ግዜ’ዚ ሒዝካ ኣህጉራዊ ውድድር ምክያድ። ውርደት ጥራይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፣ ብዝኾነ። ኣብ ውድድር 10,000 ሜትሮ ደቀንስትዮ:-

1.

ሰንበቱ

ሰሎሞን

(ማእከል)

ዓለም ንብራዚል 3ብ0 ረቲዓ ዋንጫ ምስፍስፋ ሓደ ካብቲ ክሳብ ሎሚ ዘገርሙ ውጽኢታት ኮይኑ ዘሎ ኢዩ፣ እዚ ናይ ሰንበት ርክብ ብራዚልን ኢጣልያን። ሽሕ’ኳ ናይ ምድብ ግጥም ኮንፈደረሽን ካፕ እንተኾነ። ኢጣልያ ናይ 2006 ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ብምዃና። ብራዚል ድማ ወትሩ ዘይድፈር ክብሪን ዘይነጽፍ ዕቑር ዓቕሚን ዋሕዚን ብሉጻት ተጻወትቲን እትሕዝ ሃገራዊት ጋንታ ብምዃና። ርክብ ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት ተዓዘብቲ ብኣንክሮ ክጽበይዎ ካብ ዘደረኸ ኢዩ፣ ናይቲ ግጥም ውጽኢት። ነተን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ዝገጥማ ዝነበራ ሃገራውያን ጋንታታት ምስሪን

ሕ.መ.ኣን ዝጸሉ ብምዃኑ ከኣ ተወሳኺ ሚዛን ተዋህቦ፣ እታ ኣብዚ ናይ ዋንጫ ኮንፈደረሽን ውድድራ። ካብ ግጥም ናብ ግጥም እናተመሓየሸት ትመጽእ ዘላ ብራዚል። ብክልተ ሸቶታት ሉዊስ ፋቢያኖን ሓንቲ ‘ኣውቶ ጎል’ ናይ ተኸላኻላይ ኢጣልያ ኣንድሪያ ዶሰናን ኣቢላ ቅድሚ ዕረፍቲ ዝዛዘመቶ ናይ 3ብ0 መሪሕነት ሒዛ፣ እዘን ኣብ ውሽጢ 7 ደቓይቕ ዝተመዝገባ ሸቶታት። ነታ ብኣዙሪ እትፍለጥ ኢጣልያ ርእሳ ዘድነነ ከቢድ ስዕረት ኣቐቢሉዋ፣ ኢጣልያ። ኣብ ቀዳማይ ግጥም ኣንጻር ሕ.መ.ኣ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ዘመዝገበተን 3 ሸቶታት እንተዘይኮይኑ። ኣብ ዝሰዓበ

ክልተ ግጥማ ሸቶ ከየመዝገበት ክልተ ተኸታታሊ ስዕረት’ያ ተቐቢላ፣ እታ ኣቐዲማ ንኢጣልያ 1ብ0 ዝረትዐት ምስሪ። ነዚ ዕድል ክትጥቀመሉ’ኳ እንተተገብአ። ብኣንጻሩ ብሕ.መ.ኣ 3ብ0 ተረቲዓ ወጺኣ፣ በዚ ከኣ። ንብዙሓት ብዘገረመ መልክዕ። ብራዚል ንሕ.መ.ኣ ኣኸቲላ ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ፣ ኣቐዲሙ ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ከኣ። ደቡብ ኣፍሪቃ ብስጳኛ ተሳዒራ እንከላ። ንስጳኛ ስዒባ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ናብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ዘሊላ፣ በዚ መሰረት። ጽባሕ ረቡዕ 24 ሰነ ካብ ሰዓት 9።30 ምሸት ጀሚሩ። ስጳኛ ምስ ሕ.መ.ኣ ክትገጥም ኢያ፣ ንጽባሒቱ ሓሙስ ድማ። ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ክገጥማ ኢየን፣

ሃገራዊ ውድድር ትራክን ፊልድን ጁንየር ኣትለታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓላይ ይካየድ ኣሎ

- ደቀንስትዮ ኣትለታት -

ብብቕዓተንን ብብዝሐንን የንቘልቁላ ምህላወን ዝምስከረሉ ዘሎ ሃገራዊ ውድድር 40.00.37 2. እምበይተይ በላይ (ማእከል) 40.04.17 3. ምብራቕ ኤፍሬም (ማእከል) 40።07.97 4. ሳባ መልከ (ጋሽ ባርካ) 40።15.09 5. ፍዮሪ ኣስፍሃ (ደቡብ) 44።03.70 6. ኣበባ ዳዊት (ጋሽ ባርካ) DNF ኣብ ውድድር 10,000 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ: ኣትለታት ዞባ ደቡብ ሳምሶን ገብረዮሃንስን ሙሉ ዓንዶምን ንናይ ማእከል ኣብራር ዑስማን ኣኸቲሎም ዘካየድዎ ህልኽ ዝመልኦ መሳጢ ውድድር ዝምስገን ኮይኑ። ኣብ መጻኢ ዝያዳ ሓይሎም ዝበለጸ ግዜ ናይ ምምዝጋብ ብቕዓቶም ኣመስኪሮም፣ ውጽኢቱ።1. ሳምሶን ገብረዮሃንስ (ደቡብ) 30.05.45 2. ሙሉ ዓንዶም (ደቡብ) 30.08.48 3. ኣብራር ዑስማን (ማእከል) 31።05.75 4. ንጉሰ ኣምለሶም (ምክልኻል) 31።14.61 5. ኣብርሃም ተወልደ (ማእከል) 31።42.57 6. ብርሃነ ጸጋይ (ጋሽ ባርካ) 31።45.36 7. ፊልሞን ኪዳነ (ጋሽ ባርካ) 31።58.15 8. ዘርኦም በራኺ (ዓንሰባ) 34።30.09 9. ኤፍሬም ኣማኑኤል (ማእከል) 35።58.42 10. መሓሪ ጸጋይ (ሰ/ቀ/ባ) 36።12.40\ ናይ ፍጻመ ውድድር 1500 ሜትሮ

ደቂ ተባዕትዮ ካልእ ንተዓዘብቲ ዘበራበረ ቃልሲ ዝተኻየዶ ነይሩ፣ ውጽኢቱ።1. ዓብደላ ዓብዱ (ጋሽ ባርካ) 03.52.97 2. ተኽሊት ተ/ብርሃን (ጋሽ ባርካ) 03.53.52 3. ወይናይ ገብረስላሴ (ደቡብ) 03.54.91 4. ኣሮን ገደ (ማእከል) 03.56.82 5. ኣማኑኤል ገርጊስ (ምክልኻል) 03.59.38 6. ሰናይ ኣለም (ጋሽ ባርካ) 04።01.07 ኣብ መንጎ ደቀንስትዮ ተወዳደርቲ 1500 ሜትሮ ሳምራዊት መንግስትኣብን ዳህላክ ክብርኣብን ዝተራእየ ህልኽ ይቐጽሎ ዘብል ነይሩ፣ ውጽኢቱ።1. ሳምራዊት መንግስትኣብ (ጋሽ ባርካ) 04.34.81 2. ዳህላክ ክብርኣብ (ጋሽ ባርካ) 04.36.06 3. ሰናይት ስምኦን (ማእከል) 03.54.91 4. ፍቓዱ ጸጋይ (ጋሽ ባርካ) 04.41.26 5. መቕደስ ወልዱ (ማእከል) 04።43.30 6. ትዕግስቲ ነጋሲ (ማእከል) 04።53.95 100 ሜትሮ ደቀንስትዮ 1. ሰላም ተ/ማርያም (ማእከል) 2. ዊንታ ብርሃነ (ማእከል) 3. ኻድራ ጉዶ (ደ/ቀ/ባ) 4. ነጃት ፈረጅ (ጋሽ ባርካ)

00.12.97 00.13.22 00.14.03 00.14.28

= ሓለቓ ጋንታ ኣያክስ ቶማስ ቨርማለን ምስ ክለብ ኣርሰናል ወዲኡ ኣብ ዘሎ ግዜ። ናቱ ምምጻእ ናብ ስታድዩም ኢማራትስ። ተኸላኻላይ ኮሎ ቶረ ብ12 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ክግዕዝ ከገድዶ ከምዝኽእል ተጠቒሱ፣ ቶረ። ምስ ኣርሰናል ዘጽንሖ ውዕል ንዓመታ ክፍጽም ብምዃኑ። እታ ጋንታ ከይኸሰበት ካብ እትለቘ ምናልባት ኣብዚ ግዜ’ዚ ከሲባ ክትሸጦ ወይ ከኣ ውዕሉ ከተናውሐሉ ከም እትግደድ ተፈሊጡ ኣሎ፣ = ክለብ ሃል ሲቲ ንተጻዋታይ ክለብ ኒውካስል ማይክል ኦወን ናይ ምግዝኡ መስርሕ ጀሚሩ፣ = ተጻዋታይ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ካርሎስ ቴቨዝ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ካብታ ጋንታ ምውጽኡ ዘይተርፍ ምዃኑ እናገለጸ። እታ ጋንታ ሓደ ካብቶም ናይ ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ዝበለጹ ተጻወትቲ ክገብሮ ዝኽእል ብዝሒ ገንዘብ’ውን እንተቐረበትሉ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ፣ ጉዕዞኡ ናብ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ወይ ከኣ ቸልሲ ምዃኑ ድማ ገሊጹ፣ = ክለብ ቸልሲ ንቶረስን ዴቪድ ቪላን ናይ ምግዝኦም መደብ ብምንቃላ። ንቤኒተዝ ኣብ መወጥር አእትዩዎ ኣሎ፣ ቸልሲ። ንቶረስ ክሳብ 60 ሚልዮን ፓውንድ ሂባ ክትዕድጎ ከም እትኽእል ምእዋጃ። ኣብ ፊናንስያዊ ቅልውላው ተሸሚሞም ንዝርከቡ ወነንቲ ክለብ ሊቨርፑል ከድዕሶም ከምዝኽእል ኣሰልጣኒ ቤኒተዝ ስግኣቱ ከይገለጸ ኣይተረፈን፣

5. ሩታ ክብርኣብ (ማእከል) 00.14.30 6. ትዕግስቲ ምሕረትኣብ (ደቡብ) 00።14.74 100 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ 1. ኣቤል ዳኒኤል (ማእከል) 00.11.12 2. ቴድሮስ ነጋሽ (ጋሽ ባርካ) 00.11.18 3. ዮናስ ግርማይ (ደ/ቀ/ባ) 00.11.65 4. ነጃት ፈረጅ (ጋሽ ባርካ) 00.11.68 5. ሩታ ክብርኣብ (ማእከል) 00.11.70 6. ትዕግስቲ ምሕረትኣብ (ደቡብ) 00።11.98 400 ሜትሮ ደቀንስትዮ 1. ሰናይት ቡጂ (ጋሽ ባርካ) 00.59.85 2. ራሕማ መሓመድ (ጋሽ ባርካ) 01.00.02 3. ካድሮ ጉዶ (ደ/ቀ/ባ) 01.03.38 4. ነጃት ፈረጅ (ጋሽ ባርካ) 01.05.22 5. ሩታ ክብርኣብ (ማእከል) 01.07.15 6. ትዕግስቲ ምሕረትኣብ (ደቡብ) 01።07.61 400 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ 1. ቹቹ ጆርጆ (ጋሽ ባርካ) 00.48.56 2. ትኩእ ተ/ዝጊ (ምክልኻል) 00.48.60 3. ሰሎሞን ተ/ብርሃን (ማእከል) 00.49.54 4. ኣራም ሃይለ (ምክልኻል) 00.50.83 5. መሓመድጣህር መ/ብርሃነ (ማእከል) 00.51.48 6. ጀሚል መሓመድ (ማእከል) 00.52.40

ሻምፕዮን ቀዳማይ ዲቪዝዮን ዞባ ማእከል ሰንበት 21 ሰነ 2009

ተስፋ 0-0 ሲቲ ሰንተር ኣዱሊስ 1-0 ኣልታሕሪር

ካብራል ሃብትኣብ 68’

ቀይሕ ባሕሪ 0-0 ደንደን

ደብዳብ ማይተመናይ ኣብ ልዕሊ ዕዳጋ ሓሙስ ከም ማይ ዘኒቡ ኣብ ናይ ሓሙስ 18 ሰነ ግጥም። ጋንታ ማይተመናይ ብሰለስተ ሸቶታት ሱራፍኤል ተ/ሚካኤልን 2 ሸቶታት ዮናስ ኣርኣያን ተሓጊዛ ኣብ ልዕሊ ዕዳጋ ሓሙስ ገፊሕ ናይ 8ብ2 ዓወት ኣመዝጊባ፣ ናይ ጋንታ ማይተመናይ ሱራፍኤልን ናይ ዕዳጋ ሓሙስ ሲራክ ገ/ዮውሃንስን ድማ ብተመሳሳሊ 12 ሸቶታት ንውድድር ሻምፕዮን ቀዳማይ ዲቪዝዮን ዞባ ማእከል ክመርሑ በቒዖም ኣለዉ፣ ሓሙስ 18 ሰነ 2009

ማይተመናይ 8-2 ዕዳጋ ሓሙስ ሱራፉኤል ተ/ሚካኤል 8’። 15’። 66’ ዮናስ ዘርኣይ 43’። 64’ ተመስገን ሃይለ 74’ መሰረት ምሕረትኣብ 12’ ሲራክ ገ/ዮውሃንስ 80’ ኩሉብርሃን ገ/ትንሳኤል 70’ ዳኒኤል ጊለ 79’

ገዛ ባንዳ 3-0 ኣኽሪያ (ብፎርፌ)

ሻምፕዮን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል መቐረቱ ከይነከየ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ቀዳማይ ዙር ውድድራቱ ምስ ውዕውዕ መንፈሱ ትማሊ ሰንበት 21 ሰነ 2009 ኣብ ሜዳ ቦቾ ፊላ ተዛዚሙ፣ ኣብዚ ንክልተ ጾታ ኣጣሚሩ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር። ጋንታታት ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ጸብለል ኢለን ተወዳደርቲ ኮይነን ዝቐረባሉ ኮይኑ ኣሎ፣ ፈለማ ንሜዳ ዝወረዳ ጋንታታት ደቀንስትዮ ኣልሓሽሚ ምስ ጋላ ነፍሒ እየን ነይረን፣ ጋንታ ኣልሓሽሚ ካብተን ኣብ ዞባ ማእከል ዘለዋ ተወዳደርቲ ጋንታታት ኮይነን ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ግን ብስእነት መዋሊ ክትሳቐ እያ ጸኒሓ፣ ንሓያል ተወዳደርነታ ኣብ ግምት ዘእተወ ምምሕዳር ከባቢ ፐራዲዞ ድማ ነታ ጋንታ ክምውላ ጀሚሩ ኣሎ፣ ስማ ከኣ ካብ ኣልሓሽሚ ናብ ፐራዲዞ ቀይራ’ያ ናብ ሜዳ ኣትያ፣ ነታ ንፋልማይ ግዜኣ ኣብ ውድድር ቀዳማይ ዲቪዝዮን ዞባ ማእከል እትሳተፍ ዘላ ጋንታ ጋላ ነፍሒ ብዘይ ንሕስያ 3ብ0 ረቲዓታ፣ ጋንታ ፐራዲዞ። ኣብዚ ውድድር’ዚ። 25ብ16። 25ብ12። 25ብ17 እያ ተዓዊታ፣ ተጻወታይ ጋንታ ጋላ ነፍሒ ንኣሽቱን ሓደስቲን ብምዃነን ምስቲ ዘንጸባርቕኦ ውድድር ኣብ መጻኢ ተካእቲን ተወዳደርቲን ኮይነን ከም ዝቐርባ ትማሊ ሰንበት ዘርኣይኦ ግጥም ህያው ምስክር ኢዩ፣ ኣብዚ ናይ ቀዳማይ ዙር ውድድር ብጠቕላላ ሽዱሽተ ጋንታታት ማለት ኣዱሊስ። ሳቫና። ኣልሓሽሚ። ገዛ ባንዳ። ጋላንፍሒ። ኣስመራ ክሳተፋ እንከለዋ። ጋንታታት ኣዱሊስ። ገዛ ባንዳን ኣልሓሽሚን ካብ 1ይ-3ይ ደረጃ ብምሓዝ ናብ ካልኣይ ዙር ውድድር ሰጊረን ኣለዋ፣ ቀጺለን ንሜዳ ዝኣተዋ ጋንታታት ደቂ ተባዕትዮ ቤኒፈር ምስ ብድሆ እየን፣ ኣብዚ ብርሱን ጸወታ ዝጀመረ ጥምጥም። ተጻወትቲ ጋንታ ቤኒፈር ክልተ ጸወታ (ሴት) ኣከታቲሎም 25ብ29። 25ብ22 ብምዕዋት 2ብ0 እኳ መሪሖም እንተነበሩ። ድሒሮም ዝተበራበሩ ተጻወትቲ ጋንታ ብድሆ ንሳልሳይ ጸወታ 30ብ28 ብምዕዋት ነቲ ጸወታ ናብ 2ብ1 ቀየርዎ፣ ኣብ ቀዳማይ ዙር። ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ውድድራ ተካይድ ዘላ ጋንታ ቤኒፈር። ደረጃኣ ክትዕቅብ’ኳ ሓያል ጻዕሪ እንተካየደት ካብ ጋንታ ብድሆ ግን ከቢድ ፈተነ’ዩ ገጢምዋ፣ ጋንታ ብድሆ ብቐሊሉ ክምህ ዘይትብል ኮይና ብምቕራባ ንቤኒፈር ፈቲናታ’ያ፣ እንተኾነ ግን ከስልጣ ኣይከኣላን፣ ቤኒፈር 3ብ1 ተዓዊታ፣ ጋንታ ቤኒፈር። ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣምጺኣቶ ዘላ ብቕዓት ካብተን ተፈራሕቲ ጋንታ ኮይና ንኽትቐርብ ቀሲብዋ ኢዩ፣ ቤኒፈራውያን በዚ ትማሊ ሰንበት ዘምጽእዎ ዓወት ደረጀኦም ዓቂቦም ንኽቕጽሉ ኣኽኢሉዎም ኢዩ፣ ኣብ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ኵዑሶ መርበብ ዞባ ማእከል። ኣብ ቀዳማይ ዙር ጋንታታት ቤኒፈር። መኸተ። ብድሆ። ንስሪ። ሓሬና። ዓንበርበር። ሳዋ። ኣቡሳላማ። ሳሊና። ናትና ክሳተፋ እንከለዋ፤ ጋንታታት ሓሬና። ቤኒፈርን ሳዋን ካብ 1ይ-3ይ ደረጃ ሒዘን ነዚ ውድድር ይመርሕኦ ኣለዋ፣ ናይ ካልኣይ ዙር ውድድር ሻምፕዩና 24 ሰነ 2009 ኣብ ሰዓታት ቅ.ቀ ካብ ሰዓት 9።00 ጀሚሩ ኣብ ሜዳ ቦቼ ፊላ ውድድራቱ ከሰላስል ኢዩ፣ በዚ መሰረት። ፈለማ ውድድረን ዘካይዳ ጋንታታት ደቀንስትዮ ሳቫና ምስ ኣስመራ ከምኡ’ውን ፐራዲዞ ምስ ጋላነፍሒ ኢየን፣ ኣብ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ቤኒፈር ምስ መኸተ ክገጥማ ኢየን፣ ፈ/ኵ/መ/ዞ/ማ

ሓዳስ

12

ኤርትራ 23 ሰነ 2009

ደቡብ ኣፍሪቃ። 25% ካብ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፍጽሙ ይእመኑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጾታዊ ዓመጽ ዝዋፈሩ ደቂ ተባዕትዮ ብዘሰምብድ መጠን ይንህር ከምዘሎ ኣብቲ ጉዳይ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ገሊጹ፣ ብመሰረት’ቲ መጽናዕቲ። 25% ካብ መንእሰያት ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ግዜ ወይ ልዕሊኡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽሙ፣ እቲ ብቤት ምኽሪ ሕክምናዊ መጽናዕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ መጽናዕቲ። ሰለስተ ርብዒ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ። 50% ድማ ኣብ ልዕሊ ክልተ ደቀንስትዮ ወይ ልዕሊኡ ዓመጽ ከምዘካየዱ ተኣሚኖም፣ ብመሰረት’ቲ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ። ከባብን ዓሌትን ተመርኵሱ ከም ዘካየዶ

ተቓለስቲ ሶማል። ኣብ ልዕሊ ባዕዳውያን ወተሃደራት ኵናት ከምዝኸፍቱ የጠንቅቑ ንምልሽያ ናይቲ “መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል” ተባሂሉ ናብ ህዝቢ’ታ ሃገር ዝተስገደደ ጉጅለ ስዒሮም ንዳርጋ ኹሉ ኣገዳሲ ዝበሃል መሬት ሶማል ተቘጻጺሮም ዝርከቡ ተቓለስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ’ቶም ናብ ሃገሮም

ኣብ ደቡባዊ ሶማል ዓሪዱ ንስትራተጅያዊት ከተማ ኪስማዮ ተቘጻጺሩ ዝርከብ ውድብ ሶማል ኣቐዲሙ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዶብ እናሰገረ ቀጻሊ ተጻብኦታት ይፍጽም ከምዘሎ ዝገለጾ ሰራዊት ኬንያ ወተሃደራዊ

ዝጠቐሰ መጽናዕቲ። ሰለስተ ርብዒ ካብቶም ደቀንስትዮ ከ ም ዝ ዓ መ ጹ ዝተኣመኑ ደቂ ተባዕትዮ። ጾታዊ ዓመጽ ኪፍጽሙን መጥቃዕቲ ከካይዱን ዝጀመሩሉ። ኣብ ናይ ምጕባዝ እዋን እንከለው ከም ዝኾነ ገሊጾም፣ እቲ መጽናዕታዊ ትካል ብተወሳኺ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ዓመጽ ደቀንስትዮን ካልእ ገበናትን ዝዋፈሩ መንእሰያት። ብመዛኑኦም ተደፋፊኦም ከም ዝጅምርዎ ከም ዝሓበሩ ኣረዲኡ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብጉጅለ ተጠርኒፍካ ዝካየድ ጾታዊ ዓመጽ ከም መርኣያ ስብእነት ስለዝቑጸር ኣዝዩ ግኑን’ኳ እንተኾነ። መንግስቲ’ውን ዕቱብ ቍጽጽር ይገብረሉ ብዘይምህላዉ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበኣሰ ይመጽእ ከምዘሎ ይግለጽ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዓመጽ ደቀንስትዮ ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ፣

113 ዓመት ብ ም ግ ባ ሩ ክብረወሰን ሒዙ ዝጸንሐ ጃፓናዊ ቶሞጂ ታናበ ድሕሪ ምዕራፉ። ካልእ 113 ዓመት ዝገበረ ብሪጣንያዊ ነቲ ክብረወሰን ከምዘመሓየሾ ተገሊጹ፣ እቲ ሄንሪ ኣሊንጋም ዝተባህለ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ። ብ6 ሰነ 1896 ኣብ ከተማ ለንደን ከም ዝተወልደን ወተሃደር’ታ ሃገር ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ኵናት ዓለም ከምዝተሳተፈን ተገሊጹ፣ እቲ ሰለስተ ክፍላተ-ዘመን (ማለት መወዳእታ 19 ክፍለ-ዘመን። 20 ክፍለዘመን ብምሉኡን መጀመርታ 21 ክፍለ-ዘመንን) ዝረኣየ ብሪጣንያዊ። ሓሙሽተ ደቂ ደቁ። 12 ደቂ ደቂ ደቁ። 14 ደቂ ደቂ ደቂ ደቁ። ሓደ ድማ ወዲ ወዲ ወዲ ወዲ ወዱ ከምዝረኣየ ተሓቢሩ፣ ኣሊንጋም ብተወሳኺ ሓሙሽተ ነገስታት ብሪጣንያ ከም ዝረኣየን ካብ ሓያሎ ዓወደ ኵናት ከም ዝደሓነን ተፈሊጡ፣ እቲ ሽማግለ መዓልታዊ ኩባያ ጸባ ከም ዝሰትን ካብ መስተ ይኹን ካልእ ወልፊ ዘትሕዝ ነገራት ናጻ ምዃኑን ይሕብር፣

ግሪኽ። 200 ዓመታት ዝገበረ ቅርሲ ክምለሰላ ትሓትት

ክኣትዉ ዝደናደኑ ዘለዉ ባዕዳውያን ወተሃደራት ኵናት ክኸፍቱ ምዃኖም ኣጠንቂቖም፣ እቲ ብዓል ስልጣን ነዚ መግለጺ’ዚ ዝህብ ዘሎ። ምስ ሶማል ዝዳወባ ሃገራት ምስ ከዳሚ ስርዓት ወያነ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ሶማል ወራር ንምፍጻም ኣብ ዝደናደናሉ ዘለዋ እዋን’ዩ፣ ማሕሙድ ዓሊ ራገ ዝተባህለ ኣባል መሪሕነት ናይቶም ተቓለስቲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ። “ብወገንና ጸኒዕና ስለዝመከትና ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ከምዝወጽእ ጌርናዮ ኣሎና፣ ሕጂ’ውን ዝዀነ ናብዚ ሃገር ክኣቱ ዝህቅን ናይ ግዳም ሓይሊ ብተመሳሳሊ መኸተ ከምእንሰጐ እምንቶና’ዩ” ከምዝበለ ሮይተርስ ሓቢሩ፣ ንሱ ብዘይካዚ እቲ ብመንእሰያት ዝቘመ ንሱ ዝመርሖ ውድብ። ክሳብ ሓደ ዕጡቕ ዝተርፎ ኣንጻር ግዳማውያን ሓይልታት ክዋጋእ ድሉው ምህላው ኣረዲኡ፣ ኣጀንዳ ሓያላን ሃገራት ንምትግባር ኣብ ሶማል ወራር ብምፍጻም 10 ሽሕ መንእሰያት ኢትዮጵያ ዘህለቐ ስርዓት ወያነ። ብኣተሃድማ ዕቡያት ኣብቲ ተቓለስቲ ሶማል ዘይንቀሳቐስሉ ከባቢታት ሶማል ሰራዊቱ ከስፍር ጀሚሩ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ፣

ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ’ዩ፣

ግሪኽ። ቅድሚ 200 ዓመታት ካብ ከተማ ኣቴንስ ተወሲዱ ኣብ ቤተመዘክር ለንደን ተቐሚጡ ዝርከብ ጥንታዊ ቅርስታታ ክምለሰላ ሓቲታ፣ እቲ ኣስታት 2,500 ዓመት ዕድመ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ናይ 1810ታት ቅርሲ። ግሪኽ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኦቶማን ቱርኪ ኣብ ዝነበረትሉ ዘመን ብሎርድ ኢሊጊን ዝተወስደ ምዃኑ ተገሊጹ፣ ልኡኽ ብሪጣንያ ኮይኑ ናብ

ግሪኽ ዝበጽሐ ሎረድ ኢሊጊን። ነቲ ቅርስታት ኣብ 1917 ንቤተ-መዘክር ብሪጣንያ ከምዝሸጦ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ፣ ግሪኽ እቲ ቅርስታት ክምለሰላ ብተደጋጋሚ ክትሓትት’ኳ እንተጸንሐት። “ነቲ ቅርሲ ክዕቅብ ዝኽእል ቤተ-መዘክር የብልክን” ብምባል ብሪጣንያ ጠለባታ ክትቅበሎ ከምዘይጸንሐት ጸብጻባት የመልክቱ፣ እንተኾነ ግሪኽ ኣብዚ እዋን’ዚ

ቁጠባዊ ዕብየት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ይዝሕል ቁጠባዊ ዕብየት ናይተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ይዝሕል ምህላዉን እተን ሃገራት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብገምጋም 1.2% ቁጠባዊ ዕብየት ከርእያ ትጽቢት ከምዘሎን ባንክ ዓለም ሓቢሩ፣ ቁጠባዊ ዕብየት’ተን ሃገራት። ኣብ 2008 ዓ.ም. 5.9%። ኣብ 2007 ድማ 8.1% ከምዝነበረ ዝጠቐሱ ምንጭታት። ተኸሲቱ ብዘሎ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ድስካለ ግን እቲ ዕብየት ክጎድል ከም ዝተራኣየ ኣረዲኦም፣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ ዝማዕበላ። ናብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝለኣኽ ዝነበረ ጥረ ገንዘብ’ውን ኣዝዩ ክጎድል ምዃኑ እቲ ባንክ

በዓል ተራ ቤት መድሃኒት።-

ዕለት

ኣሚቱ ኣሎ፣ ኣብ ምምዕባል ናብ ዝርከባ ሃገራት ዝለኣኽ ዝነበረ ገንዘብ ኣብ 2007 ዓ.ም. 1.2 ትሪልዮን ዶላር ዝነበረ። ኣብ 2008 ናብ 707 ቢልዮን ዶላር ከምዝወረደን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ድማ ናብ 363 ቢልዮን

ዶላር ከምዘንቈልቍል ባንክ ዓለም ትንበያኡ ገሊጹ፣ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ምሕዋይ ዓለማዊ ቁጠባዊ ቅልውላው እጃም ክህልወን ስለ ዝኽእል ፊናንስያዊ ሓገዝ ክግበረለን ከምዝግባእ ብተወሳኺ ተሓቢሩ፣ ቁጠባዊ ዕብየት ብደረጃ ዓለም ብገምጋም ብ3% ክንኪ ትጽቢት ከምዘሎ ተፈሊጡ፣ ዝሓሸ ዕብየት ከርእያ ትጽቢት ተገይሩለን ዘሎ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ቻይናን ህንድን ምዃነን ዝጠቐሱ ጸብጻባት። ቻይና ኣብዚ ዓመት’ዚ ናይ 7.2% ዕብየት ከተርኢ ትጽቢት ከምዘሎ ባንክ ዓለም ሓቢሩ፣ ** *** **

ኣድራሻ

ኣስታት 200 ሚልዮን ዝወድኣትሉ ቤተ-መዘክር ብምህናጻ’ያ። እቲ ቅርስታት ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክምለስ ትጠልብ ዘላ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ባህላዊ ጉዳያት ብሪጣንያ። እቲ ቅርስታት ብመልክዕ ልቓሕ ንግሪኽ ክወሃብ እንተዘይኮይኑ። ንሓዋሩ ክምለስ ተኽእሎ ከምዘይብሉ ብምጥቃስ ጠለብ’ታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ከምዘይረክብ ኣተንቢሆም ኣለዉ፣ እቲ ቅርሲ። ኩሉ ክርእዮ ኣብ ዝኽእል ዓለምለኻዊ ቤተመዘክር ተቐሚጡ ከምዘሎን ዋንነቱ ድማ ናይቲ ቤተ-መዘክር ምዃኑን ብተወሳኺ ገሊጾም፣ ግሪኽ። ስርሓት ኣባይትን ቅርጻን ካብ ዝጀመራ ቀዳሞት ሃገራት ኮይና። ጽልዋኣ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ተዘርጊሑ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይሕብሩ፣

ፋርማሲ ደንደን 23/06/09 ጐደና 117-15። ጥቕ ሼል ዑቕባ ሃይለ ፋርማሲ ቍ.1 ብዘይካ’ቲ መዓልታዊ እትህቦ ኣገልግሎት ምሉእ ለይቲ’ውን ክፍትቲ ኢያ፣ ኣድራሻ። ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 02 ጐ. ናቕፋ ቍ.1።

ቍ.ስልኪ 121140 127565

Related Documents