Haddas Eritrea - June 16, 2009

  • May 2020
  • PDF

This document was uploaded by user and they confirmed that they have the permission to share it. If you are author or own the copyright of this book, please report to us by using this DMCA report form. Report DMCA


Overview

Download & View Haddas Eritrea - June 16, 2009 as PDF for free.

More details

  • Words: 16,214
  • Pages: 12
²Ãö-3 ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኢ . . . ርግኣትን ስኒትን ዝፈጥር . . .

2 0 0 9 ²Ãö-5 ጀጋኑ ኣብ ዓውዲ ጅግንነት

²Ãö-7 ጃምላዊ ጃ ህልቂት ርዋንዳ - ሓድጊ ጊ ኤዉሮጳዉያን ገዛእቲ

KkF 18 –Kq cÿ.248

ሓረስቶት ዞባ ጋሽባርካ ዝተዋህቦም መሬት ብኣድማዕነት ከፍርዩሉ ተገሊጹ ዉሕስነት መግቢ ንምርግጋጽ ዝካየድ ጻዕሪ ንኽዕወት። ሓረስቶት ዞባ ጋሽ-ባርካ ብሓፈሻ ኣዉፈርቲ ድማ ብፍላይ ንዝተዋህቦም መሬት ብኣድማዕነት ከፍርዩሉ። ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ካሕሳይ ገብርሂወት ገሊጹ።። ምስ ወነንቲ ኮንቸስዮነ። ወከልቲ ሓረስቶት። ዓበይቲ ዓድን ኣማሓደርቲ ከባብን ንኡሳን ዞባታት ጎሉጅ። ላዕላይጋሽን ተሰነይን ኣብ ዝገበሮ ርክብ። ኣቶ ካሕሳይ። ቀንዲ ዕላማ ምድልዳል መሬት ኣፍራይነት ንምዕባይን ብኽነት ንምንካይን ብምዃኑ። ሓረስቶት ተዓጻጻፊ ምህርቲ ብምሕፋስ ብህዝብን መንግስትን ንዝተነብረሎም እምነት ኣብ ግብሪ ክትርጕሙ ምዒዱ።። ‘’ነፍሲ-ወከፍ ስድራ-ቤት። ልዕሊ ዓመታዊ ቀለባ ከተእቱ እዋኑ ዝጠልቦ ኲነት’ዩ’’ ዝበለ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽባርካ። መሬት ንዝጸዓረሉን ዝተገደሰሉን ጻምኡ ከምዝህቦ ብምግላጽ። ሓረስቶት ካብ ኣብ ስፍሓት ዝሕረስ መሬት ኣብ ምዕባለ ምህርቲ ከድህቡ ከምዝግባእ

ኣስሚርሉ።። ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ። ኩሎም ሓረስቶት ብፍላይ ድማ ኣዉፈርቲ ንመምርሒታት ምምሕዳር ዞባ ጋሽ-ባርካን ሕግን ኣዋጅ መሬትን ኣኽቢሮም ርእሰ-ማሎም ከፍስሱ። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ ኣብ ምዕቃብ ኣግራብ እጃሞም ከበርክቱን ካብ ኣልማማ ምጥፍእ ገረብ ክቝጠቡን ለበዋ ቀሪቡ።። ተሳተፍቲ ብግደኦም። ንዝተዋህቦም መሬት ብኣድማዕነት ከፍርዩሉ ቅሩብነቶም ብምርግጋጽ። ናይ ዘርኢ ወቕቲ ድሩት ስለዝኾነ። ናይ ዉልቀ ሓረስቶትን መንግስትን ትራክተራት ኣወዳድብኣን ክሕይልን ኣድማዕነተን ክረጋገጽን ተማሕጺኖም።። ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ። ብኽነት መሬት ንምዉጋድን ምዕሩይ ኣጠቓቕማ ሕርሻዊ መሬት ንምርግጋጽን ዝካየድ ዘሎ ምድልዳል መሬት ክዛዘም ተቓሪቡ ምህላዉ። ኮሚቴ ምድልዳል መሬት’ቲ ዞባ ኣፍሊጣ።።

ካርኒቫል። ከም ያታ እናማዕበለ ዝመጽእ ዘሎ ምርኢት ምዃኑ ተገምጊሙ

ሰሉስ 16 ሰነ 2009

²Ãö-8 ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ

²Ãö-10 ርግኣትን ስኒትን ዝፈጥር ናይ ገዛእ ርእስና ፖለቲካዊ ባህሊ ኣሎና

²Äq 12 g³ 1.00 |iÍ

ኢጋድ። ንኤርትራ ንምጽላም ዝተሓርየ ጭራሮ! ተጻባእቲ ኤርትራ ዝኾና ሃገራት። ብኣዝዩ ስግንጢራዊ መንገዲ። ንኣስማት ናይቶም መጋበርያ ብምዃኖም ኣብ ክንዲ ዝሓንኩ ዝንየቱ ውድባት ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኢጋድን ተጠቒመን። ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ንኽውስን ንጉዳይ ሶማል ጉልባብ ብምጥቃም ሓዀት ክብላ ይርኣያ ኣለዋ፣ “መሳፍሒ እንተሓቲትካ መዀርመዪ ኣይትስእንን” ብዝብል ፈሊጥ ድማ። እቲ ዝሓትኦ ዘለዋ እገዳ ሰፊሕ’ዩ፣ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንስም ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብዘይኣገባብ ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር እገዳ ክውሰን ክትጽውዕ። እዚ ዓመጸኛ ሃቐነ ናይ ፈለማ ተርእዮ’ዩ፣ ከም’ዚ ዓይነት ጀባን ስጕምቲ ክወስዳ መዝነት ዝሃበን ሕጋዊ ኣካል ዘይሃለወ ክንሱ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ክግበር ብኽንድዚ ዝመልክዑ ምብርጣጥ ክጽውዓ ምርኣይ እምበኣር። ድርኺት ናይ ገለ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ከምዘለዎ ዘረጋግጽ’ዩ፣ መርገጺ ኤርትራ ኣብ’ዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝግበር ዘሎ መናወራ። እዚ ዝስዕብ’ዩ፥ 1. ኤርትራ። ንዝኾነ ሶማላዊ ወገን ኣጽዋር ይኹን ተተኰስቲ ከምዘይትምጥው ብርእሰ-ምትእምማን ደጊማ ተረጋግጽ፣ ስለዚ ድማ። ነቲ ኣንጻራ ዝቐንዐ መሰረት-ኣልቦ ክሲ ብትሪ ትነጽግ፣ ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ ሚስተር ኣሕመድ ውልድ-ዓብደላ። ዘይከም’ቲ ዝዝረብ። ነቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐርብ ክሲ ዘረጋግጽ እንኮ ጭብጢ ከምዘየለ ተኣሚኑ ምንባሩ ደጊማ ተዘኻኽር፣ 2. ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቕሉዕ ብምጥሓስ። ንኣሃል ኣሱናን ጀማዓን ዝተባህሉ እስላማውያን ዕጡቓት ጉጅለታት። ከምኡ’ውን ንካልኦት ምልሻታት ቀቢላታትን ምስለነታት ኲናትን ተሰልጥንን ተዕጥቕን ዘላ ሃገር። ኢትዮጵያ’ያ፣ እዚ። ኣብ ርእሲ’ቲ ዘላቒ ፍታሕ ንምምጻእ ንዝካየድ ጻዕሪ ንምትሕልላኽ ኣብ ልኡላዊ መሬት ሶማልያ ብቐጻሊ እተካይዶ ዕንደራ ምዃኑ’ዩ፣ 3. ክሲ ምጥሓስ እገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት። ኣንጻር ብርክት ዝበላ ካልኦት ሃገራት’ውን ቀሪቡ’ዩ፣ 4. ብመንጽር’ዚ። ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማዕቀብ ክውስን እንተደኣ ኮይኑ። ኣብ ልዕሊ’ተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ዘይሕጋዊ ቅሉዕ ወራር ዝፈጸማን ነቲ እገዳ ብምጥሓስ ንሶማላውያን ብረት ዝመጠዋን ሃገራት’ዩ ክኸውን ዘለዎ፣ እታ ቀዳመይቲ ማዕቀብ ክውስነላ ዝግባእ ድማ ኢትዮጵያ’ያ፣ 5. ፖለቲካዊ መርገጺ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝንቀፈሉ ዘሎ ምኽንያት ክገልጹ እንከለዉ። ገለ ወገናት “ኤርትራ ምስቲ ዝበዝሐ ዓለም ዝብሎ መደምደምታ ስለዝተመፍለየት’ዩ” ክብሉ ገሊጾምዎ ኣለዉ፣ ኤርትራ። ጌጋ ምዃኑ እናፈለጠት። ካልኦት ኣብ ዝዓሰልዎ ጨንገር ግድን ክትዓስል ክትግደድ የብላን፣ ኤርትራ ሓራ መስመር ክትክተል ልኡላዊ መሰላ’ዩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን መንፈቕን። መርገጺ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ክውንነታውን ቅርዑይን ምዃኑ’ዩ ብግብሪ ተረጋጊጹ’ዩ፣ ኤርትራ። “መንግስታት” ዓብዱላሂ ዩሱፍን ኑር ዓደ’ን ብኣንጻር’ቲ ዝተዋህቦም “ኣህጉራዊ ተፈላጥነት” ሰላም ከስፍኑ ከምዘይክእሉ ብተደጋጋሚ ምግላጻ። ቅኑዕነቱ ድሒሩ ብዘየዳግም ተረጋጊጹ’ዩ፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ብግዳም ዝተስገደደን ኣብ ገለ ከባቢታት ሞቓዲሾ ጥራይ ተሓጺሩ ዝርከብን “መንግስቲ” ዝስሙ ጕጅለ’ውን። ብኣንጻር’ቲ ዝግበረሉ ወተሃደራውን ፋይናንሳውን ምርራውን ናብዮትን። መወዳእትኡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ “መንግስታት” ከምዘይፍለ። ሕጂ’ውን እምነት ኤርትራ’ዩ፣ 6. ኣብ ሶማል ዘላቒ ፍታሕ ዘረጋግጽ ሰፊሕ ውክልና ዘለዎ መንግስቲ ምቛም ናይ ብሓቂ ዝድለ እንተ ኾይኑ። ግዳማውያን ወገናት ዊን ዘዝበልዎም ጉጅለታት እናሓጸዩ ብኢዶም ኣንጠልጢሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶማል ካብ ምስግዳድ ክቑጠቡ ይግባእ፣ ምኽንያቱ። ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ብውሑዱ 15 ግዜ ዝተፈተነን ዝፈሸለን ኣገባብ ስለዝኾነ፣ እቲ ክኸውን ዝግብኦን ኤርትራ እትጣበቐሉን። ንተሳታፍነትን ጉዳያትን ሶማሊላንድን ፑንትላንድን እውን ዘረጋግጽን ዝምልከትን - ሶማላውያን ዝውንንዎ ጸንባሪ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ምህላው’ዩ፣ 7. ኤርትራ። ካብ ዘይምርግጋእ ሶማልያ እትረብሖ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን፣ ንሶማልያ ከም ሓደጋ ጠሚታታ ኣይትፈልጥን፤ ኣይትጥምታን’ውን፣ ዕላማ ኤርትራ። ሰላም ዝሰፈና ርግእትን ስምርትን ሶማልያ ምርኣይ ስለዝኾነ፣

ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት ዝካየድ ምርኢት ካርኒቫል። ንፍረ ጉዕዞና ዘንጸባርቕ ከምዝኾነን ከም ያታ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናማዕበለን ፍሉይ ቅርጺ እናሓዘን ዝመጽእ ዘሎ ምዃኑን። ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣቶ ጊዴወን ፍስሃየ ገሊጹ፣ ንሱ። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ምርኢት ካርኒቫል ብሉጽ ስርሓት ንዘቕረባ ምምሕዳራት ከባቢን ትካላትን ዞባ ማእከል ንምሽላም ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣብ ዘስመዖ ቃል። ምርኢት

ካርኒቫል ፖለቲካዊ። ቁጠባውን ባህላውን መልእኽቲ ዝሓዘለ፤ ንክብርታትናን መንነትናን ዝዂልዕ። ከምኡ’ውን ነጸብራቕ ወፍርታትናን መሃዝነትናን ከምዝኾነ ሓቢሩ፣ ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት። ኮሚቴ ምርኢት ካርኒቫል ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ። ናይ ሎሚ ዓመት ምርኢት - ንጽምብል ናጽነትና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘዕረገን ዘድመቐን ንነፍሲ-ወከፍ ዘሳተፈን ዕዉት ምንባሩ ገሊጻ፣

ናብ ገጽ 2 ይቕጽል

8. ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ንዘይምርግጋእ ሶማልያ ዝሰርሐት፤ ኣንጻራ ሰለስተ ግዜ ውግእ ዝገጠመትን ሕጋዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ውሁድ መንግስቲ ከይምስረት ዝጸዓረትን ሽርሕታት ዝፈጸመትን። ኢትዮጵያ’ያ፣ ኣንጻር ሶማልያን ህዝባን ኩሉ እከይ ካብ ምፍሓስ ዘይትቝጠብ ሃገር። ንሶማልያ ኣንጻር ኤርትራ ንእትገብሮ ኲናት ክትጥቀመላ ምርኣይ ድማ ፖለቲካዊ ዳእላ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል፣ ንቐያዲ ብይን ብምንጻግ ገና ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ወሪራ ብምህላዋ። ብመሰረት ምዕራፍ 7 ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀብ ክብየን ዝግባእ ኢትዮጵያ። ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ክውስን ትደፋፍእ ምህላዋ’ውን መንኮር ዘብል’ዩ፣ 9. ኣባላት ባይቶ ጸጥታ። እገዳ ንዘይጠሓሰት ሃገር ብምዂናን ነታ ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሃገራዊ ግዴታኣ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕግን ብምጥሓስ ክትቅጻዕ ዝግባኣ ሃገር እንተደኣ ኣገናዕ ኢለን። ብፍትሒ ምሽክዕላል’ዩ ኪኸውን፣ ባይቶ ጸጥታ’ውን ንጉዳይ ማዕቀብ ብኣድልዎ ምስ ዝጥምቶ። ምጥሓስ መትከላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ዩ ኪኸውን፣

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣስመራ 15 ሰነ 2009

ሓዳስ

2

ኤርትራ 16 ሰነ 2009

ኣብ ዞባ ማእከል። ጽጉማት መንእሰያት ኣብ መነባብሮኦም ዝሕግዞም ሞያ ይቐስሙ

ወፍሪ ኣብ ዝናር ልምዓት ብቁጠባ። ማሕበራዊ ኣገልግሎታት። ስነፍልጠትን ቴክኖሎጂን ዝማዕበለት ሃገር ምፍጣር ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ሰፊሮም ዘለው ሽዱሽተ መሰረታውያን ዕላማታት ሃገራዊ ራእይና እዩ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜያት ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቓት ደጊሙ ከምዘነጸሮ። ሓጺር መግለጺ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዕላማታት’ዚ ንምዕዋት ዝኽተሎ ስነሓሳብ ማሕበራዊ ፍትሒ። ምርግጋጽ ምዕሩይ ዕድላት። ኣብ ኩሉ ክፍልታት ሕብረሰብን ከባቢታት ሃገርን እዩ፣ ብርግጽ ድማ። ምዕሩይ ዕድላት ዝተፈጥረሉ ሕብረተሰብ። ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ ከረጋግጽ ምሉእ ዘይጉድል ብቕዓት ኣለዎ፣ ነዚ ስነ-ሓሳብን ራእይን ናብ ዝጭበጥ ውጽኢት ንምቕያር ካብ ዘኽእሉ መገዲታት ሓደ። ምድንፋዕ ኣፍራይነትን ምሕያልን ምውርጻጽን ናይ ምፍራይ ብቕዓትን እዩ፣ ክንዲ ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ። ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ። ኣብ ዜጋታት ኣውራ ድማ። ኣብ መንእሰያት ሓያል ናይ ዓያይነት መንፈስን ናይ ስራሕ ዲሲፕሊንን እናዀስኰሰ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ጀጋኑ ልምዓት ክምልምል ጸኒሑ ኣሎ፣ ዕዮ ልምዓት ኣብ ምቅልጣፍ መሪሕ ተራ ዝጻወታ ሃገራውያን ኩባንያታትን መንግስታውያን ጋራጃትን ብምምስራት ድማ። ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ተዋፊረን ዝነጥፋሉ ልዑል ወዳበ ሓይልታት ማእቶት ፈጢሩ፣ ኣብዘን ኩባንያታት’ዚኣተን። ኣብ ሰራዊትን ካልእን ዝርከቡ ጀጋኑ ልምዓት መንእሰያት ኤርትራ። ብመጠን ተወፋይነቶም። ኣፍራይነቶም ኣብ ዝላዕለ ጥርዚ ክበጽሕ። ዝተማልአ ዝናር ልምዓት ክዓጥቁ ከምዘድሊ ብምግንዛብ ድማ። ኣሎ ዝበሃል። ኣብተን ቁጽሪ ሓደ ኢና ዝብላ ስልጡናት ሃገራት ዘዝመጸ ምዕቡል ቴክኖሎጂን ዝተራቐቐ ማሺነሪታት ልምዓትን ከተኣታቱ ጸኒሑን ኣሎን፣ እዚ ብኣዝዩ ኸቢድ ወጻኢታት ዝተኣታቶ ዘሎ ምዕቡል ቴክኖሎጂን ማሺነሪታትን። ምስቲ ንዕኡ ዝመልኽ ዓቕሚ ሰብ ንምምልማል ኪካየድ ዝጸንሐን ዘሎ ጀጋኑ ልምዓት ናይ ምምልማል ስራሕ ተወሃሂዱ። ንሓዋሩ ዘተኣማምን ወፍሪ ንቁጠባዊ ሓርነትን ልኡላውነትን እዩ፣ መንግስቲ ኤርትራ። ካብ ንዓመታ ደርሆ ሎምዘበን እንቋቚሖ ዝዓይነቱ ኣባኻንን ሓሻሽን ባህርያት ከምዘየዋጽእ ተረዲኡ። ንግዝያዊ ጸገማት ብምጽማም። ዝርካቡ ጸጋታት ሃገር። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንሓዋሩ ዘተኣማምን ወፍሪ ከምዝቐንዕ ምግባሩ። ሰረት ስልጡንን ፍትሓዊን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝተሰከሞ ረዚን ሓላፍነትን ሕድሪን ብምግንዛብ እዩ፣ ብጭብጢታት ክግለጽ ከምዝከኣል። ኣብዛ ብባህርያት ምዕብላልን ምግባትን እትምራሕ ዘይፍትሓዊት ዓለምና። ከም ሃገርን ህዝቢን ኣብ ገዛእ ማእገርካ ገጥ ኢልካ። ስነ-ፍልጠታዊን ቴክኖሎጂያውያን ብቕዓት መሊኽኻ ኣፍራይነትካ ክብ ብምባል ቁጠባዊ ሓርነት ከተረጋግጽ። ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ምዕሩይ ተሻራኺ ክትከውን ዝግባእ ጻዕሪ እንተዘየካይድካ። ግዳይ ዘየናሕሲ ምዝመዛ ካብ ምዃን ክትገላገል ዝከኣል ኣይኮነን፣ ዓለም ብምዕባለ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ናብ ቁሸት እናተቐየረት ኣብ እትኸደሉ ዘላ እዋን እምበኣር። ኣብ ዝናር ልምዓት ዝግበር ወፍርን ልዑል ቴክኖሎጂያዊ ብቕዓት ንምውናን ዝካየድ ጻዕሪን። ንስምዒትን ሓበንን ጥራይ ዘይኮነ ብቐንዱ ካብ ጸቕጢን ምዝመዛን ተገላጊልካ ብነብስኻ ሓዲርካ ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ናጻን ርእሱ እሙንን ተዋሳኢ ንምዃን ዘብቅዕ ግድነታዊ ቅድመኩነት እዩ፣ በዚ መንጽር’ዚ ድማ። ኤርትራ ወናኒት ኣብ ውሑዳት ሃገራት ጥራይ ዝርከብ። ከበድቲ ናይ ልምዓት ማሺነሪታትን ንዕኡ ዜኾኑ ሞያውያን ጀጋኑ ልምዓትን ኮይና ኣላ!!

\\\\\\\\\\\\\

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢ

ዮናስ መሓሪ ቍ.ስ 201820(2212) ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394 ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ለይ-ኣውት ኣማኑኤል ተኽለ ኤደን ገብረመድህን ሰላማዊት ክብረኣብ

ሳምራዊት መለስ ዘቢብ ተወልደ ራሄል ግርማይ ሓበን ስብሃቱ

ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል ዘሰልጥኖም ዘሎ ጽጉማት መንእሰያት። ኣብ መነባብሮኦም ልዑል ተራ ዘለዎ ሞያ ይቐስሙ ምህላዎም ተገሊጹ፣ ንሳቶም። ቅድሚ ሕጂ ግዳያት ቊጠባውን ማሕበራውን ሕሰም ኮይኖም ከምዝጸንሑ ጠቒሶም። ሕጂ ግን ብዝቐሰምዎ ሞያታት ሂወቶምን ሂወት ስድራኦምን ክኣልዩ ከምዝበቕዑን ናይ ሓዋሩ ሞያ ደሊቦም ኣብ ሃገሮም ኣበርክቶ ክገብሩ ድሉዋት ከምዘለውን ኣብሪሆም፣ ናይ 11 ክፍሊ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ዛዚማ ንኽልተ ዓመት ብሞያ ምስኣል ካሜራ ዝሰልጠነት ጓል ስውእ ኣስቴር ዓንደገርግስ። ብዝቐሰመቶ ሞያ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊራ ንነብሳን ስድራቤታን ክትኣሊ ከምዝበቕዐት ብምግላጽ። ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ንዝገበረላ ደገፍ ኣመስጊና፣ ብሞያ ኤለክትሪክን ድራውሊኮን ዝስልጥን ዘሎ መንእሰይ ዮናታን ብግደኡ። ንሸውዓተ ኣዋርሕ ከምዝሰልጠነ ድሕሪ ምሕባር። ትምህርቱ ምስ ዛዘመ ብሩህ ናይ ስራሕ ባይታ ከምዝህልዎ እምነቱ ገሊጹ፣ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል ኣማኻርን

ኣወሃሃድን መደብ ሞያዊ ስልጠና ንጽጉማት መንእሰያት ኣቶ ባህር በሺር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ። እቲ ጨንፈር 140 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከብኦም 315 ጽጉማት መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 3 ዓመት ዝዝርጋሕ ሞያዊ ስልጠና ይህብ ከምዘሎ ኣነጺሩ፣ እቶም መንእሰያት። ደቂ ስውኣት። ዘኽታማት። ደቂ ስንኩላንን ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገም ዘለወን ስድራቤታትን ኮይኖም። ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ መንግስታውያንን

ዘይመንግስታውያንን ትካላት - ብሞያ መካኒክ። ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን። ቅዲ-ክዳን። ሲንጀር። ምድላው መግቢ። ስነ-ጽባቐ ጸጒሪ ርእሲ። ካሜራ። ኮምፕዩተር። ኤለክትሮኒክስ። ሙዚቃን ድራውሊኮን’ዮም ዝስልጥኑ ዘለው፣ ብመሰረት ሓበሬታ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል። ካብቶም ሞያዊ ስልጠና ዝቐስሙ ዘለው 315 ጽጉማት መንእሰያት። 50 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 140 ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ክምረቑ’ዮም፣

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል። ኣድማዒ ህዝባዊ ማእቶት ይካየድ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ማይን ሓመድን ብምዕቃብ ውሕስነት መግብን ቀረብ ማይ ሰብን ጥሪትን ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ። ኣብ ዞባ ዓንሰባ ህዝቢ ንኡስ ዞባ ሓልሓል ሰፊሕን ኣድማዕን ህዝባዊ ማእቶት የካይድ ከምዘሎ። ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ግርማጽዮን ተኸስተ ገሊጹ፣ ኣቶ ግርማጼን። ኣብ’ቲ ኣብ ምምሕዳር ከባቢታት ቀርጸት። መለብሶ። ማይ-ኣዋልድን ፍንሸበኩን ዝካየድ ዘሎ

ሰፊሕ ህዝባዊ ማእቶት። መዓልታዊ ልዕሊ 800 ጉልበት ሰብ እናተሳተፈ ውሁድን ስሉጥን ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ኣረዲኡ፣ ንሱ ኣስዒቡ። ተሳትፎ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ናይ ደቀንስትዮ ልዑልን ዝምስገንን ምዃኑ ጠቒሱ፤ “ዕላማና ጥብ ዝበለት ማይ ብምዕቃብ ውሕስነት መግቢን ቀረብ ማይ ሰብን ጥሪትን ምርግጋጽ’ዩ” ድሕሪ ምባል። ህዝቢ ኣብ ማእቶት ዘርእዮ ዘሎ ውህደትን ትግሃትን

ተቐማጣ ዓገት። ዝጸንሖም ጸገም ዝስተ ማይ ተፈቲሑ ህዝቢ ምምሕዳሪ ከባቢ ዓገት - ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት። ዉሑስ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ብምርካቡ። ኣብ ሰብን ጥሪትን ክርአ ዝጸንሕ ጸገም ዝስተ ማይ ተፈቲሑ።። ተቐማጦ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ጉልበቶም ገንዘቦምን ኣወሃሂዶም ኣስታት 20 ሜትሮ ዝዕምቈታ ዒላ ብምኹዓት ነቲ ጸገም ከቃልሉ ፈቲኖም’ኳ እንተነበሩ እቲ ጸገም ምሉእ ብምሉእ ከይተፈትሐ ምጽንሑ ጠቒሶም። ሎሚ ግን ህዝብን መንግስትን ብዘሰላሰልዎ ዕማም ኣብ ማእከል ዓዶም ክልተ ዒላ ብድሪል ተዃዒተን ሓንቲ ባስካ ተሰሪሓ ኣገልግሎት ብምጅማረን። እቲ ጸገም ከምእተፈትሐ ገሊጾም።። ነባሪት’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ወይዘሮ ኣኽያር መሓመድ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ። ኣብ ከባቢና እቲ ዝዓበየ ዋሕዲ ጽሩይ

ዝስተ ማይ’ዩ ‘’ድሕሪ ምባል። መንግስቲ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ምርግጋጽ ዉሕስነት መግቢ። ዝነበሮም ጸገም ማይ ብምፍትሑ ከምዘሐጎሳ ኣብሪሃ።። ኣማሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ መሓመድ ሓምድ። ህዝቢ ምምሕዳር ከባቢ ዓገት ካብ ጎቦታት ወሪዱ ማይ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ክጥርነፍ ተመዲቡ ከምዘሎ ብምሕባር። መንግስቲ ዝርግሐ ማሕበራት ኣገልግሎት ኣብ ኩሉ ከባቢታት ንኽባጻሕ ብዝወስዶ ዘሎ ኣስራርሓ። ነቶም ዝጥርነፉ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ክማላኣሎም ዘለዎ እምነት ገሊጹ።። ምምሕዳር ከባቢ ዓገት። ካብ ከተማ ኣፍዓበት ንሸነኽ ሰሜን ኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ።።

ብዝሓየለ ክቕጽሎ ተላብዩ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብህዝባዊ ማእቶት ዝተሰላሰለ ተመሳሳሊ ስራሕ። ከባቢ ኣረጋጊኡ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ኣብ ርእሲ ምህብታም። ኣግራብን እንስሳዘገዳምን ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ’ውን ኣበርክቶ ከምዝገበረ እቲ ሓበሬታ የረጋግጽ፣ ብዘይካ’ዚ። ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ማይ-ኣዋልድ እትርከብ ዲጋ ብድበት መሊኣ ትሕዝቶኣን እትህቦ ኣገልግሎትን ምእንቲ ከይንኪ። ኣብ ከባቢኣ ኣግራብ ተተኺሉ ማይ-ክዖታትን ከትርታትን ዛላታትን ከምእተሰርሓ። ሓበሬታ ሚኒስትሪ ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ የረድእ፣ ነባሪት ማይ-ኣዋልድ ወ/ሮ ፋጥና ዑስማን ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ። መንግስቲ መነባብሮ ዜጋታት ንምውሓስን ህዝቢ ተጠቃሚ ባህርያዊ ጸጋታቱ ንክኸውንን ዘካይዶ ዘሎ ሓያል ጻዕሪ ብምምጓስ። ህዝቢ’ቲ ከባቢ ካብኡ ዝጥለብ ኩሉ ንምምላእ ወትሩ ቁሩብ ምዃኑ ገሊጹ፣ ኣቶ ኢብራሂም ሳልሕን ኣቶ ማሕሙድ መሓመድ-ኑርን ብግደኦም። እቲ ዝካየድ ዘሎ ማእቶታዊ ስርሓት ኣብ መነባብሮኦም ርኡይ ለውጢ የምጽኣሎም ምህላው ብምሕባር። እቲ ዝሰላሰል ዘሎ ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ማእቶት ከባቢኦም ንምውሓስን ንምዕባለን ዕቃበን እንስሳ-ዘገዳምን ዘቤትን ኣዝዩ ሓጋዝን ኣተባባዕን ምዃኑ ኣብሪሆም፣

ካርኒቫል። ከም ያታ እናማዕበለ . . . ካብ 1ይ ገጽ ዝቐጸለ ብመሰረት ጸብጻባ ድማ። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ምርኢት ካርኒቫል ዞባ ማእከል ካብ ዝተሳተፋ ትካላት። ቀዳመይቲ ኩባንያ ህንጻ ሰገን። ካልኣይቲ ኩባንያ ህንጻ ደብዊን። ሳልሰይቲ ድማ ኮርፖረሽን ኤሪተል ተዓዊተን፣ ካብ ምምሕዳራት ከባቢ ድማ። ቀዳሞት

ምምሕዳራት ከባቢ ኣባሻውልን ኣርባዕተ ኣስመራን። ካልኣይ ምምሕዳራት ከባቢ ገጀረትን ጎዳይፍን። ሳልሳይ ድማ ምምሕዳራት ጸጸራት። ፓራዲዞን ማይተመናይን ብምዃን። ካብ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ብልጫን ወረቐት ምስክርን ተቐቢለን፣ ብዘይካ’ዚ። ኮማዊ ዳሳት። ብፍሉይ ዝሸለማ

ትካላትን ብንዋትን ፋይናንስን ኣበርክቶ ዝገበሩ ትካላትን ውልቀ-ሰባትን’ውን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተሸሊሞም፣ ሎሚ ዓመት ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ካርኒቫል፤ 13 ምምሕዳራት ከባቢን ልዕሊ 50 ትካላት መንግስቲ። ህግደፍን ብሕትን ተሳቲፈን ነይረን፣

ኣገደስቲ ቴለፎናት

መጥፋእቲ ሓዊ 202099 202260

ፖሊስ ዞ/ማእከል (ፖ/ትራፊክ ዞ/ ማእከል) 120555

ማ.ቤ.ጽ. ፖሊስ ኤርትራ 127799

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ 152817

ሓዳስ

3

ኤርትራ 16 ሰነ 2009

* ዓለምና ኣብ ፖለቲካን ቁጠባን ቅልጡፍ ለውጢ እናርኣየት ብግሎባላዊ ምትእስሳር ናብ ንእሽተይ ቁሸት ኣብ እትቕየረሉ ዘላ እዋን። ንኤርትራ ኣበይ ከተቐምጣ ኢኻ ትደሊ? ናትካ ፍልስፍና እንታይ’ዩ? ፕረዚደንት።- ኣብ ኣሰያይማን ትርጉምን ዓውለማ። ነናይ ገዛእ ርእስና ዝተፈላለየ መግለጺታት ክህልወና ይኽእል፣ እቲ ዋና ነገር ኣሰያይማ ወይ ኣተራጉማ ኣይኮነን፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን። ዓለም ንቁጠባዊ ምከት ምስተቓልዐት። እዛ ናብ ቁሸት ተቐይራ ዘላ ፕላኔት። ጽቡቓ ኮነ ሕማቓ ክሳብ ክንደይ ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዘለዎን ንኹሉ ከምዝጸልዎን’ዩ ኣረጋጊጹልና እዩ፣ ጭቡጥን ግብራዊን መርኣያ ናይቲ ዘሎ ዓለማዊ ምቅርራብ ድማ እዩ፣ ሎሚ ኣነ ኣበይ ኣለኹ ዘይኮነ። ብእኩብ ኣበይ ኣለና ኢልካ ኢኻ ክትሓስብ እዩ ዝግባእ፣ እዛ ዓደይ ወይ እዛ ሃገረይ ካብ ካልእ ተነጺላ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክትበጽሕ ትኽእል እያ ኢልካ ምሕሳብ ዘይክውንነታዊ እዩ፣ ብዛዕባ ሃገርካ ኣይትሓስብን ወይ ራእይ ኣይህልወካን ማለት ኣይኮነን፣ ግን ዓለም ኣብ ጸቢብ መኣዲ እናተኣከበት ኣብ ትኸደሉ ዘላ እዋን። ብብሎክ ደረጃ ክትሓስብ ዝያዳ የረብሕ፣ ሃገር ብሃገር ኣብ ክንዲ ምዝራብ። ኣብ ውሽጢ’ዚ እናጸበበን ነንሓድሕዱ እናተመላልአን እናተዋሰበን ዝኸይድ ዘሎ ዓለማዊ ቁጠባ። እጃም ዞባና ወይ ኣህጉርና እንታይ ክኸውን ኣለዎ ክትብል’ዩ ዘለካ፣ ብዓለም ደረጃ ኣብ ዘሎ ንግዳዊ ምልውዋጥ። እንታይ ይሸይጥ። እንታይ ይግዛእ። እንታይ ይወስድ

“ርግኣትን ስኒትን ዝፈጥር ናይ ገዛእ ርእስና ፖለቲካዊ ባህሊ ኣሎና” ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ

እንተሎ ድማ። ናይ ኩልኻ ራእይ ዝያዳ ዕውት ይኸውን፣

ሓድሽ ምምሕዳር ከመይ ትቕበሎ? መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ዝሓሸ ዝምድና ንምፍጣር ክሳብ ክንደይ

ኤስያ። ቻይና። ህንዲ። ጃፓንን ካልኦት ክፍልታት ዓለምናን ዝተራእየ ቁጠባዊ ለውጢ። ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዝጀመረ

እዚ ብዓይኒ ቁጠባ ክንርእዮ ከለና እዩ፣ ፖለቲካ እውን ነጸብራቕ ናይ ቁጠባ እዩ፣ እቲ ቁጠባ ንገዛእ ርእሱ። ካብ ምንታይ መጺኡ እንተድኣ ኢልና። ሓቂ’ዩ ኣመሪካ ብዙሕ ጸጋታት ዘለዎ ሃገር እዩ፣ እንተኾነ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝጸንሐ ልዑል ደረጃ መነባብሮን ቁጠባዊ ዓቕሚን ኣብ ጸጋታት ኣመሪካ ጥራይ ዝተሞርኰሰ ኣይኮነን፣ ካብ ካልኦት እናመንዛዕካን እናመንጠልካን ዝተፈጥረ ቁጠባ ኢዩ፣ ብቐጻልነት ከምኡ እናመንዛዕካ ክትከይድ ትኽእል’ዶ? ክኸውን ዘይክእል ነገር’ዩ፣ ክሳብ ሕጂ ነዳዲ። ማዕድን። ሕርሻዊ ጸጋታት። ጉልበትን ርሃጽን ሰባት ብምምዝማዝ። ቁጠባ ኣመሪካ ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ናይ ምዕባለ ዳርጋ በጺሑ ክትብል ትኽእል፣ ኣብ መወዳእታ ግን። እዚ ኣከያይዳ’ዚ። ዘይተወደነን ዘይምዕሩይን ኩነታት እዩ ፈጢሩ፣ ዕዳ’ውን ኣምጺኡ፣ ምእንቲ ክትግብት ንገሊኡ ክትረግጾ ስለዘላካ። ኣብ ኵናት ትኣቱ፣ ቢልዮናት ዘይኮነ ትሪልዮናት ተውጽእ፣ ትኸስር፣ ምኽንያቱ ኵናት ክሳራ’ዩ፣ ዘምጽኦ ረብሓ የብሉን፣ ካብ ኵናት ምብዛሕ ዝኸፍእ መገዲ ዕንወት የለን፣ ክንዲ ዝኾነ ኣብዚ ዝሓለፈ። 20 ዓመታት ዝተኻየደ ውግኣት። ነቲ ምንቁልቋል ኣዝዩ ኣቀላጢፍዎ እዩ፣ እቲ ዕንወት ምስበዝሐ ህዝቢ ይኣክል ኣብ ዝብለሉ ደረጃ በጺሑ፣ ምኽንያቱ ብኸምኡ ምቕጻል ኣይክኣልን እዩ፣ ኦባማ ድማ። መግለጺ ናይዚ ‘ይኣኽለና’ ዝብል ህዝባዊ ድምጺ ኢዩ፣ ውጽኢት ተቓውሞ ህዝቢ ኣመሪካ። ነቲ ዝጸንሐ ኣከያይዳ እዩ፣

ኣፍሪቃ ዝተሃመሸት ክፍለ ዓለም ኢያ ናበይ ይውሰድ ኣስፊሕካ ክትጥምት ክትክእል ኣሎካ፣ በዚ መንጽር’ዚ ክጥመት እንከሎ። ኣህጉርና ኣፍሪቃ ኣብ ህልዊ ዓለማዊ ቁጠባዊ ስርዓት ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን፣ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዘሎ ገዚፍ ንግዳዊ ምልውዋጥ ኣትዩ ብርትዓዊን ኣኽሳቢን መገዲ ይዋሳእ ኣሎ ክትብል ኣይትኽእልን፣ ካብ ኣፍሪቃ ዝሽየጥን ዝልወጥን ነገር የለን ማለት ኣይኮነን፣ ግን በቲ ዝድለ ዕበየትን ዓቐንን ኣይኮነን፣ ናይ ካልኦት ተጎታቲ ኮይንካ ምኻድ። ለማናይን ተጸባይ ረድኤትን ኴንካ ምንባር ድማ። ኣብ መወዳእታ ናብ ቅልውላው ስለዝሽመም ኣፍሪቃ ብቁጠባ ካብ ዓለምና ዝተዋሰነ \ማርጂናላይዝድ\ ክፍለ-ዓለም ኮይኑ ይርከብ፣ ዓለም ከም ሱፐር-ማርኬት እንተሓሲብናያ ኣፍሪቃ ካብቲ ሱፐር-ማርኬት ወጻኢ ከም ኪዮስኪ ኣላ እውን ክትብል ኣይትኽእልን፣ ንሕና ኩሉ ግዜ ንሓስበሉ። ሎሚ ዘይኮነ ካብ ቀደም’ውን ዝተጋደልናሉን ዝተሰዋእናሉን ዕላማ። ብእኩብ ከም ብሎክ እናተሓጋገዝና ክንነብር እዩ፣ ኣብዚ ዞባ እንርከብ ህዝብታት ነናይ ገዛእ ርእስና ቁጠባታት እናመሓየሽና። ብምዕቡል ትሕተቅርጺ ከም ጽርግያታት። ኣገልግሎታት ኤሌክትሪሲቲን መራኸቢታትን ብሓደ እንተ ተጠሚርና። ድምር ናይቲ በብዓቕምና እነፍርዮ ምህርቲ። ሓይሊን ብቕዓትን ክህበና ይኽእል እዩ፣ ብኸምዚ ዓይነት ውሁድ ዓቕሚ ኣብ ዓለም ክንዋሳእ እንተኽኢልና ድማ ዝያዳ ረባሕቲ ንኸውን፣ ነናይ ውልቅኻ ኣይሕሰብን ማለት ኣይኮነን፣ ኤርትራ ክትኮኖ ዘለዋ ብዝምልከት ናትና ራእይ ኣሎና፣ ካልኦት ሃገራት’ውን ነናተን ራእይ ክህልወን ይኽእል፣ ብዞባን ከባቢን ደረጃ ሓባራዊ ጥምረትን ምትሕግጋዝን

ኣብዚ እዋን’ዚ። ንሕና ቀዳምነት ሰሪዕና ንጽዕረሉ ዘለና ዕማም። ህይወት ዜጋታት ብዓይነቱን ኩሉ መዳያቱን ምምሕያሽ እዩ፣ ምምሕያሽ ዓይነት ህይወት ብብዙሕ መገዲታት እዩ ዝልካዕ፣ ትበልዖ መግቢ ይኹን መጽለሊ ገዛ ኣሎካ’ዶ? ካብኡ ናብኡ ዓይነት እትምገቦ መግቢን እትነብረሉ ቤትን ከመይ እዩ? ጽሩይ ማይ። ናይ ትምህርቲን ጥዕናን ኣገልግሎታት። መብራህቲ። መጓዓዝያ። መራኸቢታትን ካልእ መሳለጥያን ብኸመይ ደረጃ ተማሊኡልካ ኣሎ? ዝብል ሕቶታት እቲ ፈለማ ክምለስ ዘለዎ መሰረታዊ ጠለባት እዩ፣ ነዚ ንምርግጋጽ ንሰርሕ ኣለና፣ ጠለባትካ ንምምላእ ንኻልእ ክትጸበ ኣይትኽእልን፣ ብቐንዱ ነናትካ ኢኻ ትሰርሕ፣ ግን እቲ ሒዝካዮ ዘሎኻ ዕላማ ክሳለጥን ቅልጡፍ ለውጢ ከተረጋግጽን ከባቢያዊ ኩነታት ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ፣ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ኩነታት ከይተጠዓዓመ። በይንኻ ተወንጪፍካ ዊጥ ኢልካ ክትወጽእ ኣይትኽእልን እኳ እንተዘይተባህለ። ኣዝዩ ከቢድ እዩ፣ ኣብ ሰፊሕ ዓለማዊ ዕዳጋ ወይ ቁጠባ ክትኣቱ ፈለማ ብኸባቢኻ ኢኻ ትጅምር፣ ኣብኡ ደረጃ ገና ኣይበጻሕናን፣ ናብኡ ክንበጽሕ ዘበገስናዮ ጉዕዞ ንብዙሕ ምኽንያታት ኣይሰለጠን፣ ተስፋ ቆሪጽና። ንገድፎ ግን ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ክንሕወስ ዘኽእለና መገዲ እዚ ዝተጠቕሰ ሰፊሕ ኣመለኻኽታ ጥራይ ኢዩ፣ ክንዲ ዝኾነ። ንሕና ብወገንና ንሰርሓሉ ኣለና፣ ናይ ካልኦት ኣብ ከባቢና ዘለው ህዝብታት ተበግሶታት ክሕወሶ’ውን ንጽዕረሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ፣

* ንፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ዓለም። ብዝለዓለ ደረጃ እትጸልዎ ኣመሪካ። ኣብዚ እዋን’ዚ። ‘መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ኢየ’ ዝብል ሓድሽ መሪሕነት ረኺባ ኣላ፣ ንስኻ ነዚ

ተቐሪቡ ኣሎ? ፕረዚደንት።- ኣብ 19 ክፍለዘመን ከምኡ’ውን ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኵናት ዓለም። ኣመሪካ ኣብ ዓለምና ከም ልዕሊ ሓያል ሃገር ምቕልቃላ ናቱ ዲይናሚክስ ነይሩዎ’ዩ፣ ናይ ህዝቢ ኣመሪካ ሓይሊ ዝፈጠሮ’ዩ፣ ካልእ ስምዒታት ንጎድኒ ኣጸጊዕና ብወድዓውነት ታሪኽ እንተተወኪስና። ንኣመሪካ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ ዘብጽሓ። ህዝቢ ኣመሪካ ብዝተፈላለየ መገዲ። ካብ ዝመጸ መጺኡ። ኣብ ሓንቲ ዕትሮ ምስኣተወ ዝፈጠሮ ናይ ገዛእ ርእሱ ዳይናሚክስ እዩ፣ ካብ ምስራሕ ጽርግያታትን መገዲ ባቡርን ጀሚሩ። ኣብ ሕርሻዊ ፍልጠት። ምህዞ። ምዕባለ ቴክኖሎጂን መስንዓትን ዘመዝገቦ ኣዝዩ ገዚፍ ኢንዱስትሪያዊ ዕብየት ንኣመሪካ ርእሰ ሓያል ክትከውን ኣብቂዕዋ፣ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ግን እቲ ሓይሊ’ቲ እናደኸመ’ዩ መጺኡ፣ ምናልባት ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም። ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት። እቲ ዝነበረ ውድድርን ህልኽን ዝደረኾ ገለ ሓይሊ ነይሩ ክኸውን ይኽእል፣ ድሕሪ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ግን ብርግጽ እናንቆልቆለ እዩ መጺኡ፣ እዚ ሕጂ ዝተኸስተ ቁጠባዊ ቅልውላው ሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን፣ ኣብ ካልኣይ ክፋል መበል 20 ክፍለዘመን። ኣብ ኣመሪካ ኣህላኽነት (ኮንሳምፕሽን) ክትኣምኖ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ’ዩ በጺሑ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣመሪካዊ ዜጋ። ክኸፍሎ ወይ ክወጽኣሉ ኣብ ዘይክእል ዓዘቕቲ ኣህላኽነት ክሽመም እዩ ጸኒሑ፣ ብኹሉ ሸነኻት እንተርኢኻዮ። ቁጠባ ናይ ኣመሪካ ዘይጭበጥ ኣርቲፊሻል ወይ ዓፍራ እዩ ነይሩ፣ እቲ ቐደም ዝነበረ ባህሊ መሃዝነት። ጻዕረኛነትን ኣፍራይነትን ጠፊኡ። ናብ ናይ ወረቃቕቲ ቁጠባ እዩ ተቐይሩ፣ ኣብ

ምዕባለ ዳርጋ መንጢልዎ እዩ፣ በዚ ድማ ቁጠባዊ ዓቕሚ። ናብ ካልእ ክፍለ ዓለማት ዘቢሉ ወይ ሺፍት ገይሩ፣ ኣብ ኣመሪካ ብዘይካ መለቅሒ ወረቐት (ክረዲት ካርድ) እናውጻካ ዝሰራሕካዮን ዘይሰራሕካዮን ምሕሻሽን ብዕዳ ምልጣጥን። ኣፍራይነት ከምቲ ዝድለ ክዓቢ ኣይጸንሐን፣ ከየፍረኻ ምህላኽ ተለሚዱ፣ ኣፍራይነት ናብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ዛዝዩ፣ ሓደ መሃንድስ ኣብ ቻይናን ህንድን ክንደይ ይኽፈል? ኣብ ኣመሪካ’ኸ ክንደይ ይኽፈል? እንተድኣ ኢልካ ፍልልዩ ዓቢ’ዩ፣ እቲ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ። እንታይ ፍሉይ ስለዝገበረን ክንደይ ስለዘፍረየን’ዩ ክሳብ ክንድኡ ዝኸፈል እንተኢልካ መልሲ ክትረኽበሉ ኣይትኽእልን፣ ኣብ ኣመሪካ ባህሊ ምሕሻሽ እናሳዕረረ ናይ ምውህላል ባህሊ /ሰይቪንግ/ እናጠፍአ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ፣ ቁጠባ ማለት ከኣ ኣብ መወዳእታ ምውህላል ማለት’ዩ፣ ከምዚ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ግን። ሓሽሽ። ሓሽሽ። ዝብል ትምህርቲ ንኣእምሮ ኣመሪካውያን ኣደንቊርዎ እዩ፣ ዘይብልካ ሓሽሽ ድሓን ተለቂሕካ ድሓር ክትከፍሎ ኢኻ ትበሃል፣ ዘዋህለልካዮ ሰልዲ ዘይብልካ ገዛ ትገዝእ። መኪና ትገዝእ - ብልቓሕ፣ ከምዚ ዓይነት ቁጠባ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ፣ እዚ ተርእዮ’ዚ። ናይ ኣመሪካ ቁጠባ ኣብ ዓለም ፈጺምካ መወዳድርቲ ከምዘይብሉ ኣምሲሉ ግጉይ ስእሊ እዩ ፈጢሩ፣ ኣብ ኣመሪካ ምንባር ማለት። ኣብ ገነት ምንባር። ንእሽቶ ሰሪሕካ ገዚፍ ክትበልዕ ምኽኣል። ጁባኻ ጥርሑ እንከሎ ከም ድላይካ ክትሕሽስ ምኽኣል ኮይኑ፣ ግን ከምዚ ገዚፍ ዕማመት ጥራይ እዩ፣ ኣብ መወዳእታ ዓፍራ ተዋህሊሉ ሓወልቲ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፣ ዓፍራ። ዓፍራ’ዩ፣ ዓፍራ ምዃኑ ምስተቓልዐን ኩነታት ኣመሪካ ብኹሉ መዳይ ምስ ኣንቈልቈለን ድማ። ህዝቢ ለውጢ ደልዩ፣

* ናይ ኦባማ ካብ ተላዕለ። ምናልባት ኦባማ ንምምሕያሽ ዝምድናታት ኢዱ ይዝርግሕ እንተልዩ። መንግስቲ ኤርትራ ተርኡ እንታይ’ዩ ክኸውን? ፕረዚደንት።- እንታይ ማለት’ዩ ኢድ ምዝርጋሕ? እቲ ጉዳይ ለውጢ ኣብ ምምጻእን ዘይምጽጻእን እዩ፣ ሓደ። ኢዱ ዊጥ ኣቢሉ’ሞ ንስኻ ኢድካ ትዝርግሓሉ ወይ ኢድካ ኣኪብካ ትሕሰሞ ዓይነት ኣይኮነን፣ ከምዚ ዓይነት ኣገላልጻ። ዘይማእዝኑ’ዩ ዘትሕዞ፣ ኦባማ ሕጂ’ዩ ኣብ ስልጣን መጺኡ፣ ኣብ’ዘን ሚእትን ገለን መዓልታት ናይ ስልጣኑ እንታይ ክንግምግም ንኽእል? ንምርጫ ዘመተ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ኩሉ ዓለም ብቐጥታ ይከታተሎ ነይሩ፣ ዓለም ሓንቲ መኣዲ ስለዝኾነት። ኣብዛ መኣዲ’ዚኣ ዘሎ ጽልዋ ናይ ኣመሪካ እውን ንእሽቶ ስለዘይኮነ። ዳርጋ ኩሎም ህዝብታት ተኸታቲሎሞ፣ “ለውጢ ከምጽእ ኢየ” ስለዝበለ ኣብ ህዝብታት ዓለም ዓቢ ተስፋ ተፈጢሩ፣ “ክልውጥ ኢየ” ንዝበለ። እቲ ደላይ ጽቡቕ “የቃንዓሉ!” ኢሉ ክምነ ባህርያዊ እዩ፣ ንሕና’ውን ከም ኩሎም ህዝብታት ክቐንዖ ንምነ፣ ብክውንነታዊ መገዲ ክንሓስብ እንተኾይና ግን። ንዓና ንበይንና ኢዱ ክዝርግሓልና ኣይንጽበን፣ ከምኡ ዘግብር ምኽንያት እውን የብሉን፣ ኣመሪካ። ዓባይ ሃገር እያ፣ ናታ ቀዳምነታት ኣለዋ፣ ዓበይቲ ብድሆታት ኣለውዋ፣ ተዋህሊሉ ዝጸንሐ ጸገማት ኣለዋ፣ ነዚ ውህሉል ጸገማት ፈቲሕካ እቲ ዝድለ ለውጢ ከተምጽእ ክብደቱ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ርዱእ እዩ፣ ቅድሚ ሕጂ። ኣብቲ ኦባማ ንምርጫ ዘመተ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን። እዚ ሽግራት’ዚ ኣብ ሓደ እብረ (ተርም) ማለት ናይ ኣርባዕተ ዓመት ግዜ ዝፍታሕ ኣይኮነን

ናብ 4ይ ገጽ ይቕጽል

መጠኑ ዝሓለፎ ኣህላኽነት ንኣመሪካ ናብ ዘይጭበጥ ቁጠባን ምንቁልቋልን’ዩ ሸሚምዋ

ሓዳስ

4

ኤርትራ 16 ሰነ 2009

ካብ 3ይ ገጽ ዝቐጸለ ኢለ ነይረ፣ ብርግጽ ድማ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝፍታሕ ኣይኮነን፣ ምናልባት ካልኣይ ሳልሳይ እብረ እውን የድልዮ ይኸውን፣ እቲ ስራሕ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምግማቱ ኣየጸግምን፣ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን እምበኣር። ኣብቲ ብእኩብ ዝመጽእ ለውጢ ኣእቲኻ ዝርአ እዩ፣ ኣመሪካ። ብጥቁል ኣቢላ ብዛዕባ ኤርትራ

“ርግኣትን ስኒትን ዝፈጥር . . . ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ እውን ንኣመሪካ ዘርብሕ ከምዘይኮነ ተረጋጊጹ እዩ፣ ንሕና ኣብ ሓደ ጐደቦ ዘለና። ንዕበ ንንኣስ ከም ጐደቦ ተሓጋጊዝና ሓደ ጥዑይ ሃዋህው ክንፈጥር’ዩ ዘለና፣ ብድሕሪኡ ናይዚ ጐደቦ’ዚ ናይ ሓባር

ፕረዚደንት ኦባማ ዝህልወካ ርክብ እንታይ ክመስል ይኽእል? ትራኸበሉ ኣጋጣሚ ይራኣየካ’ዶ? ኣብ ኣስመራ ይኹን ኣብ ዋሽንግተን?

ዘይሓልፍ ክኸውን ይኽእል፣ ግን “ናይ ኩሎም ምዕራባውያን ወከልቲ ኢና” በሃልቲ እዮም፣ ኣነ ብኸምኡ ርእየዮም ኣይፈልጥን፣ ኣብኣቶም ብርግጽ ጸገም ኣሎ፣ እቲ ጸገም ድማ ናትና ዘይኮነ

ግጉይ መረዳእታ ክእረም ዘለዎ’ዩ፣

* ኤርትራ ንግጭት ሶማል ተጓሃህሮ ኣላ። ንዕጡቐታ ትድግፎም ኣላ። ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ንዘለዎ መሰጋገሪ መንግስቲ። ዋጋ ትኸልኦ ኣላ።። እዚ ተግባራት’ዚ። ዝምድናና ንኸይመሓየሽ ዕንቅፍት ክኸወን ይኽእል’ዩ? ዝብል ስምዕታ ካብ ሰበስልጣን ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ይቐርብ’ዩ። ናትካ መልሲ እንታይ እዩ?

ኦባማ ውጽኢት ‘ይኣኽለና’ ዝብል ህዝባዊ ስምዒት ኢዩ ክትሓስብ ትኽእል’ያ ኢልና ክንሓስብ እንተዄንና። ዓቕምና ኣጋኒንና ንርእዮ ኣለና ማለት እዩ፣ ዘይዓቕምና ንሓስብ። ዘይክውንነታዊ ትጽቢት ነሕድር ኣሎና ማለት እዩ፣ ብወገንና ምስዚ ሓድሽ ምምሕዳር ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ክንኣቱ ድልየት ኣሎና፣ እዚ ንብሎ ዘሎና ሃናጺ ጽምዶ ምስቲ ሕጂ ኦባማ ‘ለውጢ’ ዝብሎ ዘሎ ብኸመይ መገዲ ክሳነ ይኽእል ቀስ ኢልካ ዝርአ እዩ፣ ሓደ ካብቲ ዝጸንሐ ዓበይቲ ጸገማት። ዝሓለፉ ምምሕዳራት ኣመሪካ ብደረጃ ዓለም ይኹን ብደረጃ ኣፍሪቃ ካብኡ ናብኡ ድማ ኣብ ዞባና ክኽተልዎ ዝጸንሑ ሜላታትን ፖሊሲታትን እዩ፣ እዚ ገዚፍ ጌጋ’ዚ እንተድኣ ተኣሪሙ። እቲ ክልተኣዊ ንኣሽቱ ዝምድናታት ክተዓራረ ጸገም የብሉን፣ እዚ ሓድሽ ምምሕዳር። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ። ፓኪስታን። ኣፍጋኒስታን። ዒራቕ። ፍልስጤምን እስራኤልን ካልእን ክኽተሎ ዝሓስብ ፖሊሲታት ገዲፍና። ንኣፍሪቃ። ዝምልከት ፖሊሲኡ እንታይ ኢዩ? እንታይ ለውጢ ኪገብር’ዩ ገና ብሕጂ እንጽበዮ’ዩ፣ ኢዱ ዘርጊሑን ኣይዘርጊሑን ዘይኮነ እቲ ሕቶ። ኣብቲ ዝጸንሐ ፖሊሲታት ዘምጽኦ ለውጢ

ረብሓ ምስ ረብሓ ኣመሪካ ብኸመይ ይዛመድ? ኣበይ ይራኸብ? ኣበይ ኣይራኸብን? ኢልካ ክዝረብ ይከኣል፣ ግን ከምኡ ኣይጸንሐን፣ ምናልባት ሕጂ እቲ ስትራተጂ ኩሉ ሰብ ምስ ፈለጦን ጸገማቱ ብግብሪ ምስተራእየን “ከምኡ ማለትና ኣይኮነን። መልሕቕ የድልየና’ዩ (ኣንከር) ኣይበልናን። ኣብ ከባቢኹም ፖሊስ ወይ ሓደ ዕዋላ ወኪል ጌርና ክንጉንጸኩም ስለዝደለና ኣይኮናን” ይብሉ እዮም፣ ምምሕዳር ኣመሪካ ግን ነዚ ዝገለጽክዎ ግጉይ ፖሊሲ’ዩ ክኽተል ጸኒሑ፣ ሕጂ እዚ ሓድሽ ምምሕዳር። “ለውጢ ከምጽእ’የ” ኢሉ። ናይ ህዝቢ ኣመሪካ ርእይቶን ድምጽን ሰሚዑ። ናይ ውሽጡ ኩነታት ብግቡእ ተገንዚቡ። ንዓለም ብሓድሽ ሜላ ክጓስያ ጉዕዞ ጀሚሩ ኣሎ፣ ናይ ብሓቂ ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ግን እቲ ዝጸንሐ ግጉይን ዘይሰርሐን ፖሊሲታት ክእረም ክኽእል ኣለዎ፣ ርግጽ’ዩ። ኩሉ ዝተፈጸመ ጌጋታት። ኣብ ኩሉ ኩርናዓት። ኣብ ሓደ እዋን ክእረም ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን፣ ቀዳምነታት ዝበሃል ኣሎ፣ ንዓና ወይ ንዞባና ቀዳምነት ሃቡዎ ክንብል ኣይንኽእልን፣ ብወገንና

ፕረዚደንት።- ከም ፖለቲካዊ ባህሊ። ብክውንነታዊ ኣተሓሳስባ ክንከይድ ኢና ንደሊ፣ ነብስኻ ልዕሊ ዓቕማ እንተነፋሕካያ እንታይ ትርጉም ኣለዎ? ዕንቅሮዖብ’ሲ ክንዲ ብዕራይ ክትከውን ማይ ሰትያ ሰትያ ተተኵሳ ከምዝብሃል። ምስ ዘይዓቕምና እንመጣጠረሉ ምኽንያት የለን፣ ኤርትራ እኮ ንእሽቶ ሃገር’ያ፣ ዝኾነ ነገር ክህልዋ ይኽእል፣ ግን ንኣመሪካ ዘገድሳ ካልእ ዓበይቲ ጉዳያት ኣሎ፣ እቲ ምምሕዳር ከከም ዕብየት ናይቶም ዘገድስዎ ጉዳያት። በቲ ዝሓንጸጾ ቀዳምነታት ኢዩ ዝኸይድ፣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክርከብ ምምናይ ይከኣል’ዩ፣ እቲ ዕድል እንተተረኺቡ ዝበለጸ፣ ካብ ብተማላእተኛ ጌርካ ተመሓላልፎ መልእኽቲ። ብቐጥታ ተመሓላልፎ መልእኽቲ ይበልጽ፣ ኣብ መንጐ ዘሎ ምድንጋርን ምጥምዛዝ ጉዳያትን ዝፍጠር ምድንጋራትን ኣወጊድካ እቲ ዘሎ ጸገም ዝያዳ ከተነጽሮ ትኽእል፣ ጽባሕ ንራኸብ እንተዝበሃል ብወገነይ ጽቡቕ! ዝሓጸረ ምኾነ፣ ግዜ ከይወሰደ ዘለዋኒ ንግፍ ንግፍ የብል። ካብኡ’ውን እሰምዕ፣ ልኡኽ መጺኡ። ልኡኽ ከይዱ ኣብ ክንዲ ዝኸውን። ብቐጥታ

ናቶም’ዩ፣ ንሕና ርእይቶና ኣይንሓብእን ኢና፣ ንሓንከሉን ንፈርሓሉን ነገር ስለዘይብልና። ዝተጋገናዮን ዝሰረቕናዮን እውን ስለዘይብልና። ብጋህዲ ኢና ንዛረብ፣ ኣነ ብውልቀይ ይኹን መንግስቲ ኤርትራ። ዋላ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ዝስከፈሉ ምኽንያት የለን፣ ከምኡ ስለዝኾነ ብወገንና ዝቐርብ ርእይቶ ጸላዕላዕ‘ዩ ዘብሎም፣ ድቃስ ከሊእዎም’ዩ ዝሓድር፣ ለይቲ ብከኒና ኢዮም ዝድቅሱ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብግብሪ ከምዝተራእየ። ንሕና ናይ ልብና ኢና ንዛረብ፣ ሓቢእናን ጎጃጂልናን ብተዘዋዋሪ መገዲ። ብሎቢታት ኣይንዛረብን ኢና፣ ኩሉ ሳዕ ብቐጥታ ኢና ንዛረብ፣ ኣብ ዝኾነ ሕቶ ዘለና ርእይቶ። ንሓደ ከነፍቱ ወይ ንሓደ ከነሕርቕ ኢልና ንብሎ ኣይኮነን፣ እቲ ልክዕ ርእይቶና ኢና ንገልጽ፣ ገጥ ኢልና ኢና ድማ ንዛረበሉ፣ እዚ ነዞም ዝጠቐስክዎም ወገናት የሳቕዮም እዩ፣ ቀጭ ቀጭ የብሎም ጥራይ ዘይኮነ። ድቃስ’ዩ ዝኸልኦም፣ ስለዚ ንሕና ኣይኮናን ምጽዋር ንስእን ዘለና፣ ንሳቶም’ዮም ርእይቶና ክጻወርዎ ዘይክእሉ ዘለው፣

ፕረዚደንት።- እዚ ስምዕታ’ዚ እውን ካብዞም ዝብለካ ዘለኹ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ውልቀሰባት ዝቐርብ እዩ፣ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲመ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ርእይቶ ናይ ዘይምጽዋር ባህሊ ድማ እዩ፣ ንሕና ምስ ኣመሪካ ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ክንኣቱ ንደሊ ኢና ክንብል እንከለና። ዝበሉና ክንቅበል ዘይኮነ። ብቕኑዕ መገዲ ክንሰርሕ ኢና ንደሊ፣። ከምቲ ኣቐዲምና ዘልዓልናዮ። እዛ ዓለም ሓንቲ ንእሽቶ መኣዲ ትኸውን ኣላ፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ንሕና ናይ ገዛእ ርእሰና። ናይ ኤርትራ ጥራይ ጸቢብ ኣጀንዳ። ወይ ፍሉይ ረብሓ ኢልና ንሓስቦ የብልናን።። ብብሎክ ደረጃ ብዞባዊ ርግኣትን ቅሳነትን ኢና ንሓስብ፣ ሶማል። ኢትዮጵያ። ኤርትራ እንተዝሓብራ። ምናልባት እውን ሱዳን ክትሕወስ እንተትኽእል። ኬንያን ኡጋንዳ እዉን ቀስ ኢለን ክሕወሳ እንተዝኽእላ ዞባና እንታይ ምኾነ ኢልና ኢና ንሓስብ፣ የዋህነት ኣይኮነን፣ ብክውንነታዊ ኣመለኻኽታ እንሓሰበሉ ጉዳይ እዩ።። እዚ እናሓሰብና እንከለና። ኣብ ትርኪሞርኪ ጉዳያት እንኣትወሉ ምኽንያት

ምስ ኣመሪካ ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ክንኣቱ ንደሊ ኢና ወይ ምቅይያር እንታይ’ዩ? ኣብ ዝብል ነጥቢ እዩ ዝመጽእ እቲ ቁምነገር፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ። ንኣፍሪቃ ኣብ ኣርባዕተ ግራውቲ ወይ ጎደቦታት መቓቒሉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጎዶቦ ፖሊስ ወይ ሓለዋ ኮፍ ኣቢሉ ክቈጻጸር ዝሕልን እዩ ነይሩ፣ ኣብ ሓደ ከባቢ ወይ ጎዶቦ ዝተመደበ ፖሊስ። ነቲ ይረግጽ። ነቲ ይለክዕ። ነቲ ይጸፍዕ። ካብቲ ይምንጥል ብኸምኡ ንምኻድ እዩ ዝሕሰብ ነይሩ፣ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ወይ ዝመሃዝክዎ ነገር ኣይኮነን፣ ናይ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ኣመሪካ ወግዓዊ ፖሊሲ’ዩ፣ ብዞባዊ ወይ ከባቢያዊ ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነ። ብውልቀ ሰባት’ውን መጋበርያ ዝኾኑኻ ሰባት እናሓረኻ። ብኦኦም ጌርካ ነቲ ከባቢ ንምምሕዳር (ማክሮ ማነጅ) ንምግባር’ዩ ተፈቲኑ፣ ኣብ ደቡብ ይኹን ሰሜን ኣብ ምዕራብ ይኹን ምብራቕ ኣፍሪቃ እንተኼድና ከምኡ እዩ ነይሩ፣ መሰረታዊ ጌጋ ናይቲ ፖሊሲ እዚ ዝገልጽክዎ’ዩ፣ ምኽንያቱ ከምኡ ጌርካ ክስራሕ ኣይከኣልን’ዩ፣ ኣብዚ ከባቢ ዘለና ህዝብታት። ፖሊስ ኣየድልየናን እዩ፣ እናጐነጸ። እናተራግሓ ዝኸይድ ሰብ ኣየድልየናን፣ ከምዚ ዝዓይነቱ ስትራተጂ ንረብሓ ኣመሪካ’ውን ዘገልግል ኣይኮነን፣ ብኣና’ውን ተቐባልነት ክህልዎ ኣይክእልን፣ ግን እቲ ዝጸንሐ ቀዋሚ ፖሊሲ ንሱ’ዩ፣ ንሕና። እዚ ፖሊሲ’ዚ ግጉይ እዩ፣ ኣብ ክንዲ ተሳንዩና ኣብ ሓድሕድና ስለምታይ ኵናት ትኣጉዱልና? ኣብ ክንዲ ትዓርቁን ተመሓይሹን ስለምንታይ መሊስኩም ነቲ ሽግር ዘይቲን ክርቢትን ትውስኽሉ? ከምዚ ጌርካ ናይ ኣመሪካ ረብሓ ክረጋገጽ ኣይክእልን’ዩ በሃልቲ ኢና፣ ብግብሪ

እቲ ‘ሃናጺ ጽምዶ’ ንብሎ ካብዚ ኣጠማምታ’ዚ ዝብገሰ’ዩ፣ ክንግንዘቦ ዘሎና ሓደ ሓቂ ድማ ኣሎ፣ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ንባዕሉ ነቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ዝዓናቕፍ። ማእዝኑ ከስሕቶ ዝፍትን ንፋሳት ኣሎ፣ እዚ። ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ዘሎ ምፍሕፋሕ ናይ ዝተፈላለያ ረብሓታት ነቲ ለውጢ ከመይ ክጸልዎ ይኽእል? እዚ ምምሕዳር’ዚ ድልየት ስለዘለዎ ኩሉ’ቲ ዝደልዮ ለውጢታት ከምጽእ ይኽእል ድዩ? ርእሱ ዝኸኣለ ሕቶ እዩ፣ ድሮ ማእለያ ዘይብሉ ዕንቅፋታት። ማእለያ ዘይብሉ ጐንጺታት ንርኢ ኣለና፣ እምበር’ዶ ክሰልጦ’ዩ? ከምዚ ዝኸዶ ዘሎስ ለውጢ’ዶ ከምጽእ’ዩ? ዝብል ስክፍታ እውን ፈጢሩ ኣሎ፣ ፈለማ ኣብ ውሽጢ ክፈጸም ዘለዎ ብዙሕ ዕዮ ገዛ ኣሎ፣ ኣብ ግዳም እውን ከምኡ፣ ስለዚ። ሕጂ ተሃዊኽካ ከምዝን ከምትን ኢልካ ክትፈርድ። ናይ ብሓቂ ምዙን መግለጺታት ክትረኽበሉ ዝከኣል ኣይኮነን፣ ነቲ ጉዳይ ኣነኣእስ ኣቢልካ ወይ ኣቃሊልካ ናይ ኣመሪካ ሓድሽ ምምሕዳር ጽቡቕ ድልየቱ ገሊጹ ኣሎ’ሞ። ንስኹም’ከ እንታይ ትብሉ? ኢልካ ትዛረበሉ ነገር ኣይኮነን፣ ኣብ መወዳእታ። ንምምሕያሽ ዝምድና ኮነ ንናይ ኩላትና ረብሓ ግድን ሃናጺ ጽምዶ ክህሉ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘሎና፣

* ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ንጉዳይ ኣፍሪቃ ጆኒ ከርሰን። ኣብ መንጐ መራሕቲ ዝካየድ ርክብ ክልቲኣዊ ዝምድና ኣብ ምምዕባል ድርኺት ከምዝፈጥር ተዛሪቡ ነይሩ፣ ኣብዘን ዝቕጽላ ክልተ ወሰንቲ ዓመታት ምምሕዳር ኦባማ። ምስ

ገጽ ንገጽ ክትዛረብ ከለኻ ዝሓሸ’ዩ፣ ከነረዳድኣኩም። ክንዛረበልኩም ዝብሉና ወገናት እኮ ኣለው፣ ንሕና ግን መንጎኛ ወይ ኣታዓራቒ ዘድልየና ኣይኮነን፣ ብቐጥታ ሓሳብ ንሓሳብ ዘይንላዋወጠሉ ምኽንያት የለን፣ ክበጽሕ እንደልዮ መልእኽቲ እንተሎ ብቐጥታ ከነብጽሖ ኢና ንመርጽ፣ መልእኽትና ብተማላእተኛ ዘይኮነ ብቐጥታ ንምብጻሕ ዕድል ክንረክብ ንደሊ ኢና፣ እቲ ዝቐለለ ከምኡ’ዩ፣ እቲ ዕድል ግን ብሓደ ወገን ዝውሰን ኣይኮነን፣ ናይ ክልተ ወገናት ውሳነ’ዩ፣ ካብኡ ናብኡ ከኣ እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ ዝውስኖ እዩ፣፣

* ክቡር ፕረዚደንት። ካብ ምዕራባውያን ዝመጸካ ነቐፌታ ኣይትጻወሮን ኢኻ’ዩ ዝበሃል? ከምኡ እንተኾይኑ ብኸምኡ ዓይነት መገዲ ምስራሕ ይከኣል’ዶ ይመስለካ? እቲ ርክብ ከመይ እንተዝኸውን ምሓሸ ትብል? ፕረዚደንት።- እቲ ጸገም ብኣንጻሩ እዩ፣ መጀመርታ። እዞም ምዕራባውያን ትብሎም ዘለኻ መን እዮም? ብልክዕ ትነግር ክትክእል ኣሎካ። ኣነ ድማ ብልክዕ ፈሊጠ ክምልስ፣ ምዕራባውያን ክትብል ከለኻ። ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ወይ ጉጅለታት ከም ማለት’የ ዝወስዶ፣ ብዛዕባ ኩሎም ምዕራባውያን ኣሐፊሽና ክንዛረብ ኣይንኽእልን፣ ከምኡ ዝበሃል የለን፣ ዝበዝሕ ግዜ። እቶም ምዕራባውያን እናተባህሉ ዝዝረበሎም። እቶም “ንሕና ወከልቲ ምዕራባውያን ኢና” ዝብሉ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ውልቀሰባት እዮም፣ ቁጽሮም ውሑድ። ምናልባት ካብ ኣጻብዕ ኢድና

ናይ ምጽዋር ባህሊ የብሎምን፣ እንተድኣ ሓደ ሰብ “ኣነ ሓያል ኢየ። ኣነ ኩሉ ነገር ኢየ” ክሳብ “ኣነ ኣምላኽ ኢየ” ኣብ ምባል በጺሑ። ነቲ ካልእ ስለዘነኣእሶ። ካብቲ ንእሽቶ ዝብሎ ወገን ዝመጾ ዘረባ ክጻወሮ ኣይክእልን ኢዩ፣ እዞም ትብሎም ዘለኻ ምዕራባውያን ኢና ዝብሉ ውሑዳት ሰብ ፍሉይ ረብሓ። ባህሊ ተጻዋርነት የብሎምን፣ ብወገነይ ኣብ ኣመሪካ ክልተ ባህልታት ኣሎ ኢየ ዝብል፣ ኣብቲ ዝበዝሐ ናይ ምጽውዋር ባህሊ ክህሉ ይኽእል፣ ኣብዞም ውሑዳት “ንሕና ጸዓዱ ኢና። ንሕና ኢና ኣመሪካውያን” እናበሉ ዝምክሑ ግን። ካብ ነዊሕ እናተወራረሰ ዝመጸ ናይ ዘይምጽዋር ባህሊ እዩ ዘሎ፣ ንቀያሕቲ ህንዳውያን ኣብ ምጽናት ዝተዀስኰሰ ባህሊ። ተጻዋርነት ዘይፈቱ ባህሊ’ዩ፣ ነቶም ህንዳውያንን ናይ በረኻ እንስሳታትን ኣጥፊኦሞም እዮም፣ ድሕሪኡ ካብ ኣፍሪቃ ባሮት ተተሰኪሞም ወሲዶሞም፣ ንዓኣቶም’ውን ኣይተጻወርዎምን፣ እዚ ናይ ዘይምጽዋር ባህሊ’ዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ናይ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣሎ፣ እዞም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ንሕና ኢና ኣመሪካውያን። ንሕና ኢና ምዕራብ ዝብሉ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ተጻዋርነት ኣብ ባህሎም ኣይጸንሐን፣ ሕጂ’ውን የለን፣ ካልእ ሰብ ተዛሪቡ ክሰምዑ ኣይክእሉን እዮም፣ “ኣነ’የ ሓያል’የ። ኣነ’የ ቅኑዕ። ዝበልክዎ ጥራይ ክስማዕ ኣለዎ። ካልእ ኣፉ’ውን ክኸፍት የብሉን” ዝብል ባህሊ እዩ ዘለዎም፣ ከምዚ ከማና። ግርህ ኢሉ ዝተሰምዖ ብቕንዕና ዝዛረብ ኣይጻወርዎን እዮም፣ ስለዚ ንሕና ዘይኮንና ዘይንጻወር። ንሳቶም እዮም ዘይጻወሩ፣ እቲ ሓቂ ብግልባጡ ስለዝኾነ እምበኣር እቲ ዘሎ

የለን፣ ናይ ሶማል ምምቕቓልን ምድኻምን እንታይ ይጠቕመና? ምእንቲ ክትመቓቕል ነቲ ሓደ ጉጀለ ናይ ምድጋፍ። ነቲ ሓደ ናይ ምንጻግ ኣተሓሳስባ ብቐንዱ ካብዞም ንብሎም ዘለና ሰባት ዝነቅል እዩ።። እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ። ኣንጻር’ቲ ህዝብታት ዞባና ዝብህግዎ ሰላምን ጸጥታን ስለዝኾነ ድማ ክንቃወሞ ባህርያዊ’ዩ፣ ኣብዚ ከባቢ ርግኣት ዘምጽእ። ስኒት ዝፈጥር። ቅድም ብታሪኽ ዝጸንሐ ይኹን ዝተወርሰ ጸገማት እንተሎ ንዕኡ ዝእርም መገዲ ኢና ክንክተል ዘሎና፣ ዝጸንሐ ጸገማት ዘጋድድ ነገር ትገብር እንተዄንካ መን ይረብሕ? ዋላ ሓደ ዝረብሕ የለን።። ንሳቶም ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ቅኑዕ ሓሳባት ክቐርብ እንከሎ ክስምዑ ኣይደልዩን እዮም።። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመትን ኪንዮኡን። ኣመሪካ ኣብዚ ከባቢ ክትክተሎ ዝጸንሐት ፓሊሲ። ዝፈጠሮ ጸገም ዝኾነ ሰብ ዝስሕቶ ኣይኮነን።። ካብቲ ዝተፈጥረ ጸገም ክንላቐቕ እንተኼንና ድማ ። እቲ ዝጸንሐ ግጉይ ኣተሓሳስባ ክገዝእ የብሉን።። ሽግር ሶማል ናይ ብሓቂ ክፍታሕ እንተተደልዩ። ብቐሊል ክፍታሕ ዝኽእል እዩ።። ዋላ ሓንቲ ጸገም የብሉን።። እንታይ ኮይኑ ድኣ ዘይፍታሕ? ነቲ ሽግር ዝሓላልኽ ዘሎ ጉዳያት እንታይ’ዩ? ከመይ ኢሉ መጺኡ? ዝብል ሕቶታት ነዊሕ ግዜ ዝወስድ መግለጺታት ክወሃበሉ ይኽእል ይኸውን፣ ንዕኡ ገዲፍና ግን። እዚ ዞባ ክቐስን እንተኾይኑ። ሶማል ናብ ንቡር ክትምለስ ክትክእል ኣለዋ፣ ናብ ንቡር ዘምልስ መገዲ ክንመርጽ ክንክእል ኣለና።። ኣብ ክንዲ ዝነዉሕ መገዲ

ናብ 8ይ ገጽ ይቕጽል

ኣሳልጦ መብጻዓታት ኦባማ። ምስቲ ዘጋጥም ዘሎ ተቓውሞ ናይ ረብሓ ጉጀለታት። ብሕጂ ኢዩ ዝርኣ

ሓዳስ

5

ኤርትራ 16 ሰነ 2009

ሻሙናይን መወዳእታን

ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ ሕታም። እታ ኣብ ግንባር መረብ ሰቲት ዝነበረት ኣሃዱ በዓል ወዲ ኣሮን ንከበሳ ናብ ከባቢ ክሳድ ዒቃ ድሕሪ ምድያባ። ብዙሕ ከይጸንሐት ናብቲ ዝነበረቶ ግንባር ክትምለስ ከምዝተነግራ፤ ብድሕር’ዚ። ኣብ ከባቢ ትኹል ምስ በጽሑ ውግእ ስለዝተኸፍተ ናብቲ ቦታ ከምዝተኣልየት ርኢና ኔርና፣ ጸላኢ ንሳልሳይ ወራር ገዚፍ ምድላው ወዲኡ ብምንባሩ። ኣብቲ ግንባር ማእለያ ዘይብሉ ሰራዊትን ኣጽዋርን ኣዋዲዱ ከምዝነበረ ውን ርኢና፣ ኣብ መወዳእታ ኸኣ።- እቲ ኲናት ምስ ተወልዐ ወዲ ኣሮን ቃታ ኣር.ፒ.ጂኡ ብምስሓብ ነቶም ኣብ ሓደ ቦታ ዝዓጐጉ ወተሃደራት ወያነ ኣብ ማእከሎም ብምርኳዕ ምዉትን ቁሱልን ከምዝገበሮም ተገሊጹ፣ ንሎሚ ድማ እዚ ዝስዕብ እነሆ።* * * ‘’ቀዳመይትን ካልኣይትን ጋንታ ኣብ ቅድሚ’ዛ ንኣትወላ ስንጭሮ ኣብ ዘላ በራኽ ቦታ ድፋዕ ክትሕዙ ኢኹም!’’ ወዲ መንቆርዮስ ንመራሕቲ ጋንታታት ጃዕፈርን ቴድሮስ ጸጋይን ዝሃቦም ሓበሬታ’ዩ፣ ‘’ኢሳቕ ድማ ጋንታኻ ሒዝካ ምሳይ ተበገስ! በዛ ስንጭሮ እዚኣ ኣቲና ነዘን ታንክታት ክነቃጽለን ኢና’’ ንመራሒ ሳልሰይቲ ጋንታ እውን ሓበሮ፣ ወዮ ድኣ ነቲ ቦታ ዘይፈለጡዎ ነይሮም እምበር እታ ክኣትዉላ ዝተሓበረቶም ቦታስ ድሮ ሰራዊት ወያነ ሒዙዋ ነይሩ’ዩ፣ ሰራዊት ጸላኢ ብወገን’ቲ ዘይረኣዮም ዝነበረ ካናለ ተጸቒጡ ንኣተኣታትዋኦም ኮነ ብዝሒ ሓይሊ ሰቦም ይዕዘብ ነይሩ፣ ብዝሒ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን ሰራዊት ጸላእን ግን ፈጺሙ ዝማዘን ኣይነበረን፣ ብርጌድ ኣንጻር ብርጌዳት እዩ ክዋጋእ፣ ልዕሊ ኹሉ ግን። ነቲ ሰብ ዘይነበሮ ሃጓፍ ቦታ ይሽፍኑ ስለዝነበሩ ጸላኢ ኣበየናይ ቦታ ከምዘሎ ዘርእዮም ኣይረኸቡን፣ ‘’ወዲ መንቆርዮስ። እሞ... ንስኻ ትረፍ፣ ንሕና ግን ነተን ታንክታት ክነቃጽለን ኢና’’ ኢሳቕ’ዩ ተዛሪቡ፣ ፍስሃ ብሉጽ ዝተባህለ ካልኣዩ እውን ምስኡ ነይሩ፣ ወዲ መንቆርዮስ ግና ንበይኑ እዩ ነይሩ፣ ካልኣዩ ዝነበረ መራሕ ሓይሊ ኣብ ኣፍልቡ ብዘጋጠሞ መውጋእቲ ናብ ሕክምና እዩ ተላኢኹ ነይሩ፣ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ ነተን ክልተ ጋንታታት ክከታተል እምበር ምስኣቶም ኪኸይድ ኣይደለዩዎን፣ ‘’ንኺድ ጥራሕ ኣይተርፍንየ’’ ኣቕበጾም፣ ብድሕዚስ ክከራኸሩ ኣይደለዩን፣ ኣብ ትሕቲኦም ንዝነበሩ መራሕቲ መሳርዕ ንኽብገሱ ብምሕባር ጉዕዞኦም ቀጸሉ፣ ነታ ንእሽቶ ስንጭሮ ሒዞም ከኣ ብዘብዘብ ንውሽጢ ገጾም ተጓዕዙ፣ እንተኾነ ግን ከምዝሓሰቡዎስ ኣይኮነሎምን፣ ኣብ ስግር ኣብ ዝነበረት በራኽ ታባ ተጸቒጡ

ጀጋኑ ኣብ ዓውዲ ጅግንነት ዝጸንሐ ሰራዊት ወያነ ቶዅሲ ጀመረ፣ ሻቡ። ኢሳቕ ዝርከቦም ሽዱሽተ ሰባት ነታ ታባ ሃጀሙዋ፣ ነቶም ካልኦት ኣባላት ድማ ናብቲ እተን ክልተ ጋንታታት ዝነበርኦ ቦታ ገጾም ብምዃን ከምዝከታተሉዎም ገበሩ፣ ‘’ነታ ቦታ ሓዲግኩም ቀልጢፍኩም ናብዚ ዘለናዮ ቦታ ምጹ!’’ ዓሊ ሓምድ ዝሃቦም ሓድሽ ሓበሬታ’ዩ፣ እንተኾነ ግን። ጸላኢ ነታ ዝኣተዉላ ስንጭሮ ብጽዑቕ ቶኽሲ ስለዝዓጸዋስ ንኽምለሱ ተጸገሙ፣ ጸላኢ ንክማርኾም እንተዘይተኻኢሉ ድማ ከውድቐሎም ተጓየየ፣ ንሳቶም ከኣ ነታ ዝነበረቶም ጸባብ ዕድል ተጠቒሞም እናተኰሱ ክወጹ ፈተኑ፣ እንተኾነ። እተን ክልተ ጋንታታት እውን ዑቝባይን ዉጩን ንዝተባህሉ ክልተ ጀጋኑ ከፊለን ናብ ድሕሪት ገጸን ተመሊሰን ነይረን፣ ሽሾ ሰራዊት እዩ ፈሲሱዎም፣ ዓሰርተ ግዜ ዝተዓጻጸፎም ሰራዊት ብየማነ ጸጋሞም ሓሰኽሰኽ ይብል ነይሩ፣ ገለ ክፋሉ ብታባ ሰላሞን ዕርዲ ጥልያንን ኣቢሉ ንሩባ መረብ ክሰግር ይፍትን ነይሩ፣ ገለ ክፋሉ ‘ውን ጽርግያ ዓረዛ ሻምብቆ ንምስባር ኣብ ብሹኳ ክበጽሕ ከሎ። እቲ ገለ ክፋሉ ኸኣ ናብ ወገን ጽብራ ኣምሪሑ ነበረ፣ ‘’ጸላኢ ኣብ ውሽጢ ከበባ እዩ የእትዩኩም ዘሎ፣ ስለዚ ምስ ብጾትኩም ከይትተሃራረሙ ብምጥንቃቕ ንቕድሜኹም ፈንጢስኩም ውጹ’’ ወዲ መንቆርዮስ ብሬድዮ ዝሃቦም ህጹጽ ትእዛዝ’ዩ፣ እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እናሃለወ። ብወገን እቲ ካልኣይ ጋንታ ዝነበረቶ ቦታ ሓንቲ ብሬን ብዘይ ዕረፍቲ ክትትኵስ ሰማዕና፣ እቲ ሕጹብ መዓንጣ ወዲ ኣሮን ምዃኑ ኸኣ ኣይሰሓትናዮን፣ ብሓቂ ኸኣ ከምኡ ነበረ፣ ወዲ ኣሮን ጽንካረ’ቲ ኩነታት ከይዓጀቦ ብብሬኑ ገይሩ ነቲ ሓሽከት ሰራዊት የርግፎ ነይሩ፣ ብሬኑ ማእለያ ዘይብሎም ወተሃደራት ትቐዝፍ፣ ንሱ ቃታ ይስሕብ ንሳ ኸኣ ሰብ ተጥፍእ፣ ‘’ወዲ ኣሮን። ያላ ተበገስ! ኣብ ዝጥዕም ቦታ ኮይንና ክንቁሽምደን ይሓይሽ’’ ብጾቱ እዮም ንኸንሳሕብ ሓቢሮሞ፣ ‘’ካበይ ኣንታ!? ካብዚ? ካብዚ ድኣ... መረብ ክንሰግር? ካብ ጽብራ ትወጽእ እግሪ ኣይሃበኒ፣ ኪዱ ጥራሕ ውጹ፣ ኣነ ግን ጽብራ ሓዲገ ኣይከይድን እየ’’ መለሰ ወዲ ኣሮን፣ ብነድሪ’ዩ መሊሱሎም፣ እምብለይ እናበለ ንብሬኑ ሸሪጥ እናቐያየረ ብምትኳስ ማእለያ ዘይብሎም ወተሃደራት ወያነ የርግፍ ነይሩ፣ ‘’ስማዕ ወዲ ኣሮን። ኣይኮነንዶ ብሂወቱ ምስ ተወግአ ወይ ዝተሰውአ ብጻይና’ኳ ሓዲግና ክንወጽእ ዝመሃረና ሰብ የለን፣ ስለዚ ሓዲግናካ ስለዘይንኸይድ ሃየ ሕለፍ ኣይተደናጕየና’’ ሽመንዲ’ዩ

ብሓርቖት ተዛሪቡዎ፣ ብድሕርዝስ ወዲ ኣሮን ‘ውን ቶዅሲ ኣቋሪጹ ሰምዖ፣ ከምዘይሓድጉዎ ስለዝፈለጠ ኸኣ ከይፈተወ ደድሕሪኦም ነቐለ፣ እንተኾነ። ‘’ሓደ ውጉእ በዚ ኣቢሉ ሓሊፉ’ሎ’’ ዝብል ሓበሬታ ናብ ኣእዛን ሽሞንዲ በጽሐ፣ ሽሞንዲ ኸኣ እቲ ውጉእ ብጌጋ ናብ ኢድ ጸላኢ ከይወድቕ ስለዝፈርሐ ንበዓል ወዲ ኣሮን ክሓልፉ ሓቢሩ ንሱ ግን ነቲ ውጉእ ንምርካብ ናብቲ ሓሊፉሉ ዝተባህለ ኣንፈት ገጹ ጐየየ፣ እቲ ውጉእ ናይ ካልኦት ኣሃዱታት ምዃኑ ምስ ኣርከቦ’ዩ ፈሊጡ፣ ብጾቱ ሒዞሞ ክኸዱ ስለዝጸንሑዎ

ስውእ ገረንስአ ኣሮን (ወዲ ኣሮን)

ኸኣ ሓዲጉዎ ንበዓል ወዲ ኣሮን ንኸርክቦም ዘብዘብ በለ፣ ግዳ ፈጺሙ ሰኣኖም፣ ግንባር መረብ ሰቲት ነቲ ሽሾ ሰራዊት ንምቕታል ናይ ኣተሓሕዛ ዕርዲ ለውጢ ኣብ ምግባር ስለዝነበረ ኣሃዱታት ኣብ ምንስሓብ እየን ነይረን፣ ሄሊኮፕተራት ጸላኢ ኣብ ጎልጎል ጽብራ እናዓለባ ማእለያ ዘይብሉ ሰራዊት ጸላኢ የራግፋ ነይረን፣ ብቐደሙ ‘ውን ሓሽከት ዝኾነ ሰራዊት ጸላኢ መሊሱ በዚሑ ሓሰኽሰኽ በለ፣ እቲ ዘንሳሕብ ዝነበረ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል። እቲ ወራር ኢድ ናይ ዓበይቲ ሃገራት ከምዘለዎ ኣይሰሓቶን፣ ግን ከኣ ኣብ ዝጥዕሞ ቦታ ኮይኑ ዘፍ ከምዘብሎስ ጥርጥር ኣይነበሮን፣ ምኽንያቱ። እንተ ብተሳትፎ እንተ ብዛንታ ንሕሉፍ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ዘይፈልጥ ሰብ ኣይነበሮምን፣ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ነቶም ቀጥታዊ ተሳትፎ ከይተረፈ ዝገበሩ ዓበይቲ ናይ ዓለምና ሓይልታት ብሜላ ምንስሓብ ኣዳኺሙ ናብ መጥቃዕቲ ብምስግጋር ሃገሩ ሓራ ከምዝገበረ ይፈልጡ እዮም፣ እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ። ሕጂ ‘ውን ሽሾ ሰራዊት ኣብ ቅድሚ በዓል ወዲ ኣሮን ተገቲሩ ነበረ፣ ሻቡ። ወዲ ኣሮን ሂወቱ ወፍዩ ብጾቱ ንምድሓን ኣእጋር ብሬኑ ገተረ፣ ሓደ ጠያይት ዝመልአ ሸሪጥ ከኣ ገበረላ፣ ብድሕዝስ ንብሬኑ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ደንደስ ተኺሉ ጠያይቱ ናብቲ ሽሾ ሰራዊት ኣዝነቦ፣ ብጾቱ ‘ውን ንጉልባቡ ተጠቒሞም ክወጹ ተራእዩ፣ እንተኾነ ግዳ ካብቶም ዓቕሎም ዝጸበቦም ወተሃደራት ወያነ ዝተተኰሰ ጠያይት ኣብ ክልተ ኣእጋሩ ተወቒዑ ኣብ ባይታ

ወደቐ፣ ሕጂ ከምቲ ዝቐደመ ተዋጢጥካ ክተበግሶ ዝከኣለሉ ህሞት ኣይኮነን፣ እቲ ተኣምር ክሰርሕ ዝሓገየ ጅግና ተወቒዑ ኣብታ ሰረት መፈጠሩ ዝኾነት መሬት’ዩ ወዲቑ፣ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ወተሃደራት ወያነ ኣመና ብዙሓት እዮም፣ ሬሳታቶም ብዙሕ’ዩ፣ እቶም ገና ብሂወቶም ዘለዉ ‘ውን ብዙሓት እዮም፣ ወዲ ኣሮን። እተን ክልተ ከም መሓውር ኢራብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘናጥርኦ ዝነበራ ኣእጋሩ ተሓምሽሸን እየን፣ ብሬኑ ኣብ ጎድኑ ተጎምብያ ነይራ፣ ግዳ ስኑ ነኺሱ ንብሬኑ ዳግም ዓትዓታ፣ ደሙ ጃሕጃሕ እናበለ ክኣስሮ ኢሉ ’ውን ኣይፈተነን፣ ብዛዕባ’ቲ ዝስዕብ እውን ዕጅብ ኣይበሎን፣ ስለዝኾነ ኸኣ ነታ ጸባብ ብሂወት ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ተጠቒሙ ንገለ ካብ ብጾቱ ከድሕን’ዩ ሓሊኑ፣ ብኾፉ ንቃታ ብሬኑ እናሰሓበ ኸኣ ከም ኣመሉ ብዙሓት ወተሃደራት ከርግፍ ተራእየ፣ ብጾቱ ‘ውን ነቲ ዝረኸቡዎ ናይ ጉልባብ ዕድል ተጠቒሞም ክወጹ ተራእዩ፣ ሻቡ ሰራዊት ወያነ ሰገጥ በለ፣ ብሓንቲ ብሬን ማእለያ ዘይብሉ ሰራዊቶም ዝተዓግቶም ኣዘዝቱ እውን ዓቕሎም ኣጽበቡን ኣዕገርገሩን፣ ግዳ ዝገብሩዎ ኣይነበሮምን፣ “ግባ” ዘዝበሉዎ ወተሃደሮም ብብሬን ወዲ ኣሮን’ዩ ዝቕዘፍ ነይሩ፣ ሽሞንዲ ኣምሳሉ ከም ገለ ገይሩ ናብታ ወዲ ኣሮን ዝነበራ ቦታ ኣተወ፣ ሽዑ ወዲ ኣሮን ናይቲ ዝፈሰሶ ደም ተሰኒፉ ምኽኣል ሲኢኑ ኣብ ባይታ ወዲቑ ነይሩ፣ ብሬኑ ግን ኣብ ጥቓኡ ብኽልተ ኣእጋራ ደው ኢላ ነበረት፣ ብድሕርዝስ ሽሞንዲ ንወዲ ኣሮን ተቐላጢፉ ሓዘሎ፣ ወዲ ኣሮን ግን ኣብ ዝባን ሽሞንዲ ኮይኑ ‘’ኣውርደኒ። ሽሞንዲ ነብስኻ ጥራሕ ኣውጽእ፣ ናዓይ ክተውጽእ ክትብል ኣይትለከም’’ ብዝደኸመ ድሃይ ደጋጊሙ ንኽሓድጎ ይልምኖ ነበረ፣ ‘’ሱቕ ጥራሕ በል’’ ሽሞንዲ ሓዚሉዎ ነቐለ፣ ‘’ስማዕ ሽሞንዲ። ኣብዚ ዘየገላብጥ ህሞት ኮይንካ’ሞ ናበይ ኢኻ ከተውጽኣኒ፣ እዘን ትርእየን ዘለኻ ሰራዊት ኣብ ፍቖዶኡ እየን ዘለዋ፣ ስለዚ ሕጂ ‘ውን ሕደገኒሞ ነብስኻ ኣውጽእ፣ ናዓይ ትኸውን ሓንቲ ቦምባ ኢድ ጥራሕ ሕደገለይ’’ ሕጂ ‘ውን ንኽሓድጎን ቦምባ ንኽህቦን ኣብ ዝባኑ ኮይኑ ደጋጊሙ ለመኖ፣ ሽሞንዲ ግን ካብ ንወዲ ኣሮን ሓዲጋ ትወጽእ ሂወት ንዕኡ ዝረኸበት ክትረኽቦ ከምዝደሊ ምስ ነብሱ ወሰነ፣ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ዝባኑ ሰቒሉዎ በታ ጸባብ ስንጭሮ ኣቢሉ ጉዕዞኡ ቀጸለ፣ እንተኾነ ግን እቲ ብየማነ ጸጋሞም ኣብ ዘሎ ቦታ ኮይኑ ክከታተሎም ዝጸንሐ ሰራዊት ወያነ ድሮ ኣብቲ ሰናጭሮ በጺሑ ነበረ፣ ስለዚ ኸኣ ገለ ወተሃደራት ኣብ ቅድሚ

በዓል ሽሞንዲ ኮይኖም ብረቶም ጨርባሕባሕ ብምባል ‘’ደው በል። ነቲ ሓዚልካዮ ዘለኻ ኸኣ ኣውርዶ!’’ ዝብል ሃዳዲ ትእዛዝ ፈነዉሉ፣ ሽሞንዲ ንወዲ ኣሮን ከየውረደ ደው ኢሉ ጠመቶም፣ ብኹሉ ሸነኾም ተኸቢቦም እዮም፣ ናይ ነፍሲ ወከፎም ብረት ከኣ ናብኦም ቀኒዑ ነይሩ፣ ስለዚ ሽሞንዲ መዋጽኦ ከምዘይብሎም ተገንዘበ፣ ገለ ካብቶም ወተሃደራት ናብኣቶም ገጾም ብምቕራብ ነቲ ከም ቆጽሊ ከርግፎም ዝጸንሐ ጅግና ብኢዶም ክድህስሱዎ ዕድል ረኸቡ፣ ወዲ ኣሮን ግን ድሮ ተዳኺሙ’ዩ ነይሩ፣ ኣብ ዝባን ሽሞንዲ እንከሎ ርእሱ ተቖልዒጻ ነይራ፣ ‘’እንታዳነኻ ድኣ ብዓንተቦኻ ኢድካ ዘይትህብ ዝነበርካ?’’ እቶም ወተሃደራት እዮም ንወዲ ኣሮን ዘቃጭጭሉ ነይሮም፣ ‘’ኣንትን ቆፍቋፋት ዓጋመ። ክትሃድማ ጸኒሕክንሲ... ሕጂ ሰብኡት ክትመስላ ኣፍ ኣውጺእክን ትዛረባ ‘ለኽን? ዘሕዝነኒ ኣብ ኢድክን ምውዳቐይ ጥራሕ’ዩ፣ እምበር ሂወተይ ንመሬተይን ኣብ መሬተይን እንዳኣላ’’ በለ ወዲ ኣሮን፣ ዝርካቡ ሓይሉ ኣኻኺቡ ክሳዱ ኣቕኒዑ ይዛረብ ብምንባሩ ሰራውር ገጹ ብምሉኦም ተገታቲሮም ነይሮም፣ ኣብ ገጹ ድማ ብኣንጻር ራዕዲ ትብዓት ይንበብ ነይሩ፣ ‘’ኣንቱም ትምክሕተኛታት። ንስኻትኩም ድኣ... ክሳብ ሂወትኩም ትሓልፍ ትምክሕትኹምን ጭካኔኹምን መዓስ ይውዳእ ኮይኑ’’ እናሓንሓኑ ተዛረቡ፣ ሽዓኡስ ሽሞንዲ ‘ውን ንወዲ ኣሮን ካብ ዝባኑ ኣውሪዱዎ ነበረ፣ ኣብ መንጎ’ዚ ንሽሞንዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዶም ኣእተዉዎ፣ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ድማ ብረቱ ከዋጣውጥ ተራእየ፣ ሓንቲ ጥይት ከኣ ቶግ በለት፣ እቲ ጅግና ወዲ ኣሮን ድማ ዕጽፍ በለ፣ ኣኸለ፣ ወዲ ኣሮን በጃ’ታ ዝፈትዋ መሬቱ ኣገዳሲ ታሪኽ ጅግንነት ሓዲጉ ተሰዊኡ፣ ደሙ ኣብቲ ከባቢ’ቲ ዝተወልደሉ ከባቢ ሸሃተን ጸባ እናሰተየ ዝዓበየሉ ለሰታት መረብን ፈሲሱ፣ ዓጽሙ ኸኣ ሓጹር ሃገር ኮይኑ፣ በጃ’ታ ዘፍቅራ ኤርትራ፣ ኢሳቕ ተስፋማርያም

ሓበሬታ ብመሰረት ሚኒስትሪ ዜና ዝኸፈቶ ዕድል። ዝኾነ ኣብ ዓምዲ ካብ ማህደር ጀጋኑ ክእንገድ እትደልዩዎ ናይ ቅድሚ ናጽነት ኮነ ድሕሪ ናጽነት ጅግንነታዊ ስራሕ ናብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ ካብ ማህደር ጀጋኑ ኢልኩም ክትልእኩዎ ትኽእሉ ኢኹም፣ እቲ ታሪኽ ብቐጥታዊ ምዝንታው ወይ ከኣ ብጽሑፍ ክኸውን ይኽእል፣ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑጽሪ ቴለፎን 07185727 ንኣዳላዊ ዓምዲ ክትረኽቡ ከምእትኽእሉ ንሕብር፣ ኣዳላዊ ዓምዲ

ሓዳስ

6

ኤርትራ 16 ሰነ 2009

ኣዳለውቲ ምልክታ - ሄለን ዮናስ - ልዋም ተስፋሂወት

ምልክታታት ቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ኣስመራ ዝረኣዩ ጉዳያት

ኣብ መንጎ ወ/ሮ ፍዮሪ መዓሾ ገብረሚካኤልን ተጸዋዒ ኣቶ ጸጋይ ኣብርሃ ነጋሽን። ዘሎ ናይ ፍትሕ ጉዳይ። ተጸዋዒ ን30/06/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ ሲቪል መጋባእያ ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪብኩም ቤ/ ፍ ኣድላይ ውሳኔ ክህበሉ ምዃኑ ነፍልጥ፣ ወ/ሮ ግደይ ምሕረትኣብ ድሩይ። ወደይ ተጋ/ኤልያስ ዘርኣይ ወልደማርያም ስለዝተሰውአ። ወራሲት ኣነ ጥራይ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን09/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ ፍ 10ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ዘውዲ ገብረኣምላኽ ኪዳነ። ወደይ ቢንያም በርሀ ዓንደሚካኤል ደሃይ ስለዘይብሉ። ጥፉእ ምዃኑ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን09/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ ፍ 10ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ በየነሽ በርሀ ትኩእ። በዓል ቤተይ ኣቶ ሰለሙን ተወልደ ገብረመስቀል ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓንቲ ጓሉ ድማ ወራሲት ምዃና ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን09/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 2ይ ሲ.ቪ.ል መጋባእያ ይቕረብ፣ ከሳሲት ወ/ሮ ደሃብ እስቲፋኖስ። ተኸሳሲ ኣቶ ኤልያስ ተስፋማርያም ምሑር። ዘሎ ናይ ሓዳር ክርክር ጉዳይ። ተኸሳሲ ን30/06/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባእያ ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪብኩም ቤ/ፍ ኣብ ዘየለኽምሉ ውሳኔ ክህብ ምዃኑ

ነፍልጥ፣ ከሳሲት ወ/ሮ ገርጊስ ሃብተገርጊስ ተስፋገርጊስ። ወኪል ኣቶ ገብረንጉስ ዑቕቡ ተኸስተ። ተኸሳሲ ኣቶ የማነ ሓድጉ በራኺ። ንሱ ኣብ ዘይብሉ ፍትሕ ቃል ኪዳን ይፈጸመለይ ስለዝበላ። ዝቃወም እንተሎ። ን14/07/09 ኣብ 2ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ሞግዚት ወ/ሮ ሰላማዊት ተፈሪ ዘለለው። ዮናስ ተፈሪ ዘለለው ምባል ተሪፉ። ዮናስ ቢሆን በቀለ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን01/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ንጽህቲ ገብረስላሴ ባሩ። በዓል ቤተይ ኣቶ በየነ ክብሮም ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ትሽዓተ ደቆም ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ። ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ኣብ 2ይ ቤ/ ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ የሴፍ ደበሳይ ተማኑ። ኣደይ ወ/ሮ ንግስቲ ተኽለ ኣቶይ ስለዝሞተት። ብጀካይ ካልእ ወራሲ ከምዘይብላ ይረጋገጸለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን06/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ ፍ 4ይ መጋባእያ ሰዓት 8።00 ቅ/ ቀትሪ ይቕረብ፣ ከሳሲት ወ/ሮ ሜሮን ተዓገስ ስዩም። ተኸሳሲ ኣቶ ዮሴፍ ገብረብርሃን ተስፋዝጊ። ዘሎ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ክርክር ጉዳይ። ተኸሳሲ ኣድራሽኡ ስለዘይተፈልጠ። ን24/06/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባእያ ቁ.41 ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪቦም ግን

ምስጋና ብሞት ኣዴና ወ/ሮ ዘውዲ ደጊያት ወልደሚካኤል ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና። ኣብ ጉራዕ ዘቃበርኩምናን ገዛና ብምምልላስ ካብ ወጻኢ ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ቤተ-ሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ነቕርብ፣ ደቀን ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

ሓድሽ ምዝገባ ካብ ኤቨን ኮምፕዩተር ሰንተር ትካልና ብዝተወደበ ኣገባብ ዝተዳለወ ናይ ክረምታዊ ኣካዳምያዊን ኮምፕዩተርን ትምህርቲ ኣዳልዩ ምዝገባ ጀሚሩ

ከምዘሎ ብሓጎስ የበስር

ተወሳኪ ትምህርቲ

*ምግጥጣም ሻምብቆ ማይ *ምዝርጋሕ መርበብ ኤሌትሪክ *ጽገና ሞባይል *ምንጻፍ ማቶኔላ *ምጥምጣም ሞተረታት ኣድራሻና።-ጎኒ ፎቶ ካቴድራል ጥቓ ጆቫኒ ማሶላ ቴሌፎን 07194340 ወይ07135931

ምስጋና ብመስዋእቲ ኣዚየ ዝፈትዎን ዘፍቅሮን በዓል ቤተይ ኪሮስ መለስ ህንጻ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና። ኣብ ግዜ ሕማሙ ዝተመላለስኩምን ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዘቃበርኩምና ካብ ወጻእን ውሽጥን ብቴሌፎን ዘጸናናዕኩምናን ተኻፈልቲ ሓዘንና ዝኮንኩም ቤተሰብን ፈተውትን ሕሰም ኣይትርከቡ እናበልና ምስጋናና ንገልጽ፣ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ትምኒት ካሕሳይ ምስ ምሉኣት ስድራ-ቤት

ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ምዃኑ ነፍልጥ፣

ክረአ

ዑመር ሑሴን ኣልሑሴን ምባል ተሪፉ። ዑመር ሓሰን ኣልሑሴን ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 7ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ኣቶ ሃይለ ካስማይ ተስፋይ። ወኪል ኣቶ ኣማኑኤል ምሕረትኣብ ወልደጋብር። ኣዴና ወ/ሮ የሹ ተስፋ ገብራይ ስለዝሞተት። ወረስቲ ክልተ ደቃ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባእያ ቁ.41 ይቕረብ፣ መምህር ጎይትኦም ራኻ ወልደኣምላኽ። ወደይ ዶ/ር መኮነን ጎይትኦም ራኻ ስለዝሞተ። ወረስቲ ኣነ ምስ ኣዲኡ ወ/ሮ ኣረጋሽ ዘርአ ጥራይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ኣብ 1ይ ቤ/ ፍ 7ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ጽጌረዳ ጎይትኦም ደባስ። ወለድና ኣቶ ጎይትኦም ደባስን ወ/ሮ ለተብርሃን መዓሾ ጓንጉልን ስለዝሞቱ። ወረስቲ ኣነ ምስ ኣርባዕተ ኣሕዋተይ ምዃንና ይረጋገጸልና ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ ፍ 5ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ዛይድ ወልደስላሴ ሰረቐ ምባል ተሪፉ። ዛይድ ጸጋይ ዓንደሚካኤል ተስፋማርያም ክበሃለለይ። ስም ወላዲተይ ድማ ወ/ሮ ምንያ ሃብተጼን ምባል ተሪፉ። ሓጎሳ ወልደላሴ ሰረቐ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፤ ዝቃወም እንተሎ። ን02/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 5ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ለምለም መኮነን ኣስረስሀይ። በዓል ቤተይ ኣቶ ሚኪኤል ገብረእግዚኣብሄር ገብረክርስቶስ ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ክልተ ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን02/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ ፍ 5ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ በላይነሽ ተወልደ ሳህለ። በዓል ቤተይ ኮርፕራል ተኪኤ ኣብርሃ ክፍሎም ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ሓሙሽተ ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ መብራት ስዮም ዓንደሚካኤል። በዓል ቤተይ ኣቶ ይከኣሎ ትኻቦ ስብሃቱ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ኣርባዕተ ደቆም ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸልና ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባእያ ቁ.32 ሰዓት 8።30 ቅ/ ቀትሪ ይቕረብ፣ ሰሎሜ ኪዳነ በርሀ ምባል ተሪፉ። ሰሎሜ ኪዳነማርያም በርሀ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ሰለዝበለት ዝቃወም እንተሎ። ን23/06/09 ኣብ 3ይ ቤ/ ፍ 1ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ኣበባ ዘሚካኤል ተስፋጊዮርጊስ ምባል ተሪፉ። ኣበባ ዘሚካኤል መብራህቱ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት ዝቃወም እንተሎ ን13/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ውዳሴ ተኽለኢየሱስ ተኪኤ። በዓል ቤተይ ኣቶ እሴት መድሃኔ ስለዝሞተ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ንሰለስተ ደቅና ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን01/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባእያ ሰዓት

8።00 ቅ/ቀትሪ ይቕረብ፣ ኣልማዝ ኣስመሮም ሃብተማርያም። ወኪል በራኺ ገብረእግዚኣብሄር። ወለደይ ኣቶ ኣስመሮም ሃብተማርያምን ወ/ ሮ ኤልሳቤጥ ሓጎስን ስለዝሞቱ። ኣነ ጥራይ ወራሲት ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለት፤ ዝቃወም እንተሎ። ን30/06/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባእያ ቁ/32 ሰዓት 8።30 ቅ/ቀትሪ ይቕረብ፣ ኣልማዝ ኣስመሮም ሃብተማርያም። ወኪል በራኺ ገብረእግዚኣብሄር። ኣሕዋተይ 1.ዳዊት ኣስመሮም ሃብተማርያም 2.ብእምነት ኣስመሮም ሃብተማርያም 3.ኪዳነ ኣስመሮም ሃብተማርያም ስለዝተሰውኡ። ወራሲት ኣነ ጥራይ ምዃነይ ይረጋገጸለይ ስለዝበለት፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 1ይ ቤት/ ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ንጉሰ ዘርኡ ሽከር ምባል ተሪፉ። ንጉሰ ተኽለ ዘርአሃንስ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን22/06/09 ኣብ 3ይ ቤ/ ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ዘካርያስ ሳህለ ዓንደሚካኤል። ወላዲትና ወ/ሮ ለተየሱስ ገብረስላሴ ዘነበሽ ስለዝሞተት። ወረስታ ኣነ ምስ ሓሙሽተ ኣሕዋተይ ምዃንና የረጋገጸልና ስለዝበለ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን07/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ ፍ 4ይ መጋባእያ ሰዓት 8።00 ቅ/ ቀትሪ ይቕረብ፣ ኣቶ መለስ ኣብርሃም። ብወኪሎም። ሓብተይ ወ/ሮ ሂወት ኣብርሃ ገብረማርያምን ወዲ ሓትነይ ኣቶ በርሀ ነብያት ገብረትንሳኤን ጥፋኣት ምኳኖም ይረጋገጸለይ ስለዝበሉ። ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ ፍ 10ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ዝማም መስፍን ዘርኤ። በዓል ቤተይ ኣቶ ማቲዎስ በየነ ዓንደጼን ስለዝተሰውአ። ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ክሕለወለይ። ኣዲኡ ወ/ሮ ተበርህ በራኺ ድማ ወራሲት ምኳነን ክረጋገጸለን ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን06/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 2ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ገነት ኣብርሃም ደባስ ምባል ተሪፉ። ገነት በይን ወልደትንሳኤ ተባሂሉ ይተኣረመለይ ስለዝበለት፤ ዝቃወም እንተሎ። ን03/07/09 ኣብ 2ይ ቤ/ፍ 3ይ መባጋእያ ይቕረብ፣ ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ዮርሳሌም ተወልደን ተኸሳሲ ኣቶ ሳሚኤል ወልዳይን። ዘሎ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ክርክር ጉዳይ። ተኸሳሲ ኣድራሽኦም ስለዘይተፈልጠ። ን07/07/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 6ይ መጋባእያ ቁ.41 ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሎም ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪብኩም ጉዳይኩም ንስኹም ኣብዘየለክምሉ ክርአ ምዃኑ ነፍልጥ፣ መልኣከ ተስፋዝጊ ገድሉ። ኣደይ ወ/ሮ ሊያ ገረዝጊሄር ምሕጹን ስለዝሞተት። ኣነ ምስ ሰለስተ ኣሕዋተይ ወረስቲ ምዃንና ይረጋገጸልና ሰለዝበለት፤ ዝቃወም

እንተሎ። ን25/06/09 ኣብ 1ይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባእያ ቁ/32 ሰዓት 8።30 ቅ/ቀትሪ ይቕረብ፣ ወ/ሮ ትብለጽ የማነ። ወደይ ኢሳቕ ኣካሉ ገብረመድህን ካብ 12/12/04 ካብ ኣሃደኡ ስለዝጠፈአ። ጥፉእ ምዃኑ ይረጋገጸለይ ስለዝበላ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን08/07/09 ኣብ 2ይ ቤ/ ፍ 3ይ መጋባእያ ይቕረብ፣ ኣብ መንጎ ከሳሲት ወ/ሮ ናዝሬት ታደሰ ፍረን ተኸሳሲ ኣቶ ኣውስትርያ ፍራንቸስኮን። ዘሎ ናይ ሓዳር ክርክር ጉዳይ። ተኸሳሲ ስለዘይቀረበ ብጋዜጣ ተጸዊዑ ን06/07/09 ኣብ 3ይ ቤ/ፍ 4ይ መጋባእያ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሎም ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪብኩም ጉዳይኩም ንስኹም ኣብዘየለክምሉ ውሳኔ ክወሃብ ምዃኑ ነፍልጥ፣

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ኣስመራ ዝረኣዩ ጉዳያት

ኣብ ሞንጎ ከሳሲት ሄለን ሳምሶምን ተኸሳሲ ኣቶ ሳምሶም ሓጎስን። ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ። ተኸሳሲ ኣቶ ሳምሶም ሓጎስ ብመጸዋዕታ ክቀርቡ ሰለዘይከኣሉ፤ ከሳሲት ሄለን ሳምሶም ብጋዜጣ ክጽውዑላ ስለዝሓተተት። ተኸሳሲ ብጋዜጣ ተጸዊዑ ን06/07/09 ኣብ ላ/ቤ/ፍ 2ይ ሲቪል መጋባእያ ቁ/29 ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪብኹም ቤ/ ፍ ንስኹም ኣብዘይለክምሉ ውሳኔ ክህብ ምዃኑ ነፍልጥ፣ ኣብ መንጎ ይግባይ በሃሊት ሳሮን ኣፈወርቂን መልሲ ወሃቢት ወ/ት ኤልሳ ኣፈወርቂን። ዘሎ ናይ ሲቪል ክርክር ጉዳይ። መልሲ ወሃቢት ወ/ ት ኤልሳ ኣፈወርቂ ብመጸዋዕታ ክትቐርብ ስለዘይከኣለት። ይግባይ በሃሊት ብጋዜጣ ክትጽውዓላ ስለዝሓተተት። መልሲ ወሃቢት ን15/07/09 ኣብ ላዕለዋይ ቤ/ፍ 1ይ መጋባእያ 1ይ ሲቪል መጋባእያ ቁ/28 ክትቐርብ፣ እንተዘይቀሪባ ቤ/ፍ ኣብዘየላትሉ ውሳኔ ክህብ ምዃኑ ነፍልጥ፣

በሪኽ

ኣቶ ኪዳነ ገብራይ ሰቋር። ዘይሕጋዊት በዓልቲ ቤተይ ወ/ ሮ ለተገብርኤል ወለደሳሙኤል። ደሃይ ስለዘይብላ። ናይ ጥፉእ ውሳኔ ይወሃበኒ ስለዝበሉ፤ ዝቃወም እንተሎ። ን09/07/09 ይቕረብ፣

ኣብ ግዝያዊ ክራይ ኣባይቲ ተካረይትን ኣካረይትን ዞባ ማእከል ኣስመራ ዝረኣዩ ጉዳያት

ከሳሲት ወ/ሮ ጸዳል ተስፋማርያም ሰመረ። ተኸሳሲ ኣቶ ኢዮብ ኣስሄል ተስፋስላሴ። ዘሎ ናይ ክራይ ገዛ ክርክር ጉዳይ። ተኸሳሲ ብኣድራሽኦም ስለዘይተረክቡ። ን15/07/09 ሰዓት 8።00 ቅ/ቀትሪ ኣብ መጋባእያ ግ/ቦርድ ጥቃ ክዋ ይቕረቡ፣ እንተዘይቀሪቦም ጉዳዮም ኣብ ዘየለውሉ ውሳኔ ክህብ ምዃኑ ነፍልጥ፣

ምልክታ ንኹሎም ሰብ ብርኪ ኤሪትራኮ ናይ ብርኪ ማሕበር ሻሙናይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሰብ ብርኪ ኤርትራኮ 27 ሰነ 2009 ሰዓት 8።00 ኣብ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኤርትራ ክካየድ ተሰሪዑ ኣሎ፣ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ምልኣተ ጉባኤ እንተዘይተረኺቡ። ኣኼባ ኣብ ዝተጠቕሰ ቦታን ሰዓትን ዕለት 04 ሓምለ 2009 ብዝተረኽቡ ኣባላት ክካየድ ምዃኑ እናሓበርና። ኣብ’ዚ ጉባኤ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ተላዒሎም ክዝተየሎም ተሰሪዑ ስለዘሎ። ኩሉ በዓል ብርኪ ክሳተፍ ንዕድም፣ ኤርትራኮ ናይ ብርኪ ማሕበር

ሓዳስ

7

ኤርትራ 16 ሰነ 2009

ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ - ሓድጊ ኤዉሮጳዉያን ገዛእቲ * ዓለም ካብዚ ህልቂት እንታይ ትመሃር?

ምሕረትኣብ ፍስሃየ 2ይን መወዳእታን ክፋል

ምብራዕ ጃምላዊ ህልቂት

ህልቂት ርዋንዳ። እቲ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም። “ደጊም ዓለም ንቅሉዕ ጃምላዊ ህልቂት ኣእዳዋ ኣጣሚራ ኣይክትዕዘቦን እያ” ዝብል ዝነበረ ኣተሓሳስባ ግብራዉነት ዘይብሉ ምዃኑ ዝተራእየሉ ፍጻመ እዩ ነይሩ፣ ህልቂት ርዋንዳ። ዘይከም እቲ ኣብ 70ታት (ካምቦድያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ተነጺላ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን) ህይወት ኣስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት ዝሃለቐሉ ጃምላዊ ህልቂት ካምቦድያ። ብጉልባብ ጸላም ብዝተፈነዉ ናይ ቴለቪዥን ጸብጻባት ተሰኒዱ እዩ፣ ጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ ብዘይካ’ዚ ናይ 1948 ኣህጉራዊ ዉዕል ምክልኻልን ምቕጻዕን ገበናት ጃምላዊ ህልቂት። ዉሕስነት ዘይህብን ትርጉም-ኣልቦን ምዃኑ ንዓለም ብሩህ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ፣ ሓያሎ ሃገራት እንተላይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ኣሰቃቒ ሰብኣዊ ቅዝፈት ከም ጃምላዊ ህልቂት ካብ ምግላጹ ክቑጠባ እየን መሪጸን፣ እቲ ምኽንያት ካኣ ተሓተትቲ ናይቲ ዋናታት ኮይነን ዝኸተማሉ ናይ 1948 ኣህጉራዊ ዉዕል ንኸይኮና እዩ፣ እቲ ንተገራጫዊ መርገጺ ኣባል ሃገራት ክብድህ ዘይከኣለ ሕቡራት ሃገራት ካኣ ነቲ ህልቂት ኣብ ምዉጋድ ሓላፍነቱ ኣየልዓለን፣ እቲ ህልቂት ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ብመሰረት ናይ 1993 ስምምዕ ኣሩሻ። 1500 ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ነይሮም እዮም፣ ኣባላት ናይቲ ዉድብ ዝኾና ሃገራት ኣብቲ ግጭት ከይሽመማ ብዝብል ምህሙን ምኽንያት እቲ ኣብ ርዋንዳ ዝነበረ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ነቲ ህልቂት ደዉ ከብሎ ኣይፈተነን፣ እኳ ደኣ ብኣንጻር ትጽቢት ማሕበረሰብ ዓለም ኣዝዩ ጎነጻዊ ህልቂት ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብ21 ሚያዝያ 1994 ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ርዋንዳ ንዝነበረ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ንምንካይ እዩ ተሰማሚዑ፣ ብሁቱ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ርዋንዳ ምስ ተቓለስቲ ግንባር ሓርበኛታት ርዋንዳ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ወተሃደራዊ ረጽሚ ክሳብ መወዳእታ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓገዛት ካብ መንግስቲ ፈረንሳ ይረክብ ስለዝነበረ ኣብ መንጎ ሁቱን ቱትሲን ቅርሕንቲ ኣብ ምኹስኳስ ፈረንሳ ዝለዓለ ተራ እዩ ጸኒሕዋ፣ ፈረንሳ ነዚ

ዝገበረት ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ቱትሲ ጉጉይ መረዳእታ ስለዝነበራ እዩ፣ ብወገን ፈረንሳ ዝነበረ ኣጠማምታ። “ኣብ ስደት ዝነበሩ ተወላዶ ቱትሲ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ኡጋንዳ ዝነበሩ። ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተማህሩ ስለዝኾኑ ብዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እናተሓገዙ ኣንጻር ምስፍሕፋሕ ጽልዋ ፈረንሳ ኣብ ርዋንዳ ዝሰርሑ እዮም” ዝብል እዩ ነይሩ፣ እንተኾነ እዚ ኣጠማምታ’ዚ ምስ ክዉንነት ዝሳነ ኣይነበረን፣ ምኽንያቱ ዝበዝሑ ስደተኛታት ተወላዶ ቱትሲ። ቋንቋ እንግሊዝ ኣጸቢቖም ዘይመልኩ ወይ ድማ ጠቕሊሎም እንግሊዝኛ ዘይዛረቡ ኣብ ርእሲ ምንባሮም ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ይኹን ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተዋህቦም ተልእኾ ኣይነበረን፣ ስለዚ እቶም ብጉጉይ እምነት ተደሪኾም ኣንጻር ቱትሲ ምስ ሁቱን ብኣኣቶም ዝምራሕ ዝነበረ መንግስትን ዝወገኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈረንሳ። ነቲ ህልቂት ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ክሓልፍዎ

ኣብ ጎደናታት ተዛሕዚሑን፣ ኣዝዮም ምኩራት ሰራሕተኛታት መንግስቲ። ፈራዶ። ጠበቓታት። ሓካይምን ካልኦት ሞያዉያንን ዝርከብዎም ብዙሓት ኣገደስቲ ኣካላት ናይቲ ሕብረተሰብ ገሊኦም ተቐቲሎም ገሊኦም ድማ ናብ ስደት ኣምሪሖም፣ እዚ ክሳራታት እዚ ዝሓደጎ ስምብራት ካኣ ክሳብ ሕጂ ብመልክዕ ትሑት ቁጠባን ብቑጽረን ንሓያሎ ትካላት መንግስቲ ዝጎብኣ ኣብያተ-ፍርድን ኣብታ ሃገር ይንጸባረቕ ኣሎ፣ ብሁቱ ንዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ካብ ስልጣን ብምእላይ ነቲ ህልቂት ደዉ ንምባል ብተቓለስቲ ግንባር ሓርበኛታት ርዋንዳ ዝተወስደ ስጉምቲ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ኣብ መንጎ መንግስቲን እቶም ተቓለስትን እዩ ኣምሪሑ፣ ተቓለስቲ ናይቲ ግንባር ናብ ርዋንዳ ገጾም ይግስግሱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብቲ ህልቂት ኢድ ንዝነበሮም ኣስታት 50,000 ኣባላት ሁቱ ቀቲሎም እዮም፣ ነቲ ብግንባር ሓርበኛታት ርዋንዳ ዝተወስደ ስጉምቲ ዝመዝመዘ መንግስቲ ድማ

እዮም መሪጾም፣ እቲ ህልቂት ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ብምንባሩ ቁጽሪ ናይቶም ዝተቐዝፉ ሰባት ብልክዕ ኣይተጸንዐን፣ ክኢላታት ከም ዝግምትዎ ግና ኣስታት 800,000 ኣቢሉ ከም ዝበጽሕ እዩ ዝንገር፣ ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝጠፍአ ብዝሒ ሰብ ብኣሃዝ ፈላሊኻ ክረአ እንከሎ 750,000 ኣባላት ቱትሲ ኪኾኑ እንከለዉ 50,000 ድማ ነቲ ጭፍጨፋ ዘይደገፉን ማእከላይ ፖለቲካዊ መርገጺ ዝነበሮምን ኣባላት ሁቱ እዮም፣ እቲ ጭፍጨፋ ብጓመድን ጎዞሞን ስለዝተኻየደ ካኣ እቶም ግዳያት ብዘስካሕክሕ ኣገባብ እዮም ተቐቲሎም፣ ካብቲ ኣሰቃቒ ህልቂት ብህይወት ዝተረፉ ኣስታት 130,000 ቱትሳዉያን ጥራይ እዮም ነይሮም፣ ብዘይካ እቲ ብዉዱብ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዝተፈጸመ ማሕረድቲ። ከም ሕሱም ተዓሚጸንን ተቐጥቂጦምን ካብቲ ህልቂት ኣብ ልዕሊ ዝሃደሙ ሰባት ዝወረደ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ’ዉን ክትጽብጽቦን ክትልክዖን ዝከኣል ኣይኮነን፣ ልዕሊ 100,000 ኣባይቲ ፍጹም ዓንዩ፣ ትካላት ዋኒን ተዘሚተንን ንብረተን

እቲ ብሓምለ 1994 ናብ ስልጣን ዝደየበ መሪሕነት እቲ ግንባር ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ሁቱ ኣንጻራዊ ጃምላዊ ህልቂት ክፍጽም መደብ ከም ዘለዎ ኣምሲሉ ንኣባላት ሁቱ ብምእማን ካብ ሃገሮም ንኽወጹ ጎስጓስ ኣካየደ፣ ጎስጓስ ናይቲ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ መንግስቲ ሁቱ ድማ ብኸፊል ዕዉት ነይሩ፣ ብነሓሰ 1994 ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተወላዶ ሁቱ (ኣስታት 30% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ተወላዶ ሁቱ ኣብ ርዋንዳ) ናብ ሃገራት ታንዛንያን ናይ ሽዑ ሃገረ ዛየር (ናይ ሎሚ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ)ን ተሰደዱ፣ ዝበዝሑ ካብቶም ነቲ ህልቂት ዝወጠኑን ዝተግበሩን ሰባት ኣብ መንጎ ንጹሃን ስደተኛታት ሁቱ ተሓቢኦም ካብታ ሃገር ሃደሙ፣ እተን ብሓገዝ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረታ መዓስከራት ስደተኛታት ግና ጥሩፋት መራሕቲ ናይቲ ህልቂት ኣንጻር እቲ ኣብ ርዋንዳ ዝተመስረተ ሓድሽ መንግስቲ ናዕብን ሽበራን ዝዉድቡለን ማእከላት እየን ኮይነን፣

ብወገን ሓድሽ መንስቲ ርዋንዳ ተደጋጋሚ ስምዕታ ይቐርብ እኳ እንተነበረ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ግና ኣብ ምሕብሓብ እቶም ስደተኛታት እምበር ካብ መንጎ እቶም ንጹሃን ንኣሸበርቲ ኣብ ምልላይ ዘተኮረ ኣይነበረን፣ ኣብ ርእሲ’ዚ ካኣ እቶም ጥሩፋት ኣሸበርቲ ነቶም ስደተኛታት። “ናብ ሃገርኩም እንተተመሊስኩም መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሌኹም ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ክወስድ እዩ” እናበሉ ራዕዲ የእትዉሎም ስለዝነበሩ ነተን መዓስከራት ንምዕጻዉ ዝተገብረ ሒደት ፈተነታት። ካብቶም ስደተኛታት ተሪር ተቓዉሞ እዩ ዝገጥሞ ነይሩ፣ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ተመዊሉ ዝቖመ መጋብኣያ ገበነኛታት ኲናት። ኣብቲ ህልቂት ንዝወዓሉ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበረ እዋን ቀንዲ ሃንደስቲ ናይቲ ህልቂት ዝነበሩ ዉልቀ-ሰባት ሓታቲ ዘይብሎም ብሓርነት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣስተርሕዮም ክቕመጡ እዮም ጀሚሮም፣ ኣብ ስደት ዝነብሩ ሰበስልጣን ናይቲ ዝተኣልየ መንግስቲ እዉን እንተኾኑ። ብመሰረቱ ጃምላዊ ህልቂት ዝበሃል ከም ዘይተፈጸመን እቶም ግዳያት ድማ ኣብ ኲናት ከም ዝሞቱን ብምግላጽ እዮም ነቲ ፍጻመ ክኽሕድዎ ፈቲኖም፣ ዝበዝሓ መዓስከራት ስደተኛታት ሁቱ ኣብ ኮንጎ። ሱድኪቩን ኖርድኪቩን ኣብ ዝበሃላ ምብራቓዊ ኣዉራጃታት ኮንጎ። ካብ ዶብ ርዋንዳን ኮንጎን ከየርሓቓ እየን ተደኲነን ነይረን፣ ብዙሓት ናይ ጸረ-ቱትሲ ባእታታት ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ደጀን ብምርካበን ድማ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሞቡቱ ሰሰ ሴኮን ብሄረ ቱትሲ ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገርን ዝጸንሐ ወጥሪ መሊሱ እዩ ኣጋዲድዎ፣ ኣብ ምዝዛም 1996 ዓመተ-ምህረት። ቋንቋ ኪንያርዋንዳ ዝዛረቡ ተወላዶ ብሄረ ቱትሲ ዝኾኑ ዜጋታት ኮንጎ (ፍሉይ መጽዉዒኦም።

ሃገሩ ተሰዲዶም ዝነበሩ ስደተኛታት ሁቱ ናብ ትዉልዲ ሃገሮም ንኽምለሱ ኣገደዶም፣ ብታሕሳስ 1996 ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ተመሊሶም፣ እቶም ዝተረፉ። እንተላይ

እቶም በቲ ህልቂት ተሓተትቲ ዝነበሩ ርዋንዳዉያን ግና ናብ ጫካታት ኮንጎ እዮም ሃዲሞም፣ በቲ ኣብቲ እዋን ብምትእክኻብ ሓያሎ ምንቅስቓሳት እንተላይ ምንቅስቓስ ባንያሙለንገ ዝቖመ “ኪዳን ዲሞክራስያዉያን ሓይልታት ሓርነት ኮንጎ” (AFDL) እናተኾብኮቡ ድማ እዮም ናብ ምዕራብ ገጾም ሰቲኾም፣ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ግና ብኣድካሚ ጉዕዞ እግሪ ተሰኒፎም ህይወቶም ስኢኖም እዮም፣ ብሰዉራዊ ሓርበኛ ሎረን ደዚረ ካቢላ ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ‘ኪዳን ዲሞክራስያዉያን ሓይልታት ሓርነት ኮንጎ’ ካኣ ብግንቦት 1997 ንስርዓት ሞቡቱ ገሊፉ ኣብ ኮንጎ ስልጣን ጨበጠ፣ ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ብሰላም ናብ ሃገሮም ርዋንዳ ኣብ ዝተመልሱሉ እዋን። እቶም ዝተረፉ ካልኦት ድማ ብገበኖም ከይፍደዩ ብምስጋእ ካብ ከባቢ ዶብ ርዋንዳን ኮንጎን ኣርሒቖም ይሃድሙ ብምንባሮም እቲ ዝነበረ ስግኣት ናይ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕትታት ምሉእ ብምሉእ እዩ ተቐንጢጡ፣ ገለ ካብቶም ተመለስቲ ቤት ንብረቶም ዓንዩ ወይ ድማ ተወላዶ ቱትሲ ሰፊሮሞ ጸኒሕዎም፣ ብዙሓት’ዉን ኣብቲ ህልቂት ኢድ ነይሩኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፣ ልዕሊ 100,000

ቅልዉላዉ ስደተኛታት

እቲ ናብ ስልጣን ዝመጸ ግንባር ሓርበኛታት ርዋንዳ። ብኡ ንብኡ ንፖለቲካዊ ኩነታት ርዋንዳ ንምምሕያሽ ክሰርሕ ጀሚሩ፣ እቲ ዝቖመ ሓድሽ መንግስቲ ካኣ ንወከልቲ ናይቲ ግንባርን ንብሄራዊ ምልኪ መንግስቲ ሃብያሪማና ዝቃወሙ ሁቱን ዝሓቖፈ ሚዛናዊ ነበረ፣ ብዘይካ’ዚ እቲ ሓድሽ መንግስቲ። ነቲ ኣህላኺ ዕማም ዳግመ-ህንጻን ዕርቅን ንምጅማር ቆሪጹ ተላዕለ፣ መስርሕ ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን ግና ኣይቀጸለን፣ ብምብራቓዊ ሸነኽ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ብስደተኛታት ኣዕለቕሊቐን ኣብ ዝነበራ መዓስከራት ዝሰፈሩ’ሞ ካብ ስልጣኖም ዝተባረሩ ኣባላት ሰራዊት ሁቱ-ነበር። ካብ ሃገራዊ ካዝና ርዋንዳ ንዝዘመትዎ ጥረገንዘብ ተጠቒሞም ኣጽዋር ብምዕዳግ ስግረዶባዊ መጥቃዕትታት ይፍጽሙ ነይሮም፣ እተን መዓስከራት ንኽዕጸዋ

ባንያሙለንገ) መንግስቲ ዛየር-ነበር ካብ ሃገር ከዉጽኦም ንዘካየዶ ጻዕሪ ብምቅዋም ተቓዉሞ ኣበገሱ፣ መንግስቲ ርዋንዳ ድማ ነቶም ቱትሳዉያን ተቓወምቲ ወተሃደራዊ ሓገዛት ወፈየሎም፣ መንግስቲ ርዋንዳ ብዘይካ’ዚ ነቶም ተቓወምቲ እናሓገዘ ጎድኑ ጎድኑ ካኣ ነተን መደበር ሽበራ ዝነበራ መዓስከራት ስደተኛታት ናይ ምዕጻዉ ስጉምትታት ክወስድ ጀመረ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካኣ መንግስቲ ታንዛንያ ነቶም ብ1994 ናብ

ሰባት ምስቲ ህልቂት ብዝተኣሳሰር ገበናት ተኸሲሶም ፍርዶም ይጸብዩ እኳ እንተለዉ ኣብያተ-ፍርዲ ርዋንዳ ግና ነቲ ኹሉ ጉዳያት መርሚረን ፍርዲ ክህባ ዓመታት ክወስደለን ከም ዝኽእል እዩ ዝግመት፣ እቶም ጠንቅታት ህልቂት 94 ምዃኖም ዝግለጹ ከም ዓቐኑ ዝሓለፎ ብዝሒ ህዝቢ። ቁጠባዊ ድሕረትን ቀቢላዊ ወጥርን ድማ ሎሚ’ዉን ጠቕሊሎም ዝተወገዱ ኣይመስሉን፣

ኣማኑኤል ማህደረ

ሓዳስ

8

ኤርትራ 16 ሰነ 2009 ካብ 4ይ ገጽ ዝቐጸለ

“ርግኣትን ስኒትን ዝፈጥር . . .

ንኸይድ። ሓጽርቲ መገድታት ኣለዉ።። ብወገንና ናብኣቶም ዘይንኸይድ ዝብል ርእይቶ’ዩ ዘሎና፣ ሶማል ውድቕቲ ሃገር ካብ

ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ

ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ተሳንዩ ክቕጽል ይኽእል’ዶ? እዩ እቲ ሕቶ፣ ምህውታት ትርጉም የብሉን፣ እዞም ኪቘሙ ዝጸንሑ መሰጋገሪ መንግስታት ናይ ሞቓድሾ መንግስታት’ውን ክኾኑ ኣይከኣሉን፣ ሞቓድሾ ንባዕሉ ኣብ ክንደይ ክፋላት ዝተመቓቐለ ከተማ’ዩ፣

ብጋህዲ ስለእንዛረብ’ዩ ርእይቶና ጸላዕላዕ ዝብሎም እትብሃል። ኣብዚ ዝሓለፈ 18 ዓመታት መንግስቲን ትካላት መንግስቲን ኣብ ዘይብሉ ዝተራእየ ጸገማት ማእለያ የብሉን፣ ሶማሊ ላንድ። ፑንትላንድ። ሞቓድሾ። ባይደዋ’ዶ ኪስማዩ እናተባህለ ዝተፈላለየ መልክዓት ናይ ምምቕቓል ክንርኢ ጸኒሕና ኣሎና።። ሽግር ሶማል ክፍታሕ እንተኾይኑ። እቲ ዝሓጸረ መገዲ ንሶማል ናብ ንቡር ሃገር ምምላስ እዩ፣ ህዝቢ ሶማል። ኣብ ነንበይነን ዓድታት ክነብር እንተደልዩ እውን። ናቱ ኣገባብ ኣለዎ፣ ንኣብነት ሶማሊ ላንድ ናይ ህዝባ ምርጫ ኮይኑ። ልዑላዊት ሃገር ክትከውን እንተደልያ’ሞ። ኩሉ ሰብ እንድሕሪ ተስማሚዑሉ ኣገባባት ኣለዎ።። ናይ ግድን ከምዚ ዘይኮነ ክትብል ኣይትኽእልን፣ በዚ ሕጂ ዘሎ ቅጥዒን ስርዓትን ዘይብሉ መገዲ ሶማል ንዘይተወስነ ግዜ ተመቓቒላ ክትቅጽል ኣለዋ ዝብል ወገን ግን ናይ ብሓቂ ነዚ ዞባ’ዚ ጽብቕ ዝሓስበሉ ኣይኮነን።። ብወገንና ጎዶበና ኣብ ከምኡ ክነብር ኣይንደልዮን፣ ንሶማል ፋሕ-ፋሕ ኣቢልካ። በታቲንካ ዝርከብ መኽሰብ ክህሉ ኣይክእልን።። መመሊስካ ጽልኢ። ቅርሕንቲ። ቂምታ ምኹስዃስ እንተዘይኮይኑ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን፣ ንዑ ኣብ ሓደ መኣዲ ተኣከቡ’ሞ ሽግርኩም ፍትሑ ምባል’ዶ ይሓይሽ። መንግስቲ ኣቚምናልኩም ኣለና’ሞ ግድን ንዕኡ ተቐበልዎ፣ እዚ ሕያውነት ኣይኮነን፣ ኣህጉራዊ ሕጊ ረጊጽካ። ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ጥሒስካ ዝግበር ዘሎ ብምዃኑ ድማ። ፓለቲካዉን ሞራላዉን መልእኽቱ’ውን ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ።።

እዮም እዞም ሰባት’ዚኣቶም? ቅድሚ 14 ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን ምስ ክኢላታት ምክልኻል ምምሕዳር ክሊንተን ኣብ ንዘራረበሉ ዝነበርና። ነቲ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም ምእንቲ ከነወግዶ። ኣብ ሶማል ዘሎ ከበድቲ ኣጽዋር ክንኣሪ። ንዕኡ እንድሕሪ ኣኪብናዩ። እቲ ነገር ክዝሕል ይኽእል’ዩ ኢሎምና፣ ትጋገዩ ኣለኹም። ከቢድ ኣጽዋር ምእራይ’ሞ እንታይ ፋይዳ ኣለዎ፣ ሰላም

ይኽእል? ንሕና ካብዚ ንሶማል ኣጽዋር ከነጓዓዕዝ የድልየና ድዩ? ንምንታይ? እንታይ ክንረብሕ? ኣብታ ዓዲ ዘለው መሳፍንቲ ኵናት ንሓድሕዶም ኣዋጊእና እንታይ ንረክብ? ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብልናን፣ እዚ ወቐሳታት’ዚ። ካብቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ጸገም ናይ ተጻዋርነት ዝመንጨወ’ዩ፣ እተን መደቀሲ ኢሎም ዝወስድወን ዘለዉ ከኒናታት ንኣተሓሳስባኦም መመሊሰን

ከተምጽኡ እንተድኣ ደሊኹም። ኣብቲ ዓዲ ምርግጋእ ክሰፍን እንተድኣ ኮይኑ ሓሳብኩም። ካብኡ ናብኡ ቅድም እተን

ይዘርጋሎም ኣለዋ ኢኻ ትብል፣ ዳርጋ ንግሆ ንግሆ ተንሲኦም ዘየምጽእዎ ሓሳብ። ዘይምህዝዎ ሓድሽ ወረ የለን፣

ሕቶ። እዚ ሕጂ ኣብ ሶማል ዘሎ መንግስቲ ዝሰርርዶ ይመስለካ? ኩነታት እንተ ተቐያይሩኸ እንታይ ተስፋ ይረኣየካ? ፕረዚደንት።ተመኻኺርካ ኣቐዲምካ ክእረም ዝነበሮ ብዙሕ ጌጋታት ተፈጺሙ እዩ፣ እቲ ዝቐለለ መገዲ መኺርካ ምስራሕ እዩ ነይሩ፣ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኩነታት ዝሓላልኽ ተበግሶታት’ዩ ክውሰድ ጸኒሑ፣ ስለምንታይ? ዓቢ ምልክት ሕቶ እዩ፣ እዚ ናይ ሕጂ ተበግሶ። ቅድሚ ናይ ኣባማ ምምሕዳር ምምጽኡ ዝተሓስበ ድዩ? ወይ ኣብቲ ምውት ሰዓት (ዴድ ላይን) ብተብተብ ዝተወስደ ድዩ። ኣብ ዘይተጨበጠ ነገር ክንዛረብ ኣይንኽእልን፣ ተሓሲቡሉ ነይሩ እንተዝኸውን። ኣቐዲምካ ምምኽኻር ተገይሩሉ ነይሩ እንተዝኸውን ግን። ካብ ሕጂ ዘዝፈሰሰ ነገር ክትሓፍስ ምፍታን ዘይክኣል ነገር ክትገብር ህርድግ ምባል። ኣብ ሰዓቱ ምተኣረመ፣ ተገላብጦሽ’ዩ፣ ኣቐዲሙ ናይ ዓብዱላሂ ዩሱፍ መንግስቲ ነይሩ፣ ብናትና ኣረኣእያ ሕጋዊ መንግስቲ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ሕጋዊ መሰረት የብሉን፣ ሕጊ ድማ’ዩ ልዕሊ ኩሉ ዝወስን፣ ባህ ስለዝበለና። ብስምዒት ንውስኖ ነገር ኣይኮነን፣ ክልተ ዓመታት ኣብ ባይዶዋ ኮፍ ኢሉ፣ ውሽጢ’ውን ክኣቱ ኣይክኣለን፣ ድሓር ደጊፍካ ደጋጊፍካ ሞቓድሾ ኣትዩ፣ ናይ ሶማል ዘይኮነስ ናይ ሞቓድሾ መንግስቲ ኮይኑ፣ ግደፎ ናይ ሶማል መንግስቲ ናይ ሞቓድሾ መንግስቲ’ውን ክኸውን ኣይከኣለን፣ ግን መሰጋገሪ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል እዩ ተሰምዩ፣

ብኹሉ መልክዓቱ ክትርእዩ እንተዄንካ። ናይ ደገ ሓይሊ ከም ሓለዋ ቈይሙ ስለዘሎ። መንግስቲ ክቐውም ይኽእል’ዩ ኢልካ ክትሓስብ ዘይክውንነታዊ እዩ፣ ኣመሪካውያን ካብ ካልኦት ንላዕሊ ነዚ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ፣ ኣብ መጀመርታ 90ታት። ኣብ ሶማል ናይ ዓቃብ ሰላም ምትእትታው ነይሩ እዩ፣ ዓቃብ ሰላም ኮይኖም ዝኣተው ብዙሓት ፓኪስታናውያን ተቐቲሎም፣ ድሕሪኡ ኣመሪካውያን ኣትዮም፣ ዋላሓንቲ ክገብሩ ስለዘይክኣሉ። ገዲፎሞ ወጺኦም፣ ድሕሪኡ ዝተፈጥረ ናይ መሳፍንቲ ኩናት ዕልቅልቕ እዚ’ዩ ኢልካ ክትገልጾ ዘጸግም እዩ፣ እዚ ኹሉ ግብራዊ ተሞክሮታት እናሃለወ። ስለምንታይ’ዩ ጌጋታት መመሊሱ ዝደጋገም፣ ፈለማ ናይ ዓብዱልቐስም ሳለድ መንግስቲ ቆይሙ ተባሂሉ። ተቐባልነት ኣይረኸበን። ተሰጒጉ፣ ድሕሪኡ ናይ ዓብዱላሂ የሱፍ መንግስቲ መጺኡ። ተሰጒጉ፣ ነዚ ኹሉ ልምምዳት (ኤክሰርሳይስ) ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ካብ ዋሽንግቶን ዝተላእኩ እዮም ከካይድዎ ጸኒሖም፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ናይ ወያነ መንግስቲ። መጋበርያ እንተዘይኮይኑ። ንሱ ዝሰርሖ ነገር ኣሎ ክትብል ኣይትኽእልን፣ እዚ ኹሉ ልምምዳትሲ። ናይ ሶማል ጉዳይ ንምፍታሕ ተባሂሉ ዝተገብረ ድዩ? ኣብዚ ዞባ’ዚ ምርግጋእ ንምምጻእ ተባሂሉ ድዩ? ብኹሉ መዳይ እንተርኢኻዮ። ምኽኑይ ኣይኮነን፣ ሕጂ’ውን እቲ ጉዳይ ናብ መስመሩ ክምለስ እንተኾይኑ ምምሕዳር ኣመሪካ ኣብ ፖሊሲኡ ምትዕርራያት ክገብር

ምምቕቓል ሶማል ክቕጽል ዝምነ። ደላይ ጽቡቕ ሶማልን ዞባናን ኣይኮነን እንተ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራ ከምዚ ትገብር ኣላ እናተባህለ ዝቐርብ ወቐሳታት ምስቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ዝተኣሳሰር እዩ፣ ምምሕዳር ኦባማ። ዝደለዮ ፖሊሲ ክኽተል ይኽእል’ዩ፣ ናቱ ምርጫ እዩ፣ ግን ህዝብታት ናይዚ ከባቢ’ዚ እውን ናቶም ምርጫታት ከምዘለዎም ክፍለጥ ኣለዎ፣ እቲ ፍሉጥ ምርጫኦም ብስላምን ስኒትን ምንባር እዩ፣ ዋላ ሓንቲ ካልእ ዕላማን ባህጊን የብሎምን።። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ-ሰለሰተ ሰሙናት ክወጽእ ዝጸንሐ መግለጺታት ናይዞም ንጠቕሶም ዘሎና ውልቀሰባት። ንሰማዒ ኣገሪሙ እዩ፣ እንታይ እዮም ደልዮም? እንታይ’ዩ ክንዲ’ዚ ጉያ-ጉያ ዘብሎም። ዝርብጾም ዘሎ? እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ሃዲኡ። ሓሲቡ ገለ ነገር ከይገብር ምእንቲ። ናብ ዘይደልዮ ሕማቐ መጸወድያ ክእትዉዎ ድዮም ደልዮም? ሓንሳብ ክጋገ’ሞ ምስ ተጋገየ። ኣብ ርእሲኡ ናቶም ዕላማታት ክነድቁ ስለዝደለዩ ድዮም? እዚ ኹሉ ሓሶታት ምህዞታት እንታይ ኣድልየ? እንተኢልካ ዘገርም’ዩ፣ ”ኤርትራ ንሶማል ጠበናጁን ጠያይትን ሂባ’’ ይብሃል፣ ንምንታይ’ያ ጠበንጃ ትልእኽ? ኣብቲ ዓዲ ስለዘየለ ድዩ? ኣብ ሶማል ክንደይ ጠየይትን ክንዳይ ጠበናጁን ከምዘሎ? በየን ከምዝመጸ መን ዘይፈልጥ ኣሎ? ሎሚ ናብ ሶማል ጠበናጁ ምልኣኽ የድሊ’ዩ ኢሉ ዝዛረብ ሰብሲ ኣብ ወርሒ ድዩ ዝነብር ዘሎ? ኣበይ ዓለም ዝነበሩ

ፈኰስቲ ጠበናጁ ምእካብ ይምረጽ ኢልናዮም፣ እዚ 14 ዓመታት ዝገበረ ዘረባ እዩ፣ ካብ ሽዑ ጀሚርካ ኣብታ ዓዲ ዘሎ ኣጽዋር ማእለያ የብሉን፣ ዳርጋ የመንን ሶማልን ሓደ እዮም ክትብል ትኽእል ኢኻ፣ ብዙሓት ናይ ደገ ተዓዘብቲ ከምዝብልዎ። ኣብ የመን ሓደ ሰብ 4 ጠበንጃ ኣለዎ፣ ነቲ ዘሎ ብዝሒ ጠበናጁ። ኣብ ብዝሒ ናይቲ ህዝቢ እንተመቒልካዮ ማለት እዩ፣ ኣብ ሶማልያ ምናልባት ኣየጋንን። ግን ብውሑዱ ንሓደ ሰብ ሓደን ፈረቓን ጠበንጃ ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ንምንታይ’ያ ኤርትራ ጠበንጃ ትሰድድ? ሓሰን ጣህር ኣብዚ ምንባሩ። ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ፣ ካብዚ ከኣ ጠቕሊሉ ከይዱ፣ ከመይ ገይሩ ከይዱ። በየን ከይዱ ንዝኾነ ሰብ ስውር ኣይኮነን፣ ኣብዚ ከሎ ይኹን ኣብቲ ዝኸዶ። ክራኸብዎ ለይትን መዓልትን’ዮም ቆጸራታት ዝገብሩሉ ነይሮም፣ ኤርትራ ተሓቢኣ ትገብሮ ነገር የብላን፣ “ከምዚ ትገብር ኣላ። ንሕና ዝገበርናዮ ትዘርጎ ኣላ” ዝበሃል ድኣ ስለምንታይ? ገለ ካብዞም ሕጂ መንግስቲ ኢሎም ኣምጺኦሞም ዘለው እኮ። ኣብ 2006 ኣብኡ ዝነበሩ እዮም፣ ንዓታቶም ዘይኮኑን ብሓይሊ ብወራር ካብ ሞቓድሾ ኣውጺኦሞም፣ ሕጂ ኸኣ መሊሶሞም፣ ከምዚ ዓይነት ጸወታ ንመን የገልግል? ሕጂ ነወርኻ ክትሽፍን። ኣጻብዕትኻ ናብ ኤርትራ ዊጥ እንተበልካ። መን ክኣምነካ

ኤርትራ ከምዚ ትገብር እናተባህለ። ክሳብ ናብ ባይቶ ጸጥታን ዝተላእከ ጸብጻባት ኣሎ፣ ሃየ እስከ ኣምጽኡልና እቲ ጭብጢታት እንተበልካ። ዋላሓንቲ፣ እስከ እንታይ ኢኹም ጌርኩም። ናይ ቴሌፎን ርክባት ተኸታቲልኩም? እስከ ናይ ብሓቂ እንተኾይኑ እቲ ናይ ቴለፎን ርክባት ኣምጽእዎ ተባሂሉ፣ ዋላሓንቲ ጭብጢ የብሎምን፣ ሰብ ኣይፈልጥን እዩ። ክሓትት’ውን ኣይክእልን እዩ’ሞ። ብሓሶት ከነድንቁሮ’ዩ እቲ ዕላማ፣ ናይ ምምሕዳር ኣመሪካ ፖሊሲ’ዩ ክብል’ውን ኣይደፍርን፣ እቶም ከምኡ ዝብሉ ዘለው ውልቀ ሰባት። በዓል መን ምዃኖም ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና፣ ኣብ ኣመሪካ ኣንጻርና ዝተኸትበ ሎቢታት ኣሎ፣ ብቐጥታ ዝተዓሰበ ይኹን ብተዘዋዋሪ፣ ሚልዮናት ገንዘባት ዝኽፈሎ፣ እዚ ሎቢታት’ዚ። ብዘይካ ከምዚ ዝዓይነቱ ጭብጢ ዘይብሉ ወረታት ምንዛሕ። ዘየለ ነገር ከም ዘሎ ኣምሲልካ ምድንጋር ካልእ ስራሕ የብሉን፣ ካብ ስሪ መዓቶም የውጽአና ጥራይ’ዩ ዝበሃል፣ ኣእምሮኦም ዝተመዛበሎም ሰባት ስለዝኾኑ፣ ነቲ ምምሕዳር። ይውክስዎ’ዮም ኢልና እውን ስለዘይንኣምን ብዙሕ ትርጉም ንህቦ ኣይኮነን፣ ሓቂ’ዩ። እቲ ሓሶታት ንዘይፈልጥ ከደናግር ስለዝኽእል። በብዝመጾ ከነንፍሶ ንፍትን ኢና፣ ከቋርጽ’ዩ ዝብል እምነት ግን የብለይን፣

እቲ ኣስማት ገዲፍና። ከምዚ ዓይነት መገዲ የዋጻጽእ ድዩ? እንተድኣ ናይ ብሓቂ። ባይታ ዘለዎ መንግስቲ ኮይኑ። ስለምንታይ ናይ ሞቓድሾ መንግስቲ ጥራይ ይኸውን? ስለምንታይ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም የጽልልዎ? ናይ ኡጋንዳን ናይ ብሩንዲን ዓቃብ ሰላም ዝሕልውዎ መንግስቲ። መንግስቲ ክብሃል ይክኣል ድዩ? ብኽመዚ ዓይነት መገዲ መንግስቲ ኮፍ ከተብል ትኽእል ዲኻ? ንምንታይ ኢኻ ነቲ ህዝቢ ኣብ ጸገም ተእትዎ? እንታይ’ዩ ናብዚ ጸገም’ዚ ዝድርኽ ምኽንያት? እዚ ታህዋኽ’ዚ ስለምንታይ? ሓደ “ኣነ ኣስላማይ’የ። ሸሪዓ ከእቱ’የ” እንተድኣ ኢሉ። እቲ ካልእ’ውን ሸሪዓ ከእቱ እየ እንተድኣ ኢሉ። እቲ ናይ ፖለቲካ ፍልልይ ንገዛእ ርእሱ ኣበይ ኣሎ? ናይ ስነሓሳብ ፍልልይ ኣሎ ማለት ድዩ? ባዕልኻ። ባህ ብዝበለካ መገዲ። እዚ ልዙብ (ሞደረይት) እዩ። እዚ ከኣ ጥሩፍ (ራሪዲካል) እዩ እናበልካ እትፈጥሮ ፍልልያት። እንታይ’ዩ ፖለቲካዊ መርትዖኡ? እቲ መርትዖ ቀቢላዊ ኣቃውማታት እንተድኣ ኮይኑ’ኸ። ሓደ ካብቲ ሓደ ይሓይሽ’ዩ ክትብል ትኽእል ዲኻ? ንዕኡ ዘንጸባርቕ ኩነታት ዲኻ ተምጽእ ዘለኻ? እቲ ጸገም። ይስርር ድዩ ኣይሰርርን ኣይኮነን፣ ክሰርርን ከይስረርን። ኣመጻጽእኡን ንኣመጻጽኡ ዘመኽነየ ፖለቲካን እዩ ዝውስኖ፣

ኣለዎ፣ እቲ ምትዕርራይ ከኣ መኺሩ። ተማኺሩ ክገብሮ ክኽእል ኣለዎ፣ ኣመሪካ ተራ ክህልዋ የብሉን። ኢልካ ክትዛረብ ኣይክኣልን፣ ሓቂ’ዩ ኣብ ሓጺር ግዜ። ኣብ ሓደ ረፍዲ ኩሉ’ቲ ሽግር ክፍታሕ ኢዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን፣ ግን ቀስ ኢልካ ብዘይ ታህዋኽ ሃዲእካ እናተመኻኸርካ ናብቲ ዝድለ ሸቶ ምብጻሕ ምተኻእለ፣ ካብኡ ብዝተረፈ ነዚ ሕጂ። መዓልቲ መዓልቲ። ስዓት ስዓት ዝወጽእ መግለጺታት ተኸታቲልካ ክትጭብጦ ትኽእል ነገር የለን፣

* ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን። ብሕጋዊ መንገዲ ተወዲኡ’ዩ ኢኻ ትብል፣ እንተተወዲኡ ምስ ኢትዮጵያ ንኽልተኣዊ ረብሓን ምዕባለን ብሓባር ምስራሕ ዘይክኣለሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ? ፕረዚደንት።- መስኮት ሰቢርካ። ማዕጾ ሰቢርካ። ገዛ እንዳማትካ ኣቲኻ። ዝጸንሐ ኣቕሑ ግልብጥብ ኣቢልካ። ሰብ ኣበሳቢስካ። ድሕሪኡ ኣብኡ ኮፍ ኢልካ ሰላም ንግበር ክበሃል ኣይከኣልን፣ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኲናት ተኻይዱ። እቲ ናይ ወራር ውጥን ፈሺሉ። ድሕሪኡ ዳናዪ ኮምሽን ቈይሙ። ኣብ 2002 ውሳነ ሂቡ ከብቅዕ ገና እቲ ነገር መዕለቢኡ ኣይተፈልጠን

ናብ 9ይ ገጽ ይቕጽል

ብረት ኣብ ዝተዛሕዛሓሉ ሶማል ኤርትራ ኣጽዋር ልኢኻ ምባል ዘስደምም’ዩ

ሓዳስ

9

ኤርትራ 16 ሰነ 2009 ካብ 8ይ ገጽ ዝቐጸለ

ኢልካ ምዝራብ በየናይ ስነ-ሞጎት ክምኽነ ይኽእል? እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ በጺሑ ውሳነ ተዋሂብዎ።

“ርግኣትን ስኒትን ዝፈጥር . . . ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ

ዝጠፍኡ ወይ ኣብ ምድረበዳ ይኹን ኣብ ቀላይ ዝጠሓሉ። እቶም ኣብቲ ምድረ-ገነት ዝተባህለ ቦታ ዝበጽሑ። ካብዚኣ ከበግስዎም እንከለው እንታይ ኢሎሞም? እንታይ ዓይነት ጸገማት ሰጊሮም ኣብኡ በጺሖም? ይፈልጡ

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ክምለስ ናይ ወያነ ዓመጽ ክእረም ኣለዎ ተወዲኡ ኣብቂዑ እዩ፣ ድሕሪኡ መንግስቲ ወያነ ነቲ ብሕጊ ዋንነቱ ናይ ኤርትራ ምዃኑ ዝተወሰነ መሬት ሒዙ እንታይ’ዩ ዝረብሕ? ወረ እንታይ’ዩ ደልዩ? እንታይ ክገብር ስለዝሓሰበ’ዩ? ኣብ መንጐ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘይዓርፍ ጽልኢን ደምን ክተክል ስለዝደለየ ድዩ? ከምኡ ይሓስብ እንተሎ። እዚ ዘይሕለም ነገር’ዩ፣ ንግዜኡ ምናልባት ልቢ ሰብ ዘሰንብር ነገራት ምግባር ይከአል ይኸውን፣ ናይ ደገ ዘራይ ስለዝረኸብካ ግዜ ክትዕድግ ትኽእል ትኸውን፣ ግን ንዘለኣለም ከምኡ ኢልካ ክትንብር ዝከኣል ኣይኮነን፣ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ክምለስ እምበኣር። ብዘይካ ነቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተታሕዘ መሬት ምልቃቕ ካልእ ዝኾነ ይኹን ዝሕተት ቅድመ-ኩነት የለን፣ ኣብ 1998 ምናልባት እውን ድሓን ክሳብ 2002። እቲ ጉዳይ ስለዘይተጻረየ ከተማኸንየሉ ትኽእል ትኸውን፣ ድሕሪ ውሳነ ግን ስለምንታይ? ብግዜን ዕድልን ክልቲኦም ህዝብታት ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ምፍጣር። በየናይ ሞጎት ክምኽነ

ዘለዎ ብምዃኑ። ምስ ምረቱ። ነቲ ሓቂ እናፈለጠ። ዓቕሊ ገይሩ ነቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገማት ንግዜኡ ተጻዊርዎ ይኸይድ ኣሎ፣ ተቐቢልዎ ወይ ከም ንቡር ወሲድዎ’ዩ ግን ኣይኮነን፣ ክሳብ መዓስ እዩ ከምዚ’ሉ ክቕጽል ንዝብል ሕቶ ግን። እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ዝምልስዎ እዩ፣ ክሳብ መዓስ ኢኹም እቲ መሬት ሒዝኩምዎ ኮፍ ክትብሉ? ከመይ ገይርኩም? ብኸመይ ኢኹም ተመኻንይሉ ዘለኹም? ከምኡ’ኸ የዋጽኣኩም ድዩ?” ተባሂሎም ክሕተቱ ዘለዎም ንሶም እዮም፣

* ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሃገራዊ ወፍሪ እጃሞም ከበርክቱ ድሕሪ ምጽናሕ። ደጊም ይኣኽአና። ብዛዕባ ውልቃዊ ናብራና ክንሓስብ ዝብሉ ዘለው ይመስሉ፣ ነብሶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ኣጸምእ በረኻታት ሰንጢቖም ንስደት ከምርሑ ዝድርኾም ዘሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ፕረዚደንት።- ናይ ማ.ወ.ሰ. ሽርሒ እዩ፣ ማ.ወ.ስ ኢና ንብሎ ንሕና። ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ወይ ሲ.ኣይ.ኤይ

እዩ፣ እቲ ስራሕ ብዝተፈላለየ ስውር ኣእዳው ክስራሕ ጸኒሑ ኣሎ፣ ኣብቲ ፈለማ እቲ ጸገም’ዚ ካበይ ይመጽእ ከምዘሎ ንምርድኡ ዘሸግር ነይሩ ይኸውን፣ ሕጂ ግን ዳርጋ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ጉዳይ ኢዩ፣ ካብ ገዛ ናብ ገዛ። ካብ ስድራ ናብ ስድራ መን’ዩ ቴሌፎን ዝድውል? መን’ዩ ድሕሪኡ ዘሳልጠሉ? እቲ ዝሃድም ወይ ክሃድም ዝደሊ’ኸ በየን ገይሩ ኢዩ ዝኸይድ። ናይ ብዙሓት ተመኩሮ ዝተራእየሉ ስለዝኾነ። እቲ መርበብ ኣዝዩ ዝተነጸረ እዩ፣ ስለምንታይ እዩ ግን ማወስ ከምኡ ዝገብር ዘሎ? ንዓና ኣይገርመናን ኢዩ፣ እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ምስቲ ኣቐዲምካ ዝቐረብካዮ ናይ ዶብ ሕቶ’ውን ምትእስሳር ዘለዎ’ዩ፣ ዶብ ክፍታሕ ዘይተደልየሉ ምኽንያት። ወያነ ስለዘይደለዮ ኣይኮነን፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም እቲ ናይ ዶብ ሽግር ከይተፈትሐ ንዘይተወሰነ ግዜ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል እዮም ዝደልዩ፣ ኣብ ወጥሪ ተንጠልጢልና ክንነብር ሓደ ካብ መደባቶም ኢዩ፣ እቲ ዕላማ ንሱ ኮይኑ። እቲ ዘምጽእዎ መመኽነይታ። “መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ መንእሰይ

ምዃን ኣብዩዎም፣ ዋላ እቶም ካብዚ ዝኸዱ ኣብቲ መጻወድያ ኣይኣተውን፣ መንበሪ ወረቐት ንምርካብ። መንግስቲ ስለዘጋፍዓና። ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝነውሓና ይብሉ ይኾኑ፣ ኣብቲ ዝደልዩዎ ዓዲ ምስ በጽሑ ግን። እንታይ ድኣ ወሪዱካ’ታ ከምዚ ትብል? ምስ ዝበሃሉ። ከምኡ በል ስለዝበሉኒ እየ። ግን ድሓን ኣይግድሸን ኢዩ ኣብዚ በጺሐ ኣለኹ፣ ሕጂ ጥራይ ንስድራይ ከምዚ ክገብረሎም ኢሉ። ሰሰሪሑ ገንዘብ ንስድራኡ ዝመልስ እንተዘይኮይኑ ኣብተን ክፈጥረወን ዝሓለሙ ተቓወምቲ ውደባት ዝኣቱ የለን፣ እቲ ውጥኖም በርዒኑ እዩ፣ ይኹን’ምበር እዚ ብምትላል ዝፍጸም ዘሎ ጌጋታትን ኣብ ሃገር ዘውርዶ ዘሎ ሃስያን ካብቲ ብቐዳምነት መአረምታ ክግበረሉ ዘለዎ ነገራት’ዩ፣

* ነቶም መንእሰያት ግን ብኸመይ ከተረድኦም ትኽእል? ፕረዚደንት።- መንእሰይ ኩሉ ሳዕ ህንጡይነት ኣለዎ፣ ባህሪኡ’ዩ፣ ነቲ ባህርይ’ቲ ብምምዝማዝ ድማ’ዩ እቲ

እዮም፣ ኣብቲ ዝተመነይዎ ቦታ ምስ በጽሑ። እቲ ዝርኣይዎ ገነት ድዩ ኣይገነትን ባዕሎም ይርእዩዎ ኣለው፣ ኣብዚ ዘሎ ስድራቤቶም እውን። ደቆም ኣብኡ ምስበጽሑ ነቲ ጸገም ይፈልጥዎ ኣለው፣ ኢሂ’ታ ከመይ ኣሎ ዓዲ? ክብልዎም ከለው። “ኣብ ካምቦ ናይ ስደተኛታት ኣእትዮምና ኣለዉ? ኣብ ሽሓኒ ጌሮም እዝን እዝን ቆሪሶም ይህቡና። ንዕአን ንበልዕ ኣለና፣ ስራሕ ኣይረኸብካን ዲኻ? ኣይረኸብናን ስራሕ ድኣ ገና፣ ግን ወረቓቕቲ ከነሳልጠልኩም ይብሉና ኣለዉ” እዮም ዝብልዎም፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ላግጺን በደልን ተራእዩ’ውን ኣይፈልጥን፣ እቲ ዘገርም ነገር። እቲ መርበብ ብቐንዱ ንኤርትራውያን ኢሎም ስለዝወደብዎ። ነቲ ሓለፋ (ፕሪቪለጅ) ንምርካብ። ካብ ሶማል ዝኸደ “ኤርትራዊ’የ” ይብል፣ ኢትዮጵያዊ። ብሱዳን ጌሩ ንሊብያ። ግብጺ ወይ እስራኤል ክኣቱ እንተደልዩ። “ኣነ ኤርትራዊ ኢየ” ኢሉ’ዩ ዝምዝገብ፣ ኣብቲ ዝብጻሕ ምስበጽሑ’ውን ወረቐት ክረኽቡ “ኤርትራውያን ኢና” ኢሎም ይምዝገቡ፣ ንምንታይ’ዩ

ማ.ወ.ስ /CIA/ ንግዲ ደቂ ኣዳም ዘሳልጥ መርበባት ፈጢሩ ንኤርትራ ንምድኻም ይሰርሕ ኣሎ ይኽእል? በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ግዜን ዕድላትን ክሳራ መን’ዩ ተሓታቲ? ድሕሪ ውሳነን ፍርዲን እኮ ኮፍ ኢልና ንዛራረብ ዝበሃል ነገር የለን፣ ነቲ ዝተዋህበ ውሳነ ምኽባር ጥራይ’ዩ፣ ስለዚ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዝምድና ናብ መስመሩ ክምለስ። ቅድም እዚ ዓመጽ’ዚ ክእረም ክኽእል ኣለዎ፣ ሓድሽ ንዛረበሉ ዘሎና ኣርእስቲ ኣይኮነን፣ ተደጋጊሙ ዝተዘርበሉን ኩሉ ዓለም ዝፈልጦን እዩ፣ ብሕጊ ኣብ ዝተወድአን ዝረግአን ጉዳይ። ገለ እንተተመሰለለይ ኢልካ ግዜ ንምዕዳግ ዝግበር ህቀናታት። ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ህዝብታት ዝፍጥሮ ዘሎ ሃስያ ቀሊል ኣይኮነን፣ እቲ ዝተኸስረ ግዜ ብዙሕ መፍረናሉ፣ ተሳኒና ከልእ ነገር ክንገብር ምኽኣልና፣ ክልቴና ድማ ምረባሕና፣ ነዚ ዞባ’ውን ብዙሕ ዕድላትን ረብሓታትን ከምጽኣሉ ምኸኣለ፣ ግን ዘራጊ ማይ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ዝብል ምስላ ኣሎ፣ እንተኾነ። ዝተዘርገ ማይ ንሓዋሩ ተዘሪጉ ኣይተርፍን እዩ፣ ኣብ መዓልቱ እቲ ምዝራግ ኣብቂዑ። ክልቲኦም ህዝብታት ጽሩይ ማይ ንምስታይ ዝበቕዕሉ ግዜ ክመጽእ እዩ፣

* ከምቲ ዝበልካዮ። እቲ ሃስያ ቀሊል ኣይኮነን፣ ዝያዳ ኹሉ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ ድማ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ክልል ትግራይን ኢዩ፣ እዚ ዝሑል ኩናት ዝመስል ኩነታት ክሳብ መዓስ’ዩ ክቕጽል? ከም ጉዳይ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ኮይኑ ድዩ ክነብር? ፕረዚደንት።- ኣነ ምስዚ ትብሎ ዘለኻ ናይ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ጸገም ከመጣጥኖ ኣይደልን፣ ምስኡ ዝመሳሰል’ውን ኣይኮነን፣ ንጃህራ ከይመስል እምበር ካብኦም ንሕና ዝያዳ ንሰልጥን፣ ክልቲኡ ህዝብታት። ንዘመናት ዝጸንሐ ስልጡን ባህሊ

ማለት እዩ፣ ንሱ ዝውድቦ ዘሎ እዩ፣ ዕላማኡ ኣብዛ ዓዲ ቅሳነት ከምዘየለ ንምምሳል እዩ፣ ዓቕሚ መንእሰያት ናይ’ዛ ሃገር መጺኻ ንምጽንቃቕ። ናይ ውሽጢ ሸቐልቀል ንምፍጣር። ኣብ ደገ ገነት ኣሎ። ከነሳልጠልኩም እናተባህለ ዝፍጸም ዘሎ ሽርሒ’ዩ፣ ኣብ የመን። ስዑድያ። ጁቡቲ። ኢትዮጵያ። ሱዳን ኪንዮኡ’ውን ኣብ ሊብያ። ግብጺ። እስራኤል። ዓዲ-ጥልያን። ዓዲ-እንግሊዝ ተዘርጊሑ ዘሎ ንስደት ዘሳልጥ መርበብ ካብ ዝኾነ ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን፣ ነዚ መርበብ’ዚ መን’ዩ ዘማሓድሮ ዘሎ? ብውልቀ-ሰባት ከይተረፈ ደቂቕ ዝርዝራቱ ንፈልጦ ኢና፣ ሓደ ሰብ ካብዚኣ ተበጊሱ። ዶብ ክበጽሕ። መን’ዩ ዝቕበሎ? ካብኡ ተቐቢሉ’ኸ መን’ዩ ዘሳልጠሉ። ንመሳለጢ ዝኽፈል ገንዘብ ብኸመይ መገዲ’ዩ ዝሰጋገር? መን’ዩ ወረቐት ናይ መጋየሺ ዘውጽእ? ብኸመይ መገዲ? ንፈልጦ ኢና፣ ኣብዚ ናይ ኮንትሮባንድ ዕዳጋ’ዚ ኣትዮም። ኣብ ዓዓዱ ኮፍ ኢሎም ሚልዮናት ገንዘብ ዝእክቡ። ነዚ ዕማም’ዚ። ከም ዓቢ ንግዳዊ ስራሕ ዝወሰድዎ ኣለው፣ ክሳብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ወኪላት ወይ ኤጀንሲስ ዝበሃሉ። ኣብ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ ሰባት ከይተረፈ ተኸቲቦም። ነዚ ስራሕ’ዚ ኣብ ምስላጥ ዝሳተፉ ኣለው፣ ገዚፍ መርበብ እዮ፣ ነዚ ሃገር’ዚ ንምድኻም ክካየድ ዝጸንሐ ዝተወደበ ስትራተጂ ድማ እዩ፣ እቲ ዋና ነገር ግን ኤርትራዊ ኣብ ዝኸደ ከይዱ። ፍቕሩን ሓልዮቱን ንሃገሩን ሰቡን ዝድርቢ ኣይኮነን፣ ሓደ ክልተ ድርባይ ኣይሰኣንን ይኸውን፣ ንቡር እዩ ከኣ፣ ኣብ ዝኾነ ሃገርን ሕብረተሰብን ዘሎ እዩ፣ ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር። እዚ ንግዲ ደቂ ኣዳም (ሂዩማን ትራፊኪንግ) ሕጋዊ ኣይኮነን፣ ኣንጻር መሰል ወዲ-ሰብ እዩ፣ ክንዲ’ዚ ዝኣከል ሰፊሕ መርበብ ወዲብካ። ብሰባት ክትነግድ ኣዝዩ ዘሕዝን

ቀርቂሩ ሒዙዎ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ወዲኦም ክንዲ ናብ መነባብሮኦም ዝኸዱ ከልኪሉዎም” ዝዓይነቱ እዩ፣ እቲ ባዕላቶም ዝፈጠርዎ ወጥሪ ክሳብ ኣብ ምዕራፉ ዝበጽሕ። ኣብዛ ሃገር ዘሎ መንእሰይ ንሃገሩ ክሕልዋ ግቡኡ ኢዩ፣ ጭቡጥ ስግኣታት ክሳብ ዘሎ ብዘይካ ዓቕምኻ ኣሐይልካ ነቲ ስግኣት ከተወግድ ምስራሕ ካልእ ኣማራጺ የለን፣ ይትረፍ ኤርትራ ንእሽቶ ሃገር። እተን ሓያላት ዝብሃላ’ውን ዓቕመን ከሐይላ። ዓቕመን ከሰስና። መዓልቲ መዓልቲ ዝሰርሓሉ ጉዳይ እዩ፣ ቢልዮናት ዶላራት ዝፈሰሰሉ። ናይ ምኽልኻል። ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ትካላት ኣብ ኩሉ ሃገር ዘሎ እዩ፣ ንሕና ክሳብ ክንድኡ ዓቕሚ ዋላ እንተዘይብልና። በቲ ዓቕምና ድሕነት ሃገር ንምርግጋጽ ክንሰርሕ ግቡእ እዩ፣ ግቡእ ስለዝኾነ ድማ። ጽባሕ ንግሆ ሕማቕ ኣሎ። ጽቡቕ ኣሎ። ተጠንቂቕና ክንጸንሕ ኣለና ኢልና። ካብ ቕድሚ 15 ዓመታት ጀሚርና ዝኣወጅናዮን ክንግልገለሉ ዝጸናሕናን ድሕነት ዘውሕስ ሓደ መገዲ። ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ፣ ቀልጢፍና ከምዘይንገላለሉ ዝገብር ወጥሪ እናሃለወ ድማ። ሰብ ገገዛኻ ኮፍ በል ክብሃል ኣይክኣልን፣ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ናይ’ዛ ሃገር ሓላፍነት ኣለዎ፣ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ። ኣብ ደገ ዘሎ እውን፣ እዚ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ እዩ፣ እንተ’ቲ ብማ.ወ.ስ. እናተመሓደረ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝወርድ ዘሎ ሃስያ ግን ኣነ ብስቓይ ናይ ሰባት ምድሳት (ሳዲዝም) ጥራይ ኢየ ዝብሎ፣ ሕማም ናይ’ዞም ሰባት እዚኣቶም ድማ ኢዩ፣ ምናልባት ዶኾን። ካብዚ ሃገር መንእሰይ ኣህድምካ ኣህዲምካ ኣብ ደገ ብምእካብ። ተቐዋሚ ውድብ ምፍጣር ይከኣል ይኸውን ዝብል ሓሳብ ስለዝነበሮም ክፈታትኑ ጸኒሖም፣ ፈቲኖም። ፈቲኖም ግን

ሽርሒ ዝፍጸም ዘሎ፣ ኣብ ደገ ከምዚ ክግበር ይከኣል እዩ። ገንዘብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብክረዲት ካርድ ክትሕሽሽ። ገዛ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ እናበልካ ዘይኮነ ዘረባ ከተናፍስ ከለኻ እቲ መንእሰይ ክፍትኖ ይደሊ እዩ፣ ገሊኡ እኮ ብየዋህነት። ኣብ ደገ ሰሪሕስ እዛ ተኾርምያ ዘላ ኣደይ ገለ ዶኾን ምሰደድኩላ ኢሉ ዝኸይድ እዩ፣ እቲ ዝምዝመዝ ዘሎ ጸገም እኮ ርዱእ’ዩ፣ ክጥዕመኒ ኢሉ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ግን ሓደ መንእሰይ በዚ ዘይኮነ ወረታት ተታሊሉ ክኸይድ እንከሎ ብቐዳምነት ሃገራዊ ግቡእ ይሰብር ኣሎ፣ ብኻልኣይ ድማ ኣብኣ ምስከደ ባዕሉ ክፍትና ኢዩ፣ ኣብ ዘይፈልጦ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ካብ ክትነግሮ ከለኻ። ምስፈተኖ እዩ ዝያዳ’ቲ ሓቂ ዝርድኦ፣ ነቲ ሓቂ ምስተረድአ ድማ ውዒሉ ሓዲሩ ዓዱ ክገድፍ ኣይኮነን፣ ክምለስ ኢዩ፣ ብዘበለ ኣቢሉስ ክምለስ እዩ፣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ እቲ ሰፊሕ መርበብ ብምዝርጋሕ። ብዓለም ደረጃ ዝፍጸም ዘሎ ገበን እዩ ኣብ ጸገም ዘእትዎ ዘሎ፣ ንሕና ብወገንና ነቲ ዘይኮነ ዘረባታት እናናፈስካ ዝካየድ ሽርሒ። ክንምክቶ። ክንቆጻጸሮ ንፍትን ኢና፣ ብሕጊን ሕልናን ዘይቅቡል ስለዝኾነ፣ እቲ ንሕና ንዕኡ ንምግታእ ኢልና እንገብሮ ግን ምስ ስፍሓት ናይቲ ሽርሒ ኣዝዩ ድሩት ኢዩ፣ ነዚ ኹሉ ተዋዲዱ ዘሎ መርበብ ዝምክት ዓቕሚ ኣሎና። ክንዓግቶ ንኽእል ኢና ኢልና ክንጅሃር ኣይንኽእልን፣ ዘይሕጋውነት ናይዚ ተግባር’ዚ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ ግን። እቶም ዝኸዱ ዜጋታትና ስለዝኾኑ ብዛዕባ መጻኢ ዕድሎም ክንሓስብ ግድን እዩ፣ እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ንፈልጦ ኢና፣ ኩሉ ሰብ እውን እናፈለጦ ይመጽእ ኣሎ፣ እቶም ዝኸዱ መንእሰያት ብዘይካ እቶም ኣብ መገዲ

እዚ መርበብ’ዚ ንኻልኦት ዜጋታት ዕድል ዘይህብ። ንኤርትራውያን መንእሰያት ጥራይ መንበሪ ከውጽኡን ክስደዱን ሓለፋ ዝህብ? ኣይገርመናን እዩ፣ መወዳእታ ግን እቶም ከምኡ ዝገብሩ ዘለው ዜይሮም ዜይሮም ንፋስ እዮም ዝጭብጡ ዘለው፣ ዝረብሕሉ የብሎምን፣ ንሕና እቲ ተግባር ባህ ኣይብለናን፣ ኣይንፈትዎን። ክንእርሞ’ውን ምደለና፣ ግን ምስ ኮነ እውን እንተኾነ ኣብ መወዳእታ እቲ ዘይትስከፈሉ ጉዳይ። ኤርትራዊ ኣብ ዝኸደ ከይዱ ተደርብዩ ኣይነበርን ኢዩ፣ ዓዱን ቤተሰቡን ክሒዱ ኣይነብርን’ዩ፣ ግዜ ይነውሕ’ምበር ኣብ ቦታኡ ምምላሱ ከምዘይተርፎ ስለንፈልጥ ንቐስነሉ ጉዳይ እዩ፣ እቲ ገበን ግን ቀሊል ኣይኮነን፣

* ክቡር ፕረዚደንት። ኤርትራ ደሞክራሲን ናጻ ፕረስን ዘይብላ ሃገር ተባሂላ ብተዳጋጋሚ ትኽሰስ እያ፣ ነዚ ንምቕያር ዝተሓስበ ነገር ኣሎ’ዶ? ንምዃኑ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣብ ኤርትራ ምውጻእ እንታይ ጉድኣት ኣለዎ? ፕረዚደንት።- ንደሞክራሲ ከመይ ትርድኦ እዩ’ቲ ጉዳይ፣ እዞም ንብሎም ዘሎና ሰብ ጸቢብ ረብሓ ብዛዕባ ደሞክራሲ ዘለዎም መረዳእታን ናትና ደሞክራሲን ነንበይኑ እዩ፣ ናቶም ደሞክራሲ። ብወገነይ ዘርጊ እየ ዝብሎ፣ እቲ ንሳቶም ደሞክራሲ ዝብልዎ። ኣብ ባህሊ ምዕብላልን ምግባትን ዝሰረተ’ዩ፣ ክትዕብልል ክትቈጻጸር እንተዄንካ። ሕብረተሰብ ክትከፋፍል። ኣሕዋት ንሓድሕዶም ከተናቚት። ንህዝቢ ብሃይማኖት ብብሄር ዝተፈላለየ ጸቢብ ወገናውነት ከተተፋንኖም ኣሎካ፣ ብጉልባብ ደሞክራሲ፣ ዕላማ ናይቲ

ናብ 10ይ ገጽ ይቕጽል

ቅሳነትን ርግኣትን ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ዝፈጥር ደሞክራሲ ኢና እንኣምን

ሓዳስ

10

ኤርትራ 16 ሰነ 2009 ካብ 9ይ ገጽ ዝቐጸለ

ከተኣታትውዎ ዝድልዩ ዓይነት ደሞክራሲ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣፍሪቃ ብግብሪ ዝተራእየ እዩ፣ ንምብትታን ህዝብታት ደሞክራሲ’ዩ ዝብሎ ሰብ እንታይ ክትብሎ ትኽእል? በቲ ናይቶም ኣቀራርባ። ኣብ ሓደ ሃገር ሚእቲ ቀቢላታት እንተድኣ ኣለዋ። ሚእቲ ሰልፍታት ክህልዋ ክኽእላ ኣለወን፣ ንሕብረተሰብ ብዓምዳዊ መገዲ (vertically) መቓቒልካ ምትፍናን ምፍጣር polarize ምግባር ንዓታቶም ደሞክራሲ’ዩ፣ ከምኡ ዝዓይነቱ ደሞክራሲ። ዘርጊ ጥራይ እዩ፣ ናትና ድሌት። ኣብ ኩሉ’ዚ ጎዶቦና ዘሎ ህዝብታት ይኹን ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዝነብር ህዝቢ። ብዓሌት ብብሄር። ሃይማኖትን ካልእን ከይተፈላለየ። ከመይ’ሉ ቀስ ብቐስ ነቲ ማሕበራዊ ምዕበለ (transformation) እንብሎ ይፈጥር እዩ፣ እዚ ድማ በቲ ንሳቶም ዝደልዩዎ ደሞክራሲ ክመጽእ ዝኽእል ኣይኮነን፣ ብታሪኽ ዝጸንሐ ይኹን ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ባህርያዊ ፍልልያት ምስ ግዜ እናጸበበ ከምዝኸይድ ብምግባር ኣብ ክንዲ ምክፍፋል ስኒትን ውህደትን ንምፍጣር ክትጽዕር እዩ ዝሓይሽ፣ ረብሓታት ናይ ምስናይ ጉዳይ እውን ኣሎ፣ ኣብ ሕብረተሰብ ነንበይኑ ረብሓታት ዘለዎም ሰባት ኣለው፣ ብሓደ ዶላር ንመዓልቲ ዝነብሩ ኣለው፣ ዓሰርተ ሽሕ ዶላር ዝሕሽሹ እውን ኣይሰኣኑን፣ እዚ ጋግ’ዚ እናጸበበ ክኸይድ ምእንቲ

“ርግኣትን ስኒትን ዝፈጥር . . . ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ

ክወሃበካ ኣይግባእን’ዩ፣ እዚ እዩ’ቲ ፍልልይ፣ ሰበስልጣን ናይ ዝሓለፈ ምምሕዳር ቡሽ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ደሞክራሲ ከነምጽእ ኢና ኢሎም ተበጊሶም። ሳዕቤናቱ ንርእዮ ኣሎና፣

ናቶምን ፍልስፍና በበይኑ ስለዝኾነ። በብቋንቋና ኢና ንኸይድ፣ ንሳቶም ዘዋጽኦም እንተኾይኑ ብኡ ይኺዱ፣ ብግብሪ ግን ዘዋጽእ ኣይመስለንን፣ እዚ። ኣብ ዓለምና ተፈጢሩ ዘሎ ህውከትን ነውጺን። ሳዕቤን ናቶም ፍልስፍና

ሓርነት እዩ፣ ኩሉ መዳያዊ ሓርነት፣ ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ሓራ ክኸውን ኣለዎ፣ ንሕና ንዕኡ ኢና ተቓሊስና፣ ኣነ ንነብሰይ ንምንታይ ተቓሊሰ። እዚ ኹሉ መስዋእቲ ከፊለ። ስለምንታይ ውልቃዊ ጉዳየይ ገዲፈ ኣብ ናይ

ደሞክራሲ ንገዛእ ርእሱ ዕላማ ኣይኮነን፣ ደሞክራሲ ህዝቢ መነባብሮኡ ምእንቲ ከመሓይሽ። ምቹእ ባይታ ዘጣጥሕ እዩ፣ ምዕሩይ ቁጠባዊ ዕድላትን መሰላትን ናይ ምፍጣር ኩነት እዩ፣ እንተድኣ ኣነ ካልኦት ፈጺሞም ክረኽብዎ ዘይክእሉ ዕድላት ዝረክብ ኮይነ። ኣብዚ ሃገር ማዕርነት ኣሎ ኢለ ጨዲረ። ሰቢኸ። ንዝኾነ ከእምን ኣይክእልን’የ፣ ስለዚ ቅድም ምዕሩይ ዕድላት ክረጋገጽ ክኽእል ኣለኒ፣ ነዚ ማዕርነት’ዚ ዘረጋግጽ ባህላዊ። ማሕበራዊ። ፖለቲካዊ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ፣ ደሞክራሲ ማለት ኣብ መወዳእታ ንሱ እዩ፣ ብዛዕባ ደሞክራሲ ምዝራብ ሓድሽ ኣይኮነን፣ ኣብቲ ጥንታዊ ታሪኽ ግሪኽ ከምዚ ይገብሩ ነይሮም ደሞክራሲ ማለት ከምዚ’ዩ ከምቲ’ዩ እናተባህለ ይዝረብ እዩ፣ እቲ ናይ ግሪኽ ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ምጽናዕ ዘድልዮ እዩ፣ ናይ ብሓቂ ክንዛረብ እንተዄንና ሽዑ ደሞክራሲ ዝበሃል ኣይነበረን፣ ሓቂ እዩ እቲ ስም ካብኡ’ዩ መጺኡ፣ እቲ ሽዑ ደሞክራሲ ዝብልዎ ዝነበሩ ግን ንዝበዝሕ ህዝቢ ዝውክል ኣይነበረን፣ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ዘይበዝሕ ህዝብታት ዝነበረን ገለ ዓድታትን ከተማታትን ህዝበን ተኣኪቡ ድምጺ ይህብ ነይሩ እንተተባህለ ደሞክራሲ ኣይኮነን፣ እቶም ዝበዝሑ ባሮት መሰል ዝበሃል ኣይነበሮምን፣ ደቀንስትዮ መሰል ኣይነበረንን፣ ወጻእተኛታት መሰል ኣይነበሮምን፣ ካብኡ ናብኡ ኣብ ማእከላይ ዘመን ወይ ቅድሚ ማእከላይ ዘመን

ደሞክራሲ ማዕርነት ኣብ ሕብረተሰብ ምፍጣር ማለት ኢዩ ምዕሩይን ዝተመጣጠነን ቁጠባዊ ምዕባለ ክትፈጥር ኣሎካ፣ እቲ ቁጠባዊ ምዕባለ መሊሱ ዝመቓቕል ክኸውን የብሉን፣ ነሓድሕድና ዘወሃህደና ክኽውን ክኽእል ኣለዎ፣ ነዚ ንምግባር ድማ። ናይ ምትፍናን ዘይኮነ። ስልጡን ናይ ምጽውዋር ደሞክራሲያዊ ባህሊ ክንፈጥር ኣሎና፣ ኣብ ክንዲ ነሓድሕድና ዘናቚት። ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዘእትወና ደሞክራሲ። ዘሳንየናን ዘወሃህደናን ፖለቲካዊ ባህሊ ክንኲስኲስ ኣሎና፣ ምኽንያቱ ዕላማና ኣብ መወዳእታ ማሕበራዊ ቅሳነትን ርግኣትን ምፍጣር እዩ፣ ርግኣትን ስኒትን ዘለዎ ፖለቲካዊ ባይታ (Environment) እዩ ዘድልየና፣ ቀቢላዊ። እንዳውን ብሄራውን ምትፍናንን ነውጺን ኣብ ዘለዎ ከባቢ ደሞክራሲ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ፣ ስለዚ ንሕናን ንሳቶምን ክልተ ቋንቋ ኢና ንዛረብ ዘሎና፣ ደሞክራሲ። ንዓታቶም ምንቛት ማለት እዩ፣ ብግብሪ ድማ ውጽኢቱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርአ ዘሎ እዩ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ኲናት ትፈጥር። ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገርን ህዝቢን ብዝተፈላለየ መልክዕ ምክፍፋል ግጭት ተሳውር፣ እቲ መመኽነይታ ደሞክራሲ እዩ፣ ነዚ ንሳቶም ደሞክራሲ ዝብልዎ ዕላማ ዘገልግል ናይ ቅርሕንቲን ጽልኢን ስብከት ኣብ ምስባኽ ዝነጥፍ። እቲ ንሳቶም ናጻ ፕረስ (Free Press) ዝብልዎ እዩ፣ ብናቶም ቋንቋ ናጻ ፕረስ ኣብ ሕብረሰባት ምንቛት ዝፈጥር ፕረስ እዩ፣ ብወገንና ንናጻ ፕረስ እንህቦ ትርጉም ዝተፈልየ እዩ፣ ፕረስ ኣብ መንጎ ህዝቢ ስኒት ዝፈጥር። ስልጡን ባህሊን ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባን ዝኹስኲስ ፖለቲካዊ ስራሕ ክኸውን ኣለዎ፣ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሓንቲ ስድራ-ቤት እውን እንተኾነ ነንበይኖም ኣረኣእያታት ክህልው ባህርያዊ እዩ፣ ስለዚ እቲ ዕላማ ነዚ ባህርያዊ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ምስናይ ክኸውን ኣለዎ፣ ኣይፋሉን ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዛ ሓዊ ከእቱ’የ እንተድኣ ኢሉ ሓደ። ሓዊ ከተእቱ መሰል የብልካን ክብሃል ክኽእል ኣለዎ፣ ንኣሕዋት ንሓደ ቤተሰብ ፋሕፋሕ ከተብል መሰል

ኩሉ ህዝቢ እኮ ነናቱ ታሪኽ። ነናቱ ስልጡን ባህልታት ዘለዎ’ዩ፣ ከመይ ጌሩ ይመሓደር ይፈልጥ’ዩ፣ ድሓር ከኣ ናይ ብሓቂ ደሞክራሲ ከተኣታትው እንተድኣ ደልዮም። ቅድም በቶም ዝያዳ ዝቐርብዎም ዘይጅምሩ፣ ኣብ ሞሮኮ ንጉሳዊ ስርዓት ኣሎ፣ ኣብ ዮርዳኖስ ንጉሳዊ ስርዓት ኣሎ፣ ንጉስ ዝበሃል ኣብ ዘለዎ ሃገር ወይ መንግስቲ ደሞክራሲ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን፣ ስለዚ እንታይ ኮይኖም። ቅድም ንዕኦም ኣረዲኦም ዘይቅይርዎም? ኣብ ገሊኡ ንንግስነት ክድግፉ ንርኢ፣ ሓንቲ ስድራቤት። ናይ ኩሉ ሃገር ሃብቲ ኣብ ጁባኣ ኣእትያ። ኣብ ስዊዘርላንድ ሕሳባት ከፊታ እንድሕር ትነብር ኣላ። እቲ ካልእ ህዝቢ ከመይሉ ደሞክራሲያዊ መሰል ኣለዎ ክትብል ትኽእል፣ እቲ ዘገርም ነዞም ስድራቤታት እዚኣቶም ዝሕልውዎም። እዞም ደሞክራሲ ከነስፍን ኢና ዝብሉ እዮም፣ ገንዘቦም ናብ ባንካታት ዘሰጋግሩሎም ንሳቶም እዮም፣ መማህራን ናይ ደሞክራሲ እንተኾይኖም። ንዕኦም ቅድም ክምህርዎም ምተገብአ፣ ኣብ መዋእለ ህጻናት ናይ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካ ቅድም ቀዳድም ክኣትው ዘለዎም ንሳቶም እዮም፣ ንሶም ሰልጢኖም ዲግሪ ሒዞም ክወጹ ምስተራእዩ። እቲ ካልእ እዋእ ሓቅኹም ክብል ምኸኣለ፣ ስለዚ ክልተ ቋንቋ ኢና ንዛረብ ዘሎና፣ እቲ ንሳቶም ደሞክራሲ። ናጻ ፕረስ ዝብልዎን ዝደልዩዎን ዓይነት ከምዚ ክብሎ ዝጸናሕኩ እዩ፣ ንሕና ነዚ ንሳቶም ዝብልዎን ዝደልዩዎን ደሞክራሲን ናጻ ፕረስን ኣብ’ዚ ዓዲ ከነእትዎ ኣይንደልን ኢና፣ በቲ ንሶም ዘውጽእዎ ሞዴል ጌርና ክንሰርሓሉ ኣይንደልን፣ ነዊሕን ጽንኩርን ጉዕዞ ተጓዒዝና። ክንደይ መስዋእቲ ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ሃገር እዩ፣ ንዓናን ጎደቦናን ዝጠቅም መገዲ ንፈልጥ ኢና፣ መምህር ድማ ኣየድልየናን እዩ፣ ንህዝብና ዝኸውን ክጠፍኣና ኣይክእልን፣ ልዕሌኹም ንህዝብኹም ይሓልየሉ እየ ዝብለና ሰብ እንተሎ። ክእመን ዝኽእል ኣይኮነን፣ ስለዚ ብዛዕባ ደሞክራስን ናጻ ፕረስን ናትናን

እዩ፣ እዚ ከይተኣረመ። ዝምልከቶም ህዝብታት’ውን ሓላፍነቶም ከየልዓሉ። ቅሳነት ክርከብ ዝኽእል ኣይኮነን፣ ሃገር ብሃገር ክንዛረብ ንኽእል ኢና፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል? ሓደ ብሓደ ክትገልጾ ዝከኣል እዩ፣ ብውጽኢት ደሞክራሲ እንተዝኣምኑ እውን ጽቡቕ ነይሩ፣ ርሑቕ ከይከድና ናይ ሓማስን ፈታሕን ከነምጽእ ንኽእል ኢና፣ ንፍልስጤማውያን ምርጫ ግበሩ ኢሎሞም፣ ምርጫ ጌሮም፣ ህዝቢ ከኣ ንሓማስ መሪጹ፣ ድሕሪኡ ንሓማስ ኣይንቕበሎን ክብሉ ተሰሚዖም፣ ዕላማ ናይቲ ምርጫ ድኣ እንታይ ድዩ? ህዝቢ ዝደልዮ ክመርጽ’ዶ ኣይኮነን? ፍልስፍናኻ ጽቡቕ ድዩ ኣይጽቡቕን ከተርኢ እኮ ብኣብነት ከተረጋግጾ ኣሎካ፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ንሓድሕዱ ዝዋቓዕ ኣብነታት እዩ ዘሎ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ምልኪ ዘይኮነ። ናይ ሸፋቱ (gungs) መንግስታት’ዩ ዘሎ፣ ብኩላት ስረቕቲ (corrupted) ካብ ኣፍ ህዝቦም እንጀራ እናመንጠሉ ዝነበሩ መንግስታት እዮም ደሞክራስያውያን ተባሂሎም ዝነበሩ ዘለው፣ ከምኣቶም ኩኑ። ህዝብኹም ብቐቢላ እንዳን ሃይማኖትን ፋሕፋሕ ኣብልዎ። ክብሉና ከመይ ጌርና ንቕበሎ፣ ንሕና ከምኡ ኣይኮናን፣ ህዝብና ሰልጡን ህዝቢ እዩ፣ ካባና ዝሰልጥን ህዝቢ የለን፣ ጃህራ ኣይኮነን፣ብባህሉ ብኣካያይዳኡ ብኣተሓሳስብኡ እዚ ህዝቢ’ዚ ስልጡን እዩ፣ እቲ ዘድልየና ዝያዳ ኻልእ ባዕልና ንፈልጦ ኢና፣ ኣብ ሽግር ዘእቱ ምኽንያት የብልናን፣ ካብ ናትኩም ጸገም። ካብ ጽልዋኹም የድሕነና። እናበልና መገድና ሒዝና ምኻድ ጥራይ’ዩ ዘዋጽኣና፣

* ክቡር ፕረዚደንት። ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ከይጸሓፍካ ወይ ብዛዕባኻ ሰብ መጽሓፍ ከይጸሓፈልካ እቲ ናትካ ስነ-ሓሳብ (ኣይዲዮሎጂ) ከመይ ጌርና ክንፈልጦ ዝብሉ ኣለው’ሞ እንታይ’ዩ መልስኻ? ፕረዚደንት።- ናተይ ስነሓሳብ ወይ ኣይዶሎጂ ቀሊል እዩ፣ መግለጺኡ

ሓባር ኣትየ ይፈልጥ እየ፣ እቶም ካልኦት ከምዚ ኸማይ እውን ኣብዚ ዓዲ’ዚ እንታይ ንምግባር ከምእተቓለሱ ይፈልጡ እዮም፣ እዛ ብሶላ (ኮምፓስ) እዚኣ ድማ’ያ ማእዝን ተትሕዘና፣ ኩሉ ፖለቲካዊ። ቁጠባዊ። ማሕበራዊ። ባህላዊን ካልእን ምዕባለ ነቲ ዝተቓለስናሉ ዕላማ ማለት ንህዝቢ ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ፣ ህዝብና ህይወቱ ብዓይነት ዘመሓይሸሉ ምዕባለ ንምፍጣር ዝሰርሕ ስነ-ሓሳብ ኢና ንኽተል፣ ንበይንና ክጥዕመና ኣይተቓለስናን፣ ንበይንና ክንረብሕ ኢልና ኣይንሓስብን፣ ብደረጃ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ንላዕሊ እውን ብጎዶቦናን ዓለምናን ደረጃ ኢና ንሓስብ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዕድል ስኢኑ። መነባብሮኡ ዘየጣጥሐ። ቁጠባኡ ዘየደልደለ። ንሰፊሕ ዕድላት ትምህርቲ ዘይበቕዐ። ዝኣክል ኣገልግሎታት ዘይበጽሖ ዘሎ ከባቢታት። ክንልውጥ እዩ ዕላማና፣ እቲ ዕማም ኣብ ሓጺር ግዜ ዝፍጸም ኣይኮነን፣ ገዚፍ መስዋእቲ ዝሓትት’ዩ፣ ናይ ወለዶታት ዕማም እዩ፣ ንሓደ ውሱን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓፍ ከተብሎ ይከኣል ይኸውን፣ ንኹሉ ሕብረተሰብ ብምዕሩይ ደረጃ መነባብሮ ሓፍ ከተብሎ ግን ከቢድ ጻዕሪን መስዋእቲን ዝሓትት እዩ፣ ናይቲ ንሕና እንኽተሎ ስነሓሳብ ሸቶ ምርግጋጽ ማዕርነት እዩ፣ ብኹሉ መዳይ፣ ምናልባት ኩሉ ከም ስኒ ኣድጊ ድልድል ክኸውን ይኽእል እዩ ክትብል ኣይትኽእልን፣ ክኸውንን ከይከውንን ግን ማዕረ ዕድላት ክትፈጥረሉ ኣሎካ፣ ከምዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ድማ እዩ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ ከረጋግጽ ብቕዓት ዝህልዎ፣ እዚ ሓድሽ ናተይ ስነሓሳብ ኣይኮነን፣ ናይ ዝኾነ ካልእ ሰብ ኣይዶሎጂ’ውን ኣይኮነን፣ ብሓባር ብቕሳነት ክንነብር እንተዄንና ግድን ክንክተሎ ዘሎና መገዲ እዩ፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣስመራ ሓደ ብዛዕባ ደሞክራሲ ዝዝቲ ሲምፖዝዩም ኪካየድ እዩ’ሞ። ወረቐት ኣቕርብ ኢሎምኒ ነይሮም፣ ቅድሚ ሕጂ ዘዳለኽዎ ወረቐት ስለዝነበረኒ ካብኡ ዘቚቐ ከውጽእ ፈቲነ፣ ኣብ መወዳእታ እትርድኦ ቁምነገር ግን ደሞክራሲ መስርሕ ምዃኑ እዩ፣

ሃይማኖት ኣብ ደሞክራሲ ዝተጻወቶ ተራ ይዓቢ፣ ኣይሁድነት። ክርስትና ይኹን ምስልምና ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ ኢዩ ዝብል ባህሊ ክኹስኩስ ምስጀመረ። እቲ መንፈሳዊን መለኮታዊን ፍልስፍናኡ ንጸግዒ ገዲፍካ ነቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ማሕበራዊ ስርዓታት ብመጠኑ ኣመዓራርይዎ’ዩ፣ ኣብ ሰብኣዊነት ዓቢ ጽልዋ ፈጢሩ ኢዩ፣ ድሕሪ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ድማ ኣጸቢቑ ማዕቢሉ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል፣ ዜርና ዜርና እቲ ንኹሉ ሰብ ዘረጋግእ ማዕርነት እዩ፣ ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ። ኣብ ቁጠባ። ኣብ ፖለቲካ ኣብ ባህላዊን ማሕበራዊን ህይወት፣ ሓድሽ ድዩ እዚ ኣይዶለጂ’ዚ እንተኢልካ። ኣይኮነን፣ ሓድሽ ድኣ ከበይ ክመጽእ፣ ሓድሽ ክትምህዝ ኣይትኽእልን፣ ነቲ ቀደም ዝተማህዘ እንደገና ክትምህዞ ኣይትኽእልን፣ ከም ብሓድሽ ዕንኪልል ክምህዝ ዝኽእል የለን ሎሚ፣ ቀደም ዝተባህለ ዘረባ ክንደግምን ከነመሓይሽን ምስ ዝመጽእ ሓድሽ ምዕባለታት ንምምዕርራዩ ክንሰርሕን ጥራይ ኢና እንኽእል፣ ሓድሽ ዘበርክቶ ማይ ዘይጠዓመ ኣይዶለጂ ኣለኒ ኢሉ ክዛረብ ዝኽእል የለን፣ ጉዳይ ደሞክራሲ። ፍትሒ። ማዕርነት ወዘተ. ቀደም ሰብ ብሓንሳብ ተጠርኒፉ ክነብር ምስ ጀመረ ዝማዕበለ ኣተሓሳስባ እዩ፣ ሓድሽ ኣይኮነን፣ ስለዚ ናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣይዲዮሎጂ እንታይ’ዩ ዝብሉኻ። እንተተረኽቡ ሓድሽ የብሉን እቲ ቀደም ዝተባህለ ንኹሉ ህዝቢ ዝጠቅም ኣይደሎጂ ጥራይ ሒዙ’ዩ ዝኸይድ ክትብሎም ትኽእል ኢኻ፣

* ኣብ ዞባታት ክትዛወር እንከለኻ ብቴለቪዥን ኣብ ዝቐርብ ምርኢት ዝሰምዓ ድርፊ ኣላ፣ ‘ክኸውን’ዩ ከመይ ዘይኸውን’ ትብል። እንታይ’ዩ እቲ ዝኸውን? ፕረዚደንት።ኩሉ፣ ክኸውን ዘይክእል ነገር የለን፣ ምኽንያቱስ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ነገር የለን፣

ናብ ገጽ 12 ይቕጽል

ኣብ ሃገርና ናይ ዝኾነ ስድራቤት ጸብለልትነት ክህሉ ኣይኮነን

Hª]

13 11

„íXqV 16 ሰነ 2009

ኢሳያስ ፍስሃየ

2008/9

1.

ቀይሕ ባሕሪ 2. ??????? 3. ???????

2007/8

1.

ኣስመራ ቢራ 2. ደንደን 3. ቀይሕ ባሕሪ

2006/7

1.

ኣልታሕሪር 2. ቀይሕ ባሕሪ 3. ደንደን

2005/6

1. ኣዱሊስ 2. ቀይሕ ባሕሪ 3. ደንደን

2004/5

1.

ቀይሕ ባሕሪ 2. ደንደን 3. ተስፋ

2003/4

1. ኣዱሊስ 2 ቀይሕ ባሕሪ 3. ደንደን

2002/3

1.

ደንደን 2 ቀይሕ ባሕሪ 3. ሓይሊ ኣየር

2001/2

1. ቀይሕ ባሕሪ 2. ኣዱሊስ 3. ህንጻ

2000/1

1. ህንጻ 2 ኣዱሊስ 3. ኣስመራ ቢራ

1999/00

1.

ቀይሕ ባሕሪ 2. ምድላው መግቢ 3. ህንጻ

1998/99

1. ቀይሕ ባሕሪ 2. ኣልታሕሪር 3. ኣዱሊስ

1997/98

1. ቀይሕ ባሕሪ 2. ምድላው መግቢ 3. ህንጻ

1996/97

1.

1995/96

1. ኣዱሊስ 2. ኣስመራ ቢራ 3. ቀይሕ ባሕሪ

ምድላው መግቢ 2. ኣስመራ ቢራ 3. ኣዱሊስ

1994/95

ብምኽንያት ምትዕርራይ ሜዳ ስታድዩም ኣስመራ ውድድር ሻምፕዮን ኣይተኻየደን

1993/94

1.

ኣዱሊስ 2. ኣስመራ ቢራ 3. ቀይሕ ባሕሪ

1992/93

1. ኣልታሕሪር 2. ዓወት 3. ቀይሕ ባሕሪ

ቀይሕ ባሕሪ። ሻምፕዮንነታ ኣረጋጊጻ

ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ። ገና ናይ ውድድር ሻምፕዮን ጸወታታት ከይተወድአ እንከሎ ናይ 2008/9 ናይ ሻምፕዮን ዓወታ ኣረጋጊጻ፣ እዚ ዝኾነሉ። ትማሊ ሰንበት 14 ሰነ 2009። ብሸቶታት ኣሮን ዘካርያስን እድሪስ እስማዒልን ኣቢላ ንኣዱሊስ 2ብ0 ድሕሪ ምርትዓ ኢያ፣ በዚ መሰረት። ኣብዚ ዓመት’ዚ ብሓድሽ ኣሰልጣኒ ኣቶ ዳኒኤል ዮውሃንስ (ግራይ) እናተዓለመት ውድድራ እተካይድ ዘላ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ። ድሕሪ ናጽነት ን6ይ ግዜ ሻምፕዮን ክለባት ዞባ ማእከል ብምዃን ዘውዲ ክትደፍእ በቒዓ ኣላ፣ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ዓመተ-ስፖርት 2004/5 ኣዝዩ ልዑል ህልኽ ተመስኪሩዎ ብዓወታ ዝተዛዘመ ናይ ሻምፕዮን ውድድር። ሎምዘበን ንፈለማ ግዜኣ ናይ ሻምፕዮን ዓወት ትጭብጥ ምህላዋ በዚ ኣጋጣሚ ከይተጠቕሰ ኣይሕለፍን፣ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሰንበት ጸወታ። ደንደን ብሸቶታት ሮሞዳን መ/ብርሃንን ፊልሞን ብርሃነን ኣቢላ ኣብ ልዕሊ ኣልታሕሪር 2ብ1 ክትዕወት እንከላ። ኣልታሕሪር ነታ ቀዳመይቲ ሸቶ ናይቲ ግጥም ብዮሴፍ ግደ ኣቢላ ኣብ መበል 19 ደቒቕ ኣመዝጊባታ፣ እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ። ተስፋ ምስ ዕዳጋ ሓሙስ 3ብ1 ተፈላልያ፣ ብቐዳም 13 ሰነ 2009 ኣብ ዝተኻየዱ ግጥማት። ታሕተዋይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ጋንታ ኣኽሪያ ንኣስመራ ቢራ 4ብ2 ረቲዓታ፣ ማይተመናይ ድማ ንሲቲ ሰንተር 2ብ1 ኣፋንያታ፣ ሻምፕዮን ኵዕሶ እግሪ ዞባ ማእከል 2008/9 1. ቀይሕ ባሕሪ 2. ኣልታሕሪር 3. ደንደን 4. ኣዱሊስ 5. ማይተመናይ 6. ተስፋ 7. ኣስመራ ቢራ 8. ገዛ ባንዳ 9. ሲቲ ሰንተር 10. ኣኽሪያ 11. ዕዳጋ ሓሙስ

P Pts GD 18 43 22 18 34 19 18 34 14 18 30 4 18 25 18 23 -1 19 20 -11 18 17 -10 18 16 -10 18 15 -13 19 13 -17

ኣብ ውድድር ሻምፕዮን። ብሸቶ ዝመርሑ ዘለዉ ተጻወትቲ።1. 2. 3. 4. 5.

ዮናታን ጎይትኦም (ገዛ ባንዳ) 11 ሸቶ ሲራክ ገ/ዮውሃንስ (ዕዳጋ ሓሙስ) 11 ሸቶ ሱራፍኤል ተ/ሚካኤል (ማይተመናይ) 9 ሸቶ መዓውያ ዑመር (ኣልታሕሪር) 8 ሸቶ ተስፋልደት ጎይትኦም (ኣዱሊስ) 8 ሸቶ

መደብ ጸወታ ሓሙስ 18 ሰነ 2009

ገዛ ባንዳ - ኣኽሪያ (2።00) ማይተመናይ - ዕዳጋ ሓሙስ (3።45)

ዳዊት (ካንቻ)። ዓወት መዓልቲ ሰማእታት ኣመዝጊቡ

ብስድራቤት ነፍስሄር ጥዕሙዝጊ ተስፋይ (ሓ/ቴክኒክ ፈደረሽን ብሽክለታ ዞባ ማእከል ዝነበረ) ንዝተወፈያ ዋናጩ ንምዕታር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልታት ውድድር ብሽክለታ ሰማእታት። ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስቤኮ ዳዊት ሃይለ (ካንቻ) ካብ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ብውህሉል 35 ነጥቢ ንወዲ ጋንታኡ ዮናታን መስፍን (ሓላባይ) ኣኸቲሉ ክዕወት እንከሎ። ፍረቓልሲ ደበሳይ (ኤሪቴል) ብ24 ነጥቢ 3ይ ደረጃ ሒዙ፣ እታ ብፍሉይ ደሚቓ ዝተራእየት ጋንታ ኣስቤኮ ከኣ ብውህሉል 94 ነጥቢ ተዓዊታ፣ ኣብ ናይ ፍጻመ ቅጽበታዊ ውድድር። ዳዊት ሃይለ። ናትናኤል ብርሃነ። ሜሮን ርእሶም። ሚኪኤል ትኩእ። መርሃዊ የማነ። ኣሮን ፍትዊ። ኣብርሃም ሃይለ። ኣማኑኤል ክብርኣብን ዮናታን መስፍንን ካብ 1ይ ክሳብ 10ይ ብምዃን ተዓዊቶም፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ሓያል ናይ ነጥቢ ቅጽበታዊ ውድድር። ተቐዳደምቲ ኣስቤኮ ዮናታን መስፍንን ዳዊት ሃይለን ወኖም ከውጽእሉ እንከለዉ። ናይ ኣዱሊስ ሜሮን ርእሶምን መርሃዊ የማነን ድማ ስዒቦሞም ኣትዮም፣ ካብ ካልኣይ ዲቪዝዮን። መኽሰብ ደበሳይ። ሜሮን ኣማኑኤልን ብርሃነ መልኣከን ብውህሉል ነጥቦም ኣብ መድረኽ ክድይቡ እንከለዉ። ጋንታ ቴለ ብ44 ነጥቢ ዋንጫ ተቐቢላ፣ ተቐዳደምቲ ሓበን ገብረትንሳኤ። ኣቤል መንግስትኣብን ሄኖክ ብርሃነን ካብ 3ይ ዲቪዝዮን፤ ዮሴፍ ሃይለ። በረኸት እመሃጽዮንን በሺር ሳልሕን ካብ ማውንተይን ባይክ፤ ሰምሃር ሰሎሞን። ዮሩሳሌም ገብሩን ሰላም ኣብርሃን ካብ ማውንተይን ባይክ ደቀንስትዮ፤ ለተሚካኤል ፍስሃየ። ሰናይት ኣርኣያን ሰብለ ኣለሙን ድማ ካብ ዳ’ኮርሶ ደቀንስትዮ ተዓዊተን፣

ተኽለማርያምን ሃይስን ኣብ ‘በርሊን ዎርልድ ሻምፕዮንሺፕ’ ዘሳትፍ ግዜ ኣምዝጊቦም

ኣትለታት ተኽለማርያም መድሕንን ሃይስ ወልዳይን ኣብ ውድድር በርሊን ዎርልድ ሻምፕዮንሺፕ 2009 ዘሳትፍ ግዜ ኣብ ስጳኛ ኣመዝጊቦም፣ ተኽለማርያም። ብ13።11 ናይ 5,000 ሜትሮ ውድድር ብምዝዛሙ ብደረጃ A ዝልካዕ ብሉጽ ግዜ ሒዙ ኣብቲ ናይ በርሊን 2009 ዎርልድ ሻምፕዮንሺፕ ዘሳትፎ ግዜ ከመዝግብ እንከሎ። ሃይስ ወልዳይ ብወገኑ። ኣብ ውድድር 1,500 ሜትሮ ብ3’።35’’.91 ብደረጃ A ዝልካዕ ብሉጽ ግዜ ኣመዝጊቡ፣ ተኽለማርያም። ኣብቲ ናይ ስጳኛ ውድድር 3ይ ደረጃ’ዩ ሒዙ፣ ኪዳነ ታደሰ ከኣ 6ይ ደረጃ ሒዙ ስዒቡዎ፣ ሃይስ ወልዳይ። ኣብ ናይ 1500 ሜትሮ ውድድር 6ይ ደረጃ ብምሓዝ ነቲ ግዜ ከምዘስፈሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፣

ሞሪኖ። ንዴኮን ካርቫልዮን፤ ፈርጕሰን ድማ ንዴቪድ ቪላ ኣማዕድዮም

ሆዜ ሞሪኖ። ንዴኮን ንካርቫልዮን ናብ ኢንተር ሚላን ናይ ምስሓቦም ተበግሶ ክወስድ እንከሎ። ኣሰልጣኒ ማንቸስተር

ዩናይትድ ኣሌክስ ፈርጒሰን ብወገኑ ንዴቪድ ቪላ ንምዕዳግ ክሳብ 45 ሚልዮን ፓውንድ ሰሊዑ፣ ሞሪኖ። ነቶም ደቂ 31 ዓመት ተጻወትቲ። ኣብ 2004 ኣብ ፖርቶ እንከሎ ኣንጻር ሞናኮ ኣብ ዘካየዶ ናይ ፍጻመ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ኣጸቢቑ ከም ዝፈልጦም የረድእ፣ ኣብ ክለብ ማን. ዩናይትድ። ካርሎስ ቴቨዝ ብግልጺ ነቲ ድሒሩ ኣብ ቀረባ ሳምንታት ዝቐረበሉ ኮንትራት ናይ ምሕዳስ ጻውዒት ኣሌክስ ፈርጒሰን ነጺጉ ኣብ ዘሎ ግዜ። እቲ ተጻዋታይ

ንሰሙን 140,000 ሚልዮን ፓውንድ እናተኸፍለ ናይ ምጽዋት ዕድል ኣብ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ቀሪብሉ ከምዘሎ ሓበሬታታት የረድኡ፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው። ዴቪድ ቪላ ኣብ ክለብ ማን. ዩናይትድ ምምጽኡ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣሎ፣

- ሓሙስ 18 ሰነ 2009 -

ናይ ፍጻመ ውድድር ኵዕሶ መርበብ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኣዱሊስ - ገዛ ባንዳ በኒፈር - ሓሬና

ፈደረሽን ኵዕሶ መርበብ ዞባ ማእከል ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት 2009። ካብ 6 ሰነ ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ 8 ጋንታታት ደቂ ተባዕትዮን 5 ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮን ግጥማት ንጽል ኣውዲቕካ ምሕላፍ ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን፣ እዚ ውድድር’ዚ ብ6ን 7ን ሰነ 2009 ብኽልቲኡ ጾታታት ብዝተኻየዱ ከክልተ ግጥማት’ዩ ፈሊሙ፣ ኣብቲ ዕለት’ቲ። ካብ ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ። ጋንታ ገዛ ባንዳ ንሳቫና። ካብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ጋንታ ሓሬና ንኣቡሰላማ ብምስዓር ናብ ዝቕጽል ግጥም ሓሊፈን። 1 ካብ ሰዓት 2።00 ድ.ቀ. ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ ኣዱሊስን ጋላ ነፍሒን ናይ ፍርቂ ፍጻሜ ግጥማት ተኻይዱ፣ ተጻወትቲ ጋንታ ኣዱሊስ ኣዝየን ምኩራት ኣብ ርእሲ ምዃነን ብዝግበረለን ስሩዕ ምወላን ምክትታልን ዓብሊለን 30 (25-14,26-24,25-11) ተዓዊተን፣ ተጻወትቲ ጋንታ ጋላነፍሒ። ቦታአን ሒዘን ብምጽናሕ። ንሓያል ህራማት ጋንታ ኣዱሊስ ብተደጋጋሚ ክመልሳ ይረኣያ ነይረን፣ እታ ብቕዓታ የሐዲሳ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ትርከብ ተጻዋቲት ጋንታ ኣዱሊስ ኤደን ምስግና። ዓጋቲ (ብሎከር) ኣይንበራ’ምበር ክትሃርሞ ዝወዓለት መጥቃዕቲ ሕይል ዝበለ ነይሩ፣ ተጻዋቲት ጋንታ ጋላ ነፍሒ ዮሃና ጸጋይ ካብ ጋንታኣ ጸብለልታ ዘለዋ ተጻዋቲት ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ። ብራኸ ኵዕሶ ብግቡእ መዚና ኣብ ምህራም ዘለዋ ሃጓፍ እንተ ኣማሓይሻ። ንኣንጻር ጋንታታት ዝያዳ ከምእተሸግር ይረኣየካ፣ ኣብቲ ዕለት’ቲ። ቀጺለን ናይ ፍርቂ ፍጻሜ ውድድራተን ዘካየዳ ካብ ጋንታታት ደቂ ተባዕትዮ መኸተን ሓሬናን ነይረን፣ ሴተር ብምዃን ንጋንታኡ (መኸተ) ከጻውት ዝቐነየ ተጻዋታይ ኢሰያስ ታወቀ ብዘይካ’ቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ሓደ ሓደ ጌጋታት። ካብ ካልኦት ሴተራት ናይ’ዚ ዞባ ፍሉይ ብልጫ ኣለዎ፣ ኣብ ናይ ሃገርና ኵዕሶ መርበብ። ጋንታታት ኩሎም ሴተራት ብቑመት ሓጸርቲ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ኣብ ካልእ ንጥፈታት ናይዚ ዓውደ ስፖርት ኣብ ምዕጋት (ብሎክ) ኮነ ኣብ ምህራም (ስፓይክ) ብንጥፈት ዝዋስኡ ኣይኮኑን፣ ኢሰያስ ግን። ኣብዚ ንጥፈት’ዚ ክዋሳእ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ ብቑመት’ውን ዝሓሸን ምስ ዝላኡ ኣሳንዩ ዝጻወትን ኢዩ፣ ኣብ ምጥዓም (ሴት) ዘለዎ ብቕዓት እንተ ኣማዕቢሉ። ምስቲ ዘበናዊ ስልቲ ኣጻውታ ክሳነ ከም ዝኽእል ርዱእ ኢዩ፣ በዚ ኣጋጣሚ። መጥቃዕቲ ጋንታታት ክሕይል ዝኽእል ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ሜዳ ዘለዉ ተጻወቲ ኩሎም ኣብታ ናይ መወዳእታ ናይ መጥቃዕቲ ህራም ክዋስኡ ምስ ዝኽእሉ ምዃኑ ፈሊጦም። ጋንታታት ቁመት ዘለዎምን ኣብ መጥቃዕቲ ዝዋስኡ ሴተር ከናድዩ ከም ዝግባእ ነዘኻኽር፣ ቁጽሪ መልያ 13 ወድዩ ምስ ጋንታ መኸተ ዝነጥፍ ተጻዋታይ ቢንያም ገብረሚካኤል። ኣብ መጥቃዕቲ ኮነ ኣብ ምዕጋት ኳዓሳሱ ዘርእዮ ዘሎ ብቕዓት ከየመስገና ክንሓልፍ ኣይንደልን፣ ካብ ጋንታ ሓሬና። እቲ ብቑመቱ ዝነወሐ ተጻዋታይ ናይዚ ፈደረሽን ዝኾነ ሄኖክ ገብራይ (ቁ.ማልያ 3) ኣብ ልዕሊ መርበብ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ርኡይ ጸብለልታ ብምርኣይ ብርእሰ ተኣማንነት ንጋንታኡ ከዐውት ተራእዩ፣ ሴተር ናይዛ ጋንታ (ሓሬና) ኮይኑ ዝጻወት ሳሙኤል ሞጎስ (ቁ ማልያ 7) ብሉጽ ጸወታ ብምርኣይ ኣብ ምጥዓም ኮነ ወዲቑ ኮዓሳሱ ካብ

ምጥፋእ ብምድሓን ፍሉይ ጸብለልታ ነይሩዎ፣ ቁጽሪ ማልያ 9 ብምውዳይ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ጸወታ ተሞክሮ ዘለዎ ካልእ ኣባል ጋንታ ሓሬና ዝኾነ ዮሴፍ ስእለ። ኣብቲ ዕለት’ቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ዳሕረዋይ መስርዕ ሜዳ ብምዃን ሓያል ህራም ጋንታ መኸተ ቦታኡ ሒዙ ብምጽናሕ ክመልስን መልሰ መጥቃዕቲ ከካይድ ተራእዩ፣ በዚ መሰረት። ጋንታ ሓሬና ንመኸተ 3-2 (15-25። 25-18። 25-13። 19-25። 15-10) ብምስዓር ናብ ናይ መዛዘሚ ግጥም ሓሊፋ፣ ብ14 ሰነ 2009 ክልተ ናይ ፍርቂ ፍጻመ ግጥማት ተኻይዱ ነይሩ፣ ካብ ሰዓት 2 ድ.ቀ. ጀሚረን ዝገጠማ ጋንታታት ገዛ ባንዳን ኣልሓሽሚን ነይረን፣ ጋንታ ኣልሓሽሚ ካብ ዝሓለፈ እዋን ብዝበለጸ ብዝሒ ተጻወቲ ኮነ ብቕዓት ጸወታ ኣርእየን፣ ጋንታ ገዛ ባንዳ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመን ስዕረት ዝተበራርበራ ክመስላ። ና ቀደም ብቕዓተን ብምንጽብራቕ ዓወታት ከመዝግባ ተራእየን፣ በዚ መሰረት። ጋንታ ገዛ ባንዳ ኣብ ርእሲ ጋንታ ኣልሓሽሚ 3-1 (25-18። 25-21። 22-25። 25-11) ተዓዊተን፣ ስለዚ። ዝመጽእ ሓሙስ። ጋንታ ገዛ ባንዳ ምስ ጋንታ ኣዱሊስ ዳግማይ ኣብ ናይ ፍጻመ ጸወታ ዳግማይ ክራኸባ እየን፣ ቀጺለን ዝገጠማ። ጋንታታት ቤኒፈርን ሳዋን ነይረን፣ ህልኽ ዝበዝሖ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ብቕዓት ጸወታኦም ዘንጸባረቕሉ ግጥም ከኣ ነይሩ፣ ኣብ መጥቃዕቲ ኮነ ኣብ ምዕጋት ኮኻሳሱ (ብሎክ) ኣባላት ጋንታ ቤኒፈር ጸብለልታ ነይርዎም፣ ዓወት ፍትዊ ካብ ጋንታ ሳዋ ኣብ ዳሕረዋይ መስርዕ ጋንታኡ ብምዃን ሓያል ህራም ጋንታ ቤኒፈር ኣብ ሜዳ እናተወርወረ ዘድሓነን ኮዓሳሱ ክነኣድ ይግባእ፣ ኣብ መወዳእታ። ጋንታ ቤኒፈር ንሳዋ 3-0 (25-23,25-23,2624) ብምስዓር ናብ ናይ ፍጻመ ግጥም ሓሊፋ፣ ብመሰረት ኣሰልጣኒ ጋንታ ሓሬና። ኣባላት ጋንታኡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ብቕዓት ኣለዉ፣ ምኽንያቱ። “ኣብ ደቀምሓረ ናይ ኣሃዱ ጸወታ። ኣብ ዞባ ማእከል ድማ ናይ ሻምፕዮና ግጥማት ብብዝሒ ንጻወት ብምህላውና። ንብቕዓት ጸወታና የሐይልዎ” ክብል ገሊጹ፣ ሓለቓ ጋንታ ቤኒፈር ብወገኑ። “ሚስጢር ዓወት ጋንታና መዓልታዊ ልምምድ ብምግባርና። ስልቲ ጸወታና ድማ ሴተርን ተጻወትቲን ዝመለኽዎ ብምዃኑ ብዙሕ ጌጋ ስለዘይነተግብር ኢዩ” ክብል ርእይቶኡ ሂቡ፣ ንሓሙስ 18 ሰነ 2009 ካብ ሰዓት 9።00 ቅ.ቀ. ጀሚሩ እምበኣር። ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ደቂ ኣንስትዮ ገዛ ባንዳ ምስ ኣዱሊስ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ቤንፈርን ሓሬና ናይ መዓልቲ ሰማእታት 2009 ዋንጫ መን ዓተረ ግጥም ክካየድዩ፣ ውድድር መዓልቲ ሰማእታት ኵዕሶ መርበብ። ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ ኣቶ ሙሳ ዑመር እናተመወለ ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ፣ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፈ/ኵ/መ/ዞ/ማእከል መም. በሪሁ ዮሴፍ

ሓዳስ

12

ኤርትራ 16 ሰነ 2009

ኣውስትራልያ። ህንዳውያን መጥቃዕቲ ይወርዶም

ኣብ ኣውስትራልያ ከተማታት ሲድንን ሜልቦርንን ኣብ ልዕሊ ህንዳውያን ብፍላይ ድማ ተመሃሮ ህንዳውያን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ዓሌታዊ መጥቃዕትታት ይካየደሎም ከምዘሎ ተገሊጹ፣ እቶም ህንዳውያን ኣቐዲሙ ብዝተገብረሎም መጥቃዕትታት። ካብ መንግስቲ ኣውስትራልያ ፍታሕ ክረኽብሉን እቶም ኣጠቃዕቲ ኣብ ፍርዲ ዝበጽሕሉን ስምዕታ ንምቕራብ ሓያሎ ሰላማዊ ሰልፍታት’ኳ እንተኻየዱ። ዛጊት ግን ዝረኸብዎ ፍታሕ ከምዘየለን እቲ መጥቃዕቲ ይቕጽል ከምዘሎን ተፈሊጡ፣

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኣውስትራልያ ኣብ ህንዲ ጆን ማካርቲ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ’ኳ እንተዀነኖ። “ዓሌታዊ ድርኺት ኣለዎ” ንምባሉ ግን ከምዘጸግም ገሊጹ፣ ኣብ ኣውስትራልያ። ድሕነትን ጸጥታዊ ዘይውሕስነትን ህንዳውያን እናበኣሰ ይኸይድ ብምህላዉ ድማ። ኣብ መንጎ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ህንድን ኣውስትራልያን ኣብ ቀረባ መጻኢ ምይይጥ ክካየድ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም፣ ኣብ ኣውስትራልያ ካብ 9 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህንዳውያን ተመሃሮ ሓያሎ መጥቃዕትታት ከም ዝተኻየዱ ጸብጻባት የረድኡ፣ ኣብ ሜልቦርን - ኣውስትራልያ ዛጊት መንነቶም ዘይተፈልጠ ኣውስትራላውያን ንሓሙሽተ ህንዳውያን ተመሃሮ ብኻራ ከምዘጥቅዕዎምን ኩሎም ግዳያት ብጽኑዕ ቈሲሎም ኣብ ትሕቲ ሕክምና ከምዝርከቡን እቶም ጸብጻባት የመልክቱ፣

ኣብ መጥቃዕቲ ህንዳውያን። ጉጅለ ሊባኖሳውያን’ውን ኢድ ከምዘለዎም ብተወሳኺ ተሓቢሩ፣ ንመጥቃዕቲ ህንዳውያን ኣብ ኣውስትራልያ ብምቅዋም ህቡብ ህንዳዊ ተዋሳኣይ ቦሊዉድ ኣሚታብ ባቻን። ብሓንቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበራ ዩኒቨርሲቲ ንዝቐረበሉ ናይ ክብሪ ናይ ዶክትረይት መዓርግ ነጺግዎ ኣሎ፣ ኣሚት። ደቂ ዓዱ ኣብ ዝጭፍጨፉላ ዘለዉ ሃገር ከይዱ ዝኾነ ማዕርግ ከምዘይቅበል ብተወሳኺ ገሊጹ፣ መንግስቲ ህንዲ ብጸዓዱ ኣውስትራላውያን ኣብ ልዕሊ ህንዳውያን ተመሃሮ ይወርድ ንዘሎ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ንምቅዋም። ኣብ ሲድኒ ንዝነበረ ኣምባሳደር ኪስሕቦ ምዃኑ የጠንቅቕ ከምዘሎ ኢዩ ዝግለጽ፣ ይኹን’ምበር። ኣብ ህንዲ ኣስታት 150 ሚልዮን ዜጋታት’ታ ሃገር ኣብ ገዛእ መሬቶም ብዓሌታዊ ኣድልዎን ምጽጻይ ዘርእን እናተሳቐዩ ትም ኢሉ ዝዕዘብን ነቲ ድሑር ኣካይዳ ዘተባብዕን መንግስቲ ህንዲ። ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ልዕሊ ህንዳውያን ንዝፍጸም ግፍዕታት ክዅንን እንተፈተነ ሰዓቢ ክረክብ ከምዘይክእል ተዓዘብቲ ይወቕሱ፣

ዓለም ንዝመጽእ 2.3 ቢልዮን ዓመታት ሂወታውያን ክነብሩላ ዝኽእሉ ምችእቲ ቦታ ክትከውን ተኽእሎ ከምዘሎ ተመራመርቲ ሓቢሮም፣ እዚ ሓድሽ ግምት ቅድሚ ሎሚ ተገሚቱ ካብ ዝነበረ ግዜ። ብሓደ ቢልዮን ዓመት ዝዛይድ ከምዝኾነ ተፈሊጡ፣ ድሕሪቲ ዝተጠቕሰ እዋን ዓለም ብጸሓይ ሓሪራ ክትድምሰስ ከምእትኽእል መጽሄት ‘ታይም’ ነቶም ተመራመርቲ ብምጥቃስ ሓቢራ፣ ጸሓይ ንሂወት ምችእቲ ከምዝዀነትን። ምኽንያት ናይዚ ድማ መሬት ንጸሓይ ኣዝያ ከይረሓቐትን ኣዝያ’ውን ከይቀረበትን ኣብ ምቹእ ቦታ ትርከብ ምህላዋ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ፣ መሬት። ድሕሪ ጸሓይ ከም ዝተፈጥረትን እዚ ድማ ቅድሚ 4.5 ሚልዮን ዓመታት ከምዝኾነን ተመራመርቲ ይሕብሩ፣ ቀዳሞት ሰባት ኣብ ዓለም ክነብሩ ዝጀመሩ። ብሚክሮብስ (Microbes) ዝጽውዑ ንጽል ዋህዮ (Cell) ዘለዎም። ከም ፋንገስን ባክተርያን ዝኣመሰሉ ነፍሳት ከምዝኾኑን እዚኣቶም ድማ ዛጊት ኣብ ውሽጢ መሬትን ከባብያዊ ኣየርን ከም ዝርከቡን ይሕበር፣ እትክልትን እንስሳታትን (እንተላይ ሰብ) ካብ ቅድሚ 550 ሚልዮን ዓመታት ኣብ ዓለም ይነብሩ ከምዘለዉ ድማ ተመራመርቲ ብተወሳኺ የረድኡ፣

ተመራመርቲ ኣቶማዊ ጸዓት። ሕማም ዓሶ ናይ ምፍዋስ ተስፋ ረኺቦም

ናታንያሁ። ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይብላ ሃገረ-ፍልስጤም ክትምስረት ይድግፍ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ንዓበይቲ ፖሊሲታት መንግስቱ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ። ወተሃደራዊ ሓይልን ኣጽዋርን ዘይብላ ሃገረ ፍልስጤም ክትምስረት ተቓውሞ ከምዘይብሉ ገሊጹ፣ በንያሚን ነታንያሁ ኣብ መግለጺኡ። ኣምሳያ እታ እትምስረት ሃገረፍልስጤም። ፍልስጤማውያን ብልኡላውነት ናይታ ዘይትምቀል ኢዮሩሳሌም ዝርእሰ-ከተማኣ እስራኤል ክኣምኑን ብወግዒ ኪእውጁን ሓቲቱ ኣሎ፣ ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ብእስራኤል ተታሒዙ ናብ ዘሎ መሬቶም ተመሊሶም ክነብሩ ዘለዎም ሕልሚ ደው ከብሉን እዚ ነጥቢ’ዚ ኣብ ዝኾነ ዝርርብ ሰላም ከይለዓልን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ፣ ተሪር መርገጺ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ናታንያሁ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርታ

ግዜ ‘ሃገረ ፍልስጤም” ዝብል ቃል’ኳ እንተውጽአ። መደረኡ ብፍልስጤማውያን። ዋላ’ውን በቲ መጋበርያ እስራኤልን ኣመሪካን ምዃኑ ዝውቀስ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ፈታሕ ተቐባልነት ክረክብ ኣይከኣለን ዘሎ፣ ፍልስጤማውያን (ኣባላት ፈታሕ ይኹኑ ሓማስ) ናታንያሁ ንሉኣላዊ መሰል እታ እትምስረት ሃገረ ፍልስጤም ዝግህስን ክዕወት ትጽቢት ንዘይግበረሉ መስርሕ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ዝያዳ ዘፍሽልን መደረ ምሃቡ ኰኒኖምዎ ኣለዉ፣ ኣባል መሪሕነት ፈታሕ ሰይድ ዒራቓት። ናታንያሁ ዝትንበያ ፍልስጤም። ርእሳ ክትከላኸል ዘይትኽእል ሃገር ጌቶ (ዞባ ድኻታት) እያ ክብል ቍጠዐኡ ገሊጹ ኣሎ፣ ምንቅስቓስ ሓማስ ብወገኑ። መግለጺ ናታንያሁ ንፈላሊኻ ግዛእ ዝእንፍት ዓሌታዊ ከምዝኾነ ብምውቃስ። ኩለን

“ርግኣትን ስኒትን ዝፈጥር . . .

ካብ 10ይ ገጽ ዝቐጸለ ንኣብነት ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ንብሎ ዕላማ ኣሎ፣ እዚ ክብጻሕ ዝኽእል ዕላማ’ዩ፣ ተማህሊልካ ተምጽኦ ኣይኮነን፣ ሰሪሕካ ግን ነብስኻ ክትምግብ ዘይትኽእለሉ ምኽንያት የለን፣ ጽርግያታት ክህሉ ኣለዎ እንድሕሪ ኢልካ። ጽርግያ ክሰርሕ ዘይክእል’ዶ ኣሎ እዩ፣ ምብጋስ ጥራይ እዩ፣ ጽሩይ ዝሰተ ማይ በሎ ካልእ ዝተፈላለየ ጠለባት። ክርከብ ዘይክእል ነገር ኣይኮነን፣ ዘይከውን ነገር የለን፣ ዘይከውን ኮፍ እንተኢልካ ጥራይ’ዩ፣ ዘይትሰርሕ እንተኾይንካ ብርግጽ ዝኸውን ነገር የለን፣ ብኾፍካ ክትፈላሰፍ። ክትዛረብን ኣስተምህሮታት ክትህብን እንተውዒልካ እንታይ ውጽኢት ትሓፍስ፣ እንተ ሰሪሕካ ግን ኩሉ ነገር ይኸውን’ዩ፣

* ብዛዕባ ቤተሰብካ እንታይ ከተዕልለና ትኽእል? በዓልቲ ቤትካ ምሳኻ ኣይትርአን እያ፣ ደቅኻ’ውን ከምኡ? ስለምንታይ፣ መዋእል

ሃገራት ዓረብ ኣንጻር እስራኤል ዝቐነዐ ሕብረት ክምስርታ ጸዊዑ፣ እቲ ምንቅስቕስ ብተወሳኺ። ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ክሊ ኣየራ ዘይትቆጻጸርን ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይብላን ሃገረ ፍልስጤም ጥራይ ኪትምስረት ከም ዝፈቅድ ዝሃቦ መግለጺ። ንመትከላት ልኣላውነት ሓንቲ ሃገር ብቐጥታ ዝጻረርን መንግስቲ እስራኤል ንምምስራት ሃገረ ፍልስጤም ከምዘይቅበል ዘረድእን ምዃኑ ገሊጹ፣

ኣንስተይቲ ጣንጡ ከምዘይትፋረ ብምግባር ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝግበር ዘሎ ምርምር ተስፋ ዘለዎ ውጽኢት ከም ዝተረኽቦ ንተመራመርቲ ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ፣ ነቲ ምርምር ዘካይዱ ዘለዉ ኣብ ዩኒቨርስታት ይኹን ኮለጃት ዝርከቡ ናይ ጥዕና ተመራመርቲ ዘይኮኑ። ኣብ ቭየና ኦስትርያ ዝርከቡ ተመራመርቲ ኣህጉራዊ ትካል ምቁጽጻር ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ከም ዝኾኑ ድማ እቲ ዜና ኣነጺሩ፣ እቲ ምርምር። ጸርጊ (radiation) ብምጥቃም ይካየድ ከምዘሎን ኣብ ሓያሎ ደቀቕቲ ነፍሳት ውጽኢታዊ ኮይኑ ተረኺቡ ከምዘሎን ተሓቢሩ፣ ኣህጉራዊ ትካል ምቍጽጻር ኣቶማዊ ጸዓት። ኣዕነውቲ ኣጽዋር ከይፋረዩን ከይባዝሑን ንምክትታልን ምቍጽጻርን ተባሂሉ ዝቘመ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ዩ፣ ኣቐዲሞም። ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ሞናሽ - ኣውስትራልያ ኣገባብ ምኹምሳዕ (ምምጻይ) ሕማም ዓሶ ናይ ዘኸትል። ካብ

ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ሓውኻ ማለት ሓዊ ፕረዚደንት እንከሎ። ካብ ካልእ ምንም ዝተፈልየ ህይወት ከምዘይብሉ ብዓይነይ ርእየዮ፣ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ከተዕልለና ትኽእል? ፕረዚደንት።- ስድርኡ ዘይፈቱ ሰብ የለን፣ ሰብ። ሰብ’ዩ ኣብ መወዳእታ፣ ኩሉ ስምዒት ኣለዎ፣ “ኣነ ሰብ ኣይኮንኩን። እምኒ ወይ ዕንጨይቲ’የ” ክብል ኣይክእልን፣ ግን ህይወትና ናይ እኩባት ህይወት እዩ፣ ኣብ እኩብ ኢና እንነብር፣ እዚ ክንብሎ ዝጸናሕና ደሞክራሲ’ዶ ዘይዲሞክራሲ ዝብል ጉዳያት ዝልዓል። ብእኩብ ስለንነብር እዩ፣ ሃገራት ናይ ስድራቤታት ኪኾና ስለዝርኣያ ድማ እዩ። እዚ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ዝመጽእ፣ ኣብ ገሊኡ ሃገራት መንግስቲ ማለት ናይ ስድራቤት መንግስቲ’ዩ፣ ስለዚ

በዓል ተራ ቤት መድሃኒት።-

ዕለት

ኣብዛ ሃገር ናይ ብሓቂ ንኹሉ ህዝቢ ዘቕስን ኩነታት ክፍጠር እንተኾይኑ ናይ ዝኾነ ስድራቤት ጸብለትነት ክህሉ የብሉን፣ ነዚ ንምርግጋጽ ቅድም ቀዳድም ብነብስኻ ክትጅምር ኣለካ፣ ነቲ እትብሎ። ኣብ ነብስኻ ቅድም ከተረጋግጾ ክትክእል ኣለካ፣ እምበር በዚ ገንዘብ እናሰረቕካ በዚ ንስድራቤትካ ይኹን ንኣዝማድካን ቤተሰብካን ካልኦት ዘይረኸብዎ መሰል እናሃብካ። ብዛዕባ ማዕርነት ኣፍካ መሊእካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ማዕርነት ማለት እኮ ማዕርነት ናይ ዕድላት ማለት ኢዩ፣ ኣነ በዓል ስልጣን ስለዝኾንኩ ንመቕርበይ ዝበለጸ ዕድላት እንድሕሪ ዝፈጥር ኮይነ። ንመን ከእምን ወይ ክቕሽሽ ይኽእል? በዓልቲ ቤቱ ምስኡ ኣይተራእየትን። እዚ ኣይኮነትን። ደቁ ከምዚ ኣይኮኑን ዝብል ዘረባታት። ቀስ

ብቐስ ናብቲ መጻወድያ ዘምርሕ መገዲ እንተዘይኮይኑ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን፣ ኣየድልየናን ድማ ኢዩ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ። ሰብ ቀሲኑ ክነብር። ከም ዝኾነ ካልእ ዜጋ ናይቲ ሃገር ንቡር ህይወት ከሕልፍ እንተኾይኑ። ዘየድሊ መጠመቲ ተግባራት ማሕበራዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቓልቦ ዝፈጥር ኩነታት ክህሉ የብሉን፣ ህዝቢ ኣስተርሕዩ ክነብር ክኽእል ኣለዎ፣ ኒሻናት ብዝሰቐሉ። ህዝቢ እናረገጹን እናተራግሑን ብዝኸዱ ስድራቤታትን ውልቀሰባትን ክግዛእ የብሉን፣ ማዕርነትን ናጽነትን ማለት ንሱ ኢዩ፣ ህይወትካ ትፈቱ። ህይወቱ ዘይፈቱ የለን፣ ስድርኡ። ቤተሰቡ ዘይፈቱ የለን፣ ግን ብዋጋ ሃገርን ብዋጋ ህዝብን ክኸውን የብሉን፣ ንሕልናኻ’ውን ዘቕስን ኣይኮነን፣ ኣብ መወዳእታ ትረብሓሉ ነገር’ውን

ኣድራሻ

ኣንስተይቲ ጣንጡ ናብ ኣካላት ሰብ ዝትፋእ ጽግዕተኛ ባልዕ ደው ብምባልን ብጥምየት ከም ዝመውት ብምግባርን ዝበጽሕዎ ምርምር ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምዘሎ ይግለጽ፣ ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብሕማም ዓሶ ክቕዘፉ እንከለዉ። ኣስታት ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለም ድማ ኣብ ዓንኬል’ቲ ሕማም ይርከብ፣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ 30 ካልኢት። ሓደ ህጻን ብሕማም ዓሶ ከም ዝመውት ድማ ጸብጻባት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ይሕብሩ፣

የብልካን፣ ኣብ ስልጣን ሃሉ ኣይትሃሉ ካብ ካልእ ሰብ ፍሉይነት የብልካን፣ ዓሰርተ ሽሓኒ ክትበልዕ ኣይትኽእልን፣ እቲ ካልእ ፍርቂ ሽሓኒ ከይረኸበ ከሎ። ዓሰርተ ሽሓኒ በሊዕካ’ኸ እንታይ ይገብረልካ፣ ዋላሓንቲ፣ ንበይንኻ ኣብ ገነት እንተሰፈርካ እንታይ ይዓብሰልካ፣ ኣብዛ ዓለም። ጽሩይ ማይ ዘይረክብ ሰብ ብዙሕ እዩ፣ ነቲ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ። ህይወት ህዝቢ ንምምሕያሽ ዘይትሰርሕ እንተዄንካ። ከመይ ጌርካ ንሃገር ይሰርሕ ኣለኹ ትብል፣ ብህይወትካ ኣይትግደስን። ንህይወትካ ኣይትሰርሕን ማለት ኣይኮነን፣ ዝያዳ ኻልእ ብህይወትካ እንተተገዲስካ ግን። እቲ ሰለሎ ብኸምኡ ኢዩ ዝኣቱ፣ ከምኡ እናበለ ድማ ኣብቲ ምሉእ ሕብረተሰብ ሰሎሎ ይኣቱ፣ እቲ ባህሊ ትካላዊ መልክዕ ይሕዝ፣ ድሕሪኡ ሃገር ናይ መን ኢያ እንተኢልካ። ንሽሙ ናይ ህዝቢ ትብሃል እምበር። ናይ ሓደ ስድራቤት እያ ትኸውን፣ ኣብዛ ሃገር። ሎሚ ይኹን ጽባሕ ከምኡ ዝዓይነቱ ኩነታት ክፍጠር የብሉን፣

የቐንየለይ ክቡር ፕረዚደንት!

ቤ/መ/መ/ ራህዋ 16/06/09 ጐደና ሃገር ቁ. 20። ፊት አስጊድ ገዛ ባንዳ ጥልያን ፋርማሲ ቍ.1 ብዘይካ’ቲ መዓልታዊ እትህቦ ኣገልግሎት ምሉእ ለይቲ’ውን ክፍትቲ ኢያ፣ ኣድራሻ። ዞባ 1 ንኡስ ዞባ 02 ጐ. ናቕፋ ቍ.1።

ቍ.ስልኪ 119802 127565

Related Documents