Haddas Eritrea - June 21, 2009

  • May 2020
  • PDF

This document was uploaded by user and they confirmed that they have the permission to share it. If you are author or own the copyright of this book, please report to us by using this DMCA report form. Report DMCA


Overview

Download & View Haddas Eritrea - June 21, 2009 as PDF for free.

More details

  • Words: 6,822
  • Pages: 8
KkF 18 –Kq cÿ.253

ሰንበት 21 ሰነ 2009

ቃል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተሳተፍቲ። ንኹሎም ምእንቲ ሃገሮም ዝተበጀው ሰማእታት። በዛ ናይ ክብሪ ዝኽሮም መዓልቲ። ወትሩ ሓበንን ቀስቀስቲን ህላዌና ኴንኩም ንበሩ እናበልኩ፤ ነቲ ሕድሩ ከይረስዐ። ዓመት-ዓመት መብጽዓ እናእተወ ሽምዓ ዝውልዕ ህዝቢ ኤርትራ። ኣብ ውሽጢን ወጻኢን። ምስጋና ይብጻሓዮ፣ ወልዶታት ዝሕበኑላ ልዑላዊት ሃገር ንምውሓስ ጥራይ ዘይኰነ። ኤርትራ። ወልዶታት ቀሲኖም ብራህዋ ዝነብሩላ ሃገር ምእንቲ ክትከውን። እነካይዶ ልምዓታዊ ስራሕን ንረኽቦ ገስጋስን። መልክዒ መብጽዓና’ዩ፣ ካብኡ ናብኡ። ዓመት-ዓመት ብዝርአ ለውጢ ዝልካዕ ዘይኰነ። ንዘይንቕነቕ ቁጠባዊ ዕብየት ዋሕስ ዝኸውን መሰረት ምንዳቕ። ዝዀነ መተካእታ ስለዘይርከቦ፤ ምስናይ’ቲ ዘጋጥመና ብድሆታትን ተጻብኦታትን። ኣተኲሮና ከየዝለቕና ክንሰርሕ ስለዝጸናሕና፤ ኣብ 18 ዓመታት። ከበድቲ። ግን’ከ ዘተኣማምኑ ዕማማት ኣሰላሲልና ኣሎና፣ ኣብ ገስጋስ ልምዓታዊ ዕማማትና። ዝተፈላለዩ መክዒታት ከምዘለው ርዱእ’ኳ እንተዀነ፤ እቲ ቅድሚ ኩሉ ሰሪዕና ከም መስፈር ንወስዶ። ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ’ዩ፣ ብናይ ርእሱ ዓቕሚን ሰሪሑን ከብዱ ዘይመልአ ህዝቢ። ዋላ ኣብተን ብባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደላ ሃገራት። ዘይበታተኽ ቁጠባዊ ዕብየትን ርግኣትን ኣለዎ ንምባል ዘድፍር ኣይኰነን፣ ብናይ ርእሱ ሞያን ጉልበትን ትካላትን። ናይ ዝተፈላለዩ ጽላታት ትሕተ-ቅርጻዊ መንጸፍ ከዋድድ ዘይከኣል ህዝቢ፤ ብናይ ልቓሕ ዓቕሚታት ዘእዮ ዕብየት። ካብ ዝፍስም ጥማዕ ምዃን ዝሓልፍ ኪኸውን ኣይክእልን፣ ንናይ ወልዶታት ዘየቋርጽ ፍልጠታዊን ሞያዊ ዕብየት ሰብኣዊ ዓቕሚ። መሰረት ትምህርቲ ዘየንጽፍ ልምዓታዊ መደባት። ቀሃሚ’ዩ፣ ንናይ ሎሚን ናይ ሓዋሩን። ሰፊሕ ህዝባዊ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ውሕስነት ዝህብ ኩነት ኣብ ዘይብሉ ሃገር። ትርጉም ዝወሃቦ ለውጢ ኣብ ዓይነት ሂወት ሰባት ኣሎ ንምባል ዘድፍር ኣይኰነን፣ ትርጉም መብጽዓና ንሰማእታትናን ንዝተሰውኡሉ ዕላማታትን። በዞም ክብ ኢለ ዝጠቐስኩዎም መለክዒታት ዝምዘን’ዩ፣ ንዋታዊ መለክዒታት ንበይኑ ግን። ምሉእ ኪኸውን ኣይክእልን፣ ሓላፍነቱ ዝፈልጥን ዝስከምን ህዝቢ፤ ሓላፍነቱ ዝፈልጥን ዝስከምን ወለዶታት፤ ክብሪ ናጽነቶምን ልዑላውነቶም። ዝግንዘቡን ዘኽብሩን፤ ትርጉም መስዋእቲን ክብሪታቱን ዝፈልጡ። ሰማእታትና ብኣብብነት ዘመስከሩዎ። “ካብ ቅድምን ንበይነይን። ንህዝቢ” “ካብ ንሕጂ። ንንሓውሩ”። ዝብል ክብሪታት ዘልዕል ህዝቢ ወለዶታትን ዘይብሉ። ዘድምዕን ዘላቒን ልምዓት ምውሓስ ዝከኣል ኣይኰነን፣ እዚ ክብሪታት’ዚ። እናጸንሐ ዝሕደስን ዝሰጋገርን ከምዝኸውን ምርግጋጽ’ውን ኪዝንጋዕ ዘይብሉ መብጽዓ’ዩ፣ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን። እዛ ሎሚ ኣብ 2009 ነኽብራ ዘሎና መዓልቲ ሰማእታትና። ናብ ዝበረኸ ልምዓታዊ ደረጃ ከተሰጋግረና ምእንቲ፤ ተተሓሒዝናዮም ዘሎና ዕማማት። ብሓያል ስራሕ ኣማዕሪግና። መብጽዓና ነዀልዓላ፣ ጥሉል ክራማት ይግበረልና።

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንሰማእታትና! ዓወት ንሓፍሽ!

²Äq 8 g³ 1.00 |iÍ

20 ሰነ-መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ። ኣብ መላእ ሃገርን ኣብ ወጻእን ብረዚን ዝኽሪ ተኸቢራ 20 ሰነ-መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ። ኣብ መላእ ሃገርን ኣብ ወጻእን ብዝተፈላለየ ንጥፈታት-ብረዚን ዝኽሪ ተኸቢራ ውዒላ፣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሓርበኛታት ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ። ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍረም። ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብን ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ተወልደ ቀላቲን ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ሕቋፍ ዕንባባ ኣንቢሮም፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ ቃል፤ ንኹሎም ምእንቲ ሃገሮም ዝተበጀው ሰማእታት። በዛ ናይ ክብሪ ዝኽሮም መዓልቲ ወትሩ ሐበንን ቀስቀስትን ህላዌና ኴንኩም ንበሩ” ድሕሪ ምባል። ነቲ ሕድሩ ከይረስዐ ዓመት-ዓመት መብጽዓ እናኣተወ ሽምዓ ዝውልዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ምስጋናኡ ገሊጹ፣ “ኤርትራ። ወለዶታት ዝሕበኑላ ልዑላዊት ሃገር ኮይና ንኽትወሓስ ጥራይ ዘይኮነ። ቀሲኖም ብራህዋ ዝነብሩላ ሃገር ክትከውን እነካይዶ ልምዓታዊ ስራሕን እንረኽቦ ገስጋስን መለክዒ መብጽዓና’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ዓመትዓመት ብዝርአ ለውጢ ዝልካዕ ዘይኮነ። ንዘይንቕነቕ ቁጠባዊ ዕብየት ዋሕስ ዝኸውን መሰረት ምንዳቕ ዝኾነ መታካእታ ስለ ዘይርከቦ። ምስናይ’ቲ ዘጋጥመና ብድሆታትን ተጻብኦታትን

ኣተኲሮና ከየዝለቕና ክንሰርሕ ስለ ዝጸናሕና። ኣብ 18 ዓመታት ከበድቲ ግን ከ ዘተኣማምኑ ዕማማት ከምዘሰላስልና ኣነጺሩ፣ “ንናይ ወለዶታት ዘየቋርጽ ፍልጠታውን ሞያውን ዕብየት ሰብኣዊ ዓቕሚ መሰረት ትምህርቲ ዘየንጽፍ ልምዓታዊ መደባት ቀሃሚ’ዩ” ክብል ዘነጸረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ናይ ሎምን ናይ ሓዋሩን ሰፊሕ ህዝባዊ ጥዕናዊ ኣገልግሎት ውሕስነት ዝህብ ኩነት ኣብ ዘይብሉ ሃገር። ትርጉም ዝወሃቦ ለውጢ ኣብ ዓይነት ህይወት ሰባት ኣሎ ንምባል ዘድፍር ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ። “ሓላፍነቱ ዝፈልጥን ዝስከምን ህዝብን ወለዶታትን፤ ክብሪ ናጽነቶምን ልዑላውነቶምን ዝግንዘቡን ዘኽብሩን ኢዮም “ዝበለ ፕረዚደንት

ትርጉም መስዋእትን ክብርታቱን ዝግንዘቡን ሰማእታትና ብኣብነት ዘመስከርዎ” ካብ ቅድምን ንበይነይን ንህዝቢ” “ካብ ሕጂ ንሓዋሩ”ዝብል ክብርታት ዘልዕል ህዝብን ወለዶታትን ዘለዎ ሃገር ምስ እትኸውን ጥራይ’ዩ ዘድምዕን ዘላቕን ልምዓት ቀጻልነቱ ዜውሕስ ክብል ኣስሚሩሉ፣ ኣቐዲሙ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ተወልደ ቀላቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል ድማ፤ “እቶም ንኤርትራ ቅድሜኺ ይስጠሓኒ ኢሎም ህይወቶም ዝበጀው ሰማእታትና። ብኽብሪ ንዘልኣለም ክዝከሩ ክነብሩ’ዮም” ድሕሪ ምባል። እቲ ማሕላ ኣብ ቦትኡ እቲ ተበግሶ ድማ ከምቀደሙ ከም እምኒ ዓረ ጽኑዕ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ፣ እቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ። ብዝተፈላለየ ባህላዊ መደባት ተሰንዩ ነይሩ፣

ሓዳስ

2

ኤርትራ 21 ሰነ 2009

ወግዓዊ ጽንብል ዝኽሪ ሰማእታት

ሪፖርታጅ ሑሩይ ተኽልኣብ



ማይ ብንግሆኡ ደመና ጠሊ ኣንጠጥዩ። መሬት ዝሕልሕል ኢሉ። እታ መዓልቲ’ውን ርዝንዝን ኢላ’ያ ኔራ፣ ዕምባባታትን ሰትን ዝሓዛ ኣዴታት ንጸሓይ ቀዲመንኣ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ኣስመራ ናብ መቓብር ሓርበኛታት ገጸን የቐንዓ፣ ብዙሕ ሰብ ኔሩ - ግን ከኣ ጫውጫው ዝብል ድምጺ ኣይስማዕን - እቲ

ድምጺ ተኣኻኺቡ ሓደድምጺ ኰይኑ ይቃላሕ፣ ሰዓት 6።00 ኣብ ሓወልቲ ሽዳ ዝተኣኻኸበ ህዝቢ። ብህድኣት ተሰሊፉ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት በጺሑ፣ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን። ብናይ ክብሪ ሰልፊ ተሰንዮም ሰዓት 6።50 እቶም ሓርበኛታት ኣዕሪፎምሉ ኣብ ዘለው ናይ ክብሪ ቦታ ምስ በጽሑ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዕምባባ ኣንቢሩ፣ ብስም ህግደፍ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብ። ብስም ሚ/ሪ ምክልኻል። ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም። ኣደ ወንበር ሃማደኤ ወ/ሮ ልኡል ገብርኣብን ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ተወልደ ቀላትን ተኸታቲሎም ዕምባባ ድሕሪ ምንባር። ኣብ ናይ ክብሪ ቦታኦም ተመሊሶም፣ ብማርሺን ባንድ ተመሪሖም ዕምባባታት ተሰኪሞም ዝመጹ መንእሰያት ድማ። ዕምባባኦም ኣብ ቅድሚ’ቲ ኣብ’ቲ ጐልጐል

ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ምስኣቐመጥዎ። መደብ ብዝኽሪ ሰማእታት ጀሚሩ፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ናይ መኽፈቲ ቃል ኣብ ዘስመዓሉ። “ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዝወሰደ ሓርነታዊ ተጋድሎ ኤርትራ እቲ ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዝተወቕረ ልዕሊ ኹሉ ‘ቅድሜኺ ይስጥሓኒ’ ዝብል ቃለ መሓላ ስለ ዝገንፈለ። ኹሉ ኤርትራዊ ምስ ብሩቱዕ ነጎድጓዳዊ ድምጺ ንወፍሪ ሓርነት ውሒዙ፣ ኤርትራ፣ “ኤርትራየ ቅድሜኺ ይስጥሓኒ

“ዝብል ክኽልከል ዘይተኻእለ ውሕጅ ፈጢራ፣ እቲ ወፍሪ ብኽትኣምኖ ዘጸግም ጅግንነት ተተግቢሩ፣ እቲ ዘይተርፍ ናጽነት ከኣ ተጨቢጡ፣ እቶም ቅድሜኺ ይስጥሓኒ ኢሎም ህይወቶም ዝበጀው ሰማእታትና ብኽብሪ ንዘልኣለም ክዝክሩ ክነብሩ ኢዮም፣ እንሆ በዛ ሎሚ መዓልቲ ኸኣ ዝኽሪ ሰማእታትና ብኽብሪ ነብጽሕ ኣሎና፣” ድሕሪ ምባል። እቲ ማሕላ ኣብ ቦትኡ። እቲ ተበግሶ ከም ቀደሙ ከም እምኒ ዓረ ጽኑዕ ከምዘሎ ብምግላጽ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ነታ ዘፍቅርዋ ሃገሮም ከም ወትሩ ጽንዓት ተዓጢቖም። በብእዋኑ ንዝፍልፍል ተጻብኦታት እናሰገሩን ንዓለም ዘገረመ ብዘደንቕ ናህሪ ይግስግሱ ምህላዎም ኣገንዚቡ፣ ስለ ዝኾነ ኸኣ ቁጠባዊ ሓርነትን ውሕስነት መግብን ንምርግጋጽ ሕድሪ ሰማእታት ብምጽናዕ ኣብ ናጻ መስመርና ረጊጽና። ማዕረ’ቲ ብረታዊ ተጋድሎና ዝዳረግ ንጽዕትን ረሃጽና ነፍስስን ከምዘለና ብምጥቃስ። ኣብዚ ጉዕዞ ኣመዝጊብናዮ ዘለና ዓይንን

\\\\\\\\\\\\\

ብዘይካ ሰኑይ መዓልታዊ እትሕተም ጋዜጣ ኣሰናዳኢ ኣስፍሃ ተኽለማርያም ቍ.ስ 116266/201820(2220)

ም/ኣሰናዳኢ

ዮናስ መሓሪ ቍ.ስ 201820(2212) ፋክስ። 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247

ምዝርጋሕ ጋዜጣ

ቍ.ስ. 125394 ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284

ልብን ዘሐጉስ ሰረታት። መስትያት መጻኢት ኤርትራን ነጻ መስመርናን ምዃኑ ገሊጹ፣ ሎሚ ዓለም ብቑጠባዊ ጸገማት እናተሓመሰት ከላ ሕማም ስውር መግዛእቲ ረዲኤት ዘማሰነን። ትንፋሰን ኣብ ናይ ልማኖ እንጌራ ይስሓግ ኣብ ዘለወሉ እዋን። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግን ናብ መሬትና ኣተኩርና። ስንና ነኺስና ከም ቀደምና ክምህ ከይበልናን ከይተዛነናን። ግዚያዊ ጸገም ከም ስሙ ጊዚያዊ ብምዃኑ። ነብስና ንምኽኣል ወፈራ ጀጋኑ። ወፈራ ኢደይ ኢድካ ነካይድ ከምዘለና ድሕሪ ምጥቃሱ። ኤርትራ ከቶ ርእሳ ከምዘይተድንን ሓቢሩ፣ “ቅድሜኺ ይስጠሓኒ ኤርትራ ናይ ትማሊን ሎሚን ጽባሕን ከቢድ ሕድርን ሓላፍነትን ዘለዎ ማሕላና ኢዩ፣ ብይከኣሎ ጋማ ኣሲራ። ብዋርሳይ ተሓፊራ። ኣነሀና ከኣ ሎሚ መዓልቲ ብሓባር ንዝኽሪ ሰማእታት ደው ኢልና ንምዕባለ ሃገርና ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ ናህሩ ከም ዘይንኪ ሰብ መብጸዓ ምዃንና ነረጋግጽ፣’’ ኢሉ፣ ድሕሪ ቃል ክቡር ፕረዚደንት። ስነጥበባዊ መደባት’ዩ ቀጺሉ። ናይ ዝኽሪ ደርፍታትን መዛሙርን ዘቕረቡ ሌላ ባንድ። ክንዝክሮም ንስውኣት ብጾት ሂወቶም ዘሕለፉ ብጅግንነት ብቀይሕ ደም ታሪኽ ዝጸሓፉ በጃ ህዝቢ ሂወቶም ዘሕለፉ ሓወልቲ ተኺሎም ዝሓለፉ” ብእትብል መዝሙር’ዮም ጀሚሮም፣ እቶም ህጻንት ነቶም ዓበይቲ ኣብ ዝኽሪ ይሸሙ። ንባዕሎም ድማ ታሪኽ ይመሃሩን ኣብ ውሽጦም የውርሱን፣ ኣደይ ለዋህ ኢኺ ትብል ደርፍን ኣይሞተን ስውእ እትብል መዝሙር ብቋንቋ ትግረን ምስቀረባ ከኣ። ፍቕርን ገድልን ተፈራሪቑኒ እትብል ደርፊ’ዮም ኣቕሪቦም፣ ኩሉ ሰብ። ኣብ ከምታ ኣብ ዝኽሪ ሰማእታት ንሓንቲ ደቒቕ ብጽሞና ዝከታተል’ዩ። ምሉእ መደብ ከይተንቀሳቐስ’ዩ ዛዚምዎ፣ ኣብ’ቲ ኣሽሓት ህዝቢ ዝነበረሉ ድምጺ ሃመማ’ውን ብዓውታ ይስማዕ፣ ኩሉ ሰብ ምስ ውሽጡ የዕልል - ምስ ሰማእታቱ የዋግዕ፣ “ኣይተንብዕዋ። ትንባዕ ግደፍዋ” እትብል ናይ ኤፍሬም ሃብተጽዮን ግጥሚ ብነጃት ነስረዲን ምስ ትነበበት። ናይ ሳሆ ደርፊ’ያ ስዒባ “መብጸዓ” እትብል። ብመኮነን ኪዳነ ዝተደረሰት ሙዚቃዊት ድራማ’ውን ስዒባ፣ መብጸዓኦም ኣሐዲሶም ይኸዱ፣ “ንጽናዕ ኣብ ኣሰሩ ማይ ክዛሪ መቓብሩ” ዝብል ትሕዝቶ ዘለዋ ደርፊ ናይ ኣበባ ሃይለ ድማ ኣሰንያታ፣ ሓንቲ ናይ ናራ ደርፊ ምስ ቀረበት። ኣደ ስውእ ትብል ናይ ዳዊት ሽላን ደርፊ መዛዘሚት መደብ ኮይና፣ ካብኡ ተመሊሱ ህዝቢ ኣብ ኮማዊ ዳሳት ኮይኑ ብሓባር ምስ ሰማእታቱ ከዐልል ውዒሉ፣

ኣይተንብዑዋ። ትንባዕ ግደፍዋ! ሰማይ ንብዓቱ ‘ተ ዝውሕጦ ምልኣቱ። ምቖት ጸሓይ ‘ተ ዘህፍፎ ንባሕሪ መን ምመልኦ? ንመሬት መን መጥለሎ? መንከ ንጽምኢ ትማሊ ምሰዓሮ? እንተ ወሓዘ ንብዓት ‘ታ ‘ደ ኣዒንታ ጀረብረብ ኢሉ ውሽጣ ከም ተፈጥሮ ገንፊሉ በርቂ ነጎዳ ኣስሪቡ። እንተዘነበ ኣይትንብዒ ኣይትበሉዋ ዓይኒ ደኣ ትኪ’ኳ ዝስዕራ ምህራም ኣፍንጫ ኣይሂ ዘንብዓ ይትረፍ ሓበን ዝኽሪ። ዘንብዓ’ኳ ጓሂ ኣይትንብዒ ኣይትበሉዋ ንብዓት ፍቕሪ! ‘ተ ነብዐት ዘዘኪራ ቦኽርን ሕሳስልደን እንድያ ከፊላ ናፊቓ ቡቕሊ ማህጸና ዕግበት ልባ ገንፊሉ ምልኣት መንፈሳ ዛርዩ ውሽጣ ራሕሲ ‘ተ’ውሓዘ ኣይትንብዒ ኣይትበሉዋ ንብዓት ዝኽሪ! ጽሩራ ውሽጣ መሬት ዓሊቡ ምንጻፍ ውሉዳ ኣጥሊሉ ነቲ ፍቕሪ። ሃገር ዘንገሰ ባና ብርሃን ዝለገሰ ሰላም ኢላቶ ንውሉዳ ኣብዚ ዘግዘማ ሰላም ኮይና ናፊቓቶ’ያ ነቢዓ! ጥራይ… ንብዓታ ንውሽጠ-ውሽጢ ከይዘሩቕ መትንታት ኣካላ ከይጸብብ መሻርብ ኣዒንታ ከይዕበስ ከይጸምእ መንፈሳ ከይናፍቕ ማህጸና ኣጽንዕዎ ዕርፊ ሕድሪ እለይዎ ክርዳድ ምርዳድ ካብ ከርሲ ‘ዛ ምድሪ ንኸይትነብዕ! ጥራይ… ንብዓታ ከይከውን ቆልቋል ጎኒ ዓጋም ስግር ናፍቖት ከይከውን እህህታ ከይትኸውን ኣስተማሲላ ኣጻብዕትኹም ሓቢረን ኣርቃይ ኣጸንቢዐን ሓደ ልቢ ፈጢረን የድምቕኦ ሰማያት ኤርትራ ሓደራ ኣይተንብዑዋ! ጥራይ… ንብዓታ ከይከውን ዓው ኢልካ ዘይብከዮ ሞት ሕጹይ ነጠብጣብ ውሒጡ ራሕሲ ዘባድም ከይከውን ንብዓት ጽምዋ ከይህልዎ ናይ ምቚዛም ቃና ኣንጠብጥብዎ ረሃጽኩም ዓስቢ መስዋእቲ ሕሩያት ህነጹላ ኣዳራሻት ክትነብር ከይነብዐት ሓበን እናውሓዘት! ጥራይ ኣይተንብዑዋ ትንባዕ ግን ግደፉዋ ሓበን ኣለዎ ንብዓታ እናኣሓበንኩማ ተሓበኑሉ ነዚ ሃገር ዘማሙቕ ንብዓት!

ኤፍረም ሃብተጽየን

ኣገደስቲ ቴለፎናት

ለይ-ኣውት ኣማኑኤል ተኽለ ኤደን ገብረመድህን ሰላማዊት ክብረኣብ

ሳምራዊት መለስ ዘቢብ ተወልደ ራሄል ግርማይ ሓበን ስብሃቱ

መጥፋእቲ ሓዊ 202099 202260

ፖሊስ ዞ/ማእከል ፖ/ትራፊክ ዞ/ማእከል) 120555

ቀይሕ መስቀል

ማ.ቤ.ጽ. ፖሊስ ኤርትራ

122244

127799

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ 152817

ሓዳስ

ኤርትራ 21 ሰነ 2009

3

ልዝብ መንእሰያት ኣደ ስዉእ... "ተመስገን" በሊ! ዎ ክብርቲ መሬት! ዎ ኣደ ስዉእ ሓርበኛ!... መፈጠርና ከም ኣዳም ካብ ሓመድ ንሓመድ እዩ። ብትንፋስ ዓዂኹና ቋሕ ሰም ክንብል፣ ከም ፍጡራት ብኽልተ እግርና ረጊጽና ንኽንድልድል ዝገበርኪ ንስኺ ኢኺ። ካብ ዓጽምኺ ዓጽሚ፣ ካብ ደምኪ ደም፣ ካብ ፍረኺ ፍረ ኴንና ኣደ። ካብቲ ክቡርን ቅዱስን ማህጸንኪ ምፍራይና፣ ብሓቂ ዕድለኛታት ኢና። ኣብ ሞንጎናን ሞንጎኽን ዝርከብ ዘይብተኽ ናይ ፍቕሪ ገመድ፣ ከም ሓደ ኣካልን ኣምሳልን ጠሚሩና ይጐዓዝ ኣሎ። ንስኺ እንተዘየለኺ ከም ዘይንህሉ ኣሚንና፣ ህላወኺ ኣብ ሕቶ ምልክት ከይወድቕ ወትሩ ደው ኢልና ጸላእትኺ ነቛምት ኣለና። ኣደ፣ ንኽንዓብን ሰብ ንኽንከውንን ዝሓለፍክዮ ኣደራዕን ከልበትበትን ንኽብርን ርዝነት ክብርኽን ሰማይ’ዩ ዘዕርጎ። ካብ ማህጸንኪ ንዝወጸ ፍረ፣ ኣብ ሕቕፎኺ ማሚቑ ብብሌን ዓይንኺ ርኢኺ መኣስ ጸጊብክዮ? ኣይኮነን ናብ ሓውን ዓረርን፣ ቀተልትን ዓመጽትን፣ ናብ ጓይላን ዳስን ክኸይድ ከሎ'ኳ ከብድኺ ዘሕቦጭቡጭ። ከም ወላዲት ንትሽዓተ ወርሒ ኣብ ማህጸንኪ ንዝተሰከምክዮ ውላድ፣ ካብ ሕቕፎኺ ከይረሓቐ ጉጅም ክትብሊ ትጸልእዮ ኣይኮነን። ኣይኮነን ንስኺ፣ ኣደ ዓማጽን ቀታልን’ካ ውላዳ ካብ ቅድሚኣ ክርሕቕ ኣይትደልን እያ። የግዳስ ውድቀትኪ ንኽርእዩ፣ ብሽግርን ጸበባን ወዲቕኪ ኣላሽ ክትብሊ ዝምነዩ፣ ተሳዒርክን ተዳሂኽክን ክርእዩ ዓይኖም ዘፍጥጡ ጸላእቲ ኣለዉኺ። እዚኣቶም! ማህጸንኪ እንተዘይኣድሪቖም፣ ኣብ ትሕቲኦም እንተዘይኣንበርኪኾምኺ፣ ጅግና ከም ትወልዲ ይፈልጡ እዮም። ጅግና እንተ ተጸዊዑ ኣብ ድሕሪኡ ንስኺ ከም ዘለኺ መን ይስሕቶ ኣደ። ካብ ኣካልኪ ኣካል ካብ ስጋኺ ስጋ ዝመጠኺ ትንፋስን ሩሕን ጅግና እንዲኺ! ደቅኺ፣ እቶም ኣብ ልዕሊ ዓመጽቲ፣ ጀጋኑ ክኾኑ ዝመረቕክዮም፣ ቈይሞም ምእንታኺ እንተ ዘይከላኸሉ፣ ማህጸንኪ ዘድርቑ፣ ቁንቁነን ጎመዳን ምዓሰሉኺ። እዚ ግን ኣይተፈጸመን። ኣብ ጅግና ዘሎዎ መሬት ከቶ ንዘንትእለት ኣይፍጸምን’ዩ። ከቢርክን ተሓፊርክን ክትነብሪ፣ ንስለኺ ዋልታ ኾይኖም ቅድሜኺ ዝስጥሑ ውሑዳት፣ ግና ኸኣ ስሙራት ደቂ ከለዉኺ እትኾንዮ የብልክን። ደቅኺ ደቂ ሓደ ልብን ደቂ ሓደ ዕላማን እዮም። ምስ ዕራርቦ ጸሓይ ትንፋስ ንኸይትዓርብ ከም ጸርጊ ብርሃን ብምብራቕ ተቐልቂሎም ጸላእቶም ክህሙኹ ሓይሊ ዝኾንክዮም ንስኺ ኢኺ። ትረትን ጽንዓትን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ

ዕልልታኺ ከም ነጎዳ ሓሞት ጸላእትና ኣፍሲሱ እዩ። ኣደ ጅግና፣ እዛ መሬት ክብራ ዓቂባ ስልምትን ሕፍርትን ኮይና ንውሉድ ወለዶ ንኽትነብር፣ ካብ ከርሲ ማህጸኑ ንማህጸኑ ዝኸውን ፍጡር ምስ እትረክብ እያ። ጽንጽያ ዓይና ሰስ ኢሎም ከንፍሩ ዝደልዩ ጸላእቲ ዝረኣዩ እንተ ረኣዩ ከቶ ኣይቀርቡን እዮም። ህይወት ዘይ ዕምሪ ቋሕ ሰም እያ። ዓይንና ዝርእዮ ነባሪ ብርሃን እንተ ዘይብሉ ህይወት ትርጉም የብላን። ሰብ ተወሊዱ ክሓልፍ መስርሕ ካብ ኮነ፣ ኣማውታ ምምራጽ ኣብ ሓመድ ተደብዩ ዘይተርፍ ክብሪ ኣሎዎ። ክብሪ ዘልኣለማውነት! እዚ ዝኣመነ ናይ ውሉድ ወለዶ ርስቲ ከይትጠፍእ፣ ዝተወልዐት ሽምዓ ብርሃን ጸላም ከይውሕጣ፣ ከም ቆፎኡ ዝተተንከፎ ንህቢ ሆ! ኢሉ ዝተመመ ብዘይካ ናይ ማህጸንኪ ፍረ ካልእ ኣይነበረን። ኣብ’ቲ ሆይሆይታ፣ ኣብቲ ኣርክብ ኣርክብ፣ ሓመድን ሓጻውንን ዝዘንቦ ቦታ ሰብ ፍጡር ዋላ’ውን ጅግና እንተኾነ ብመስዋእቲ ይሰዓር እዩ። ንሱ እቲ ናይ ማህጸንኪ ፍረ ኣብቲ ሓዊ ብሓቂ ጥምጥም መሬቱ ከየድፈረ ወዲቑ። ብዝዛረየ ደሙ ከይንሓዝን ተላብዩ፣ ብሓደ ልቢ ክንቅጽል ኣድሚጹ ኣብ መሬቱ ተሰትዩ። ዎ ኣደ ስዉእ፣ ዕላልኪ ዕላል ጅግንነትን መኸተን ድምጺ ሓቅን ርትዕን እዩ። ጽንዓትኪ ከም ጽንዓት እዮብ ንትማል ዘማዕዱ ነይሩ እንተዘይከውን እዚ ኣብ ዙርያኺ ዘሎ ብርሃን ከቶ ኣይምሃለወን። ደቅኺ መሪቕኪ እንተ ዘይተፋንዊ ንባቡር ንብዓት ዝኸውን ልሳን’ኳ ኣይምረኸብክን። ካብ መሬት በቚሉ ንመሬት ዘይከውን ኣይፍረይን እንድዩ ጭርሖኺ። እዚ እምነትኪ ኣእላፍ ኣመንቲ’ዩ ኣብ ዙርያኺ ፈጢሩ። ጸላእትኺ’ኳ እዚ እምነት እዚ ከቶ ከም ዘይሰዓር ካብ ዝፈልጡ ዓመታት ኣሎዎም። ካብ እምነትኪ ዝበቘለት ትንፋስ ንእምነትን ሓቅን ከም እትሓልፍ ብዘይካናን ብዘይካኽን ዝፈለጠ የልቦን። ከም እምነትና ድማ ኮይኑ ኣደ። ደቅኺ ክሳድኪ ከም ተድንኒ፣ መንጠሊና ሓዘን ከም እትኽደኒ ኣይገበሩን። እኳ ደኣ ከም እትሕበኒ፣ ካዕነን ኢልኪ ክትረኣዪ፣ ከም ወላዲት ጅግና ኣፍ-ልብኺ ንኽትነፍሒ እዮም ንስለኺ ወዲቖም። ኣደ፣ ሕጂዶ ደኣ ቃና ክትቅይሪ ኢኺ? ሓቦኽን ጽንዓትን፣ ዘይተሳዓርነትክን መኸተኽን፣ ብሓዘንን ብምኹርማይን ክትካእ ድዩ?... ኣይፋልክን። ኣደ ጅግና ዝደንን ርእስን ዝድዕጎር ጸጉርን የብላን። ከም ወላዲ ርህርህቲ ስለ ዝኾንኪ ንቡር ንብዓት ንብዒ። ዓጽሚ፣ ደምን ሩሕን ዝመቐልኪ ስለ ዝኾንኪ ንቡር ንብዓት ንኽትክልከሊ ኣይግባእን። ንብዓትኪ ከም ንገነት

ዘስቲ ሩባ ኤደን ኣብ መቓብር ስዉእ ወድኺ ራሕሲ ይግደፍ። … ሓደራ ግና ኣይትቘዝሚ! ንኽብሪ ስዉእ ወድኺ ኪንዮ ንብዓት ዝሓልፍ ንጽንዓትን ሓቦኽን ዝብልል ስምዒት ኣይተርእዮ። ንምቑዛምን ምስቍንቋንን ጸጕሪ ምድርማምን ምድዕጓልን፣ ንኣውያትን እህህታን ዋናታት ኣለዋኦ። ዘይመሬቶም ክዘምቱ ደም ከልቢ ዚኾኑ፣ መላስ ኣውያት ዘይብሎም ብዘይ ቀብሪ ዝተረፉ፣ ኣዴታት ናይዚኣቶም ይኮርመያ። ደቀን ሞት ክናና ስለ ዝሞቱ እንተ ኣእወያን እንተጨደራን ይግብአን ይኸውን። ኣደ፣ ከብድኺ ከም ቀደምኪ እምኒ ምለስሉ። ብመስዋእቲ ደቅኺ ከይትሓዝንን ከይትዅርመይን ዝዓጠቕክያ ቅናት ጥራሽ ከይትፈትሕያ። ስዉኣት ደቅኺ ጸሎትን ሃሌሉያን እዩ ደበሶም። ኣደ፣ እስከ ኣብቲ ኣብ ልዕሌኺ ዝርከብ ሰፊሕ ኣድማስ ኣንቃዕርሪ። ኣርማ ናይ ሰላም ኣዕዋፍ ኣስተርሕየን ዝዕንድራሉ ህዱእን ሰላማውን ሰማይ ይርኣየኪዶ ኣሎ? እስከ ነዛ ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ብሓጺንን ጭራሕ ምራሕን ትጭነቕ ዝነበረት መሬት ብኣርባዕተ መኣዝን ኩለልያ?... ውላድኪ ዝሓደጎ እፎይታ፣ ንፋስ ሰላም ቅሳነት ሓዚሉ ክዝንቢ ክጸንሓኪ እዩ። ካብ ጻት ንጻት ኣዕጽምቲ ደቅኺ መካበብያ ኮይኑ ሰላም ዘውሓሶ ሂወት’ዩ እዚ ተስተማቕርዮ ዘለኺ። ንብዓትና ብመስዋእቶም ደሪቑ’ዩ። ሓዘንና ብሳላኦም ናብ ዕልልታ ተቐዪሩ እዩ። እዚኣቶም እዮም ፍረ ናይቲ ቅዱስ ማህጸንኪ ኣደ። ነዚኣቶም ዘፍረየ ማህጸን፣ ነዚኣቶም ዝወለደት ኣደ፣ ንኽትጸንዕ መንፈስ ቡራኬ ዝዓሰላ ስለዝኾነት ብሓዘን ትኹርመየሉ ምኽንያት የለን። ኣደ ስዉእ፣ ከም ማቱሳላ ነዊሕ ዕድመ ንደቅኺ ዘይተመነኺ ኣይኮንክን። ድቂ ፍረ ማህጸንኪ ዘሚዶምን ወሊዶምን ክበዝሑን ክፈርዩን ናይ ወትሩ ትምኒትኪ ነይሩ። የግዳስ እዛ ረጊጽክያ ዘለኺ መሬት ትርኣሳ ደምን ዓጽምን ካብ ኮነ ልግስኺ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ቀሪቡልኪ? እዚ ሕቶ እዚ ምስ ተላዕለ ኣይተማታእክን፣ ብዋጋ መሬትን ክብርን ትዳነዪ ስለ ዘይኮንኪ፣ "መሬተይ ክምእምኣ ከርሳ ክማሙቕ ፍረ ማህጸነይ እልግሰላ ኣለኹ" ኢልኪ። ሓደ ውላድኪ ከይበቐቕኪ ከም ገንሸል ፋሲካ ናብ ዓረርን ሓውን ልኢኽክዮ። ኣደ ሓደ እንዲኺ ደኣ ኔርኪ። ዓይነይ ክነቁር ግና ኣይበልክን። ዓይኒ ብዙሓት ተደፊኑ ጸላም ክነግስ ምርጫኺ ኣይኮነን። ንሱ እቲ ሓደ ወድኺ ባና ብርሃኑን ሰላሙን’ምበር ብኣካል ኣይተመልሰክን።

ጸበባን መከራን ኣብ ርእሲ ርእሲ ተሓናጊሮም ክስጉሙ፣ ከም በትሪ ሙሴ ብትእምርቲ ማዕበል ገኒሑ ጸጥ ዘበለ ደም ደቅኺ’ዩ። እዚ ትርእዮ ዘለኺ ብርሃን ዋጋ ደምን ዓጽምን’ዩ። ብጸሓይ ክንማሙቕ፣ ብዘይ ስግኣት ወርሕን ከዋኽብትን ቀው ኢልና ክንጥምት፣ ሩፍታን እፎይታን ደቅኺ እዩ ኣደ። ነዚ ረዚን መዐቀኒ ኣልቦ ትእምርቲ ሞሳኡ ጓህን ሓዘንን እንተኾይኑ፣ ክብሪ ስዉእ ምድዋንን ምምርሳሕን እዩ። ስለ ዝኾነ ሓቦን ጽንዓት ሰኒቕኪ፣ “ተመስገን ስዉኣት” እንተ ኢልኪ ኢኺ መቓብሮም ዝቐስንን

ደበስ ዝኾኖምን። ኣብ ልዕሊ’ታ ስዉኣት ዝወደቑላ ክብርቲ መሬት እፎይ ኢልና ተስፋ ነሕድር፣ ንውሉድ ወለዶ ዓቂብና ሃገር እነረክብ፣ ንብዓትን ሓዘንን ወጊድና፣ "ሳላኹም’ዩ ስዉኣት" ምስ እንብልን ሕድርና ምስ እነጽንዕን ብዘይጥርጥር ስዉኣት ክድበሱ እዮም። ኩሉ ብሳላኦም ስለዝኾነ፣ ዓቢና ንእሽቶና ደጋጊምና፣ “ተመስገን ስዉኣት!” ንበል። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና ብንያም ፍስሃጽዮን

ራኢኻ ክፍጸም እቶም ናይ ትማሊ ሰብ ክልተ ሚዛን ንዓለም መዝሚዞም ዘእተዉላ ዛንዛን ዝዛረየ ደምካ ከም ውሕጅ ከይወስዶም ብዓለባ ሳሬት ክሽፍኑ ጉዶም ኣብ ቅልውላው ኣትዮም መጋርያ ኣጒዶም ዓመጾም ክትምክት ክትቆስል ክትደሚ ጋዛት ክንስንሱልካ ዘየላቡ ስሚ ሃምበል መኸተኻ ትዝ ኢሉኒ ሎሚ ባህግኻ ሕልምኻ ክኸውን ፈጻሚ ኣብ ጥጡሕ ረጊጸ ዝያዳ ካብ ዓሚ እትግብሮ ኣለኹ ዝተሓንጸጸ ትልሚ ስለዚ ኣብ’ቲ ዘለኻዮ ኣብ ክቡር ስፍራኻ ስዉእ ሞባእ ሃገር ቅሰነለይ ኢኻ እታ ዝወደቕካላ ገንሸል ተበጂኻ ናጻ መስመር ሒዛ ከምታ ለበዋካ ድርኩኺት ረጊጻ ኣላ ክትፍጽም ራኢኻ! እታ ዝሰዓርካያ ናይ ትማሊ ዓለም ትቃለሰና ኣላ ራኢኻ ከይፍጸም ጠሉ ከይነቐጸ ዝኸፈልካዮ ደም ዘሕፍር ታሪኻ ሎሚ’ውን ክድገም መቓብርካ ኣልሚዕና ከይንገብሮ ለምለም ክርዳድ ብምድቓል ካብ ስርናይ ካብ ስገም ከደምቲ ዓሲባ ያኢ ከተእትወና ኣብ ጸገም ይምከት ግን ኣሎ ከምቲ ዝሓለፈ ኣብ ታሪኽ እዛ ምድሪ ጸሊም እናገደፈ ዋርሳይ ፈጻሚ ሕድሪ ከቶ ነይሰነፈ ቅያ ይከኣሎ ዳግም እናጸሓፈ ኣብ ባቡር ምዕባለ ከደ ተወንጨፈ ስኒ ነኺሱ እወ ከምቲ ናይ ትማሊ ኣብ ምረሻ ልምዓት ብጽንዓት ብዓቕሊ ክርዳድ እንጸጸየ ኣርዩ ካብ እኽሊ መቕርብ ሰማእታቱ ክጥውር ክኣሊ መብጽዓ ይኣቱ’ሎ ወትሩ ብቐጻሊ ሃገርካ ጅግና ... ከምተን ብምጽወታ ለሚሰን ዝነብራ ድሕሪት ዝተመልሳ ብግዕዙይ ምሕደራ ኲናት ምስ ዓጸቦ ከይቆጸዮ ዕድላ ራኢኻ ዝፍጽም ኣጽኒዑ ሓደራ ብርእሰ-ምርኮሳ ዝመርሓ ብሓራ ውፉይ ህዝቢ ኣለዋ ሓበና ኤርትራ

ጎይታኦም ጊለ (ካብ ሮተርዳም ሆላንድ) ሰነ 2009

ሓዳስ

4

ኤርትራ 21 ሰነ 2009



ርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብ ምጽንባል መዓልቲ ሓርነትናን ናጽነትናን ዘሕለፍናዮ ፍስሃን

ደስታን ሃገግታኡ ካብ ኣእምሮና ከይበነነ። ናብ ካልእ ረዚን ሃገራዊ መዓልቲ ሰጊርና ኣለና፣ እዘን ኣብ ግንቦትን ሰነን ዝኽበራ መዓልታት። ዘልኣለማውያን ዝገብረን ምፍጣርን ምንባርን ኤርትራን ኤርትራውያንን ዘውሓሳ ድሙቓት መዓልታት ምዃነን’ዩ፣ ነቲ ኩሉ ኣብ ቅንያት ግንቦት እተገልጸን እተስተማቐረን ሃዋሁ ኣሕሊፍና። ጕዕዞ ገድልናን መኸተናን ተዓዋቲ ንምግባሩ ንዝተኸፍለ ዋጋ። ፍቕርናን ኣኽብሮትናን ንምንጽብራቕ

“ዋላ ካልእ ዝወሃብ እንተሃለወኒ ህይወተይ እየ ዝህብ” ሰማእቲ

ኢና ኸኣ ኣብ ሰነ ነስተንትን፣ ኣስተንትኖና ግና ናይ ጓሂን ዒሕን ኣይኰነን፣ ኣስተንትኖና ናይ ሓበንን ብሓበን ዝድረኽን’ዩ፣ ኣብ ኣፈፌት ክረምቲ ኴንና ብተስፋ ከነማዕዱ ንዘኽኣሉና ስውኣትና። ምንባርና ከመቅሩ። ሰላምና ከርግኡ። ድሕነትና ከውሕሱ ክቡር ህይወቶም ንዝበጀዉ ሰማእት “ሳላኹም’ዩ” ንብሎም፣ ነቲ ርዝነት ጸላም ዝነበሮ እዋን በርሃው ስለ ዘበሉልና ንምምጓሶም ሰንደልደል ካብ ዝብል ሕጻንና ክሳብ ምርኵስ ዝሓዘ ሽማግለና ኣብ ገዛናን ኣደባባያትናን ጥዋፍና ሒዝና ነማሲ፣ ጀጋኑና ዝኸፈልዎ

መስዋእቲ ብቕድስና ክባረኽን ናብ ሰማያት ክዓርግን። ኣብ መሳጊድናን ኣድባራትናን ንጽሊ፣ ኩሉ ዝገደፍዎ ግዴና ምዃኑ ከም ንኣምን። ሕድሪ ንዝበልናዮ ከም ዘይንርስዕን ኣብ ምዕራፉ ከነብጽሖ ቃልስናን ስምረቱን ከም ዘይነቅዕ ንምርግጋጽ “ቅሰኑ ሰማእታትና” ንዝምር፣ ኣብ ጕዕዞ ቃልሲ ሃገርናን ሃገራውነትና ብብዝሖም ይኹኑ ክብደቶም ፈተንቲ ዝዀኑ ፍጻሜታትን እዋንን ከም እተሓልፉ ግድን ማህደር ምግንጻል ዘየድልዮ ኣካል ነብስና ዝዀነ ታሪኽ’ዩ፣ እቲ እዋን

ሕልሚ ስውኣት ኣሕዋተይ ሰነ 2003 እዩ፣ ልኡላውነትና ንምርግጋጽ ኣብ ዝተገብረ መኸተ ናይ ዝተሰውኡ ኣስማት ሓርበኛታት ንስድራቤት ኣብ ዝተነግረሉ እዋን፣ ኣብቲ እዋን። ቅድሚ መመረቕታ ክህቦ ንዝግባኣኒ ናይ ዪቨርሲቲ ኣገልግሎት ንምፍጻም ኣ ብ ቲ ዝተመደብኩሉ ቦታ ነይረ፣ እቲ ቦታ ከ ባ ቢ ተ ሰ ነ ይ እ ዩ ፣ ም ዱ ብ ስርሓይ ካብ ዝጅምር ነ ዊ ሕ ኣይገበርኩን፣ ተሰነይን ከባቢኣን ነዚ ናይ መኸተ ቃልሲ ካብ ዝተመስከረለን ቦታታት እያ፣ ሽዑ ንግሆ ድማ ኣብኡን ኣብ ካልእ ቦታን ኣብ ዝተኻየዱ ግጥማት ናይ ዝወደቑ ጀጋኑ ኣስማት ብወግዒን ብኽብሪን ንስድራኦም ክንገር ምዃኑ ፈሊጥና ነይርና፣ ንግሆ ክንሱ ጩራታት ጸሓይ ንመደቀሲና ስለ ዘሞቖ ንፋስ ንምርካብ ኣብቲ ዝተኸለለ ቀጽሪ ምስ ብጾተይ ተኣከቢና፣ ብእኡ ንብኡ ድማ ብዛዕባ እታ ዕለት ክንመያየጥ ጀመርና፣ ማዕዶ ካብቲ ዝነበርናዮ ከኣ ብውልቅን ብእኩብን ናብ’ቲ ኣደራሽ ወረር ወረር ዝብሉ ተቐማጦ ተዓዘብና፣ ናብቲ ኣስማት ዝንገረሉ ቦታ እዮም ዝኸዱ ነይሮም፣ ንሕና ድማ ልሳንና እናተዛረበ

በብውሽጥና ናብ ሓሳብን ዝኽርን ጥሒልና፣ ነቲ ንመላልኦ ዝነበርና ዕላል መን ቆሪጽዎ ኣይዝከረንን፣ ነፍሲ ወከፍና ግና መዕለቢ ናይቶም ናብ መኸተ ዝተፋነውና። ደሃይ ካብ ዘጥፍኡ ነዊሕ ዝገብሩ ስድራና። መተዓብይትና። መማህርትናን ፈ ለ ጥ ት ና ን እንታይ ኰን ይ ኸ ው ን ን ብ ል ነይርና፣ ኩነታቶም ብ ቐ ረ ባ ክንፈልጠሉ ኣ ብ ዘይንኽእል ቦታ ምህላውና እቲ ዘየተንፈስናዮ። ኣብ ውሽጥና ዝነበረ ተወሳኺ ስምዒት’ዩ፣ ድሕሪ ገለ መዓልታት ማለት ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሓምለ ንዝግበር ስነ-ስርዓት ምረቓና ናብ ኣስመራ ክንንቀሳቐስ ምዃና ግና ብኸፊል ካብ ዘደዓዓሰና’ዩ፣ ኣብ መንጐ፤ “ንኺድ” በለ ሓደ ካባና፣ “ናበይ?” ዝቐረበትሉ ሕቶ’ያ፣ “ናብቲ ኣስማት ዝንገረሉ ዘሎ ኣደራሽ” እቲ ቀዲሙ እተዛረበ ብጻይና መለስሉ፣ “ናይ መን ስም ክንሰምዕ?” ስቕ ኢሉ ዝነበረ ካልእ ተዛረበ፣ “እቶም ኣብኡ ኮነ ኣብ ካልእ ኣስማቶም ዝጽዋዕ እኮ ብማዕረ ኢና ንፈልጦም፣ ብስሞም ዘይትፈልጦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ እንተዀነ

ናይ ሓባር ዕላማን ስምን ዘለዎም እዮም፣ ሰማእታትና በብንጽል ዘይፈለጥክዎም ዝበሃሉ ኣይኰኑን፣ ከምቲ ሓቢሮም ንሃንቀውታና ጋህዲ ዝገበሩ። ንሕና’ውን ተኣኪብና ንዝኽሮም ነዐምሮ፣ ትማሊ ዝገብርናዮ እግሪ ጕዕዞ። ንዕኦም ካብ ዘለና ክብሪ ዝብገስ’ዩ፣ ስለዚ እቲ ኣደራሽ ከኣ ናይ ስውኣት’ዩ፣ ነቶም ኣብኡ ዘለው ስድራ ድማ ተሓበኑ ንብሎም፣…” “ከይዀልፈካ ኢለ እምበር ሓሳብካ እሰማማዐሉ’የ” እቲ ናበይ ኢሉ ዝሓተተ ብጻይና ተዛረበ፣ ድሕሪ’ዚ ብድድ ኢልና ኣንፈትና ናብኡ ኣቕናዕና፣ ናብቲ ማእከል ሓበን። ጽንዓትን ፍቕርን ዝዀነ ኣደራሽ፣ ኣስመራ መጺኤ፣ መስዋእቲ ናይ መቕርብ። ኣዕሩኽን መማህርትን ሰሚዔ፣ ካብ ነንሕድሕዱ ዝኸብድ እዩ፣ ክትጸንዕን ክትሕይልን ከም ዘለካ እቲ ሃዋሁ ይዛረበካ፣ ስምዓኒ ይብል፣ እዚ ዝተኸፍለ’ዩ፣ ዝተረፈ። ዝጽበየካ ብዙሕ’ዩ፣ ኣይትሕመቕ ዝብል ሕሹኽታ ኣብ እዝንኻ የንበድብድ፣ ዕጥቅኻ ሸጥ ከተብል ዝምሕጸን፣ ሰማዒ ጥራይ ከይትኸውን ዝምዕድ፣ ከምዚ ዝበለ ሃዋሁ እንከሎ ኢና ድማ ንምረቓ ኣብ ቅርዓት ዪኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝተኣከብና፣ ኣብቲ ቀጽሪ ኰይነ ነቶም ዕድመይ ምሉእ ሕልመይ ኣብ ትምህርቲ ክዕቢ ዝሓገዙኒ። “ዶክተር ኢኻ ትኸውን” ኖእ “ፕሮፌሰር እዩ ዝኸውን” እናበሉ ዝሕብሕቡኒ ዝነበሩ። ኣብቲ ቅንያት መስዋእቶም እተነገርና መቅርበይ ነታ ዝሃርፍዋን ዝሓለምዋን ህሞት እንተዝርእይዋ ዝበልኩ፣ እንተዝርእይዋ፣

ተስፋልደት ሓጐስ

ተሓሊፉ ንብሎ ግና ብዝቐየርናዮ ዓውደ ኣዋርሕ ኣይኰነን፣ ተሓሊፉ ንብሎ ቃንዛና ብዕልልታ ስለ እተደበሰ’ዩ፣ ተሓሊፉ ንብሎ ማይ ስለ ዘይዓሞኽና’ዩ፣ ተሓሊፉ ንብሎ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ብዓወት ስለ እተሓፍሰ’ዩ፣ መስዋእቲ ምሃብ ማለት’ዩ፣ ንስኻ ካብ ትውንኖ ዝበልጽ ነገር ንምርካብ ንእተፍቅሮን ክህልወካ እትምነዮን ክቡር ትሕዞኻ ምሃብ፣ ምሃብ? ክቡር? ክንጠቕሶም ከለና ካብ ኣምራዊ ትርጕሞም ከነዳቕቖም ዘለና ቃላት እዮም፣ ምኽንያቱ ንሓደ ክቡር ዝዀነ ነገር ነቲ ካልእ ተራ ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ ጐድኒ ጐድኑ ድማ ወዲ ሰብ ብምሉእ ድምጺ ዝሰማማዓሉ ‘ክቡር’ ዝበሃል ትሕዝቶ ኣሎዶ? ምባል ኣይተርፍን’ዩ፣ ብርግጽ ኩሉ ዝ ኣ ም ነ ሉ ን ዝሰማማዓሉን ክቡር ነገር ኣሎ፣ ግና ንኽህበካ ማዕረ ክንደይ ድልዊ’ዩ? ስዒቡ ዝለዓል ሕቶ’ዩ፣ “ብዘይካ ጉልበት። ንብዓት። ረሃጽን ደምን ካልእ ዝወሃብ የብልየን፣” ዊንስተን ቸርችል ዝበሎ እዩ፣ ሓርበኛታትና ግና ልዕሊ’ዚ ዝወሃብ ከም ዘሎ እዮም ኣርእዮምና፣ ተቓለስቲ ኤርትራ (ብዓቕሞም) ንዝውንንዎ ንብረትን ጥሪትን ራሕሪሖም። ጸይሮም። ንጥቕሚ ክቡር ዕላማን ንሓፋሽን ክውዕል ወሲኖም ናብ ቃልሲ ክስጉሙ ፈለማ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ’ዩ፣ ስጋ ሰብ ንጣዕሚ ክቀዳደም። ዘይብሉ ከጥሪ። ዘጥረየ ከሰስን ካብ ዝጓየ ዘርኢ ወዲ ኣዳም እተፈጥረ ሰብ። ናብቲ ኳሕን ኵርኳሕን። ጽምእን ጥምየትን። ጽንዓትን ትብዓትን ዘድልዮ ገድሊ ክምርሽ ከሎ ኣድማስ ትርኢቱ ብምስፋሕን ንቕሓቱ ብምብራኽን እዩ፣ እዚ ዓቢ መቐይሮ ኣብ ፍልቀት ደቂ ሰብ’ዩ፣ ስድርኡ ፍቕሩ ከም ዘድልዮም ንሱ ከኣ ፍቕሮም ከም ዘድልዮ እናፈለጠ ነቲ ኣብ ምዑዝ ሽታ ሓፋሽ እተሓወሰ ቃሬት ጨና ንምንጻህ ምስ ጩራ ጸሓይ እናተጋደለ። ምስ ከዋኽብቲ እናተላዘበ እተጓዕዘ ሰብ ዝኸፈሎ ዋጋ መን ይስሕቶ፣ ነዚ መስዋእቲ ኣይኰነን ዝብሎ ኸ መን’ዩ? እቶም ሓርበኛታት ግና ነዚ ክገብሩ ከለው ባህ ኢልዎም እምበር ከም ዓቢ ዕዮ ቆጺሮሞ ኣይፈልጡን፣ ንሳቶም። ከምቲ ብዙሕ ሰብ ሓቀኛ ባህታ ካበይ ከም ዝምንጩ ዝጋገዮ ኣይተጋገዩን፣ ምኽንያቱ ሓቀኛ ባህታ ካብ ልዑል ደረጃ መነባብሮ ዘይኰነስ ንኽቡር ዕላማ ካብ ዘለካ ተኣማንነት ከም ዝምንጩ ተረዲኦም ዝገስገሱ ብምዃኖም፣ ሰብ ድሕሪ ንዋቱን ጥሪቱን ዝኸፍሎ መስዋእቲ ግዜ’ዩ፣ ግዜ ሓደ ካብቶም ዝኸበሩ ሃብቲ ደቂ ሰብ እዩ፣ ኣብ ህይወት ግዜ ከይሃብካ ዝርከብ ነገር ከም ዘየለ ርዱእ’ዩ፣ ንግዜኻ በቲ ዝግባእ ምቕራሕ እንተዘይተጠቂምካሉ ዕላማኻን ሸቶኻን ክትጭብጥ ኪኖ ኣይከኣልን ዘይሕሰብ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን፣

ግዜ ድምር ናይ ትማሊ። ሎሚን ጽባሕን ከም ምዃኑ መጠን ንዘንጸፍካዮ መሰረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እምኒ እናውደቕካ ህንጻኻ ምህናጽ ውነ ደቂ ሰብ ዝቕስቅሶ ዕማም’ዩ፣ እዚ ንውልቅኻ ኣብ ምስሊ ሕብረተሰብ እተቐምጠሉ ቦታ ንምምችቻእ ዝግበር ጥምጥም ብሃገራውን ህዝባውን ዕላማ ተኪእካ ክትቃልስ ካልእ ትብዓት ዝሓትት መስዋእቲ’ዩ፣ ንእስነትካን ደጊሙ ዘይመጽእ ግዜኻን ብርድየት ጆባእ ክትብል፣ እንግዳዓኻ ሓፋሽ ከዕርፈሉ ክትፈቅድ፣ ክትመሃረሉ። ክትወልደሉን ክትዘምደሉን ዝግባኣካ ግዜ ይሓልፈካ ምህላው እናፈለጥካ ሃይ ከይበልካ ንዕላማኻ ብዕላማ ምቅላስ ክብሪ ዘለዎ መስዋእቲ’ዩ፣ ኣልበርት ኣንስታይን “እቲ ዝኸበረ ምንባር ምእንቲ ካልኦት ምንባር’ዩ” ክብል ከሎ ሓርበኛታትና ግን ብግብሪ ፈጺሞሞ፣ ህይወት እታ ናይ ፈለማን መወዳእታን ዝ ኸ በ ረ ት ትሕዝቶ ወዲ ሰብ እያ፣ ናይ ህይወት መስዋእቲ ካብዞም ቀዲምና ዝጠቕስናዮም መስዋእቲ ብድምቀቱን ዕምቈቱን እተፈልየ እዩ፣ ህይወቱ ዝስውኣልካ ሰብ ፍቕሩ ንዓኻ ደረት ኣልቦ’ዩ፣ ዝብጅዎ። ዕድላት ዘይኰነስ ምንጪ ናይ ዕድላት ዝዀነት ትንፋሱ’ያ፣ ገዝሙ ብዋጋ ዘይሽነን ህያብ’ዩ፣ መኽሰቡ ራህዋ ሓፋሽ’ዩ፣ ነዚ ህያብ ከበርክት ከሎ ሞሳኡ ዕላምኡ ብድሕሪኡ ከም ዝሰዓብ ብዘለዎ ራኢ እምነት’ዩ፣ ሰማእታትና። መስዋእቲ ናይ መወዳእታ ዕምሪ ወዲ ሰብ ምዃና እናፈለጡ “ኣነ ክስዋእ…” ኢሎም ናብ ሓዊ ቀዲሞም ኣትዮሞ፣ ትንፋሶም ክንዲ ብዙሓት ንጉድጓድ ወፍዮማ፣ ንዘልኣለም እናተፋነው ቃል እንተኣተንፊሶም። “ዓወት ንሓፋሽ!” ምባል’ያ፣ ትምኒት ሰማእታትና ልክዕ ከምቲ ናታን ሄል ዝበሎ - “ቅር ዝብለኒ ነገር እንተሃልዩ። ንሃገረይ እትወሃብ ሓንቲ ትንፋስ ጥራይ ስለ ዘላትኒ’ዩ” - ንሃገሮምን ህዝቦምን ክሳብ ባህታኡ ዝረክብ ትስዋእን ትፍጠርን ትንፋስ ክትህልዎ ነይሩ ትምኒቱ፣ ተተፈጢሮም ክስውኡ፣ ዝተረፉ ብጾቶም ከድሕኑ። ብህይወት ክነብሩ፣ ወዲ ሰብ ንብጻዩ ከርእዮ ዝኽእል ሓቀኛ ፍቕሪ፣ ወዲ ሰብ ንሃገሩ ከበርክቶ ዝኽእል ጥርዚ ግንዖ፣ ንወዲ ሰብ ካብ ዝወሃብ ዝለዓለ ክብሪ ኸ ቅድሚ ሰማእቲ ክወስድ ዝግብኦን ዝደፍርን ኣይርከብን፣ ኤርትራውያን ብመስዋእቲ ስለ እተፈጠርና። ንትርጕምን ዕምቈትን መስዋእቲ ስለ ንርዳእ ድማ ንመዓልቲ ሰማእታት ብኽብ ዝበለ ኣደብን ክብርን ኮታ ክንሓስቦን ክንገብሮን ብእንኽል። ንርዝነታ ዝውክል ኣገባብን ጽንብልን ከነኽብራ ንህቅን፣ ተግባርና ምስሉይን ብሓይሊ እተረቅዐን ዘይምዃኑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ነዛ መዓልቲ ብዝህቦ ክብሪ ህያው ምስክር’ዩ፣ ክብሪ ሰማእታትና ካብ ልብና ዝምንጩ ምስ ደምና ዑደት ዝገብር ተወሳኺ ዋህዮ ምንባርና’ዩ፣ ክብሪ ንሰማእታትና!

ተስፋልደት ሓጐስ

ሓዳስ

5

ኤርትራ 21 ሰነ 2009



ጥቕስታት • መስዋእቲ ናይ ዝኾነ ነገር መጀመርታ’ምበር መወዳእታ ኣይኮነን፣ ኦስካር ዊልድ • ንመስዋእቲ። መስዋእቲ ዝገብሮ ሞት ዘይኮነ ዕላማ’ዩ፣ ናፖልዮን ቦናፓርት

ዘይተወልዐ ብርሃን

ካብ ሓሳብ ኣበራበራ፣ ብኩራ ዝመልኦ ኣጣምታ ኣዒንታ ተኸለትሉ፣ ኣቦኣ “ሓሳዊ” ትብሎ ዘላ ኰይኑ ስለ ዝተሰመዖ፤ “ኣይኣመነን” ሓተታ፣ መልሲ ኣይሃበቶን፣ ስቕ ምባላ ከም ዘይኣመነቶ ዝሕብር’ዩ ነይሩ፣ ዝበዝሐ እዋን መልሲ ከይሃበት እንተስቂጣ። በቲ ዝርርብ ኣይተሰማምዐትን ማለት’ዩ፣ ሽዑ ግን ከምኡ ክኾነሉ ኣይደለየን፣ እምን ከተብሎ’ሞ ቅሩብ ፍኹስ ኢልዎ ክኸይድ’ዩ ነይሩ ድልየቱ፣ ጓሉ ግን፤ “ጀማል ደኣ ሙሽ ከማን ደንጕዩ እዩ ዝትስእ ኢልካኒ ኔርካ?” ዘይተጸበዮ ሕቶ ሓተተቶ፣ “እወ ግን ሕጂ ሓሚሙ እኳ’ዩ ዘሎ፣” በቲ ሓደ ወገን ብምዝራባ እናተሓጐሰ። በቲ ካልእ ከኣ ሕቶኣ ከቢድዎ ተኲሩ እናጠመተ ተዛረባ፣ “እሞ ምሳኻ ክኸይድ’የ” ኮቦርታኣ ገንጺላ ካብ ዓራታ ወረደት፣ ኣዲኣ ካብ እትመውት ሰለስተ ሳምንታት’ያ ኣቝጺራ፣ “ብሌን ጓለይ ምሳይ ዘይትጸንሒ! ባባ’ኺ ንጀማል ርእይዎ ይመጽእ፣ ኣነን ንስኽን ከኣ ቁርሲ ንሰርሓሉ” ክትጸናጸን ዝጸንሐት ዓባያ ኣብ መንጎ ዝርርቦም ኣተወት፣ “ተመስገን” ኣዳመጸ ብውሽጡ፣ እንታይ’ሉ ከም ዝፍለያ ሓርቢትዎ’ዩ ነይሩ፣ ካብ ጓሉ ክፈላለ ድሌት ኣይነበሮን፣ እንተኾነ ሕነ ናይ’ቶም ኣሚኑ ዝቐተልሉ ክፈዲ ጽምኣት ነይርዎ፣ ድሕሪ መስዋእቲ በዓልቲ ቤቱ ኣእዳዉ ዓሚኹ ክፍክር ካብ ዝጅምር ኣይወሓደን፣ ነታ እንኮ ጓሉ ገዲፍዋ ክኸይድ ድላይ ኣይነበሮን፣ ኣማራጺ ስለ ዝሰኣነ ግን ኣዒንቱ ዓሚቱ ክውስን ነይርዎ፣ ሰዓታት ክሓልፍ እንከሎ። ብሌን ነታ ቃዕቃዕታ ተስምዕ ዝነበረት ናይ መንደቕ ሰዓት ተመልከተታ፣ ሰዓታት

ሃልሃልታ ሽምዓ * ሃልሃልታ ናይ ሽምዓ። ምስ ምንጪ ኣፈጣጥራና ከም ዝተኣሳሰር’ዩ ዝንገር፣ “ምስ ኩሉ ንዘተኣሳስረና ማሕታ ናይ መንፈስ’ዩ ዘዛርበና” ዝብል እምነት’ውን ኣሎ፣ “እቲ ብርሃን ብርሃንካ ወይ እቲ ትደልዮ ዘለኻ ብርሃን’ዩ” ተባሂሉ ከኣ ይትርጎም፣ * ሓይሊ ናይ’ቲ ሃልሃልታ ተባዕታዊ ወይ’ውን ኣንስታዊ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ኩሉን ኩሉ ነገርን’ዩ፣ * ናይ ሽምዓ ሃልሃልታ ኣካል ተመኲሮ ሰብኣውነት ደቂ ሰብ ምዃኑ ይእመን፣

ፍጹም ተዓገስ (ኮብራ) መ/ኣ/ኤ

ቁርሲ ሓሊፉስ ሰዓታት ምሳሕ’ውን ተፋሪቑ’ዩ፣ ኣቦኣ ንኽቈርስ ከም ዝምለስ’ዩ ነጊርዋ፣ “ናበይ ድዩ ከይዱ?” ትጽቢት ምስ ነውሓ ንዓባያ ሓተተታ፣ ዓባያ እንታይ ኢለን መልሲ ከም ዝህባኣ ጠፍአን፣ “ንዕናይ’ሞ ‘ዛ ጓለይ” ብምባል ነጸላ ደረባ’ሞ፣ ንከዛውራኣ ብኢዳ ሒዘን ናብ ከተማ ኣምርሓ፣ ዓባያ። ኣቦኣ ንምንታይ ዕላማ ከም ዝኸደ። ኣብ ሓንጐል ናይ’ታ ቈልዓ ከም ዝስቆር ክገብርኦ ድሌት ነይርወን፣ ከመይ ኢለን ከም ዘረድኣኣ ጨነቐን፣ ኣብ መንጽረን ዝነበሩ ተመሃሮ እናዕለሉ ክኸዱ ምስ ረኣየኦም። ሓደ ሓሳብ መጸለን፣ “ኣቦኺ” ዕላለን ጀመራ፣ “ነዞም ትርእይዮም ዘለኺ ተመሃሮ ከም ድላዮም ንክምሃሩ’ዩ ኣንጊሁ ዝወጸ፣ ነዘን ኣዴታት ኣብ ቃሕ ዝበለን ግዜ ናብ ቃሕትአን መታን ክኸዳ። እቶም ኣቦታት ኣብ ዝጠዓሞም ክወፍሩ። ኣብ ቤቶም ቀሲኖም ንኽነብሩ’ዩ ጋሕጋሕ ምድሪ ዝወፈረ፣ ኣቦኺ! ንዓኺ። ንዓይ። ነዞም ትርእይዮም ዘለኺ ሰባት ብዘይ መጠን ስለ ዝፈተዎም’ዩ ክፍለየና መሪጹ፣ ከም ዘፍቅረና ብምፍላዩ ይነግረና፣ ዋላ’ውን ንኹሉ ኣብዚ ዘሎ ሰብ ዘይፈልጦ እንተኾነ። ግን ከኣ ፍትው ኣቢልዎም፣ ነዞም ኣብ’ዚ ጐደና ብዘይ ስራሕ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ’ውን ከም ዝደለይዎ ንኽነብሩ ክቃለሰሎም’ዩ ከይዱ፣ ነዛ ጐደና። ነዛ ከተማ። ነዛ ዓዲ ብርሃን ክውልዓልና’ዩ ወፊሩ፣ ስለዚ’ዛ ጓለይ ካልኦት ብዛዕባ ኣቦኺ ዝብልዎ ብዘየገድስ። ሓንቲ

ስእሊ

ቲ ካብ ኣካላታ ዝፈስስ ዝነበረ ደም ንኽዓግትዎ ኣንሶላ እናገበሩ ጠምጠምዋ፣ ክትዛረብ ትደሊ’ኳ እንተነበረት ሓይሊ ግን ኣይረኸበትን፣ ነቲ ጎፋር ዝጸጕሩ ሰብኣይ እናረኣየት ፍሽኽ በለት፣ ሓጐስ ኣብ ዙርያኣ ዝተኸበበ ኰይኑ ተሰምዓ፣ ብመውጋእታ ከይተገደሰት። ነቲ ቀደም ትፈልጦ ምስሊ ደጋጊማ ብኣእዳዋ ዳህሰሰቶ፣ ፍሽኽታኣ እናደመቐ’ዩ ዝኸይድ ነይሩ፣ ኣይቀጸለትን ግን ነቲ ኣብ ግዜ ንእስነታ ዝነበረ ምስሊ እናዘከረት ኣዒንታ ከደነት፣ *** “ባባ ናበይ ትኸይድ ኣለካ?” ሓተተቶ ብጸያፍ ልሳን፣ ኣቦኣ። ነቲ ኣብ ጽሙእ ገጹ ዘር ኢሉ ዝነበረ ጭሕሙ እናደራረዘ ድንን በለ፣ ምሉእ ለይቲ ክሓስበሉ ዝሓደረ መልሲ። ሽዑ ካብ ኣፉ ምውጻእ ኣበዮ፣ ኣብ’ቲ ሰዓት’ቲ ክትንስእ ኣይተጸበያን፣ ኣሸበሸብ ኢሉ ሒዝዎ ዝነበረ መልሲ። ካብ ጥቓኣ በሪሩ ክጥፍእ ተፈለጦ፣ ጓሉ ነብሳ ነጊርዋ ግዲ ኰይኑ’ምበር። ከም’ቲ ሰዓት ተበራቢራ ኣይትፈልጥን’ያ፣ ኣብ ዓራታ ኮፍ ኢላ’ያ ትከታተሎ ነይራ፣ ማዕጾ ከፊቱ ክወጽእ ክብል ከኣ ተዳህያቶ፣ “እ…” መልሲ ጠፊእዎ ዕንድንድ በለ፣ ብዘይካ ኣዕሚቝካ ምስትንፋስ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን፣ መልሲ ከይሃበ ንደገ ክወጽእ ድንዕ በለ፣ ነብሱ ምግባር ስለ ዝኣበዮ ግን ከምዛ መብራህቲ ዝውልዕ። ናብ መውልዒ ኣእዳዉ ሰደደ፣ እቲ ገዛ ምስ በርሃ ምስ መልኦ። ኣብ ጥቓ ዓራታ ኮፍ ብምባል ጸጕራ ክደራርዛ ጀመረ፣ “ናብ ጀማል ዓርከይ’የ ዝኸይድ ዘለኹ፣ ጂሚ ሙሽ ትፈልጥዮ’ኺ! እቲ ከማን ሸንበለውለው ዘብለኪ?” ከተዓሻሽዋ ፈተነ፣ ብዘይ ዝኾነ ድምጺ ኣዒንታ ተኺላ ጠመተቶ፣ ይሕሱ ከም ዘሎ ኣይሰሓተቶን፣ ኣዲኣ ክትፍልያ ከላ’ውን ተመሳሳሊ መልሲ’ያ ሂባታ ነይራ፣ “ናብ እንዳ መሓዛይ’የ ብሌን ጓለይ! ካብ ዓራትኪ ከይተሳእኪ ከለኺ። ቀልጢፈ ክመጽእ’የ፣” ኢላ ኣብ ምዕጉርታ ብምስዓም’ያ ተፈልያታ፣ ንምሸቱ ግን… ምስ ዓባያ ናብ ዕዳጋ ምስ ከዳ ህዝቢ ተኣጒዱ ኣብ ሓደ ሬሳ ክጥምት’የን ኣርኪበናሉ፣ “ኤህ ዋይ ሓፍተይ። መስኪነይቲ” ካብ ኩሉ ኩርናዕ ዝውሕዝ ዝነበረ ድምጺ ንኣቓልቦአን ሰሓቦ፣ ዓባያ “ዋይ ጓለይ ኣዲኣ ትደፋእ” እናበላ። ነታ ጓል ሸውዓተ ዓመት ጓል ወደን ኣብ ወሰን ጽርግያ ገዲፈን። ናብ’ቲ ሬሳ ቀረባ፣ ሃንደበት “ኡይ” ብምባል ኣውያት ደርጎሓኦ፣ ነቲ ሬሳ እናኰለላ። ኣፍልበን ሃረማ፣ ብሌን። ካብ’ቲ ቦታ ኣይተንቀሳቐሰትን፣ ዓባያ ስለምንታይ ከም ዘእወያ ሃሳስ ግምት’ዩ ነይርዋ፣ ካብ’ታ ዝነበረታ ግን ምዕይ ኣይበለትን፣ እቲ ዝኽሪ ገና ካብ ሓንጐላ ከይሃሰሰ። ኣቦኣ ከም’ቲ ኣዲኣ ዝወጸትሉ ሰዓታት ክወጽእ ምህቃኑ ኣይተዋሕጠላን፣ ኣቦኣ ንመንከሳ ብኣጻብዕቱ ብምትንካፍ

ካ ካ

መዓልቲ በቲ ኣቦኺ ዝወሰዶ ምርጫ ክትሕጐሲ ኢኺ” በልኣ፣ ሒደት ዓመታት ሓለፈ፣ ብሌን ዓባይ ጐርዞ’ያ ኮይና፣ እቲ ዓባያ ዝበላኣ ኣብ ቅድሚ ዓይና እናተመላለሰ ድቃስ ክኸልኣ ካብ ዝጅምር ኣይወሓደን፣ ሓንቲ ወጋሕታ ናብ ዓባያ ብምቕራብ “ናብ ኣቦይ ይኸይድ ኣለኹ” በለተን፣ ዓባያ ትቕልድ ዘላ’ዩ መሲልወን ነይሩ፣ ነታ ሓንሳእ ዘውጸታ ቃል። ክትዓጽፋ ስለ ዘይደለየት ናይ ብልባ ምዃና ገለጸትለን፣ ዓባያ ደጋጊማ ክትሓስበሉ ተማሕጸናኣ፣ “ወደይን ሰይቲ ወደይን ስኢነስ ሕጂ ድማ ንዓኺ” እናነብዓ ለመናኣ፣ ክትሰምዐን ኣይመረጸትን፣ “ምሽ ኣቦይ ነዛ ጐደና… ነዛ ከተማ… ነዛ ዓዲ ብርሃን ከምጻኣላ’ዩ ከይዱ ኢልክኒ፣ ሕጂ ነቲ ብርሃን ደልየዮ ኣለኹ፣ እቲ ብርሃን ብናተይ ምንብድባድ ኣብ ጫፍ ከበጽሕ ተኽእሎ ኣለዎ፣ በጃኺ ዓባየይ ኣይተጐናድብኒ” ተማሕጸነተን፣ ብድሕር’ዚ ኣይተቃወማኣን፣ ናብ’ቲ ኣቦኣ ዓሪዱሉ ዝነበረ ስፍራ ከኣ ኣምርሐት፣ ንኣቦኣ ክትረኽቦ ህንጥዩነት ነይርዋ፣ ዘዝተወልደት መዓልቲ ብሓድሽ ተስፋ ትመልእ’ኳ እንተነበረት ትጽቢትን ክውንነትን ግን ምግጣም ኣበይዋ፣ ሓንቲ መዓልቲ ክራኸቡ ከም ዝኾኑ ትኣምን’ያ፣ እታ መዓልቲ ግን ነዊሓታ፣ ሓደ መዓልቲ ካብ ኣሃዱኣ። ነቲ ቅድሚ 6 ወርሒ ደሃይ ዝሰደደላ ኣቦኣ ክትበጽሖ ዘፍቅድ ደብዳቤ መጻኣ። እታ ንነዊሕ ሃረር ዝበለታ መዓልቲ ደበኽ ዝበለት ኮይኑ ተሰመዓ፣ ኣድካሚ። ሓባጥ ጎባጥ ዝመልኦ ጎቦታት። ጽምኢ። ጥሜት። ሰጊራ ናብ’ቲ ኣቦኣ ዝርከቦ ቦታ በጽሐት፣ ንኽትጽበዮ ዓቕሊ ኣይገበረትን። ናብ’ቲ ኣሃዱኡ ዝሓበርዋ ቦታ ዋርድያ ህሩግ ክትብሎ ደለየት፣ ኣሃዱኡ ዋላ’ኳ ከምኡ ክትገብር እንተዘየፍቀዱላ። ክትሰምዖም ግን ኣይከኣለትን፣ ልመናኣ እምብዛ ምስ በዝሐ። ምስ ክልተ ደቂ ኣሃዱኡ ተበገሰት፣ ናብ ጥቓኡ እናቐረበት ክትከይድ እንከላ። ኣድህቦኣ ናብ ኣቦኣ

ብዝን ብትን

ጥራይ’ያ ገይራ ነይራ፣ ነቲ ኣነጻጺሩ ዝከታተሎም ዝነበረ ወተሃደር ከበር ዝገበረሉ ኣይነበረን፣ እታ ዝሰደዳ ጥይት ግን። ነታ ብህርፋን ትኸይድ ዝነበርት ብሌን’ያ መሪጻ፣ *** ካብ ሓሳባ ተበራቢራ፣ ነቲ ጫሓም ምዕጉርቲ ኣቦኣ እናዳህሰሰት ደጊማ ፍሽኽ በለት፣ ነቲ ካብ ኣካላታ ዝፈስስ ዝነበረ ደም ክትዓግቶ ኣይፈተነትን፣ ገጽ ኣቦኣ ዳህሲሳ ከተዕርፍ ጥራይ’ያ ተመንያ፣ “እታ ከተምጽኣ ዝኸድካ ብርሃን ንዓባየይ ኣብጽሓላ” ኣብ ሕቝፈኡ ተሸጒጣ ሕሹኽ በለቶ፣

ቀንዴል ዘልኣለም በነንታ ትንፋሱ ንሰማይ እናዓረገ ነጠብጣብ ብልጻገ እንሆ’ንዶ ይፈስስ ብኣልማማ መስተርሆት ዘጠልቂ… ዲመማ፣ ዕምቆት እንተወሓጦ ርሕቐታት ዘይበጽሖ ጸጋታት ዝፍልፍል ዓይኒ ማያት መርሖ ዒላ ቅሳነት’ዩ… ሰላም ዝቕድሖ ተኽሊ ህይወት’ዩ ኣብ ልቢ ምጽዳቑ ከም ሽምዓ እንተመኸከ ደልሃመት ኣሕሚቁ ብመንፈስ ዝቐርብ ብኣካል ርሒቑ፣ ፈንጠሳ ዓንቃሪቦ… እልቢ መጻወድያ ኣርሓ ታኣምራት ንጉሳ ንቕያ ከም መስቀል ዝቖመ። ኣጋንንቲ ኣርዒዱ ሞት ሳላ ዝቐተለ ኣብ ትብዓት ዓሪዱ እንሆ’ንዶ ይነብር ህላወ ወሊዱ፣ ኮብኳቢ ኩልና… ጉይታ ባህሪ ጓሳ ድሕነት… ከም ሙሴ ንባሕሪ ንለጋስ ርሑ… ኣብዛ ሓላል ምድሪ ሞባእ እንተኸፍለ… ህላወ መኒኑ እሙን ቁርኣን… ኣብዛ ሪም ኪዳኑ ሃዋርያ ሰላም… እምነተ - ስግዳኑ ኣብ ልቢ ዝነብር መንፈስ ተኺዲኑ፣ ኣራዊት ዘባረረ… ኣእላፍ ኣንበርኪኹ ንጉስ ብርሃን… ጋሃነብ መሊኹ ቀንዴል ዘልኣለም… ዘይውዳእ መሊኹ!!

ግርማይ ኣስፍሃ (ዓንቂ)

ሓዳስ

ኤርትራ 21 ሰነ 2009

6

[}kq

M]

ቈልዑ

መም. ኤፍሬም ፍቓዱ

©c§ AkXM!

ኣይጸመወንን!

ሰማእታትና ንዘንተ-እለት ይዘከሩ!! ከመይ ቀኒኹም ደቀይ ሃበርም? ዓሚ ከምዚ ሎሚ፣ ህዝቢ ሽምዓ ወሊዑ ሰማእታቱ እናዘከረ ኸሎሲ ሰለስተ ቈልዑ'ውን ኣብ ደረት ጽርግያ ኮፍ ኢሎም ነተን ወሊዖመን ዝነበሩ ሽምዓ ኣብ መሬት ኮፍ ኣቢሎም ቀው ኢሎም ይጥምትወን ነበሩ። ብኹነታቶም ተገሪመ ኣነ'ውን ንዓኣቶም ክጥምቶም ጀመርኩ። ኣብ ዓምዩቕ ሓሳብ ኣትዮም ብምንባሮም ክኾልፎም'ኳ ደስ እንተዘይበለኒ፣ ኣካውነኦም ግና ቀሪበ ንኽሓቶም ደረኸኒ። ናብኣቶም ቀሪበ ኸኣ፣- "ዞም ደቀይ ሃበርም! እንታይ ደኣ ትገብሩ?!" በልክዎም። ኩላቶም ንሓድሕዶም ተጠማመቱ ጸኒሖም ከኣ ብምግራም ካብ ጽፍሪ እግረይ ክሳዕ ጸጉሪ ርእሰይ ጠመቱኒ'ሞ ትም በሉ። ብሕቶይ ሓፈርኩ "እ...እ...ዞም ደቀይ እዚ ወሊዕኩሞ ዘለኹም ሽምዓ ትርጉሙ ትፈልጥዎ እንተኾይንኩም'የ ዝሓተኩም ዘለኹ!!" በልክዎም። ብኣዝዩ ዘገርም ኣገላልጻ ገይሮም ድማ ትርጉምን ቁምነገርን ናይ ሰማእታትና ገለጹለይ። "ዋይ ኣነ ሓው ብጫ እሾኽ ምስ ብልሓ ትፍጠር..." ኢለ ኸኣ ኣመስጊነ ነመስገንቲ ሃብክዎም። እቲ ካብቶም ቈልዑ ዝነኣሰ ግና፣-

"ኣነ ግና ሓደ ነገር ዝነግረኒ ነገር ኣሎ..." በለ። ኩልና ናብኡ ገጽና ጠመትና። "ማለትሲ... ሕድሪ ሰማእታትና እናበልና ዓድና ንሃንጻ'ለና ... ሕድሪ ሰማእታትና እናበልና ገረብ ንተክል ኣለና፣ መሬትና ነልምዓ ኣለና... ሕድሪ ሰማእታትና ከነተግብር ኢልና ኸኣ ንመሃር ኣለና... እንተኾነ ግና ሕጂ'ውን ነዞም ብሂወት ንነብር ዘለና'ዩ እቲ ረብሓ። ምኽንያቱሲ ዓድና እንተተሃኒጻ መሬትና እንተለሚዓ ...." ኢሉ ዘረባኡ ከይወደአ ከሎ፣"ስማዕ'ሞ ሰማእቲ ማለት'ኮ ምእንቲ ህዝቡን ዕላማኡን ዝስዋእ ማለት'ዩ። ኤርትራውያን ሰማእታት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ክጥዕሞን ሕማቕ ከይረክብን ኢሎም'ዮም ገሊኦም ትምህርቶም ሓዲጎም፣ ገሊኦም ስርሖም ሓዲጎም፣ ገሊኦም ካብ ማሕረስ ገሊኦም... ኮታስ ኩሉ ዋኒኖም ገዲፎም ምእንታና ክብሉ'ዮም ተሰዊኦም። ንዓይ ዝብል ሓሳብ ፈጺሙ ኣብ ሓንጎሎም ኣይነበረን። ከምኡ ዝብል ሓሳብ እንተዝነብሮም'ሞ ኸኣ ኣይምተሰውኡን" በሎ እቲ ማእከላይ ወዲ። "እወ!" በለ እቲ ንውሕ ዝበለ ብጻዮም። "ሓንቲ ነገር ግና ኣላ ልዕሊ ኩሉ ክንገብረሎም ዘሎንና።

ፈልስኹም ሚካልን ኣቤልን ደኒኖም ኣብቲ መሬት ገለ ነገር ይሰርሑ ነበሩ። ኣቤል ግና ብመሰረቱ ነቲ ሚካል ዘምጽኣቶ ሓሳብ ኣይተቐበሎን ነይሩ። ኣእምሮኡ ስለ ዘይረግኣሉ ድማ የማነጸጋም ቍሊሕ ይብል ነበረ። ሚካል ግና ብቐጢን ዕንጸይቲ ገይራ ስራሓ ትቕጽል። ኣቤል ካብ ዝፈርሖ ኣይወጽአን። ነ'ቦይ ተወልደ ኣማዕድዩ ረኣዮም። ሽዑ ንሽዑ ድማ ንሚካል ኣብቲ ዝነበረቶ ሓዲግዋ ሃደመ። ሚካል ግና ብዙሕ ከይተገደሰትሉ ስራሓ ትቕጽል። ኣቦይ ተወልደ ድርቅናኣ ኣቘጢዕዎም፣ ቅልጥፍ-ቅልጥፍ ኢሎም ናብኣ ገጾም ኣምርሑ። ኣቤል ግና ድሮ ሃዲሙስ ካብ ትርኢት ተሰዊሩ ነበረ። "ኣቦይ ተወልደ!" በለቶም ሚካል። "እ! ኣቦይ ከኣ ክትብልኒ... እንታይ ትገብሪ ኣለኺ?" ናብታ ትማል ዝተኸሉዋ ፈልሲ ገረብ

M]

መስዋእቶም ብላሽ ኮይኑ ከይተርፍ ነቲ ዝሓልምዎ ዝነበሩ ምትግባር! ሽዑ ኸኣ'ዩ እቲ ዕላማኦም ኣብ ግብሪ ውዒሉ ክንብሎ ንኽእል። ኣንጻር እቲ ዝሓልምዎ ዝነበሩ ተግባራት እናሰራሕና፣ ንሰማእታት ምዝካር ንዓኣቶም ኣየቕስኖምን'ዩ..." በለ። "ኣነ ሓው ብጫኸ እምበርዶ ቀለውዕ'ዮም እዞም ደቂ?!" በልኩ'ሞ ዕድሚኦም ሓተትክዎም። ገሪሙኒ ቀው ኢለ ኸኣ ጠመትክዎም። ኣይተጋገኹን። ደቂ 12 ዓመት'ዮም። ኣማን ብኣማን ትርጉም ሰማእታትና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከይተበለለን ከይተበከለን ይሰጋገር ምህላዉ ውሽጠይ ኣዕገበኒ። ንኹሎም እቶም ቈልዑ ስዒመ ኸኣ ኣነ'ውን ነታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት ሽምዓ ሒዘ ምስ'ቲ ናብ ባሕቲ መስከረም ዝውሕዝ ዝነበረ ህዝቢ መገደይ ቀጸልኩ። ሰማእታትና ንዘንተ-እለት ይዘከሩ!!!

ዝበልዖ ኣይሰኣንኩን … ዝሰትዮ ዝምገቦ ትምህርቲ 'ይሰኣንኩን … መጽሓፍ ዘንብቦ ኩሉ ‘ሎ ምሳይ … ኣብ ራሓ ኢደይ ገለ ግና ጎዲሉኒ ‘ሎ … ኣይርደኣንን’ዩ ንምንታይ?! ናፊቐ’የ መስለኒ … ‘ታይ ፈሊጠ ዘይኣመለይ ናፊቐ’ለኹ ብልክዕ … ናፊቐ ‘ወ እንድዕለይ ዝክር የብል’ሞ … ስቕ ‘ለ የስቈርቁር ንብዒ ንብዒ ይመጸኒ … ዓይነይ ‘ሉ ቁጽርጽር ግዲ ቀልቢ ጌረ … ሶኺዐ ልቢ ግዲ ፈሊጠ መቐረት … ሕጂ ሕጂ ዝሰኣንኩ ዘይብለይ ወለደይ ዘናፍቐኒ ኣብ ምዕጻው ትምህርቲ’ዩ ምስጢሩ ተሶቊሩኒ ጸብለል ኢለ ወጽየ … ቀዳመይቲ ምስ’ተበሃልኩ ብልጫይ ክዓትር ስመይ ምስ ተጸዋዕኩ ሽዑ’የ ተመንየ … ወለደይ ክህልዉለይ ብውሑዱ ብውሕዱ … ዓወተይ ምጸምበሉለይ! ድምጻዊት፣ ኤልሃም መሓመድ ግጥሚ፣ ሳሙኤል ኣልመደ ዜማ፣ መምህር ኤፍሬም ፍቓዱ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ሰነ 2009

በሊ ንሓውኺ ጸውዕዮ... ጽቡቕ ነገር እናገበረ ደኣ እንታይ ዘህድም ነይሩዎ... ኩሉ ሳዕ ከኣ ባዕልኹም ተኸናኸኑዋ ኢኹም" በሉዋ።

እናጠመቱ ብነድሪ ሓተቱዋ። ብኢዶም ከይሰሃሉዋ ስለ ዝፈርሐት፣ እቲ ሓቂ ቀልጢፋ ነገረቶም። ምኽንያቱ፣ ኣቦይ ተወልደ ንኣኣን ንኣቤል ሓዋን ጸዊዖም፣ "እዚኣ ፈልሲ ስዉኣት ስለ ዝኾነት፣ ከይትትንክፍዋ... ሓደራኹም ከይተጕህዩኒ ናብኣ ገጽኩም ተንከስ ከይትብሉ!" ኢሎምዎም እዮም። ንጽባሒቱ ድማ'ዮም ነቶም ቈልዑ ኣብ እግሪ እታ ፈልሶም ዝረኽብዎም ዘለዉ። "ኣቦይ ተወልደ፣ ዓንተቦይ ነዛ ፈልስኹም ሓንቲ ድሙ ክትጽሕትራ ምስ ረኣኹ እኳ'የ... ንኣቤል ሓወይ ሓጹር ንግበረላ ኢለዮ..." በለቶም ኩልፍ ኩልፍ እናበለት። ኣቦይ ተወልደ ንእለቱ ገጾም ብርህ በለ። "ኣገናዕ 'ዛ ጓለይ... ኣነ ደኣ ነዛ ንዝኽሪ ስዉኣት ደቅና ኢለ ዝተኸልኩዋ ፈልሲ ተበላሽዉዋ ዘለኹም እንድዩ መሲሉኒ።

ALKo„í

ኣይጸመወንን ኣነ … ኣይዘኽተምኩን ከማን ክንደይ’ኳ በዚሑኒ … ሓንቂቐ ብዘይምግናን ሕልፊ ሰቡ ‘ዩ … ዝብርኽ ፍናነይ ጓል ስዉእ ምዃነይ … ደረት ኣልቦ’ዩ ሓበነይ

ሚካል ድማ ነታ ፈልሲ ገረብ ስዉኣት ብሓደ ኾይኖም ሓጹር ክሰርሑላ ብምሕሳብ ንኣቤል ሓዋ ክትጽውዖ ከደት።

ጀጋኑ ኣብ ዘለኹሞ ቅሰኑ!

መልሲ ዝሓለፈ ሕቶ 18 1 G

o

o

d m o

2 L

i

b

r

a

3 O 4 R 5 Y

x

y

g

a o

i u

l t

e n w a h

6 T

i

m e

r

r y

i

n

g

y

7 O c 8 O l 9 U m 10 R a 11 M o

e d b d n

a

n

r i e

e l u s y

l

12 A 13 R 14 T

b a e

s y s

e

n c

e

15 Y 16 R

e i

a c

r h

17 S

t

i

c

mkMqImklX

n

a

t

k

18. GLORY TO OUR MARTYRS (ንትኹል)

›ªD÷

IpM

ሓዳስ

7

ኤርትራ 21 ሰነ 2009 ነጃት ነስረዲን

ንኤርትራዊ በዓላት። ጽንብላት። ዝኽርን ካልእን። ዘይትሕዛእ ዕለት እንተላ። ካብ ዓመታዊ ዓውደኣዋርሕ ውጽእቲ’ያ ክትከውን ዘለዋ፣ ኤርትራ። ምንባር ኣብ ኤርትራ። ምንባር ከም ኤርትራዊ።… ኩሉ ኣብ ታሪኽን ሕልፈትን መኸተን ጽንዓትን። ዓወትን ናይ መጻኢ ገስጋስን። ዝተጠምረ ሓደ ህላወ’ዩ፣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ። ትማሊ ሎምን ጽባሕን’ያ ንዓና ንኤርትራውያን፣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ። መስገደልን ሓውን ዝተሰግረላ። መስዋእቲ ዝተኸፍለላ። ዓወት። ሓርነትን ናጽነትን ዝተጨበጠላ። ታሪኽ ዝተሰርሓላን ዝስረሓላን። ሕሉፍ ዝዝከረላ። ህሉው ዝንበረላ። ናብ’ታ መጻኢት ኤርትራ ንምስጋር መደያይቦ እንጥቀመላ። ኣብ ጽባሕ ድማ። ኣብ ዝለዓለ ዙፋን ክብርን ምዕባለን ዝበረኸት ሃገር እንርእየላ መዓልቲ’ያ፣ ሓንቲ ግን ድማ ብዝሕቲ መዓልቲ’ያ፣ ስለዚ ድማ። ንመዓልታት ብቕደም ተኸተል ክትሰርዖን ሓደ ድሕሪ’ቲ ሓደ ክተንብሮን እንተፈተንካ ምዃን ይኣብየካ፣ ዝተደራረበ ፍጻመ። ዝተጠናነገ ሽግር። ዝተዓጻጸፈ ዓወት ዝበርሃወ መጻኢ። ኣበይን ብኸመይን ክተንብሮ፣ መቑጸርያ መዓልታት። ተዘርዚሩ ተዘራዚሩ።

ነቲ ባሕሪ ኤርትራዊ መንፈስ ዝጸሮ። ዝሰገሮ። ዝነብሮን ዝበጽሖን ዝኸውን ኣይኮነን፣ ሓደ ሓደ እዋን። ኤርትራዊ ዓውደ ኣዋርሕ። ካበይ ይጅምር ኢለ ይሓስብ’ሞ። ‘ብባሕቲ መስከረም’። ብ24 ግንቦት። ብ20 ሰነ። ብዓወት ስርሒት ፈንቅል። …. ንገለ ካብ’ቲ ዓበይትን ኣብ ኣእምሮይ ቀቀልጢፉ ዝመጸ ኣገደስቲ ዕለታት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ክዝርዝር ይፍትን፣ ጽሉል ሓሳብ’ዩ፣ እቲ ሕቶ ብዛዕባ ኣበየናይ ዕለት ምጅማር ዘይኮነ። ብዛዕባ ከም ኤርትራዊ ምንባር። ኤርትራዊ ምዃን። ናብ ኤርትራውነት ምምዕዳው። ምሱጓም ክሳብ ዝኾነ ኣብ’ቲ ዓለም ብዓለማ እትቖጽሮ ቁጽሪ። ዝተሰኹዐ ዓበይቲ ዕለታት ከምዘለዎ እንተነበረ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን፣ ኣብ ዕለተ ናጽነት። ሰማእቲ እናዘከርና። ንዘልል፣ ኣብ ዝኽሪ 20 ሰነ። ሰማእቲ እናዘከርና ናጽነት ነስተማቕር፣ ኣብ ባሕቲ መስከረም። ዝሰገርናዮ ቃልሲ እናሓሰብና። ዝተረፈና ጉዕዞ ነስተብህል፣ ጽንብል መበል 18 ዓመት ናጽነት። ገለ መዓልታት ተሪፍዎ ኣሎ፣ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ደበኽ ኢሉ፣ እዋይ እዚ መዓልቲ

ንመስዋእቲ ብመስዋእቲ

እንታይ ኣለዎ፣ ኣብ ራህዋ። ምዝናይ። ሰላምን ናጽነትን ኴንካ ብፍላይ። ጎያዪ’ዩ፣ ኣብ ጭንቂ። ጸገም። ባርነት። … ነዊሕን ከቢድ ምዃኑ በቲ ውሑድ ተመኩሮይ ተመስኪሩለይ’ዩ፣ ኣብ’ዛ ዕለት ብጥሙር መንፈስ ንረኽቦም ሰማእቲ። እንታይ ኢና ክንብሎም፣ ትግባረ ሕድሮምን ለበዋኦምን ኣውጊዕና። መብጽዓና ኣሐዲስና እሂን ምሂን ክንብል ዝኣክል ስንቂ ኣለና ድዩ? እቲ ወትሩ ብውሽጥና እንሓስቦን እንነብሮን ሕልናና ኣንጺህና። ምስ ነብስና ኣብ እንገብሮ ዘተ ብዝያዳ ዝዓሞቐን ብዝነጸረን እንርእየሉ ዕለት ክኸውን ስለ ዝመረጽናዮ’ዚ ዕለት’ምበር ካብኡ ተፈሊና ስለ ንነብር ኣይኮነን፣ ሰማእቲ እንክዝከሩ። እቶም ስለ ህላወን ራህዋን መጻኢ። ምቾት ራሕሪሖም መከራ ዝመረጹ። ምንባር መኒኖም ሞትን ሕልፈትን ዝሓረዩ ሕሩያት ምዃኖም ዘይርዳእ የለን፣ ብመንጽር እቶም ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ንነብርን ንዓብን ዘለና እንተሓሲብናዮ። ክእለትን ሞያን። ራእን ዓወትን ዝውንኑ ኣእላፋት ኢና ቀቢርና፣ ከም ሰብ ክመሃር። ክሰርሕ። ክዓቢ። ክዕወት። ክመልኽ። ከፍሪ። ክፈሪ። … ዝኽእል ዓቕሚ ሰብ ነዚ መጻኢ ንምርግጋጽ ተወፍዩ፣ እዞም ንእንፈልጦምን ዛንትኦም ዘለናን ሰማእቲ። ተመሊስና ዛንትኦምን ታሪኾምን ውዕሎኦም ኣብ ቃልስን ህይወትን እንተፈቲሽና መልሲ ምረኸብናሉ፣ ካልእ ይትረፍ። እቶም ብዕድመ ቀረባና ወይ መሳቱና ጥራይ ሓሲብና። ኣብ መሳልል ህይወት ዝበጻሕናዮን ዝሓለንናዮን እንሓልሞን ደረጃታት ምበጽሕዎን ምሓለፍዎን ምዃኖም ርዱእ’ዩ፣ ኣብ ትሕተ-ንቑሕ ኣእምሮና። በቲ ይግበኦም ኢልና እንሓስቦን ብሓቂ ዝግበኦምን ክብሪ። ፍሉይ መለኮታዊ ሓይሊ ዝውንኑ ፍጡራት ጌርና ከም እንቖጽሮም። ብሓሙስ 18 ሰነ። 2009። ብምኽንያት ዝኽሪ 20 ሰነ 2009 ኣብ ኣዳራሽ ህ.ግደ.ፍ. ዞባ ማእከል ኣብ ዝተኻየደ ምሸት ሰማእታት ኣስተብሂለሉ፣ ኣብ’ታ ምሸት። ጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ 5ይ ጽንብል ናጽነትና (1996) ዝጸሓፋ ሕልናና እትብል ጽሕፍቱ ደጊሙ ንተሳተፍቲ ኣንቢቡዋ፣ “መስዋእቲ ዘብቅዓላ ዕለት። ተጋዳላይ ኣብ ክንዲ

ዝዕንድር ዝቓዘነሉ ምኽንያት። ናጽነት ክርእዩ ዝህንጠዩን ዝግበኦምን ከምኡ ሰባት ስለ ዘየርከቡ ኢዩ፣ እወ። ከምኡ ጽቡቕን ክፉእን ዝሓስቡ። ዘፍቅሩን ዝጸልኡን። ዝላዘቡን ዝቋየቑን፣ ፍቕሮም ምስ ተገላለጹ ከይተተናኸፉ ሓዲኦም ዝተመንጠሉ። ኣብ ነቐፌታ ተሰሓሒቦም ከይተረዳድኡ ዝተቐዝፉ፤ ከከም ኣመጻጽኦኦም። ገሊኦም ብራሕ ብጓጉድ። ገሊኦም ጀላቶ ብኮኖ ዝናፍቑ… ንናብራ ሃረር ዝብሉዋ። ኩሉ ነገራት ዘይጸገቡን ብዙሓት ነገራት ዘይጠዓሙን መንእሰያትን ከምኡ ሰባትን ስለ ዝገደፈ ኢዩ” ምስ በለ። ከም ሰብ ዝነበሮም ሃንቀውታን ሃረርታን ንስለ ብዙሓት ዝቐተሉ ሕሩያት ምዃኖም ዝያዳ ተሰዊጡኒ። ከርሰይ ተገማጢሉ፣ ዝብህጎ ከምዘይረኽቦ እንተፈሊጠ ንዝስመዓኒ ቃንዛ። ንነብሰይ ሕፍረት ተሰሚዑኒ፣ ብሓሳብ ድማ ናብ ዝኽሪ 20 ሰነ 2008 ተመሊሰ፣ ወግዓዊ ጽምብል ዝኽሪ ድሕሪ ምዝዛሙ። ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ንከብርሃ ሒዘያ ዝመጻእኩ ሽምዓ ከብርህ ናብ ቀጽሪ መቓብር ሓርበኛታት ኣትየ፣ መብዛሕትኡ ሰብ’ውን ናብ’ቲ ሓወልቲ ንምብጻሕን ሽምዓ ዝኽሩ ንምብራህን ንውሽጢ’ዩ ዝኣቱ ነይሩ፣ ሽዑ። ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ሰማእታት ዝዓረፈሉ ቦታ። ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝርከብዎም ሰባት ዓጒጎም ሽምዓኦም ኣብሪሆም ርእየ፣ ካብ ሑቕፊ ወለዶም ምፍላዮም ዝፈጠረሎም ቃንዛ። ምስ’ቲ ሰማእቲ ዝመጠዉልና ራህዋ ኣመዓራርየ

ክርእዮ ፈቲነ፣ ኣዒንቶም ብንብዓት ናፍቖት ተሓጺቡ። ጎረረኦም ተለኺቱ። ኣብ ዝባን’ቲ ሓወልቲ። ናይ ወላድን ውሉድን ፍቕሮም ክገላለጹ። ጽን ክበሃሃሉ ክትርእዮም። … ክትጻወሮ እትኽእል ስምዒት ኣይኮነን፣ ልዕሊ ብድንጋጸ። ብሓላፍነትን ምትግባር ሕድርን ተነኺእካ ምስኦም ትነብዕ፣ እቲ ኣብኡ እትርእዮ ስምዒታት። ንኤርትራውነት ጋሻ ወይ ጓና እንተተዓዚብዎ። ሓድሽ ሓዘንዶ ምመሰሎ? ኣብ’ታ ዘንበባ ጽሕፍቱ ኣለምሰገድ

ተስፋይ። “…። ቅያን ተግባራትን ስውኣትና ከም ገድለ ጻድቃን ንሰማይ ኣንቃዕሪርካ እተናድዮ ዘይኮነ። ዝጭበጥን ዝውረስን ቅርሲ ወድሰብ። ቅርሲ ኤርትራውያን ኢዩ፣ ንሸፈጥ። ንምምጽዳቕ። ንዓመጽን ሓሶትን። ንጥበራን ዕዳጋን ዝወርድ ቅርሲ ከኣ ኣይኮነን፣ ካብ ዓቕሚ’ዞም

ዘለናን ዝትክኡናን ወለዶታት ወጻኢ ኮይኑስ። ዘይውሰድ። ዘይቅሰም። ዘይቅዳሕን ዘይውረስን ቅያ’ውን ኣይኮነን፣ ሕላገት። ትእምርቲ። ጠባይን መንፈስን ኤርትራውያን ኮይኑ ከም ዝመሓላለፍ ምግባር ከኣ ኢዩ ሓላፍነትና” ይብል፣ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ መስዋእትን ዝተሰርሐ ተኣምረ-ጅግንነትን። ኣብ ምውሓስ ዶባትን ምኽባር ልኣላውነትን ብዝተፈጸመ ጅግንነትን መንፈስ መስዋእትን ምቕጻሉ ናይ’ዚ ዝከኣል ውርሲ ምስክር’ዩ፣ ንኤርትራዊ ጅግንነትን ናይ መስዋእቲ ቅሩብነትን። ኤርትራዊ ወለዶታት ይወርሶን ይስከሞን፣ “ንመስዋእትነት ዝተፈጥረ መን’ዩ?” ንዝብል ሕቶ ብልምዲ። ‘ሕሩይን ሕሩያትን’ ዝብል መልሲ ምሃብና እመስለኒ፣ “ሕሩይን ሕሩያትንከ መን’ዩኦም?” ዝብል ሕቶ እንተስዒቡኸ እንታይ’ዩ ክኸውን መልስና? መን’ዩ ሓራዪ መን ተሓራዪ ዘይኮነ። ናይ ተወፋይነትን ቅሩብነትን ሕቶ። ናይ ንሕሉፍካን ክትኮኖ ዝግበኣካ መጻእን ምስትብሃል ሕቶ እዩ ዝኸውን፣ ብቃላት ጸሓፊ ኣለምሰገድ። ሰማእታት። ‘ንህይወት። ንኣየር ናጽነት። ንሓዳርን ውላድን። ንዕብየትን ንንቡር ሞትን ዝተፈጥሩ ክነሶም። ዘይንቡር ኩነታት ከማዓራርዩ። ናብራ ካልኦት ከጣጥሑ ሓሲቦምን ኣመዛዚኖምን ጎደና መስዋእቲ ዝመረጹ ከም ኩላትና ፍጡራት ምንባሮም ምግንዛብ የድልየና፣” ሰናይ ድሌት ኩልና። እዛ ብደሞምን ዓጽሞምን ደው ዘበልዋ ሃገር።

ትንፋሳት ዝሓትት ጎነጽ ዝጸውዖ መስዋእቲ ዳግም ከየጋጥማ ኢዩ፣ ሰማእታትና ቀዳምነት ዝሰርዕዎ ራእይን ዕላማን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ኣብ መዕረፊኡ ንምብጻሕ ምስጓምን ግና ንኹሉ መጻኢ ወለዶታት ንኡስ መስዋእቲ ዝሓትት ጉዕዞ’ዩ፣

ሓዳስ

8

ኤርትራ 21 ሰነ 2009

ጎቢዛ’ኳ ደኣ

“ወዲ ጅግና”

ቀስ ብቀስ እኮ’ያ እግሪ እትተክል እንቋቑሖ ነይራስ ዓይነት ዑፍ ትውክል ባና ኣጉዶና’ውን ሕልሚ እኩያት ከምክን ጸርጊ ብርሃኑ ክደጉሕ’ዩ ግድን ስለዚ

“ኣቦይ እንታይ ድዩ?” ኣብታ ጽምዋ ቤት ምስተን ዝርካበን ንብረት ዘለዋ ክሹፍን ሽዳን ኣብቲ ደባን መንደቕ እተሰቕላ ኣሳእልን እናረኣኹ። ዝጸንሖ ውላድና ዝሓቶ’ዩ፣

ኣጉዶና ኣጸምዮም ከናውሑ ዕምሮም እግሪ ኣብ ምትካላ ክቘጽዩዋ ኢሎም ክንደይ መሽጎራጉር ተቓጽዮም ፍሒሮም እንተኾነ። ድኻሞም ጎሲሞም ኣላሽ! ተሸሊሞም

ኣቦኻ ስውእ’ዩ፣ ኢለ ክጥምቶ ዛሕሊ ልሳነይ ፍዘት ናይ ገጸይ ግዲ ዓዚዝዎ። ወይ - ሓበን ውሽጠይ ግዲ ተሓቢእዎ ዶስ ዊሕድዎ ኣቦይ ጅግና ዶ ኣይኰነን? ክብለኒ ከሎ። ኣቤት እንተትርእዮ፣

ኤረይ ግን ትግስስ ኣብቲ ናጻ መስመር ማይ ምስ ዝሓቑኑ ከይበለት ደንበርበር ልእልቲ ትጉብዝ’ቲ ምንታይ ልኢኻ ኣብ ዝሓተተቶም ዝበትኩ ማሕለኻ ካብ ተጸጋዕነት ንምኽኣል ርእስኻ ንስለ ዝናኣ። ዝመረጹ ምርሳዕ ነብስኻ ሕጂሞ ሰዊዳ ዓምቢባ ኣጉላዕሊዓ ኩሉ ተራኺቡ ጎላጉል እምባኣ ካብ ቅርዓት ትቐድሕ ጽሩይ ማይ ደምቢኣ ዘይከም ህውቱት ሕልሞም ጎቢዛኳ ድኣ መም/ርሻን በርሀ

ጫፍ!

መስታ ኣብ ቀደድታኡ ጥርዚ ኣለዋ። ርቕቕ ዝበለ - ቀጸላ ንሓንሳብ ተራእዩ ውርም ጸኒሑ - ግስም ንሱ ኮይኑ ጫፍ ንሱ’ዩ ምዕራፍ ኪንዩ ኣይከይድ ተመሊሱ ኣይውለድ ከም በሪኽ ቅኒት ኣፍታል - ርቦታት ተወጢሩ በሪኹ ኣብ ጫፉ’ዩ ምዕራፉ ኪንዩ’ቲ ውጥረት ተሓሊፉ ንጫፍ ጠረግታ’ዩ ምዕራፉ ባህር ሓቂ ዘይውዳእ ምዕራፍ ዘይውዳእ ዝኽሪ ግን ናይ ጫፋት ጫፍ፣ ብቢለን ሃብተማርያም

ወዲ ጅግና ጥራይ ኢለ ሕቝፍ ከብሎ ዝዀኖ እንተትርእዮ፣ እንተትርእዮ ምስ መዛኑኡ ኣነ’ኮ ወዲ ጅግና’የ ኢሉ ክንየት ከሎ፣ እንተትርእዮ ሃረርታኡ። እቲ ጅግና ክመጾ ዘሎ ቆመትኡ፣ ተስፋልደት ሓጐስ

ንሱ ምሳና’ሎ ኣብ ጽምዋ ስፍራ ጫውጫውታ ዘይብሉ ኣዒንትኹም ገይሸን ናብቲ ዘዕረፈሉ ዋላ ይማህለላ ኣብ ዝኽሩ ክሓድራ ቀይሕን ከደራይን ምስሊ እናማእረራ እንትርፎ ስጋኡ አብኡ የለን ንሱ ቅድሚ እሂን ምሂን ትንፋስ ክትውከሱ፣ ንሱ ደኣ! ኣብ ትንሳኤ ዙፋን ታቦታ ዝጾረ መቓብር ከይመልኮ ንሞት ዝሰዓረ ምዃኑ ፈሊጥና ዝኽሩ ክነቋሲ መርሃዊ እንዶ ኣይኮነን ዘየማትእ መልሲ፣ በታ ንጣር ቁልዒ ብርሃን ዝወለዐ ኣብ ልብና ኣትዩ ራህዋ ዝጮንጎዐ ቋሕ ኢልና ንርአ’ሞ.. ኣብ ብጹኣት ውዕሎ ብመንፈስ ክንርዕም ምሳና ከምዘሎ፣ ብስራት በርሀ

Related Documents